ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዝራብ ቋንቋታት ካብ ኣምላኽ ድዩ፧

ምዝራብ ቋንቋታት ካብ ኣምላኽ ድዩ፧

ምዝራብ ቋንቋታት ካብ ኣምላኽ ድዩ፧

ደቮን፡ “ዋላ እውን ኪርድኣኒ ኣይከኣለን። ኣብ ቤተ-ክርስትያንና፡ ኣብ ሰሰሙን ብዙሓት ሰባት መንፈስ ቅዱስ ዝወረዶም፡ ብተኣምራዊ መገዲ ድማ ብብዙሕ ቋንቋታት ዚዛረቡ ይመስሉ እዮም። ገሊኦም ርኹስ ናብራ እዮም ዚነብሩ። ኣነ ግን ብስነ-ምግባር ጽፉፍ ናብራ እየ ኽነብር ዝጽዕር። ግናኸ ዋላ እኳ ብዙሕ ሳዕ እንተ ጸለኹ፡ ውህበት መንፈስ ኣይተቐበልኩን። ከመይ ኢሉ ኸምኡ ይኸውን፧” በለ።

ጋብሪኤል እውን መንፈስ ቅዱስ ከም ዚወርዶምን ብቛንቋታት ከም ዚዛረቡን ዚገልጹ ምእመናን ኣብ ዘለውዋ ቤተ-ክርስትያን እዩ ዚእከብ። ሓሳቡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንዓይ ዚርብሸኒ፡ ኣብ መንጎ ጸሎተይ፡ ካልኦት ሰባት፡ ኣነ ዀንኩ ንሳቶም ኪርድእዎ ብዘይክእሉ ዘረባ ዓው ኢሎም እናተዛረቡ ዚዀልፉኒ ምዃኖም እዩ። ዋላ ሓደ ሰብ በቲ ዘረባኦም ኣይጥቀምን እዩ። ውህበት መንፈስ ኣምላኽ፡ ጠቓሚ ዕላማ ኺህልዎዶ ኣይግባእን፧” በለ።

ንደቮንን ንጋብሪኤልን ዘጋጠሞም ነገር፡ ነዛ እትስዕብ ኣገዳሲት ሕቶ የበግስ እዩ፦ እቲ ኣብ ገሊአን ኣብያተ-ክርስትያን ዚዝውተር ምዝራብ ቋንቋታት ብሓቂዶ ኻብ ኣምላኽ እዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብኸመይ ብተኣምራዊ መገዲ ብቛንቋታት ይዛረቡ ኸም ዝነበሩ ምምርማርና ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

“ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ”

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገሊኦም ሰብኡትን ኣንስትን ቅድሚኡ ብዘይፈልጥዎ ቛንቋታት ኪዛረቡ ሓይሊ ኸም እተዋህቦም ነንብብ ኢና። እዚ ንፈለማ ግዜ ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ.፡ ካብቲ የሱስ ክርስቶስ ዝሞተሉ ሒደት ሰሙናት ጸኒሑ እዩ ዀይኑ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣስታት 120 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ “መንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ . . . ብኻልእ ቋንቋታት [እውን] ኪዛረቡ ጀመሩ።” ካብ ካልእ ሃገራት ዝመጹ በጻሕቲ፡ “በብዘረባኦም ኪዛረቡ ሰሚዖም ከኣ፡ ዚብልዎ ጠፍኦም።”—ግብሪ ሃዋርያት 1:15፣ 2:1-6

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኻልኦት ሰዓብቲ የሱስ እውን፡ ዜደንቕ ክእለት ከም ዝነበሮም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብተኣምራዊ መገዲ ብብዙሕ ቋንቋታት ንኺዛረብ፡ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ሂብዎ ነይሩ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:6፣ 1 ቈረንቶስ 12:10, 28፣ 14:18) ከምዚ ዝኣመሰለ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ግን፡ ብዘይ ዕላማ ኪኸውን ኣይንጽበን ኢና። ስለዚ፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ምዝራብ ቋንቋታት እንታይ ዕላማ ነይርዎ፧

