ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንውሉድካ ኻብ ሓዘኑ ኺጸናናዕ ሓግዞ

ንውሉድካ ኻብ ሓዘኑ ኺጸናናዕ ሓግዞ

ንውሉድካ ኻብ ሓዘኑ ኺጸናናዕ ሓግዞ

ሓንቲ እተበሳጨወት ኣደ ንሓንቲ ሸያጢት መጻሕፍቲ: “ብዙሕ መጻሕፍቲ እዩ ዘሎኩም: ንወደይ ዚኸውን መጽሓፍ ግን ሓንቲ እኳ የብልኩምን” ኢላ ተዛረበታ። እዛ ኣደ እዚኣ: ነቲ ብሃንደበታዊ ሞት ኣባል ቤተሰቡ ሓዚኑ ዝነበረ ንእሽቶ ወዳ ንኽትሕግዞ ዜኽእላ መምርሒ እያ ትደሊ ነይራ።

እዛ ኣደ ኸምዚ ኺስምዓ ሓቃ እያ። ከመይሲ: ሓደ ቘልዓ ንሞት ምቕባል ኣመና እዩ ዚጨንቆ። ቈልዑ ኣብ ትሕቲ ኽንክን ወለዶም ብጽቡቕ ዚዓብዩ እኳ እንተ ዀኑ: ምስቲ ቘልዓ ጥብቂ ርክብ ዝነበሮ ዜፍቅሮ ሰብ ግን ኪመውት ይኽእል እዩ። ወላዲ ኸም ምዃንካ መጠን: ከምዚ ኼጋጥም እንተ ዀይኑ ወይ ከኣ ድሮ እንተ ኣጋጢሙ ንውሉድካ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧

ሓቂ እዩ: እተፍቅሮ ሰብ እንተ ሞይቱ: ንስምዒታትካ ኽትጾሮ ትቃለስ ትህሉ ትኸውን፣ ጓሂ ኺስምዓካን ኣቓልቦኻ ኣብ ካልእ ኪኸውንን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ውሉድካ እውን እንተ ዀነ ደገፍካ ኸም ዜድልዮ ኣይትረስዕ። ኣብ ሚኒሶታ: ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ሆስፒታል ዝዘርግሓ ንእሽቶ መጽሓፍ: “ቈልዑ እተወሰነ ነገራት ኪዝረብ ከሎ ይሰምዑ ይዀኑ: ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ እንተ ዘይተነጊርዎም ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ዝሰምዕዎ ሓበሬታ ብጌጋ ይርድእዎ” ድሕሪ ምባላ: “ንቘልዑ እቲ ሓቂ ኺንገሮም ኣለዎ” በለት። ስለዚ: ናይ ምርዳእ ዓቕሙ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ሓቂ ምንጋሩ ጥበባዊ እዩ። ቈልዑ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገር ዘለዎም ምርዳእ ስለ ዚፈላለ: ከምዚ ምግባር ቀሊል ኣይኰነን።—1 ቈረንቶስ 13:11

ንሞት ብኸመይ ክትገልጾ ትኽእል፧

ገሊኦም ተመራመርቲ ኸም ዚገልጽዎ: ወለዲ ንቘልዓ ብዛዕባ ሞት ኪነግርዎ ኸለዉ: “ደቂሱ:” “ዓሪፉ:” ወይ “ገይሹ” ዚብል ቃላት ኪጥቀሙ የብሎምን። ከምዚ ዝኣመሰለ ቓላት ብድብድቡ ምጥቃም: ነቲ ቘልዓ ኼደናግሮ ይኽእል እዩ። ሓቂ እዩ: የሱስ ንሞት ብዚምልከት ኪዛረብ ከሎ: ድቃስ ተጠቒሙ እዩ: ከምኡ ምግባሩ ኸኣ ግቡእ ነበረ። ንቘልዑ ይዛረብ ከም ዘይነበረ ግን ዘክር። ብዘይካዚ ነቲ ዝሃቦ ምሳሌ ገሊጽዎ እዩ። ንሰዓብቱ “ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ አሎ” በሎም። እቶም ብዕድመ ዓበይቲ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ “ብዛዕባ ናይ ትኽስ ድቃስ እተዛረበ መሰሎም።” ስለዚ: የሱስ ነቲ ጕዳይ ንምንጻር “ኣልኣዛር ሞይቱ” በሎም። (ዮሃንስ 11:11-14) ንበጽሕታት ከምዚ ዝበለ መግለጺ ኻብ ኣድለዮም: ንቘልዑ ግዳ ኽሳዕ ክንደይ ብዝያዳ ዘየድልዮም፧

