ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዘይፍትሓውነት መልሲ ረኺበሉ

ንዘይፍትሓውነት መልሲ ረኺበሉ

ንዘይፍትሓውነት መልሲ ረኺበሉ

ኦርሱላ መነ ዘዘንተወቶ

ካብ ቀደም ኣትሒዘ፡ ኵሉ ሰብ ብዘይ ኣድልዎን ብፍትሓዊ መገድን ኪተሓዝ ሓያል ድሌት ነይሩኒ። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ኣብ ኮሚኒስት ምብራቕ ጀርመን ተኣሲረ ነይረ። እቲ ዜገርም ከኣ፡ ነቲ ብዛዕባ ዘይፍትሓውነት ዝነበረኒ ሕቶ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ መልሲ ምርካበይ እዩ። እዚ ብኸመይ ከም ዝዀነ ኸዘንትወልኩም።

ብ 1922፡ ካብ 1,200 ዓመት ዚዛይድ ታሪኽ ኣብ ዘለዋ፡ ሃለ ኣብ እትብሃል ኣብ ጀርመን እትርከብ ከተማ እየ ተወሊደ። ሃለ ኻብ በርሊን ብደቡብ ምዕራብ 200 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኰይና፡ ሃይማኖት ፕሮተስታንት ካብ ዝዓብለለን ከተማታት ሓንቲ እያ። ካተ ሓብተይ 1923 ተወልደት። ኣቦይ ወተሃደር ነበረ፣ ኣደይ ድማ ኣብ ትያትር ደራፊት ኰይና ትሰርሕ ነበረት።

ንዘይፍትሓውነት ፍታሕ ንምንዳይ ዝነበረኒ ሓያል ድሌት፡ ካብ ኣቦይ እየ ቐዲሐዮ። ኣቦይ ካብ ውትህድርና ምስ ወጸ ድኳን ዓደገ። መብዛሕትኡ ዓማዊሉ ድኻታት ስለ ዝነበሩ ኸኣ፡ ይርሕርሓሎም ነበረ። ስለዚ፡ ብልቓሕ ኪወስዱ ይፈቕደሎም ነበረ። እንተዀነ ግና፡ እዚ ሕያውነቱ ኣኽሰሮ። ምስ ኣድልዎን ዘይፍትሓውነት ምቅላስ፡ ካብ እትሓስቦ ንላዕሊ ኸቢድን እተሓላለኸን ምዃኑ፡ ካብ ተመክሮ ኣቦይ ክምሃር ምተገብኣኒ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኪፍጸም ዘይክእል ትምኒት ንእስነት ብቐሊሉ ዘይቅህም ጓህሪ እዩ።

ካብ ኣደይ፡ ስነ ጥበባዊ ኽእለት ወሪሰ እየ፣ ኣደይ ንዓይን ንካተን ሙዚቃን ደርፍን ሳዕስዒትን ትምህረና ነበረት። ብንእስነተይ ሕጕስትን ንቕሕትን ነበርኩ። ኣነን ካተን ክሳዕ 1939 ጽቡቕ ህይወት ነበረና።

ሕማቕ እዋን ጀመረ

መሰረታዊ ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ባለይ ኣተኹ፣ ኣብኡ ድማ፡ ሜሪ ዊግማን እትምህሮ ዝነበረ ኣውስድራክስታን (ገላጺ ሳዕስዒት) ተምሃርኩ። ንሳ ፈላሚት እዚ ሳዕስዒት እያ ነይራ፣ እዚ ዓይነት ሳዕስዒት ድማ፡ እቲ ሳዕሳዒ ስምዒታቱ ብሳዕስዒት ኣቢሉ ንኺገልጽ የኽእሎ። ጸኒሓ ኸኣ ስእሊ ኽስእል ጀመርኩ። ግዜ ንእስነተይ ኣብ ፈለማ ባህ ዜብልን ሓጐስ ዚመልኦን ሓድሽ ነገራት ዝምሃረሉን እዋን ነበረ። እንተዀነ ግና፡ ጸኒሑ 1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ተወልዐ። ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ድማ፡ ኣቦይ 1941 ብሕማም ዓባይ ሰዓል ሞተ።

ውግእ ኣዝዩ ዜስካሕክሕ ነገር እዩ። እቲ ውግእ ኪጅምር ከሎ ጓል 17 ዓመት እኳ እንተ ነበርኩ፡ ዓለም እተጸለለት ኰይኑ ተሰምዓኒ። ጥዑያት ይመስሉ ዝነበሩ ሰባት፡ ሽዑ ምስ ናዚ ዓበድበድ ኪብሉ ኸለዉ ረኣኹ። ድሕሪኡ፡ ስእነትን ሞትን ዕንወትን ሰዓበ። ገዛና ብመጥቃዕቲ ቡምባ ዓነወ፣ ሓያሎ ኣባላት ስድራ ቤተይ ድማ፡ ኣብቲ ውግእ ተቐትሉ።

እቲ ውግእ 1945 ደው ምስ በለ እውን፡ ኣንን ኣደይን ካተን ካብ ሃለ ኣይወጻእናን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዓልቲ ሓዳርን ኣደ ሓንቲ ቘልዓን ነበርኩ። ሓዳረይ ግና ጽቡቕ ኣይነበረን። ንርእሰይን ንጓለይን ምእንቲ ኼናብር፡ ሳዕሳዒትን ሰኣሊትን ኰይነ እሰርሕ ነበርኩ።

ድሕቲ እቲ ውግእ፡ ጀርመን ኣብ ኣርባዕተ ተመቒላ ነበረት። በዚ ኸምዚ፡ ከተማና ብሕብረት ሶቮየት ክትመሓደር ጀመረት። ስለዚ፡ ኵላትና ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኮሚኒስት ምንባር ክንላመድ ነበረና። 1949 እቲ ንሕና እንነብረሉ ዝነበርና ኽፋል ጀርመን ማለት፡ ምብራቕ ጀርመን ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ጀርመን ኰነ።

ህይወት ኣብ ትሕቲ ኮምዩኒዝም

ኣብተን ዓመታት እቲአን፡ ኣደይ ሓሚማ ስለ ዝነበረት ክኣልያ ነበረኒ። ስለዚ፡ ኣብ ሓደ መንግስታዊ ትካል ስራሕ ጀመርኩ። ሽዑ ነቲ ዝነበረ ዘይፍትሓውነት ኬቃልዑ ይጽዕሩ ምስ ዝነበሩ ንመንግስቲ ዚቃወሙ ተምሃሮ ተላለኹ። ንኣብነት፡ ሓደ መንእሰይ፡ ኣብኡ ኣባል ሰልፊ ናዚ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣትዩ ኸይምሃር ተኣገደ። ምስኡ ሓቢርና ሙዚቃ ንጻወት ስለ ዝነበርና፡ ኣጸቢቐ እፈልጦ ነይረ። ‘ኣቦኡ ብዝገበሮ፡ ስለምንታይ ንሱ ዚሳቐ’ ኢለ ድማ ሓሰብኩ። እቲ ምስቶም ተቓወምቲ ዝነበረኒ ርክብ እናሓየለ ኸደ፣ ስለዚ፡ ኣብ ህዝባዊ ተቓውሞ ኽሳተፍ ወሰንኩ። ኣረ ሓደ እዋንሲ፡ ኣብ መዳያይቦ እቲ ኣብ ከባቢና ዚርከብ ህንጻ ቤት ፍርዲ፡ ወረቐት ጠቂዐ ነይረ እየ።

ኣብ ዞባዊ ኮሚተ ሰላም፡ ጸሓፊት ኰይነ ኣብ ዝዓይየሉ ዝነበርኩ እዋን እቲ ዜጽሑፉኒ ዝነበሩ ገሊኡ ደብዳበታት ዘይፍትሓዊ ብምንባሩ እበሳጮ ነበርኩ። ኣብ ሓደ እዋን፡ እቲ ኮሚተ ምእንቲ ፖለቲካዊ ረብሓ፡ ኣብ ምዕራብ ጀርመን ንዚነብር ሓደ ብዕድመ ዝደፍኣ ሰብኣይ፡ ኮሚኒስታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፍ ኪሰድደሉ መደበ፣ እዚ እተገበረ ድማ እቲ ሰብኣይ ምእንቲ ኺጥርጠር ተባሂሉ እዩ። በቲ ኣብቲ ሰብኣይ እተኣልመ ውዲት፡ ኣዝየ ስለ ዝሓረቕኩ፡ ነቲ ደብዳበ ኣብ ቤት ጽሕፈተይ ሓባእኹዎ፣ በዚ ኸምዚ ኸይተላእከ ተረፈ።