ምልክት ደገፍ ኣምላኽ

ጳውሎስ ነቶም ብቛንቋታት ኪዛረቡ ዚኽእሉ ኣባላት ዚርከብዎም ኣብ ከተማ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ፡ “ቋንቋታት ነቶም ዘይአምኑ ምልክት እዩ” በሎም። (1 ቈረንቶስ 14:22) ስለዚ፡ ምዝራብ ቋንቋታትን ካልእ ተኣምራዊ ኽእለታትን ንተዓዘብቲ፡ እታ ሓዳስ እተመስረተት ክርስትያናዊት ጉባኤ ስምረትን ደገፍን ኣምላኽ ከም ዘለዋ ዚሕብሮም እዩ ነይሩ። ተኣምራዊ ውህበታት ምስ ሓደ መገዲ ዚሕብር ምልክት ኪመሳሰል ይኽእል እዩ፣ ደለይቲ ሓቂ ነቶም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ንምርካብ፡ ናበይ ኪኸዱ ኸም ዘለዎም ዚሕብር ከኣ እዩ ነይሩ።

የሱስ ወይ እቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ነብያት፡ ብዘይፈልጥዎ ቛንቋታት ብተኣምራዊ መገዲ ኸም እተዛረቡ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ። እምበኣር፡ እቲ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ እተዋህቦም ውህበት ቋንቋታት፡ ተወሳኺ ዕላማ ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ።

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚዝርግሓሉ መገዲ

የሱስ ኣገልግሎቱ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ንደቀ መዛሙርቱ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኣይሁድ ጥራይ ኪሰብኩ እዩ መምርሒ ሂብዎም። (ማቴዎስ 10:6፣ 15:24) ስለዚ ድማ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኻብቲ ኣይሁድ ብብዝሒ ዚነብሩሉ ዝነበሩ ቦታታት ወጻኢ ኣይሰብኩን እዮም ነይሮም። እዚ ግን ነዊሕ ከይጸንሐ ተቐዪሩ እዩ።

የሱስ ብ33 ድ.ክ. ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንሰዓብቱ፡ “ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኣዘዞም። “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ምስክር ከም ዚዀንዎ እውን ነገሮም። (ማቴዎስ 28:19፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ነቲ ብስራት ክሳዕ ክንድኡ ንምዝርጋሕ፡ ብእብራይስጢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሓያሎ ቛንቋታት ኪጥቀሙ ነበሮም።

እንተዀነ ግን፡ ብዙሓት ካብቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ፡ “ዘይተማህሩ ጭዋታት” እዮም ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 4:13) እሞ ደኣ ኣብቲ ኣሽምባይዶ ኺዛረብዎስ ሰሚዖምዎ ዘይፈልጡ ቛንቋታት ዚዝረቦ ርሑቕ ሃገራት ከመይ ገይሮም እዮም ኪሰብኩ ኽኢሎም፧ መንፈስ ቅዱስ ንገሊኦም ቀናኣት ሰበኽቲ ሓይሊ ስለ ዝሃቦም፡ ቅድሚኡ ተማሂሮምዎ ዘይፈልጡ ቛንቋታት ብተኣምራዊ መገዲ መሊኾም ኪሰብኩ ኸኣሉ።

እምበኣር፡ ውህበት ቋንቋታት ክልተ ዕላማ ነበሮ። ቀዳማይ፡ ምልክት ደገፍ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ካልኣይ፡ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ነቲ ብብዙሕ ቋንቋታት ኪሰብኩ እተዋህቦም መዝነት ንኺፍጽሙ ዚሕግዝ ውጽኢታዊ መገዲ እዩ ነይሩ። ሎሚ ኣብ ብዙሓት ኣብያተ-ክርስትያን ዚግበር ዘሎ ምዝራብ ቋንቋታት ነዚ ዕላማታት እዚ ይፍጽም ድዩ፧

