ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ወንጌል ይሁዳ” እንታይ እዩ፧

“ወንጌል ይሁዳ” እንታይ እዩ፧

ኣብ ሚያዝያ 2006፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚሕተም ጋዜጣታት፡ ሓንቲ ጕጅለ ምሁራት ብዛዕባ ኣብ ቀረባ ግዜ እተረኽበ “ወንጌል ይሁዳ” ዘርእስቱ ጥንታዊ ጽሑፍ ዚገልጽ ትሕዝቶ ንህዝቢ ትዝርግሕ ከም ዘላ ዚሕብር ዜደንጹ ዜና ተፈነወ። ምሁራት፡ እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ነቲ ብዛዕባ እቲ ንየሱስ ዝኸሓዶ ይሁዳ ዘሎና ምርዳእ ኪቕይሮ ኸም ዚኽእል ዚኣምኑ ምዃኖም ኣብቲ ዓንቀጻት ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ጽሑፍ፡ ይሁዳ ብሓቂ ጅግና ኸም ዝነበረ፡ ንየሱስ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ኸም ዝነበረ፡ ኪቕተል ኣሕሊፉ ዝሃቦ ኸኣ፡ የሱስ ስለ ዝሓተቶ ምዃኑ ይገልጽ።

እዚ ጽሑፍ እዝስ ሓቅነቱ እተረጋገጸ ድዩ፧ ሓቂ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እቶም ታሪኻውያን ዝነበሩ ይሁዳ ኣስቆሮታውን የሱስ ክርስቶስን ቀዳሞት ክርስትያናትን ኣቐዲሙ እተሓብአ ገለ ፍልጠት ይገልጽ ድዩ፧ ብዛዕባ ክርስትና ንዘሎና ምርዳእከ ኺጸልዎ ይግባእ ድዩ፧

ርኽበት “ወንጌል ይሁዳ”

“ወንጌል ይሁዳ” ብኸመይ ከም እተረኸበ ዚገልጽ እተረጋገጸ ሓበሬታ የለን። እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ረኺቦም ኣብ ሰነድ ዘስፈርዎ ጽሑፍ ዘይኰነስ፡ ኣብ መወዳእታ 1970ታት ወይ ኣብ መጀመርታ 1980ታት ቅርስታት ኣብ ዝሽየጠሉ ዕዳጋ ሃንደበት እተራእየ ሰነድ እዩ። ብ1978 ኣብ ግብጺ፡ ኣብ ሓደ ዝዓነወ መቓብር፡ ምናልባት እውን ኣብ ብዓቲ እዩ ተረኺቡ ኪኸውን ዚኽእል። ሓደ ኻብቲ ኣብ ኮዴክስ (ዓይነት ጥንታዊ መጽሓፍ) ዚርከብ ብቛንቋ ቑብጢ (ካብ ጥንታዊት ግብጺ ዝመጸ ቛንቋ) እተጻሕፈ ኣርባዕተ ፍሉይ ጽሑፋት እዩ ነይሩ።

እቲ ብቘርበት እተጠረዘ ኮዴክስ ኣብቲ ደረቕ ኵነታት ኣየር ግብጺ ንዘመናት ዚኣክል ተዓቂቡ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ናብ ምብልሻው ገጹ እዩ ዚኸይድ ነይሩ። ብ1983 ነዚ ኮዴክስ እዚ፡ ሒደት ምሁራት ብላዕለ ላዕሉ ኸም ዚርእይዎ ተገይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ እተሓትተ ዋጋ ኣዝዩ ልዑል ስለ ዝነበረ፡ ኪሽየጥ ኣይከኣለን። ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ዓመታት፡ እቲ ኮዴክስ ዕሽሽ ስለ እተባህለን ብግቡእ ስለ ዘይተዓቀበን ኣዝዩ እናተበላሸወ ኸደ። ኣብ ዓመተ 2000፡ ሓንቲ ስዊዘርላንዳዊት ነጋዲት ቅርስታት ነቲ ኮዴክስ ዓዲጋ፡ ነቶም ምስ መሲናስ መሰረት ጥንታዊ ስነ ጥበብን ሃገራዊ ሕብረተ ሰብ ጂኦግራፍን ብምትሕብባር ዚዓይዩ ጕጅለ ኽኢላታት ሃበቶም። እቶም ክኢላታት ድማ ነቲ ተቘራሪጹ ዝነበረ ኮዴክስ ንኼሐድስዎ ኸቢድ ሓላፍነት ተዋህቦም። እዚ ጕጅለ እዚ፡ ዕድመ እቲ ኮዴክስ ኪውስንን ንትሕዝቶኡ ኺትርጕምን እውን ሓላፍነት ነበሮ።

