ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፋል 18

የሱስ ተኣምራት ገበረ

የሱስ ተኣምራት ገበረ

የሱስ ብተኣምራቱ ኣቢሉ፡ ንጉስ ምስ ኰነ ንሓይሉ ብኸመይ ከም ዚጥቀመሉ ኣርኣየ

ኣምላኽ ንየሱስ፡ ሰባት ኪገብርዎ ዘይክእሉ ብዙሕ ነገራት ንኺገብር ሓይሊ ሃቦ። የሱስ ብዙሕ ተኣምራት ገይሩ እዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ እውን ነዚ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እዩ ዚገብሮ ነይሩ። እቲ ዝገበሮ ተኣምራት፡ የሱስ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰባት ኬወግድዎም ዘይከኣሉ ጸላእን ጸገማትን ሓይሊ ኸም ዘለዎ የርኢ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ጽምእን ጥሜትን። የሱስ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ተኣምር፡ ንማይ ናብ ጽቡቕ ወይኒ ምቕያር እዩ ነይሩ። ኣብ ክልተ ኻልእ ኣጋጣሚታት ከኣ፡ ብሒደት እንጌራን ዓሳን ገይሩ ንኣሽሓት ሰባት ዓንጊሉ እዩ። ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት፡ ንዅሎም ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ነበረ።

ሕማም። የሱስ፡ “ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን” ኣሕውዩ እዩ። (ማቴዎስ 4:23) ዕዉራትን ጸማማትን ለምጻማትን ሕማም ባርያ ዘለዎምን ኣሕውዩ እዩ። ሓንካሳትን ቈራያትን እውን ኣጥዕዩ እዩ። ኬሕውዮ ዘይከኣለ ዓይነት ጸገም ጥዕና ኣየጋጠሞን።

ሓደገኛ ዅነታት ኣየር። የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ንባሕሪ ገሊላ ኺሰግሩ ኸለዉ፡ ብርቱዕ ንፋስ ተላዕለ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣዝዮም ፈርሁ። የሱስ ግን ናብቲ ማዕበል ጠሚቱ፡ ንባሕሪ፡ “ስቕ በሊ፡ ህድኢ” ኢሉ ገንሓ። ብኡንብኡ፡ ዓብዪ ህድኣት ኰነ። (ማርቆስ 4:37-39) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ዜፍርህ ማዕበል ተላዒሉ ኸሎ፡ ብማየ ማይ ከደ።—ማቴዎስ 14:24-33

እኩያት መናፍስቲ። እኩያት መናፍስቲ ኻብ ደቂ ሰብ ኣጸቢቖም ይሕይሉ። ብዙሓት ሰባት ካብ ቍጽጽር እዞም ሕሱማት ጸላእቲ ኣምላኽ ሓራ ኺወጹ ኣይከኣሉን። የሱስ ግን፡ ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚታት ንእኩያት መናፍስቲ ኻብ ሰባት ኪወጹ ምስ ኣዘዞም፡ ንግዳያቶም ሓዲጎምዎም ወጹ። የሱስ ንመናፍስቲ ኣይፈርሆምን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ንሳቶም ንስልጣኑ ይፈልጡን ይፈርህዎን ነበሩ።

ሞት። እቲ “[ናይ] መወዳእታ . . . ጸላኢ” ተባሂሉ እተጸውዐ ሞት፡ ሰብ ኪስዕሮ ዚኽእል ጸላኢ ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 15:26) ኰይኑ ግን፡ የሱስ ንምዉታት ኣተንሲኡ እዩ። ንሓደ ጐበዝ ኣተንሲኡ ነታ መበለት ኣዲኡ ሃባ፣ ንሓንቲ ጓል ኣተንሲኡ ድማ ነቶም ዝሓዘኑ ወለዳ ሃቦም። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ፡ ነቲ ኻብ ዝመውት ራብዕቲ ገይሩ ዝነበረ ዓርኩ ኣልኣዛር ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሓዘንተኛታት ብምትንሳእ፡ ኣዝዩ ዜደንቕ ነገር ፈጺሙ እዩ። ጸላእቲ የሱስ እኳ ኸይተረፉ፡ ነዚ ተኣምር እዚ ኸም ዝገበረ ኣሚኖምሉ እዮም።—ዮሃንስ 11:38-48፣ 12:9-11

የሱስ ነዚ ዅሉ ተኣምራት ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧ ኵሎም እቶም ብተኣምራቱ ዝሓገዞም ሰባት ውዒሎም ሓዲሮም ካብ ሞቱ፡ ተኣምራቱ እንታይ ረብሓ እዩ ነይርዎ፧ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ነባሪ ጥቕሚ ነይርዎ እዩ። ኵሉ እቲ ብዛዕባ ግዝኣት መሲሓዊ ንጉስ እተነግረ ትንቢታት ጭቡጥ መሰረት ኪህልዎ ዝኸኣለ፡ ሳላ እዚ ተኣምራት እዚ እዩ። እቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ንጉስ፡ ጽምእን ጥሜትን፡ ሕማም፡ ሓደገኛ ዅነታት ኣየር፡ እኩያት መናፍስቲ፡ ወይ ሞት ኬወግድ ከም ዚኽእል ኣየጠራጥርን እዩ። ነዚ ዅሉ ንኺገብር ኣምላኽ ሓይሊ ኸም ዝሃቦ፡ ኣርእዩ እዩ።

—ኣብ መጽሓፍ ማቴዎስ ማርቆስ ሉቃስ ዮሃንስ እተመስረተ።