ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ንኣምላኽ ቅረቦ

“ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ”

“ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ”

ሞት ካብ ኣምላኽዶ ይሕይል እዩ፧ ኣይፋሉን! ሞት ወይ ዝዀነ ይኹን ካልእ “ጸላኢ፡” ከመይ ገይሩ እዩ እሞ ኻብቲ “ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ኪሕይል ዚኽእል፧ (1 ቈረንቶስ 15:26፣ ዘጸኣት 6:3) ኣምላኽ ብትንሳኤ ኣቢሉ ንሞት ኬጥፍኦ ይኽእል እዩ፣ ነዚ ኸኣ ኣብ ሓዳስ ዓለም ከም ዚፍጽሞ ተመባጺዑ ኣሎ። * እዚ መብጽዓ እዚ ኽሳዕ ክንደይ እተረጋገጸ እዩ፧ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ንልብና ብተስፋ ዚመልእ ቃላት ተዛሪቡ ኣሎ።—ማቴዎስ 22:31, 32 ኣንብብ።

የሱስ ነቶም ብትንሳኤ ዘይኣምኑ ሰዱቓውያን፡ “ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ግና፡ ኣምላኽ ከምዚ ኸም ዝበለኩምዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧ ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ’ ኢሉ እዩ። ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምዉታትሲ ኣይኰነን” በሎም። የሱስ ነቲ ኣምላኽ ንሙሴ ብ1514 ቅ.ክ. ኣብቲ ሃልሃል ዚብል ቍጥቋጥ እተዛረቦ ዘረባ እዩ ዚጠቅስ ነይሩ። (ዘጸኣት 3:1-6) የሱስ ከም ዝገለጾ፡ እቲ የሆዋ ንሙሴ፡ “ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከአ እየ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት፡ ትንሳኤ ምዉታት ብርግጽ ከም ዚፍጸም ዚሕብር እዩ። ብኸመይ፧

መጀመርታ ነቲ ኣብ ዙርያ እቲ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት እሞ ንርአ። የሆዋ ንሙሴ ኺዛረቦ ኸሎ፡ እቶም ኣበዋት ዝነበሩ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ካብ ዝሞቱ ነዊሕ ዓመታት፡ ማለት ኣብርሃም 329፡ ይስሃቅ 224፡ ያእቆብ ከኣ 197 ዓመት፡ ገይሮም ነበሩ። ኰይኑ ግና የሆዋ፡ “እየ” ደኣ እምበር “ነይረ” ስለ ዘይበለ፡ ኣምላኾም ከም ዝዀነ ደኣ እምበር፡ ኣምላኾም ከም ዝነበረ ኣይተዛረበን። የሆዋ ነቶም ሰለስተ ኣበዋት፡ ህያዋን ከም ዝዀኑ ገይሩ እዩ ተዛሪቡሎም። ስለምንታይ፧

የሱስ፡ “ንሱ [የሆዋ፡] ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምዉታትሲ ኣይኰነን” በለ። እዘን ቃላት እዚአን እንታይ ትርጕም ሒዘን ከም ዘለዋ እሞ ሕሰብ። ትንሳኤ እንተ ዘይህሉ ነይሩ፡ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ንዘለኣለም ሞይቶም ምተረፉ ነይሮም ማለት እዩ። ከምኡ እንተ ዚኸውን ከኣ፡ የሆዋ፡ ኣምላኽ ሬሳታት ምዀነ ማለት እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሞት ካብ የሆዋ ስለ ዚሕይልሲ ያኢ፡ የሆዋ ነቶም ዝሞቱ እሙናት ኣገልገልቱ ኻብ ሞት ኬላቕቖም ዓቕሚ ኸም ዘይብሉ መመልከተ ነይሩ።

እምበኣር፡ ብዛዕባ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ብዛዕባ ዅሎም እቶም ሞይቶም ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዝነበሩ እንታይ ኢልና ኢና ኽንድምድም እንኽእል፧ የሱስ፡ “ንዕኡ ዅላቶም ህያዋን እዮም” ብምባል ኣትሪሩ ተዛሪቡ ኣሎ። (ሉቃስ 20:38) እወ፡ የሆዋ ነቲ ሞይቶም ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቱ ንኼተንስኦም ዘለዎ ዕላማ፡ ብርግጽ ስለ ዚፍጽሞ፡ ከም ህያዋን ገይሩ እዩ ዚቘጽሮም። (ሮሜ 4:16, 17) ክሳዕ ዜተንስኦም ከኣ ካብ ተዘክሮኡ ኣይጠፍኡን እዮም።

የሆዋ ኻብ ሞት ኣዝዩ ዚሕይል ኣምላኽ እዩ

ምስ ሓደ ብሞት እተፈልየካ እተፍቅሮ ሰብ እንደገና ተራኺብኩም ክትነብሩ ተስፋ ኸም ዘሎ ኽትፈልጥሲ፡ ባህ ዜብልዶ ኣይኰነን፧ ስለዚ፡ የሆዋ ኻብ ሞት ኣዝዩ ዚሕይል ኣምላኽ ምዃኑ ዘክር። ነቲ ንምዉታት ኬተንስእ ዝኣተዎ መብጽዓ ንኸይፍጽሞ፡ ኪዓግቶ ዚኽእል ሓይሊ የለን። ብዛዕባ ትንሳኤን ብዛዕባ እቲ ነዚ ዚፍጽሞ ኣምላኽን ንምንታይ ብዝያዳ ዘይትምሃር፧ ከምዚ ምስ እትገብር፡ ነቲ “ኣምላኽ ህያዋን” ዝዀነ የሆዋ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ኢኻ።

ንለካቲት ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ማቴዎስ 22-28ማርቆስ 1-8

^ စာပိုဒ်၊ 3 ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብታ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ትንሳኤ ኸም ዚፍጽም እተመባጽዖ መብጽዓ ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 7 ርአ።