 ብካርቦን-14 መዐቀኒ ዕለት፡ እቲ ኮዴክስ ካብ ሳልሳይ ወይ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. ኣቢሉ ኸም ዝመጸ ተገሚቱ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ምሁራት፡ እቲ ብቑብጢ እተዳለወ “ወንጌል ይሁዳ” ኻብቲ ብመጀመርታ እተጻሕፈሉ ግሪኽኛ ኣቐዲሙ ኸም እተተርጐመ እዮም ዚግምቱ። እሞኸ፡ “ወንጌል ይሁዳ” ብመጀመርታ እተጻሕፈሉ ዕለት መዓስ እዩ ነይሩ፧

“ወንጌል ይሁዳ”—ግኖስቶሳዊ ወንጌል

ብዛዕባ “ወንጌል ይሁዳ” መጀመርታ እተጠቕሰ፡ ኣብ ጽሑፋት ኢሪንየስ እዩ። ኢሪንየስ፡ ክርስትያን ከም ዝዀነ ዚዛረብ፡ ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ደራሲ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣጌንስት ሄረሲስ ብዚብል ኣርእስቲ ዘዳለዎ ጽሑፉ፡ ብዛዕባ ሓደ ኻብቲ ሓያሎ ጕጅለታት ዚህብዎ ዝነበሩ ዘይሰማማዓሉ ትምህርትታት፡ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ፦ “ንሳቶም እቲ ኸዳዕ ዝነበረ ይሁዳ፡ ነዚ ነገራት እዚ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ኸም ዝነበረ፡ ካልኦት ዘይፈልጥዎ ሓቂ ንበይኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ኸኣ ንምስጢር እቲ ኽሕደት ከም ዝፈጸሞ፡ ብሰንኩ ድማ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማይ ዘሎን ኵሉ ነገራት ሕንፍሽፍሽ ከም ዝኣተዎ እዮም ዚገልጹ። ከምዚ ዝኣመሰለ ልብ ወለዳዊ ታሪኽ ኣዳልዮም፡ ወንጌል ይሁዳ ዚብል ኣርእስቲ ሃብዎ።”

“ኣብ ግዜ ይሁዳ፡ ንይሁዳ ብዚፈልጦ ሰብ . . . እተጻሕፈ ወንጌል ኣይኰነን”

ኢሪንየስ ብፍላይ ነቲ እተፈላለየ ትምህርትታት እቶም ፍሉይ ፍልጠት ከም ዝነበሮም ዚዛረቡ ዝነበሩ ግኖስቶሳውያን ክርስትያናት ኬፍርስ እዩ ደልዩ ነይሩ። ግኖስቶሳውነት፡ ከም ሓቂ ገይረን ንዚኣምናሉ ነገራት ነናተን ትርጕም ንዚህባሉ እተፈላለያ ጕጅለታት ዝሓቘፈ ሃይማኖት እዩ። ግኖስቶሳውያን ንትምህርትታቶም ብጽሑፍ ስለ ዝዘርግሕዎ፡ ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ቍጽሮም ኣናበዝሐ ኸደ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ግኖስቶሳዊ ወንጌላት፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቶም ምርኡያት ሃዋርያት የሱስ፡ ንመልእኽቱ ብጌጋ ይርድእዎ ኸም ዝነበሩን የሱስ ንሒደት ዝመረጾም ሰባት ጥራይ ዝገለጸሎም ምስጢራዊ ትምህርቲ ይምህር ከም ዝነበረን ይገልጽ እዩ። * ገለ ኻብቶም ግኖስቶሳውያን፡ እዛ ግእዝቲ ዓለም ቤት ማእሰርቲ ኸም ዝዀነት ይኣምኑ ነበሩ። ስለዚ ድማ፡ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚርከብ “ፈጣሪ ዝዀነ ኣምላኽ” ካብቶም እተፈላለዩ ፍጹማት ዚብልዎም ኣማልኽቲ ብሓቂ ኸም ዚንእስ ይሓስቡ ነበሩ። ከምኡውን ሓደ ናይ ሓቂ “ፍልጠት” ዘለዎ ሰብ፡ ነዚ “ምስጢር” እዚ ስለ ዚርድኦ፡ ካብ ስጋኡ ኺላቐቕ ከም ዚደሊ እዮም ዚኣምኑ።

“ወንጌል ይሁዳ” እውን በዚ መገዲ እዚ እዩ ተዳልዩ። እቲ መጽሓፍ ኣብ መእተዊ፡ “እዚ ቓላት እዚ፡ የሱስ ፋስጋ ቕድሚ ምብዓሉ ሰለስተ መዓልቲ ኣቐዲሙ፡ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ መዓልቲ፡ ንይሁዳ ኣስቆሮታዊ ብምስጢር ዝነገሮ ቓላት እዩ” ይብል።

