ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ድያብሎስ ካበይ እዩ መጺኡ፧

ኣምላኽ፡ ድያብሎስ ኣይፈጠረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሓደ ጸኒሑ ድያብሎስ ዝዀነ ሰይጣን እውን እተባህለ መልኣኽ እዩ ፈጢሩ። የሱስ፡ ድያብሎስ ሓደ እዋን ሓቀኛን ንጹህን ከም ዝነበረ ዚእምት ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። ስለዚ፡ ድያብሎስ መጀመርታ ጻድቕ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ።—ዮሃንስ 8:44 ኣንብብ።

ሓደ መልኣኽ፡ ድያብሎስ ኪኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

እቲ ድያብሎስ ዝዀነ መልኣኽ፡ ንኣምላኽ ኪጻረሮ መረጸ፡ ነቶም ቀዳሞት መጻምድቲ ድማ ከም ዚሓብርዎ ገበሮም። በዚ ኸምዚ ንርእሱ ሰይጣን ገበራ። ትርጕሙ ድማ “ተጻራሪ” ማለት እዩ።—ዘፍጥረት 3:1-5፣ ራእይ 12:9 ኣንብብ።

እቲ ድያብሎስ ዝዀነ መልኣኽ፡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት መስተውዓልቲ ፍጡራት፡ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ኪመርጽ ናጽነት እኳ እንተ ነበሮ፡ ንኺምለኽ ትምኒት ኣሕደረ። እቲ ኽብረት ንኺረክብ ዝነበሮ ትምኒት ካብቲ ንኣምላኽ ንኼሐጕሶ ዝነበሮ ትምኒት ዝበርትዐ እዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 4:8, 9፣ ያእቆብ 1:13, 14 ኣንብብ።

ድያብሎስ ኣብ ሰባት ጽልዋ ምግባሩ ዝቐጸለ ብኸመይ እዩ፧ ክትፈርሆ ይግብኣካዶ፧ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። መልሲ ተወሳኺ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ኢንተርነት ርአ