ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህይወት አብታ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም

ህይወት አብታ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም

ህይወት አብታ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም

ነዚ ኣብዛ ንእሽቶ ጽሕፍቲ ዘሎ ትርኢት ምስ ረኤኹም እንታይ ስምዒታት የሕዲርልኩም ? ነዚ ኣብኡ ዘሎ ሰላም : ሓጐስ : ከምኡውን ብልጽግና ልብኹም ኣይብህጎንዶ ? ብርግጽ ይብህጎ ኢዩ ። ግን እዚ ኩነታት እዚ ኣብ ምድሪ ክኸውን ኢዩ ኢልካ ምእማንሲ ጽውጽዋይ ወይ ሕልሚ ጥራይ ድዩ ?

መብዛሕትኦም ሰባት ምናልባት ከምኡ ኢዮም ዝሓስቡ ። ብውሑዱ ገለ ካብቲ ሎሚ ዝፍጸም ዘሎ ነገራት ውግእ : ዓመጻ : ጥሜት : ሕማም : እርጋን : ክጥቀስ ይከአል ። ይኹን እምበር ተስፋ ክንገብር ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና ። ብዛዕባ ዝመጽእ ግዜ ብምሕባር መጽሓፍ ቅዱስ “ንሕና ግና : ከምቲ ተስፋኡ : ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ ኣሎና” ብምባል ይነግረና ። — 2 ጴጥሮስ 3 : 13 ፣ ኢሳይያስ 65 : 17

እዚ “ሓድሽ ሰማያትን” ከምኡውን “ሐድሽ ምድርን” ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ እንርእዮ ግዙፍ ሰማያትን ግዙፍ ምድርን አልጊሱ ብኻልእ ሓድሽ ክትካእ ማለት ኣይኰነን ። እዞም እንርእዮም ሰማይን ምድርን ፍጹማት ኰይኖም ኢዮም ተፈጢሮም : ብተወሳኺ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ንዘለኣለም ክነብሩ ምዃኖም ኢዩ ዝነግረና ። (መዝሙር 89 : 36, 37 ፣ 104 : 5) እቲ “ሓድሽ ምድሪ” በቶም ጻድቃን ዝኾኑ ሕብረተሰብ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዝቖመ ክኸውን ከሎ እቲ “ሓድሽ ሰማያት” ድማ ፍጹም ዝኾነ ሰማያዊ መንግስቲ ወይ ግዝኣት ኰይኑ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ጻድቃን ሕብረተሰብ ዝገዝእ ምምሕዳር ኢዩ ። ግን ሓንቲ “ሓዳስ ምድሪ” ወይ ግርማዊት ዝኾነት ሓዳስ ዓለም ክትህሉ ኢያ ኢልካ ምእማንሲ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ድዩ ?

ብመሰረቱ እዚ ከምዚ ዝአመሰለ ምቹእ ኵነታት ክፍሊ ናይቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እዛ ምድሪ እዚኣ ብመጀመርታ ዝመደቦ ዕላምኡ ኢዩ ነይሩ ። ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ምስ ኣቐመጦም ሓደ ዘገርም ዕዮ ሃቦም:- “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኹዋን” በሎም ። (ዘፍጥረት 1 : 28) ብርግጽ ናይ ኣምላኽ ዕላማ ውሉዳት ክህልዉዎምን ከምኡውን ንምልእቲ ምድሪ ገነት ክገብርዋ ኢዩ ነይሩ ። ሽሕኳ ንኣምላኽ ንኸይእዘዙ ብምምራጾም ንዘለኣለም ንምንባር ዘይብቑዓት ኰይኖም እንተተኾልፉ እቲ ናይ መጀመርያ ዕላማ ኣምላኽ ግን ኣይተለወጠን ። ዕላምኡ ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ክፍጸም ኣለዎ ። — ኢሳይያስ 55 : 11

ልክዕ ኢዩ እቲ እንጽልዩ ናይ ጐይታ ጸሎት ወይ ‘ኣቡነ ዘበሰማያት :’ ንመንግስቱ ከምጽእ ብምሕታትና እታ ሰማያዊት መንግስቱ እከይ ዘበለ ካብ ምድሪ ኣጥፊኣ ኣብ ሓዳስ ዓለም ክትገዝእ ኢና ንጽሊ ዘሎና ። (ማቴዎስ 6 : 9, 10) ኣምላኽ ንጸሎትና ክምልሸሉ ከም ዝኾነ ከኣ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና ከመይሲ ቃሉ “ጻድቃን ንምድሪ ኪወርስዋ ኣብኣ ድማ ንዘልኣለም ኪነብሩ እዮም” ኢሉ ኢዩ ተስፋ ዝህበና ። — መዝሙር 37 : 29

ህይወት ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም

ናይ ኣምላኽ መንግስቲ ነቲ አምላኽ ካብ መጀመርታ ንህዝቡ ኣብ ምድሪ እናተሓጐሱ ክነብሩ መዲቡሎም ዝነበረ በረኸታት ብምፍጻም መወዳድርቲ ዘይብሉ ምድራዊ በረኸታት ከተምጽእ ኢያ ። ጽልእን ኣድልዎን ስለ ዘይህልዉ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ምድሪ ዝነብር ናይ ብሓቂ ፈታዊ ኩሉ ሰብ ኰይኑ ክነብር ኢዩ ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስውን እቲ ናይ ኣምላኽ ተስፋ “ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ” “ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ : ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም” ዝብል ኢዩ ። — መዝሙር 46 : 9 ፣ ኢሳይያስ 2 : 4

