ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ መንፈሳውያን ፍጡራት

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ መንፈሳውያን ፍጡራት

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዙሓት መንፈሳውያን ፍጡራት ከም ዘለዉ ይነግረና እዩ። የሆዋ ንባዕሉ እውን መንፈስ እዩ።—ዮሃንስ 4:24፣ 2 ቈረንቶስ 3:17, 18

የሆዋ ኣብ መላእ ዩኒቨርስ በይኑ ዚነብረሉ ዝነበረ እዋን ነይሩ እዩ። ጸኒሑ ግን፡ መላእኽቲ ዚበሃሉ መንፈሳውያን ፍጡራት ፈጢሩ እዩ። መላእኽቲ ብሓይሎም ኰነ ብምስትውዓሎም ካብ ሰባት ይበልጹ እዮም። የሆዋ ብዙሓት መላእኽቲ እዩ ፈጢሩ፣ እቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝነበረ ዳንኤል፡ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ መላእኽቲ ብራእይ ርእዩ እዩ።—ዳንኤል 7:10፣ እብራውያን 1:7

ኣምላኽ ነዞም መላእኽቲ እዚኣቶም፡ ንምድሪ ቕድሚ ምግባሩ እዩ ፈጢርዎም። (እዮብ 38:4-7) ስለዚ፡ መላእኽቲ ኣብ ምድሪ ብህይወት ነይሮም ዝሞቱ ሰባት ኣይኰኑን።

የሆዋ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ መንፈሳውያን ፍጡራት ፈጠረ