ሜሪ ኣን ኢምስዊለርን ጀምስ ፒ. ኢምስዊለርን ዚበሃሉ ደረስቲ: “ሓንቲ ወላዲት ንውሉዳ ብዛዕባ ሞት ክትነግሮ ኸላ: ልስሉስ ቃላት ትጥቀም ትኸውን፣ ከምዚ ምግባራ ግን: ፈጺሙ ኣብ ኣእምሮ እቲ ቘልዓ ዘይነበረ: ምናልባት እውን ዜፍርህ ወይ ጐዳኢ ሓሳባት ተሕድር ትኸውን” በሉ። ንኣብነት: ንሓደ ቘልዓ ብዛዕባ እቲ ዜፍቅሮ ዝሞተ ሰብ ክትነግሮ ኸለኻ ኸም ዝደቀሰ ጌርካ እንተ ተዛሪብካ: ምሸት ምስ ደቀሰ መሊሱ ኸም ዘይትስእ ብምሕሳብ ኪፈርህ ይኽእል እዩ። እቲ ዝሞተ ሰብ ከም “ዝገሸ” እንተ ተነጊርዎ ድማ: ከም እተሓድገ ወይ ከም እተራሕርሐ ዀይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ።

ንቘልዓ ብዛዕባ ሞት ክትገልጸሉ ኸለኻ: ካብ እተሓላለኸን እተሸፋፈነን ሓሳባት ምጥቃም: ቀሊልን ቀጥታውን ቃላት ምጥቃም ብቐሊሉ ኸም ዚርድኦ: ብዙሓት ወለዲ ኣስተውዒሎም እዮም። (1 ቈረንቶስ 14:9) ውሉድካ ሕቶታት ኪሓትትን ሓሳባቱ ኺገልጽን ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ተመራመርቲ ይገልጹ። ብተደጋጋሚ እትገብርዎ ምይይጥ: ነቲ ዝነበሮ ግጉይ ምርዳእ ንምትዕርራይን ብኻልእ መገዲ ኽትሕግዞ እትኽእለሉ መገዲ ንምስትብሃልን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ምንጪ ዜተኣማምን መምርሒ

ኣብ ሓዘን ከለኻ: ውሉድካ መምርሕን ሓገዝን መልስን ደልዩ ናባኻ ኺመጽእ እዩ። ብዛዕባ ሞት ዚገልጽ ዜተኣማምን ሓበሬታ ደኣ እሞ ኣበይ ኢኻ ኽትረክብ እትኽእል፧ ብዙሓት ሰባት: መጽሓፍ ቅዱስ ምንጪ ዜተኣማምን ምጽንናዕን ተስፋን ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ብዛዕባ ኣጀማምራ ሞት: ኵነታት ምውታት: ከምኡውን ብዛዕባ ተስፋ ምዉታት ንጹር ሓበሬታ ይህብ እዩ። እቲ “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ዚብል ንጹር ሓቂ: ውሉድካ እቲ ዜፍቅሮ ዝሞተ ሰብ ይሳቐ ኸም ዘየለ ንኺርዳእ ኪሕግዞ እዩ። (መክብብ 9:5) ብዘይካዚ ኣምላኽ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ: ነቶም እነፍቅሮም ዝነበርና ዝሞቱ ሰባት: ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ እንደገና ኸም ዚትንስኡ ዚገልጽ ተስፋ ሂቡና ኣሎ።—ዮሃንስ 5:28, 29

ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ዜጨንቕ ኵነታት ንሃሉ ብዘየገድስ: ቅዱሳት ጽሑፋት ዜተኣማምን መምርሕን ምጽንናዕን ከም ዚህበና ንውሉድካ ብምምሃር ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። እቲ ቘልዓ እውን: ወላዲ ኸም ምዃንካ መጠን: ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወት ኣድላዪ ዝዀነ ነገራት መምርሒ ንምርካብ ኣብ ቃል ኣምላኽ ከም እትውከል ኪርኢ እዩ።—ምሳሌ 22:6፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:15