እዚ ኮዴክስ እዚ፡ እቲ ንዘመናት ዚኣክል ከም ዝጠፍአ ዚቝጸር ጽሑፍ ኢሪንየስ ደዀን ይኸውን፧ ማርቨን መየር ዚብሃል ኣባል እታ ነዚ ኮዴክስ እዚ ዘጽንዐትን ዝተርጐመትን ጕጅለ፡ “[እቲ ኢሪንየስ ዘቕረቦ] ሓጺር መግለጺ ነቲ ወንጌል ይሁዳ ዘርእስቱ ዘመናዊ ቑብጢ ጽቡቕ ገይሩ ዚገልጾ እዩ” በለ።

ምሁራት ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ወንጌል እዚ እተጠቕሰ ይሁዳ እንታይ ይብሉ፧

ኣብ “ወንጌል ይሁዳ፡” ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብዛዕባ ገለ ነገራት ግቡእ ፍልጠት ከም ዘይብሎም ኬርእዩ ኸለዉ፡ የሱስ ብኣሽካዕላል ይስሕቆም ከም ዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ። ካብቶም 12 ሃዋርያት ብዛዕባ ናይ ሓቂ ባህርያት የሱስ ከም እተረድኦ ዘርኣየ ግና ይሁዳ ጥራይ ስለ ዝነበረ፡ የሱስ “ምስጢራት መንግስቲ ኣምላኽ” ንብሕቱ ኸም ዝገለጸሉ እውን ተሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ኢሪንየስ ዝሃቦ ሓሳባት፡ ነታ “ወንጌል ይሁዳ” ዝተርጐመት ጕጅለ ምሁራት ዓብዪ ጽልዋ ገይሩላ እዩ። ኣብቲ ትርጕም፡ የሱስ ንይሁዳ ምስጢራት ዚፈልጥ ሓደ ወደ መዝሙር ከም ዝዀነን ኣብ “መንግስቲ ኣምላኽ” “ኪኣቱ” ኸም ዚበቅዕን ገይሩ ይርእዮ ኸም ዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ። ብዘይካዚ፡ የሱስ ንይሁዳ፡ “ነቲ ዚኸድነኒ ሰብ ክትስውኦ ኢኻ” ኢልዎ ስለ ዝነበረ፡ እቶም እተታለሉ ሃዋርያት ንይሁዳ ብኻልእ እኳ እንተ ተክእዎ፡ ‘ንዅሎም [እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ] ከም ዚበልጾም’ን “መበል ዓሰረተው ሰለስተ መንፈስ” ከም ዚኸውንን ተሓቢሩ ኣሎ።

ባርት ኢርማንን ኢለን ቤገልስን ዚብሃሉ ኣዝዩ ብዙሕ መጻሕፍቲ ዝሸጡ ደረስቲ፡ ብዛዕባ ጥንታዊ ክርስትናን ግኖስቶሳውነትን እውን ፍልጠት ዝነበሮም ምርኡያት ምሁራት  እዮም ነይሮም። ን“ወንጌል ይሁዳ” ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም መግለጽን ሓሳባትን ብምሃብ ቀልጢፎም ኣሕተምዋ። ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ምስ ትሕዝቶ እታ ናይ መጀመርታ ጕጅለ ዝተርጐመቶ ጽሑፍ ይመሳሰል እዩ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ከም ኣፕሪል ዴኮኒክን ቢርያር ፒርሰንን ዝኣመሰሉ ኻልኦት ምሁራት ሻቕሎቶም ገሊጾም እዮም። እዞም ምሁራት እዚኦም፡ ትካል ሃገራዊ ሕብረተ ሰብ ጂኦግራፊ፡ እቲ ጥንታዊ ጽሑፍ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ምእንቲ ኺረክብ ብሃታሃታ ኸም ዘሕተሞ ሓቢሮም ኣለዉ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ጽሑፍ ንምግምጋም ኪሰዓብ ዝነበሮ ልሙድ ስርዓት ከም ዘይተሓለወ ገሊጾም እዮም።

