ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ገበር | ንኣምላኽ ክትቀርቦ ትኽእል ኢኻ

ኣምላኽ ክትገብሮ ዚደልየካ ትገብር ዲኻ፧

ኣምላኽ ክትገብሮ ዚደልየካ ትገብር ዲኻ፧

ንሓደ ዘይትፈልጦ ሰብ ወይ ከኣ ንሓደ ምስኡ ብዙሕ ሌላ ዘይብልካ ሰብ፡ “ዝደለኻዮ ነገር ሕተተኒ፡ ተሓጒሰ ኽገብረልካ እየ” ኣይትብሎን ትኸውን። ንሓደ እትፈትዎ ዓርክኻ ኸምኡ ኽትብሎ ግና ኣይኸብደካን እዩ። ከመይሲ፡ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ብተፈጥሮኦም፡ ንሓድሕዶም ኪተሓጓጐሱ ፍቓደኛታት እዮም።

የሆዋ ወትሩ ንኣምለኽቱ ዜሐጕስ ነገር ከም ዚገብር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ዝነበሮ ንጉስ ዳዊት፡ “ጐይታይ፡ ኣምላኸየ፡ ተኣምራትካን ንኣና ዝሐሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ፡ . . . ምቝጻሩ ዘይከአል ብዙሕ እዩ” በለ። (መዝሙር 40:5) ካብኡ ንላዕሊ ግና፡ የሆዋ ነቶም ገና ዘይፈልጥዎ እውን ዜሐጕስ ነገራት ይገብር እዩ፣ እወ፡ ‘ንልቦም ብምግብን ብሓጐስን ይመልኦ’ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 14:17

ነቶም እነፍቅሮምን እነኽብሮምን ሰባት፡ ባህ ኢሉና ዝደለይዎ ነገራት ንገብረሎም ኢና

የሆዋ፡ ንኻልኦት ሰባት ዜሐጕሶም ነገራት ምግባር ባህ ዜብሎ ኻብ ኰነ፡ እቶም ኣዕሩኹ ኪዀኑ ዚደልዩ ሰባት ‘ንልቡ ኼሐጕስዎ’ እንተ ተጸበየ እምበኣር ርትዓዊ እዩ። (ምሳሌ 27:11) ኰይኑ ግና፡ ንኣምላኽ ንምሕጓስ እንታይ ፍልይ ዝበለ ነገር ክትገብር ትኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰናይ ምግባርን ዘሎኩም ምምቓልን ኣይትረስዑ፣ ከመይሲ፡ ኣምላኽ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ባህ ይብሎ እዩ” ይብል። (እብራውያን 13:16) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ንየሆዋ ዜሐጕሶ፡ ሰናይ ምግባርን ዘሎካ ምምቓልን ጥራይ እዩ ማለት ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ” ይብል። (እብራውያን 11:6) ኣብርሃም “ዓርኪ የሆዋ” ኺብሃል ዝኸኣለ፡ ‘ብየሆዋ ድሕሪ ምእማኑ’ እዩ። (ያእቆብ 2:23) የሱስ ክርስቶስ እውን፡ በረኸት ኣምላኽ ክንረክብ እንተ ደሊና፡ ‘ብኣምላኽ ክንኣምን’ ከም ዘሎና ኣጕሊሑ ኣሎ። (ዮሃንስ 14:1) እሞኸ ከምታ ኣምላኽ ካብቶም ናብኡ ንኪቐርቡ ዚደልዮም ሰባት ዘላቶም ዓይነት እምነት ከተጥሪ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርካ ብምጽናዕ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ‘ልክዕ ፍልጠት ፍቓድ ኣምላኽ’ ይህልወካ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ‘ብዅሉ ንዕኡ ኸተሐጕሶ’ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ የሆዋ ዘሎካ ቕኑዕ ፍልጠት እናወሰኸ ምስ ከደ፡ ነቲ ዝፈለጥካዮ ስርዓታት ጽድቂ ኸኣ ክትትግብሮ ምስ ጀመርካ፡ ኣብኡ ዘላትካ እምነት ክትዓቢ እያ፣ ብዝያዳ ድማ ናብኡ ኽትቀርብ ኢኻ።—ቈሎሴ 1:9, 10