እታ ኣዝያ እተጸልአት ሰብ፡ ተስፋ ሃበትኒ

ኣብ ሰነ 1951፡ ክልተ ሰብኡት ናብ ቤት ጽሕፈተይ መጺኦም፡ “ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣቲኺ ኢኺ” በሉኒ። ሩተር ኦሴ ወይ ሬድ ኦክስ ዚብሃል ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ወሰዱኒ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ፡ ‘ኣንጻር መንግስቲ ናዕቢ ምልዕዓል’ ብዚብል ተኸሰስኩ። ሓደ ተምሃራይ ብዛዕባ እቲ ተቓውሞ ንምግላጽ ጠቂዐዮ ዝነበርኩ ወረቐት፡ ሽታዚ ንዚብሃል ፖሊስ ብምንጋር፡ ንዓታቶም ኣሕሊፉ ሃበሉ። እቲ መስርሕ ፍርዲ ዘይረብሕ እዩ ነይሩ ኸመይሲ፡ ነቲ ንርእሰይ ንምክልኻል ዘቕረብክዎ ሓሳብ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይተገደሰሉን። በዚ ኸምዚ፡ ሽዱሽተ ዓመት ክእሰር ተፈርደኒ። ኣብቲ እዋን እቲ ሓሚመ ስለ ዝነበርኩ፡ ምስ ካልኦት ዳርጋ 40 ዚዀና ኣንስቲ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዚርከብ ሆስፒታል ኣደቀሱኒ። ኣብኡ ንዅለን እተን ኣዝየን ጕሁያት ኣንስቲ ምስ ረኣኹ ተረበሽኩ። ሽዑ ናብቲ ማዕጾ ጐይየ ኸይደ፡ ብኢደይ ገም ገም ኣበልክዎ።

እቲ ሓላዊ ኸኣ፡ “እንታይ ደሊኺ፧” ኢሉ ሓተተኒ።

“ካብዚ ኽወጽእ ኣለኒ፣ እንተ ደሊኻ ንበይነይ እሰረኒ እምበር፡ ካብዚ ኣውጽኣኒ” ኢለ ጨደርኩ። ንሱ ግና ኣይተገደሰለይን። ቍሩብ ጸኒሓ፡ ካብተን ካልኦት ኣንስቲ ፍልይ ዝበለት ሓንቲ ሰበይቲ ረኣኹ። ኣብ ኣዒንታ ውሽጣዊ ሰላም ከም ዘለዋ ይንበብ ነበረ። ስለዚ፡ ኣብ ጥቓኣ ኾፍ በልኩ።

ንሳ ድማ፡ “ኣብ ጥቓይ ኮፍ ትብሊ እንተ ዄንኪ ኽትጥንቀቒ ኣሎኪ” ብምባል ዜገርም ነገር ተዛረበትኒ፣ ኣስዒባ ድማ፡ “ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዝዀንኩ፡ ካልኦት ኣዝየን እየን ዚጸልኣኒ” በለትኒ።

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጸላእቲ እታ ኮሚዩኒስታዊት ሃገር ጌርካ ይርኣዩ ኸም ዝነበሩ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ቈልዓ ኸለኹ፡ ክልተ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ (ሽዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጽውዑሉ ዝነበረ ስም) ንኣቦይ ወትሩ ይበጽሕዎ ኸም ዝነበሩ ግና እዝክር እየ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ኣቦይ “ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ቅኑዓት እዮም” ይብል ነበረ።

ሽዑ ምስታ በርታ ብሩጊማየር እተባህለት ተፈታዊት ሰበይቲ ስለ እተላለኹ፡ ብሓጐስ ነባዕኩ። “በጃኺ ብዛዕባ የሆዋ ንገርኒ” ድማ በልኩዋ። ካብ ሽዑ ኣትሒዝና፡ ብሓንሳእ ብዙሕ ግዜ ኸነሕልፍን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመያየጥን ጀመርና። ገለ እቲ እተምሃርክዎ ነገራት እቲ ናይ ሓቂ እምላኽ ዝዀነ የሆዋ፡ ኣምላኽ ፍቕርን ፍትሕን ሰላምን ምዃኑ የጠቓልል። ንዅሉ እቲ እኩያትን ጨቈንትን ሰባት ዘስዓብዎ ጕድኣት ከም ዜዐርዮ እውን ተምሃርኩ። መዝሙር 37:10, 11፦ “ድሕሪ ቝሩብ፡ እኩያት ኣይኪህልዉን እዮም፣ . . . ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ” ትብል።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈታሕኩ፡ ናብ ምዕራብ ጀርመን ከኣ ሃደምኩ

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ፡ 1956 ተፈታሕኩ። ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ድማ፡ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ጀርመን ናብ ምዕራብ ጀርመን ሃደምኩ። ሽዑ ነተን ሃኒሎርን ሳቢነን ዝበሃላ ደቀይ ሒዘየን ከድኩ። ኣብኡ ኽንነብር ምስ ጀመርና ምስ ሰብኣየይ ተፋታሕና፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ዳግም ተራኸብኩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዘጽናዕኩ መጠን፡ ብመለክዒታት የሆዋ ምእንቲ ኺመላለስ፡ ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ለውጥታት ክገብር ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ነዚ ለውጥታት ብምግባር ከኣ፡ 1958 ተጠመቕኩ።

