ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ምድሪ

ምድሪ

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

‘እቲ ንምድሪ ዝደኰና፡ ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር፡ ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ የሆዋ ኸምዚ ይብል።’—ኢሳይያስ 45:18

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ብዙሓት ሰባት፡ ምድሪ ብፈጣሪ ኸም እተፈጥረት ገይሮም ኣይሓስቡን እዮም። ገሊአን ሃይማኖታት ድማ፡ ምድሪ፡ ኣምላኽ ንሰባት ናብ ሰማይ ዚኸዱ እንተ ዀይኖም ወይ ከኣ ኣብ ገሃነም እሳት ዚሳቐዩ እንተ ዀይኖም ዚውስነላ ግዜያዊት ቦታ ፈተና ኸም ዝዀነት ይምህራ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ . . . ሰማይን ምድርን ፈጠረ” እዩ ዚብል። (ዘፍጥረት 1:1) ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ድማ፡ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ . . . ኵሉ እንስሳ . . . ከኣ ግዝኡ፡ በሎም።” (ዘፍጥረት 1:28) ሞት ንፈለማ እዋን እተጠቕሰ፡ እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ስለ ዘይተኣዘዙ እዩ። (ዘፍጥረት 2:17) ስለዚ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ዝነበሮ ዕላማ፡ ደቂ ሰብ ንዘለኣለም ኪነብሩላ እዩ ነይሩ። ምድሪ ብዚከናኸንዋን ንዘለኣለም ብዚነብሩላን እዙዛት ደቂ ሰብ ክትምላእ ነበራ።

ምድሪ ኽትጠፍእ ድያ፧

“ንዘለኣለም ከይትናወጽሲ፡ ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣጽንዓ።”—መዝሙር 104:5

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ምድሪ ብኸመይ ክትጠፍእ ከም እትኽእል ወይ እውን ብኸመይ ሰብ ዘይነብረላ ኸም እትኸውን ዚገልጽ እተፈላለየ ሓሳባት ይህቡ እዮም። ገሊኣቶም፡ እቲ ብሰንኪ ባህርያዊ ሓደጋታት ዚመጽእ ከም ኣስተሮይድ ወይ ኮመት፡ ኣዝዩ ፍሉይ ዓይነት ሓይሊ ዘለዎ እሳተ ጎመራ፡ ምጥፋእ ጸሓይ፡ ወይ ከኣ ዓለምለኻዊ ዋዒ ዜጠቓልል መዓት፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ጕድኣት ኬውርድ ከም ዚኽእል ይዛረቡ፣ ገሊኣቶም ድማ፡ እቲ ብሰንኪ ደቂ ሰብ ዚመጽእ ኑክልየሳዊ ውግእ ወይ ከኣ ብባዮሎጅያዊ ኣጽዋር ዚግበር ግብረ ሽበራ፡ ንሰባት ኣብ ሓደጋ ኼእትዎም ከም ዚኽእል ይገልጹ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኣይተለወጠን። ቃል ኣምላኽ ብንጹር፡ “ምድሪ . . . ንዘለኣለም ትቐውም” ይብል። (መክብብ 1:4) ብዘይካዚ፡ ሰባት ንዘለኣለም ኪነብሩላ እዮም፣ ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጻድቃን ንምድሪ ኺወርስዋ፥ ኣብኣውን ንዘለዓለም ኪነብሩ እዮም” ይብል እዩ።—መዝሙር 37:29ትርጕም 1990።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

እቲ ምድሪ ኸም እትጠፍእ ዚገልጽ እምነት፡ ንገሊኦም ሰባት ነቲ ኽቡር ሃብቲ ምድሪ ኸም ዚዘምትዎ ገይርዎም እዩ። ንኻልኦት ድማ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዋላ ሓንቲ ተስፋ ኸም ዘይህልዎምን ብዛዕባ ሎሚ ጥራይ ከም ዚግደሱን ይገብሮም ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ ዕላማ ወይ ትርጕም ዘይብሉ ህይወት ከም እትነብር እዩ ዚገብረካ። ብኻልእ ሸነኽ ግና፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ከም እንነብር እንተ ኣሚንና፡ ንዓናን ንስድራ ቤትናን ኣብ መጻኢ እውን እንተ ዀነ ዚጠቕመና ውሳነታት ኢና እንገብር።

ደቂ ሰብ ናብ ሰማይ ድዮም ዚኸዱ፧

“ሰማያትሲ ናይ እግዚኣብሄር ሰማያት እዮም፡ ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሀቦም።” —መዝሙር 115:16

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ብዙሓት ሰባት፡ ኵሎም ጻድቃን ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ እዮም ዚኣምኑ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ሰማያት ናይ ኣምላኽ እዮም፣ ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ እያ ተዋሂባቶም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “እትመጽእ ዓለም” ይገልጽ እዩ። (እብራውያን 2:5) ንፈለማ እዋን ካብ ሰማይ ዝወረደ፡ የሱስ እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ እተመርጹ ሒደት ሰባት ንሓደ እተፈልየ ዕላማ ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ ይሕብር እዩ። ምስ የሱስ ኰይኖም ከኣ፡ “ኣብ ልዕሊ ምድሪ . . . ኪነግሱ እዮም።”—ራእይ 5:9, 10፣ ሉቃስ 12:32፣ ዮሃንስ 3:13

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

“ኵሎም ጻድቃን እዮም ናብ ሰማይ ዚኸዱ” ዚብል እምነት፡ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ትምህርቲ ኣይሰማማዕን እዩ። ኣምላኽ ንዅሎም ጻድቃን ናብ ሰማይ ዚወስዶም እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ንምድሪ ዚምልከት ናይ መጀመርታ ዕላማኡ ኺፍጽሞ ኣይከኣለን ማለት እዩ፣ እቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ድማ ሓቂ ኣይኰነን ማለት እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ተስፋኻ ኣብ እግዚኣብሄር ግበር፥ ትእዛዛቱውን ሓሉ፥ ንምድሪ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ” ይብል።—መዝሙር 37:34ትርጕም 1990።