ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣጋንንቲ፡ ምዉታት ብህይወት ከም ዘለዉ የምስሉ

ኣጋንንቲ፡ ምዉታት ብህይወት ከም ዘለዉ የምስሉ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ፡” ሰይጣን ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (ራእይ 12:9) ሰይጣንን ኣጋንንቱን ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ክንኣምኖ ኣይደልዩናን እዮም። ምዉታት ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ብህይወት ከም ዚቕጽሉ ኼእምኑና ሒዅ እዮም ዚብሉ። ብኸመይ ከምኡ ኸም ዚገብሩ እስከ ንርአ።

ናይ ሓሶት ሃይማኖት

ሰባት ኰኑ እንስሳታት ነፍሳት እዮም

ብዙሓት ሃይማኖታት፡ ድሕሪ ሞት ካብ ስጋ ተፈልያ ናብ መንፈሳዊ ዓለም እትኸይድ ነፍሲ ኸም ዘላ ይምህራ እየን። ስጋ እኳ እንተ ሞተ፡ ነፍሲ ግን ከም ዘይትመውት እየን ዚገልጻ። ብዘይካዚ፡ ነፍሲ ፈጺማ ኸም ዘይትመውት ይምህራ እየን።

ይኹን እምበር፡ ቃል ኣምላኽ ከምኡ ኢሉ ኣይኰነን ዚምህር። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ሰብ ባዕሉ ነፍሲ ኸም ዝዀነ ደኣ እምበር፡ ነፍሲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰብ እትርከብ ነገር ከም ዝዀነት ኣይገልጽን እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ኣዳም ኪገልጽ ከሎ፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ” ይብል። (ዘፍጥረት 2:7) ስለዚ፡ ንኣዳም ነፍሲ ኣይተዋህቦን፡ ንሱ ንባዕሉ ነፍሲ እዩ ነይሩ።

እንስሳታት እውን ነፍሳት ተባሂሎም ኣለዉ።—ዘፍጥረት 1:20, 21, 24, 30

መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ንሰብ ንምምልካት ዚጥቀመላ ኻብ ኰነ፡ ነፍሲ ኸም እትመውት ምፍላጥና ኼገርመና የብሉን። ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ይብል፦

  • “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ።”ህዝቅኤል 18:4

  • “ሲምሶን ድማ፤ ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሙት፡ በለ።”—መሳፍንቲ 16:30

  • “ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ምድሓን ነፍሲዶ ወይስ ምቕታላ ይግባእ፧”—ማርቆስ 3:4

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዘይትመውት ነፍሲ ኸም ዘየላ ይምህር

ካልእ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን፡ ነፍሲ ኽትጠፍእ (ዘፍጥረት 17:14)፡ ብሴፍ ክትቅተል (እያሱ 10:37)፡ ክትሕነቕ (እዮብ 7:15)፡ ከምኡውን ክትጥሕል (ዮናስ 2:6) ከም እትኽእል ይገልጽ። ስለዚ፡ ነፍሲ ትመውት እያ።

ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣንቢብካዮ፡ “ዘይትመውት ነፍሲ” ዚብል ሓረግ ፈጺምካ ኣይትረክብን ኢኻ። ነፍሲ ሰብ፡ መንፈስ ኣይኰነትን። ዘይትመውት ነፍሲ ኸም ዘላ ዚምህር ትምህርቲ እውን፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ኣይኰነን። ትምህርቲ ሰይጣንን ኣጋንንቱን እዩ። የሆዋ ኸኣ ንዅሉ ሃይማኖታዊ ሓሶት ይጸልኦ እዩ።—ምሳሌ 6:16-19፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:1, 2

ንመናፍስቲ ዚጥይቑ ሰባት

ኣጋንንቲ፡ መናፍስቲ ምዉታት ከም ዝዀኑ የምስሉ

ሰይጣን፡ ንመናፍስቲ ብዚጥይቑ ሰባት ኣቢሉ እውን ንሰባት የታልል እዩ። መናፍስቲ ዚጥይቕ ሰብ፡ ካብ መንፈሳዊ ዓለም ቀጥታዊ መልእኽቲ ይቕበል። ብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ ንመናፍስቲ ዚጥይቑ ሰባት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መልእኽቲ ኻብ መናፍስቲ ምዉታት ከም ዚመጽእ እዮም ዚኣምኑ። ኰይኑ ግን፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኣናዮ፡ ከምዚ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።—መክብብ 9:5, 6, 10

እቲ መልእኽትታት ደኣ እሞ ኻበይ እዩ ዚመጽእ፧ ካብ ኣጋንንቲ እዩ። ኣጋንንቲ ንሰብ ብህይወቱ ኸሎ ኺዕዘብዎ ይኽእሉ እዮም፣ ብኸመይ ከም ዚዛረብ፡ እንታይ ከም ዚመስል፡ እንታይ ከም ዝገበረ፡ ከምኡውን እንታይ ከም ዚፈልጥ ይፈልጡ እዮም። ስለዚ፡ ብቐሊሉ ነቶም ዝሞቱ ሰባት መሲሎም ኪቐርቡ ይኽእሉ እዮም።—1 ሳሙኤል 28:3-19

ናይ ሓሶት ወረ

ሰይጣን ብናይ ሓሶት ወረ ኣቢሉ እውን ብዛዕባ ምዉታት ሓሶት ይነዝሕ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ወረ ንሰባት ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኸም ዚርሕቁ እዩ ዚገብሮም።—2 ጢሞቴዎስ 4:4