ዋላ ሓደ ኻብቶም ነዚ ጽሑፍ እዚ ዝመርመርዎ ምሁራት፡ እቲ ወንጌል እቲ ልክዕ ዝዀነ ታሪኻዊ ሓበሬታ ኸም ዝሓዘ ኣይገለጸን

ዴኮኒክን ፒርሰንን ገለ ኻብቲ ቐንዲ ኽፋላት እቲ ጐደሎ ዝነበረ ኮዴክስ በቶም ቀዳሞት ምሁራት ብጌጋ ኸም እተተርጐመ ደምደሙ። ዴኮኒክ ነቲ ጽሑፍ ኣመሓይሹ ብዘቕረቦ መሰረት፡ የሱስ ንይሁዳ “መበል ዓሰርተው ሰለስተ መንፈስ” ዘይኰነስ፡ “መበል ዓሰረተው ሰለስተ ጋኔን” እዩ ኢልዎ። * ብዘይካዚ፡ የሱስ ንይሁዳ ናብ “መንግስቲ ኣምላኽ” ከም ዘይኣቱ ኣነጺሩ ነጊርዎ እዩ። የሱስ ንይሁዳ፡ ነቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ‘ኸም ዚበልጾም’ ዘይኰነስ፡ “ካብ ኵሎም ዝኸፍአ ኽትገብር ኢኻ። ነቲ ዚኸድነኒ ሰብ ከኣ ክትስውኦ ኢኻ” እዩ ኢልዎ። ብኣረኣእያ ዴኮኒክ፡ “ወንጌል ይሁዳ” ግኖስቶሳውያን ንዅሎም ሃዋርያት ንኼላግጹሎም ኢሎም ዝጸሓፍዎ ጽሑፍ እዩ። ዴኮኒክን ፒርሰንን ብሓባር ዝሃብዎ ናይ መደምደምታ ሓሳብ፡ እቲ ኣብዚ “ወንጌል ይሁዳ” ተጠቒሱ ዘሎ ይሁዳ፡ ጅግና ኣይኰነን።

ካብ “ወንጌል ይሁዳ” እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

እቶም ነዚ ጽሑፍ እዚ ዝመርመርዎ ምሁራት፡ ንይሁዳ ኸም ጅግና ወይ ከም ጋኔን ገይሮም ይርኣይዎ ብዘየገድስ፡ ሓደ ኻብኣቶም እውን ይኹን፡ እቲ ወንጌል እቲ ልክዕ ዝዀነ ታሪኻዊ ሓበሬታ ኸም ዝሓዘ ኣይገለጸን። ባርት ኢርማን ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “እቲ ወንጌል እቲ ብይሁዳ ወይ ‘ይሁዳ እየ’ ብዚብል ሰብ እተጻሕፈ ኣይኰነን። . . . ኣብ ግዜ ይሁዳ፡ ንይሁዳ ብዚፈልጦ ሰብ . . . እተጻሕፈ ወንጌል ኣይኰነን። . . . ስለዚ እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ የሱስ . . . ብሓቂ እተፈጸመ ነገራት ተወሳኺ ሓበሬታ ዚህበና መጽሓፍ ኣይኰነን።”

“ወንጌል ይሁዳ” ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ.፡ ፈለማ ብግሪኽኛ እተጻሕፈ ግኖስቶሳዊ ጽሑፍ እዩ። እዚ “ወንጌል ይሁዳ” ዘርእስቱ ሓድሽ እተረኸበ ጽሑፍ፡ ምስቲ ኢሪንየስ ዝሓበሮ ጽሑፍ ማዕረ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምሁራት ዚካትዑሉ ጕዳይ እዩ። ይኹን እምበር፡ “ወንጌል ይሁዳ፡” “ክርስትና” ንሓድሕዶም ብዚወዳደሩ ሓያሎ ኣንቈራታትን ብእተፈላለየ ሰረተ እምነታትን እተጐጃጀለሉ እዋን ከም ዝነበረ፡ ንጹር መርትዖ ይዀነና እዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ዜዳኽም ዘይኰነስ፡ ንሓቅነት እቲ ሃዋርያት ዝሃብዎ መጠንቀቕታ ዜረጋግጽ እዩ። ንኣብነት፡ ሃዋርያት ጳውሎስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30፡ “ኣነ ምስ ኣልገስኩ . . . ካባኻትኩም ከኣ ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚዛረቡ ኺትንስኡ እዮም” ኢሉ ነበረ።

^ စာပိုဒ်၊ 11 እዚ ወንጌላት እዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብስም እቶም ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ትምህርትታት የሱስ ዝሓሸ ምርዳእ ዘለዎም ሰባት እዩ ዚስየም። ንኣብነት፡ “ወንጌል ቶማስ” ከምኡውን “ወንጌል ማርያም መግደላዊት” ኪጥቀስ ይከኣል። ብጠቕላላ፡ ካብዚ ጥንታዊ ጽሑፋት እዚ፡ 30 ኣቢሉ ዚኸውን ተሰይሙ ኣሎ።

^ စာပိုဒ်၊ 18 ኣብዚ ጽሑፍ እዚ፡ ምሁራት ንይሁዳ ብዛዕባ መንነት የሱስ ካብ ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ብዝያዳ እተረድአ ጋኔን ከም ዝዀነ ገይሮም ምግላጾም፡ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘሎ ጸብጻባት ወንጌል፡ ኣጋንንቲ ብዛዕባ መንነት የሱስ ብልክዕ ከም ዝገለጹ ዚሕብር ሓሳባት ዚመሳሰል ምዃኑ ኣስተብህል።—ማርቆስ 3:11፣ 5:7