ሎሚ ዚዝውተር ምዝራብ ቋንቋታት፡ ምልክት ደገፍ ኣምላኽ ድዩ፧

ኣብ ማሕበረሰብካ ንዚርከቡ ብዙሓት ሰባት ንምጥቃም፡ ኣበይ ምልክት ምሰቐልካ፧ ኣብ ውሽጢ ህንጻዶ ምገበርካዮ፧ ከምኡ መቸም ኣይምገበርካን። እቲ ብዛዕባ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረ “ብዙሕ ህዝቢ” ነቲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብተኣምራዊ ምዝራብ ቋንቋታት ኣቢሎም ዘርኣይዎ ምልክት ከም እተዓዘብዎ ይነግረና። አረ በታ መዓልቲ እቲኣስ፡ “ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት” ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተወሲኸን እየን! (ግብሪ ሃዋርያት 2:5, 6, 41) ሎሚ ብቛንቋታት ንዛረብ ኢና ዚብሉ ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያኖም ኰይኖም ዚዛረቡ ኻብ ኰኑ፡ እቲ ተግባሮም ከመይ ኢሉ እዩ ንብዙሓት ዘይኣመንቲ ኸም ምልክት ዚዀኖም፧

ቃል ኣምላኽ፡ ምንዝርን ካልእ “ግብሪ ስጋ”ን ንዕዮ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚጻረር ድሕሪ ምጥቃሱ፡ “እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ” ይገልጸልና እዩ። (ገላትያ 5:17-21) ዜተሓታትት ስነ-ምግባር ዘለዎም ሰባት ብቛንቋታት ኪዛረቡ እንተ ርኢኻ እሞ፡ ‘ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ነቶም ቃል ኣምላኽ ኣብ ዚዅንኖ ተግባራት እተጸምዱ ውልቀ-ሰባት ኪወሃቦምሲ፡ ኪወሓጠልካ ዘይክእል፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ዜደናግር ደይኰነን፧’ ኢልካ እውን እንተ ሓሲብካ፡ ኣይተጋገኻን። እዚ ነገር እዚ፡ ናብ ጌጋ መገዲ ኸም ዚሕብር ምልክት ምዀነ።

ሎሚ ዚዝውተር ምዝራብ ቋንቋታት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚዝርግሓሉ መገዲ ድዩ፧

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚዝውተር ዝነበረ ውህበት ቋንቋታት፡ ካልእ ዕላማ ኸም ዝነበሮ እውን ርኢና ኔርና። እሞኸ ሎሚ ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን ዚዝውተር ዘሎ ምዝራብ ቋንቋታት፡ እተፈላለየ ቛንቋታት ንዚዛረቡ ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ የገልግል ድዩ፧ እቶም ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ተዓዘብቲ፡ ካብ ብዙሓት ሃገራት እዮም መጺኦም፣ ነቲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብተኣምራዊ መገዲ ብቛንቋታት ዚዛረብዎ ዝነበሩ እውን ተረዲኦምዎ እዮም። እዞም ሎሚ ብቛንቋታት ዚዛረቡ ሰባት ግን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዋላ ሓደ ኺርድኦ ዘይክእል ዘረባ እዮም ዚዛረቡ።

እዚ ሎሚ ዚዝውተር ምዝራብ ቋንቋታት፡ ካብቲ ቐዳሞት ሰዓብቲ የሱስ፡ መንፈስ ቅዱስ ምስ ወረዶም ዚገብርዎ ዝነበሩ ምዝራብ ቋንቋታት ኣመና እተፈልየ ምዃኑ ንጹር እዩ። ከም ሓቂ፡ ድሕሪ ሞት ሃዋርያት፡ ንዋላ ሓደ ሰብ እውን እንተዀነ፡ ተኣምራዊ ሓይሊ ኸም እተዋህበ ዚሕብር ዜተኣማምን ጸብጻብ የልቦን። እዚ ንኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣየገርሞምን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ተኣምራዊ ውህበታት፡ እንተላይ ምዝራብ ቋንቋታት፡ “ኪውዳእ” ምዃኑ ተነብዩ እዩ። (1 ቈረንቶስ 13:8) እሞ ደኣ ሎሚ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎም ሰባት ብኸመይ ኪፍለጡ ይከኣሉ፧