ንሕቶታትካ ዚኸውን መልሲ

ንውሉድካ ኻብ ሓዘኑ ኺጸናናዕ ክትሕግዞ ኸለኻ: ሓድሓደ ግዜ እትገብሮ ይጠፍኣካ ይኸውን። እንታይ እንተ ገበርካ ይሓይሽ፧ a እስከ ቐጺልና ገለ ኻብቲ ዅሉ ሳዕ ዚሕተት ሕቶታት ንርአ።

ሓዘነይ ካብ ውሉደይ ክሓብኦዶ፧ ንውሉድካ ኸተዕቍብ ምድላይካ ባህርያዊ እዩ። ኰይኑ ግን: ውሉድካ ኽትሓዝን ከለኻ ኺርእየካ ጌጋ ድዩ፧ ብዙሓት ወለዲ ንጓሂኻ ብግህዶ ምግላጽ ጽቡቕ ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም፣ ከመይሲ: ከምዚ ምግባር ነቲ ቘልዓ: ምሕዛን ንቡር ምዃኑ እዩ ዜርእዮ። ገሊኦም ሰባት ንውሉዳቶም ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ብግህዶ ዝሓዘኑ ሰባት ነጊሮምዎም እዮም። ንኣብነት: የሱስ: እቲ ዜፍቅሮ ፈታዊኡ ኣልኣዛር ምስ ሞተ ነብዐ ደኣ እምበር: ንስምዒቱ ኣይሓብአን።—ዮሃንስ 11:35

ውሉደይ ኣብቲ ኣብ ገዛ ወይ ኣብ መቓብር ዚግበር ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኺካፈል ኣለዎዶ፧ እቲ ቘልዓ ኣብኡ ኺካፈል እንተ ዀይኑ: እንታይ ከም ዚግበርን እቲ ስነ-ስርዓት ስለምንታይ ከም ዚቐርብን ኣቐዲምካ ኺንገር ኣለዎ። ሓድሓደ ግዜ: ወለዲ: ውሉዳቶም ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ብኸፊል ወይ ምሉእ ብምሉእ ንኸይካፈሉ ዚውስኑሉ ብቑዕ ምኽንያት ይህልዎም ይኸውን። ኣብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚግበር ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዚካፈሉ ቘልዑ: ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ ኺጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ እቶም ኣብኡ ዚርከቡ ሰባት ዜርእይዎ ‘ለውሃትን’ ፍቕርን: ነቲ ቘልዓ እውን እንተ ዀነ ዓብዪ ጽልዋ ኼሕድረሉን ኼጸናንዖን ይኽእል እዩ።—ሮሜ 12:10, 15፣ ዮሃንስ 13:34, 35

ምስ ውሉደይ ብዛዕባ እቲ ዝሞተ ሰብ ክዘራረብዶ፧ ገሊኦም ተመራመርቲ ኸም ዚገልጽዎ: ብዛዕባ እቲ ዝሞተ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ዘይትዛረብ እንተ ዄንካ: ውሉድካ ገለ ምስጢር ትሓብእ ከም ዘለኻ ወይ ከኣ ነቲ ዝሞተ ሰብ ክትዝክሮ ኸም ዘይትደሊ ገይሩ ብጌጋ ኺድምድም ይኽእል እዩ። ጁልያ ራትኪ ዝስማ ደራሲት: “ቈልዑ ነቲ ዝሞተ ሰብ ኪዝክርዎ ኸም ዚኽእሉ: ኪፈርሁ ግን ከም ዘይብሎም ምፍላጦም ኣገዳሲ እዩ” ኢላ ርእይቶኣ ሃበት። ብዛዕባ እቲ ዝሞተ ሰብ ናጻ ዄንካ ምዝራብ: ንኣወንታዊ ባህርያቱን ታሪኽ ህይወቱን ድማ ምጥቃስ: ብግዜ ሓዘን ዓብዪ ሓገዝ ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ወለዲ ንውሉዳቶም ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሕማምን ሞትን ዘይህልወላ ገነት እትኸውን ምድሪ ዚፍጸም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ትንሳኤ ብምጥቃስ ኬጸናንዕዎም ይኽእሉ እዮም።—ራእይ 21:4