ምልእቲ ምድሪ ውቅብትን ገነትን ክትከውን ኢያ ። መጽሓፍ ቅዱስውን ከምዚ ይብል “በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪሕጐሱ : ምድረ በዳ ኸኣ እልል ኪብል : ከም ጽጌረዳ ድማ ኪዕምብብ እዩ. . .  ማያት ኣብ በረኻ: ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ እሞ : ምድሪ ረመጨትሲ ቐላይ : ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ዓይኒ ማያት ኪኸውን እዩ ።” — ኢሳይያስ 35 : 1, 6, 7

ኩሉ ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ብምንባሩ ክሕጐስ ኢዩ ። ብሰንኪ ስእነት መግቢ ሓደ እኳ ኣይክጠምን ኢዩ ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ምድሪ ፍሪኣ ክትህብ ኢያ’ ይብል ። (መዝሙር 67 : 6 ፣ 72 : 16) ነፍሲ ወከፍ ድማ ብፍረ ጻዕሩ ክሕጐስ ምዃኑ እቲ ፈጣሪ መብጽዕኡ ብምሃብ “ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ : ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም... ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉ እዮም” ይብል ። — ኢሳይያስ 65 : 21, 22

ኣብታ ናይ አምላኽ ሓዳስ ዓለም ሰባት ኣብ ዓበይቲ ህንጻታት ኣብ ሓደ ተጨቓጪቖም ከም ዘይነብሩ ወይ ናይ ገዛ ጽበት ከም ዘይህልዎም እቲ ናይ ኣምላኽ መብጽዓ “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም... ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን” ብምባል ይገልጾ ። ወሲኹውን “ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን” ኢዮም ይብል ። (ኢሳይያስ 65 : 21 – 23) ሽዑ ሰባት ብስርሖም ዝዓግቡን : ትጉሃትን ክኾኑ ኢዮም ። ምንባርካ ዘጽልእ ኵነታትውን ኣይክህሉን ኢዩ ።

ከምቲ ብጥንቲ ኣብ ገነት ኤደን ዝነበረ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መንጐ እንስሳታት ከምኡውን ኣብ መንጐ ሰብን እንስሳን ሰላም ክምለስ ኢዩ ። መጽሓፍ ቅዱስውን “ተኹላ ምስ ዕየት ኪሰፍር : ነብሪ ኸአ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ : ምራኽን ኵርኵር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሓቢሮም ኪውዕሉ : ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ” ይብል ። — ኢሳይያስ 11 : 6 –9 ፣ ሆሴእ 2 : 18

ሕስብ እሞ ኣብልዎ ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ብዘሎ ሕማምን ኣካላዊ ጕድለትን ክሓዊ ! ቃል አምላኽ’ውን ከምዚ ብምባል ኢዩ ዘረጋግጸልና:- “ካብቶም ኣብኣ ዝነብሩስ ሓደ እኳ [ሓሚመ ትሓዓ] ኣይብልን” (ኢሳይያስ 33 : 24) “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ : ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን : ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ ።” — ራእይ 21 : 4

ነዚ ብኸመይ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ?

ብርግጽ እቲ ኣምላኽ ነቶም ቅኑዓት ዝኾኑ ሰባት ኣብታ ሓዳስ ዓለም ንኽነብሩ ኣትዩሎም ዘሎ መብጽዓ ንልብኹም ተንኪፉኩም ኣሎ ። ገለ ሰባት እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ በረኸታት ክፍጸም ዘይከ ኣል ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን ። እንተኾነ ግን ጽቡቕ ዘበለ ካብ ኢድ ናይቲ ፈቃር ፈጣሪና ከም ዝመጽእ ክእመን ዘይከኣል አይኰነን ። — መዝሙር 145 : 16 ፣ ሚክያስ 4 : 4

ልክዕ ኢዩ ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ክንነብር ንደሊ እንተደኣ ኴንና ከነማልኦ ዝግብኣና ነገራት ኣሎ ። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ክንገብሮ ዝግብኣና ድማ የሱስ ናብ ኣምላኽ ክጽሊ ኸሎ ዝበሎ ኢዩ:- “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ : ናይ ዘለአለም ህይወት አዚኣ እያ” ይብል ። — ዮሃንስ 17 : 3

ስለዚ ብሓቂ ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ክንነብር ንደሊ እንተደኣ ኴንና : ብመጀመርያ ፍቓድ ኣምላኽ ክንመሃር : ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ይግብኣና : ከመይሲ ሓደ ሓቂ ኣሎ እዚ ድማ “ዓለም ትሓልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር ።” እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር ነቲ ፈቃር ፈጣሪና ዘፍስሶ በረኸት እናረኸበ ንዘለኣለም ኪነብር ኢዩ። — 1 ዮሃንስ 2:​17

ፍልይ ዝበለ መግለጺ ዝተዋህቦም ጥራይ እንተዘይኰይኑ ኩሎም ተጠቒሶም ዘለዉ ጥቕስታት ካብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ።