ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሙሴ—ፈቃር

ሙሴ—ፈቃር

ፍቕሪ እንታይ እያ፧

ፍቕሪ ንኻልኦት ኣጸቢቕካ ምፍታው ዚብል ትርጕም ትሓቍፍ እያ። ሓደ ፈቃር ሰብ ዋላ እውን ብሕታዊ መስዋእቲ ኺገብር ዚሓትቶ እንተ ዀነ፡ ነቶም ዚፈትዎም ሰባት ዘለዎ ስምዒት ብተግባር እዩ ዜርኢ።

ሙሴ ፍቕሪ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

ሙሴ ንኣምላኽ የፍቅሮ ነይሩ እዩ። ብኸመይ፧ ነተን ኣብ 1 ዮሃንስ 5:3 ዘለዋ ቓላት እሞ ኣስተብህለለን። እታ ጥቕሲ፡ “ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ፣ ትእዛዛቱ እውን ከቢድ ኣይኰነን” ትብል። ሙሴ ንኣምላኽ የፍቅሮ ስለ ዝነበረ፡ ትእዛዛቱ ሓልዩ እዩ። ንዅሉ እቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ነገራት ፈጺምዎ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓያል ዝነበረ ፈርኦን ኪቐርብ እተዋህቦ ኸቢድ ሓላፍነትን ነቲ በትሩ ዘርጊሑ ንቐይሕ ባሕሪ ኺወቅዕ እተዋህቦ ቐሊል ዚመስል ዕዮን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። እቲ ትእዛዝ ቀሊል ይኹን ከቢድ ብዘየገድስ፡ ሙሴ ንዅሉ ተኣዚዝዎ እዩ። “ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ዅሉ ገበረ።”—ዘጸኣት 40:16

ሙሴ ንእስራኤላውያን ብጾቱ እውን የፍቅሮም ነይሩ እዩ። እስራኤላውያን፡ የሆዋ ንሙሴ ንህዝቡ ኺመርሖም ይጥቀመሉ ኸም ዝነበረ ስለ ዝፈለጡ፡ እተፈላለየ ጸገማት ሒዞም ናብ ሙሴ ይቐርቡ ነበሩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ህዝቢ ድማ ካብ ብጊሓት ክሳዕ ምሸት ንሙሴ ኸቢብዎ ደው ኢሉ ነበረ” ይብለና። (ዘጸኣት 18:13-16) እስራኤላውያን ንዅሉ ጸገማቶም ምሉእ መዓልቲ ንሙሴ ኼፍስሱሉ ኸለዉ፡ እዚ ኽሳዕ ክንደይ የድክሞ ነይሩ ኪኸውን ከም ዚኽእል እሞ ሕሰብ። ይኹን እምበር፡ ሙሴ ነቶም ዜፍቅሮም ህዝቢ ባህ ኢልዎ ይሕግዞም ነበረ።

ብዘይካዚ፡ ምእንቲ እቶም ዜፍቅሮም ህዝቢ ይጽሊ ነይሩ እዩ። ምእንቲ እቶም ዝበደልዎ ሰባት እውን ከይተረፈ ጸልዩ እዩ። ንኣብነት፡ ሚርያም ሓብቱ ብዛዕባ ሙሴ ምስ ኣጕረምረመት፡ የሆዋ ብለምጺ ወቕዓ። ሙሴ በቲ ዝወረዳ መቕጻዕቲ ስለ ዘይተሓጐሰ፡ “ዎ ኣምላኽ፡ እልምነካ አሎኹ ኣሕውያ” ኢሉ ምእንታኣ ጸለየ። (ዘሁልቍ 12:13) ነዚ ጸሎት እዚ ንኬቕርብ ዝደረኾ፡ ካብ ፍቕሪ ሓሊፉ እሞ እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧

ካብዚ እንታይ ንመሃር፧

ንሕና እውን ንኣምላኽ ኣዚና ንኸነፍቅሮ ብምጽዓር፡ ንሙሴ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና። ከምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ፡ ንትእዛዛት ኣምላኽ “ካብ ልቢ” ንኽንእዘዞ ኽትድርኸና እያ። (ሮሜ 6:17) ንየሆዋ ኻብ ልቢ ኽንእዘዞ ኸለና፡ ንልቡ ነሐጕሶ ኢና። (ምሳሌ 27:11) ንርእስና እውን ንጥቀም ኢና። ከመይሲ፡ ንኣምላኽ ብናይ ሓቂ ፍቕሪ ተደሪኽና ምስ እነገልግሎ፡ ቅኑዕ ዘበለ ነገራት ንገብር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ተሓጒስና ኢና እንገብሮ።—መዝሙር 100:2

ንሙሴ ኽንመስለሉ እንኽእል ካልእ መገዲ ኸኣ፡ ንኻልኦት ሰባት ጥቕሚ ርእስና ብምስዋእ ፍቕሪ ምስ እነርእዮም እዩ። ኣዕሩኽና ወይ ኣባላት ስድራ ቤትና፡ ጸገማቶም ኬካፍሉና ምስ ዚቐርቡና፡ ፍቕሪ፡ (1) ልባዊ ቘላሕታ ንኽንገብረሎም፡ (2) ንኽንድንግጸሎም ወይ ከምቲ ዚስምዖም ንኺስምዓና፡ (3) ከም እንሓልየሎም ንኽንነግሮም ክትድርኸና እያ።

ንሕና እውን ከም ሙሴ ምእንቲ እቶም እነፍቅሮም ሰባት ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ሓድሓደ ግዜ፡ ጸገማቶም ኬካፍሉና ኸለዉ፡ ክንሕግዞም ዘይንኽእል ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን። ምናልባት እውን፡ “ብጸሎት እንተ ዘይኰይኑ፡ ኪሕግዘካ ዓቕሚ የብለይን” ንብል ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ “ምህለላ ጻድቕ ሓያልን መስለጢትን” ምዃና ኣይንረስዕ። (ያእቆብ 5:16) የሆዋ ንጸሎትና ሰሚዑ ነቲ ሰብ ሓደ ነገር ይገብረሉ ይኸውን። ነቶም እነፍቅሮም ሰባት ካብ ጸሎት ንላዕሊ እሞ እንታይ ኢና ኽንገብረሎም እንኽእል፧ *

ካብ ሙሴ ብዙሕ ክንመሃር ከም እንኽእልስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ንሱ፡ ተራ ሰብ እኳ እንተ ነበረ፡ እምነትን ትሕትናን ፍቕርን ብምርኣይ ብሉጽ ኣብነት እዩ ገዲፉልና። ንኣብነቱ እንተ ቐዲሕናዮ፡ ንርእስናን ንኻልኦትን ክንጠቅም ኢና።—ሮሜ 15:4

^ စာပိုဒ်၊ 8 ኣምላኽ ንጸሎትና ምእንቲ ኺሰምዖ፡ ስርዓታቱ ንኽንሕሉ ኻብ ልቢ ኽንጽዕር ይግባእ። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 17 ርአ።