መንፈስ ቅዱስ ከም ዘለዎም መርትዖ ዜርእዩ መን እዮም፧

የሱስ፡ ውህበት ቋንቋታት ድሕሪ ምምስራት ክርስትያናዊት ጉባኤ ነዊሕ ከይጸንሐ ከም ዜቋርጽ ይፈልጥ ነይሩ። ቀቅድሚ ሙማቱ፡ ግዜ ዘይሓልፎ መለለዪ ወይ ምልክት ናይ ሓቂ ሰዓብቱ እንታይ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ። “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:35) ከም ሓቂ፡ እታ ተኣምራዊ ውህበታት ከም ዜቋርጽ እትገልጽ ኣብ ቃል ኣምላኽ እትርከብ ጥቕሲ፡ “ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ” ትብል እያ።—1 ቈረንቶስ 13:8

ፍቕሪ ኻብተን ትሽዓተ መዳያት “ፍረ” ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ፡ ቀዳመይቲ ተጠቒሳ ትርከብ። (ገላትያ 5:22, 23 ትርጕም 1990) ስለዚ፡ እቶም ብሓቂ መንፈስ ኣምላኽን ደገፍ ኣምላኽን ዘለዎም ሰባት፡ ንሓድሕዶም ናይ ብሓቂ ይፋቐሩ እዮም። እታ ሳልሰይቲ መዳይ ፍረ መንፈስ ከኣ፡ ሰላም እያ። ስለዚ፡ እቶም ሎሚ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎም ሰባት፡ ካብ ሻርነትን ዓሌትነትን ዓመጻን ርሒቖም ንሰላም ኪስዕቡ ይጽዕሩ እዮም።

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 1:8 ዚርከብ የሱስ እተነበዮ ትንቢት እውን ዘክር። ደቀ መዛሙርቱ ሓይሊ ኸም ዚቕበሉን “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ምስክሩ ኸም ዚዀኑን ተነብዩ ነይሩ እዩ። እዚ ዕዮ እዚ “ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም” ከም ዚቕጽል እውን ሓቢሩ እዩ። (ማቴዎስ 28:20) ስለዚ፡ እዚ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት፡ መለለዪ እቶም መንፈስ ኣምላኽ ብሓቂ ዝረኸቡ ሰባት ኰይኑ ኪቕጽል እዩ።

እንታይ ይመስለካ፧ ሎሚ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘለዎም መርትዖ ዜርእዩ ጕጅለ ሰባት መን እዮም፧ ፍረ መንፈስ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ፍቕርን ሰላምን ካብ ምፍራዮም እተላዕለ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣጽዋር ኬልዕሉ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም፡ ብመንግስትታት መከራ ዚወርዶም መን እዮም፧ (ኢሳይያስ 2:4) ካብ ከም ምንዝር ዝኣመሰለ ግብሪ ስጋ ኺርሕቁ ዚጽዕሩ፡ ንዘይንስሑ ሓጢኣተኛታት ከኣ ካባታቶም ዜውጽእዎም መን እዮም፧ (1 ቈረንቶስ 5:11-13) መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ተስፋ ደቂ ሰብ ከም ዝዀነት፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ብስራት ዚሰብኩ መን እዮም፧—ማቴዎስ 24:14

ኣሕተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም መንፈስ ቅዱስ ዘለዎም ሰባት ዚህቦ መግለጺ ዜማልኡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ኣፎም መሊኦም ኪዛረቡ ይኽእሉ እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ ደገፍ ኣምላኽ እንተ ኣልይዎም ንምርኣይ፡ ምሳታቶም ስለምንታይ ዘይትቀራረብ፧