ጸኒሐ፡ ምስ ሓደ ክላውስ መነ ዚብሃል ናይ የሆዋ ምስክር ተመርዓኹ። ምስ ክላውስ ጽቡቕ ሓዳር እዩ ነይሩና። በንጃሚንን ታብያን ዚብሃሉ ኽልተ ቘልዑ ድማ ነበሩና። እቲ ዜሕዝን፡ ክላውስ ቅድሚ 20 ዓመት ብሓደጋ ምስ ሞተ፡ መበለት ኰንኩ። እንተዀነ ግና፡ ሳላ ተስፋ ትንሳኤ ማለት፡ ምዉታት ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኸም ዚትንስኡ ምፍላጠይ ብዙሕ ኣጸናኒዑኒ እዩ። (ሉቃስ 23:43፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ብዘይካዚ፡ ኣርባዕቲኦም ደቀይ ንየሆዋ የገልግሉ ምህላዎም የጸናንዓኒ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘጽናዕኩ፡ ናይ ሓቂ ፍትሒ ኼምጽእ ዚኽእል፡ የሆዋ ጥራይ ምዃኑ ፈሊጠ እየ። የሆዋን ንዅሉ ዅነታትና፡ ድሕረ ባይታና፡ እንተላይ ነቲ ኻልኦት ሰባት ዘርእይዎ ነገራት ዜቕልበሉ ምዃኑ ፈሊጠ እየ። እዚ ኽቡር ፍልጠት እዚ፡ ሎሚ እውን ከይተረፈ፡ ብፍላይ ከኣ ዘይፍትሓውነት ክርእን ኬጋጥመንን ከሎ የህድኣኒ እዩ። መክብብ 5:8 ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ኣውራጃኻ ጭቈና ድኻ ዀነ ጥሕሰት ፍትሕን ጽድቅን እንተ ርኢኻ፡ ብዛዕባ እቲ ነገር ኣይትገረም። እቲ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣንሲ፡ ካብኡ ብዚልዕል ይጥመት እዩ፣ ገና ኻባታቶም ዝለዓሉ እውን ካልኦት ኣለዉ።” ኣብዚ፡ እቲ ‘ዝለዓለ’ እተባህለ ፈጣሪና እዩ። እብራውያን 4:13 ከኣ፡ “ኵሉ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቲ ጸብጻብ እንህቦ ቕሉዕን ግሁድን እዩ” ትብል።

ንልዕሊ 90 ዓመት ዘሕለፍክዎ ህይወት

ሓድሓደ ግዜ ሰባት፡ ኣብ ትሕቲ ናዚን ኮሚዩኒስትን ህይወት ከመይ ነይሩ ኢሎም ይሓቱኒ እዮም። ኣብ ክልቲኡ ኣገዛዝኣ፡ ህይወት ቀሊል ኣይነበረን። ክልቲኡ ዓይነት ኣገዛዝኣ ዀነ፡ ኵሉ ዓይነት ኣገዛዝኣ ሰብኣዊ መንግስትታት፡ ሰባት ብርእሶም ኬመሓድሩ ኸም ዘይክእሉ ዘረጋገጸ እየ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከምቲ ብሓቂ ዝዀኖ ብግልጺ፡ ‘ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ይገዝኦ’ ይብል እዩ።—መክብብ 8:9

መንእሰይን ዘይብስልትን ከለኹ፡ ካብ ሰባት ፍትሒ ዘለዎ ኣገዛዝኣ እጽበ ነይረ። ሕጂ ግና ለቢመ እየ። ፈጣሪና ጥራይ እዩ ናይ ሓቂ ፍትሒ ዝሰፈና ዓለም ከምጽእ ዚኽእል፣ ነዚ ዚገብሮ ኸኣ፡ ንዅሎም እኩያት ብምጥፋእን ነቲ ኻብ ጥቕሚ ርእሱ ጥቕሚ ኻልኦት ዜቐድም ወዱ የሱስ ክርስቶስ፡ ንምድሪ ኼመሓድር ብምንጋስን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ከምዚ ይብል፦“ጽድቂ ፈቲኻ፡ ጥሕሰት ሕጊ ኸኣ ጸሊእካ።” (እብራውያን 1:9) ኣምላኽ ናብዚ ብሉጽን ፍትሓውን ንጉስ ስለ ዝሰሓበኒ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ፣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ኽነብር ከኣ ተስፋይ እዩ።

[ስእሊ]

ምስ ደቀይ ሃኒሎርን ሳቢነን ናብ ምዕራብ ጀርመን ምስ ኣተና

[ስእሊ]

ሎሚ ምስ ወደይ በንጃሚንን በዓልቲ ቤቱ ሳንድራን