ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ሰባት ንኣምላኽ ከም ዘየፍቅርዎ ዚገብሮም ሓሶታት

ሰባት ንኣምላኽ ምፍቃር ዓቐብ ኰይኑዎም

ሰባት ንኣምላኽ ምፍቃር ዓቐብ ኰይኑዎም

“‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ።’ እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ።”—የሱስ ክርስቶስ፡ 33 ድ.ክ. *

ገሊኦም ሰባት ንኣምላኽ ምፍቃር የጸግሞም እዩ። ንኣምላኽ ክትርድኦን ክትቀርቦን ከም ዘይከኣል ኣካል፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ከም ጨካን ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ነዚ ዚስዕብ ርእይቶታት እስከ ርአ፦

  • “ምእንቲ ኺሕግዘኒ ናብ ኣምላኽ እጽሊ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ካባይ ኣዝዩ ዝረሓቐን ዳርጋ ክቐርቦ ዘይክእልን ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ ነይሩ። ኣምላኽ ዋላ ሓንቲ ስምዒት ዘይብሉ ረቂቕ ኣካል እዩ ዚመስለኒ ነይሩ።”—ማርኮ፡ ኢጣልያ።

  • “ንኣምላኽ ካብ ልበይ ከገልግሎ እደሊ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ክቐርቦ ዘይክእል ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ ነይሩ። ኪቐጽዓና ጥራይ ዚደሊ ጨካን ኣምላኽ እዩ ዚመስለኒ ነይሩ። ስምዒት ከም ዘለዎ ገይረ ኣይሓስብን እየ ነይረ።”—ሮሳ፡ ጓተማላ።

  • “ቈልዓ ኸለኹ፡ ንኣምላኽ ከም ንጌጋታትና ዚኣርን ንኪቐጽዓና እተዳለወን ኣካል ገይረ እየ ዝርእዮ ነይረ። ጸኒሐ ድማ፡ ኣምላኽ ኪቕረብ ከም ዘይከኣል ገይረ ኽሓስብ ጀመርኩ። ንኣምላኽ፡ ከም ሓደ ንጕዳያት እቶም ዚመርሖም ህዝቢ ዜመሓድር ግናኸ ብዛዕባኦም ዘይዓጅቦ ቐዳማይ ሚኒስተር ገይረ እየ ዝርእዮ ነይረ።”—ሬሞንድ፡ ካናዳ።

ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ኣምላኽ ዘይፍቀር ድዩ፧ ክርስትያናት ነዛ ሕቶ እዚኣ ንዘመናት ኬበግስዋ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ማእከላይ ዘመን እሞ ኸኣ፡ ኣብተን ህዝበ ክርስትያን እትርከበለን ሃገራት ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ናብቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣይጽልዩን እዮም ነይሮም። ስለምንታይ፧ ኣመና ይፈርህዎ ስለ ዝነበሩ እዩ። ዊል ዱራንት ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ፡ “ሓደ ሓጥእ ሰብ፡ ናብቲ ኣመና ዜፍርህን ዘይቅረብን ዝፋን ንኺጽሊ ኺደፍር ዚኽእል እሞ ብኸመይ እዩ፧” በለ።

ሰባት ንኣምላኽ ከም “ኣመና ዜፍርህን ዘይቅረብን” ገይሮም ኪርእይዎ ዝጀመሩ ብኸመይ እዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ምፍላጥካ ንኸተፍቅሮ ኺሕግዘካ ይኽእልዶ፧