ብግዜ ሓዘን ንውሉደይ ብኸመይ ክሕግዞ እኽእል፧ ብግዜ ሓዘን: ውሉድካ ሓድሓደ ምልክታት የርኢ: ምናልባት እውን ይሓምም ይኸውን። እቲ ቘልዓ ኻብ ተስፋ ምቝራጽን ብስጭትን እተላዕለ ይሓርቕን ይጭነቕን ይኸውን። ስለዚ: ውሉድካ ጠንቂ እቲ ሞት ከም ዝዀነ እንተ ተሰምዖ: ናባኻ እንተ ለገበ: ደንጒኻ ኽትመጽእ ከለኻ ወይ ክትሓምም ከለኻ ድማ እንተ ፈርሀ: ኣይትሰንብድ። ከምዚ ኼጋጥም ከሎ ደኣ እሞ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ ውሉድካ ንስምዒቱ ዕሽሽ ከም ዝበልካዮ ዀይኑ ኺስምዖ የብሉን። ስለዚ: ኣስተውዓሊ ብምዃን ነቲ ዅነታቱ ተኸታተሎ። እቲ ቘልዓ ብምኽንያት እቲ ሞት ክሳዕ ክንደይ ኸም እተጐድአ ግጉይ ኣመለኻኽታ ኣይሃሉኻ ወይ ኣትሒትካ ኣይትርኣዮ። የግዳስ: ወትሩ ኣጸናንዓዮ: ሕቶታት ኪሓትትን ሓሳቡ ብግህዶ ኺገልጽን ድማ ኣተባብዓዮ። ነቲ ውሉድካን ንስኻን ዘሎኩም ተስፋ: በቲ ‘ኻብ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ምጽንናዕ’ ኣደልድሎ።—ሮሜ 15:4

ናብቲ ብስድራ ቤት ዝነበረና ልማዳት ይኹን ካልእ ንጥፈታት መዓስ እየ ኽምለስ ዘሎኒ፧ ክኢላታት ከም ዚገልጽዎ: ብእተኻእለካ መጠን ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረካ ብዙሕ ልማዳት ቀጽሎ። ነቲ ጽቡቕ ልማዳት ምቕጻልካ: ካብ ሓዘንካ ንምጽንናዕ ዚሕግዝ ውጽኢታዊ ሜላ ምዃኑ ይግለጽ እዩ። ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ወለዲ: ነቲ ኸም ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራ ቤትን ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ዝኣመሰለ ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማዳት ምቕጻሎም: ኣብታ ስድራ ቤት ሰናይ ጽልዋ ኼሕድርን ኬበራትዓን ከም ዚኽእል ርእዮምዎ እዮም።—ዘዳግም 6:4-9፣ እብራውያን 10:24, 25

የሆዋ ኣምላኽ ንሕማምን ሞትን መወዳእታ ኽሳዕ ዚገብረሉ: ቈልዑ ሓሓሊፉ ብሰንኪ ሞት ኪሓዝኑ እዮም። (ኢሳይያስ 25:8) ይኹን እምበር: ግቡእ ምጽንናዕን ደገፍን እንተ ረኺቦም: ካብቲ ብምኽንያት ሞት ዜፍቅርዎ ሰብ ዜጋጥሞም ሓዘን ኪጸናንዑ ይኽእሉ እዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዕላማ እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተዋሂቡ ዘሎ ሓበሬታ: ሕጊ ንምውጻእ ኣይኰነን። ኵነታትን ልምድን ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ከምኡውን ካብ ባህሊ ናብ ባህሊ ኣዝዩ ኸም ዚፈላለ ኸነስተብህለሉ ኣሎና።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ንውሉድካ ሕቶታት ኪሓትትን ሓሳባቱ ኺገልጽን ኣተባብዓዮ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ከም ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራ ቤት ዝኣመሰለ ልማዳትካ ሕጂ እውን ቀጽሎ