ገሊኦም ሰባት ካብ ሞት ንዝተንስኡ ዝረኣዩ ይመስሎም

ድሕሪ ሙማቶም ብዛዕባ እተራእዩ ሰባት ዚገልጽ ብዙሕ ናይ ሓሶት ወረ ኣብ ኣፍሪቃ ይንገር እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ካብቲ ዚነብሩሉ ዝነበሩ ርሒቑ ኣብ ዚርከብ ቦታ እዮም ዚረኣዩ። ኰይኑ ግን፡ ‘ሓደ ሰብ ካብ ሞት ኪትንስእ ሓይሊ እንተ ኣልይዎ፡ ስለምንታይ እዩ ኻብቲ ስድራ ቤቱን ፈተውቱን ዚነብሩሉ ርሒቑ ዚነብር፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።

ገሊኦም ሰባት ምስቲ ዝሞተ ዚመሳሰል ካልእ ሰብ ምስ ረኣዩ፡ ከምኡ ዓይነት ወረ ኼውርዩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ክልተ ክርስትያን ኣገልገልቲ ኣብ ሓደ ገጠር ኪሰብኩ ኸለዉ፡ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ይከታተሎም ከም ዝነበረ ኣስተብሃሉ። እንታይ ከም ዝደለየ ምስ ሓተትዎ፡ ሓደ ኻብቶም ኣገልገልቲ ቅድሚ እተወሰነ ዓመት ዝሞተ ሓዉ መሲልዎ ይከታተሎም ከም ዝነበረ ፈለጡ። ተጋግዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ጌጋኡ ኺኣምን ግን ኣይደለየን። እዚ ሰብኣይ እዚ ንፈተውቱን ንጐረባብቱን እንታይ ኢሉ ኸም ዜውርየሎም እሞ ሕሰብ!

ራእያትን ሕልምታትን ድምጽታትን

ኣጋንንቲ ብሕልምታትን ብራእያትን ብድምጽታትን የታልሉ

ሰባት ብዛዕባ ዝረኣይዎ፡ ዝሰምዕዎ፡ ወይ ዝሓለምዎ ዘይልሙድ ነገራት ከም እትፈልጥ ኣየጠራጥርን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዜደንጹ ተመክሮታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንሰባት የፍርሆም እዩ። ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትነብር ማሪን፡ ለይቲ ዓባያ ኽትጽውዓ ኸላ ኣዘውቲራ ትሰምዕ ነበረት። እዚ የፍርሃ ስለ ዝነበረ ድማ፡ ብምሉኦም ስድራ ቤታ ኽሳዕ ዚበራበሩ ተእዊ ነበረት። ኣብ መወዳእታኡ፡ ተጸለለት።

ምዉታት ብሓቂ ብህይወት እንተ ኣልዮም፡ ነቶም ዜፍቅርዎም ሰባት መፈራርህዎምዶ፧ ኣይፋልን። ከምዚ ዝኣመሰለ ጐዳኢ መልእኽቲ፡ ካብ ኣጋንንቲ እዩ ዚምንጭው።

ብዛዕባ እቲ ሓጋዝን መጸናንዕን ዚመስል መልእኽትኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ንኣብነት፡ ኣብ ሰራ ልዮን እትነብር ግባሳይ፡ ሓደ እዋን ሓመመት። እቲ ዝሞተ ሰብኣያ ድማ ብሕልሚ ተራእያ። ናብ ሓንቲ ኦም ክትከይድን ካብኡ ሓንቲ ቘጽሊ ቐንጢባ ምስ ማይ ሓዊሳ ኽትሰትዮን ድማ ነገራ። ከምኡ ቕድሚ ምግባራ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ክትዛረብ ኣይነበራን። ከምቲ እተነግራ ምስ ገበረት፡ ሓወየት።

ካልእ ሰበይቲ ኸኣ፡ ሰብኣያ ድሕሪ ሙማቱ፡ ሓደ ለይቲ ኸም እተራእያ ገለጸት። ትርኢቱ ዀነ ኣከዳድናኡ ጽቡቕ ከም ዝነበረ ድማ ተዛረበት።

ከምዚ ዝኣመሰለ መልእኽትታትን ራእያትን ጽቡቕን ሓጋዝን ኪመስል ይኽእል እዩ። ካብ ኣምላኽ ድዩ ግን ዚመጽእ፧ ኣይፋሉን። የሆዋ፡ “ኣምላኽ ሓቂ” እዩ። (መዝሙር 31:5) ፈጺሙ ኣየታልለናን እዩ። ኣጋንንቲ ጥራይ እዮም ከምኡ ዚገብሩ።

ይኹን እምበር፡ ቅኑዓት ኣጋንንቲ ኣለዉ ድዮም፧ የለዉን። ሓድሓደ ግዜ ሓገዝቲ ኺመስሉ ይኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኵሎም እኩያት እዮም። ድያብሎስ ንሄዋን ኬዘራርባ ኸሎ፡ ሕያዋይ መሲሉ እዩ ቐሪብዋ። (ዘፍጥረት 3:1) ንዕኡ ሰሚዓ ኸምቲ ዝበላ ምስ ገበረት ግን እንታይ ኣጋጠማ፧ ሞት።

ሰይጣን ንሄዋን ከም ዘይትመውት ነገራ። ሄዋን ንዘረባኡ ኣመነቶ፡ ጸኒሓ ግን ሞተት

ሓደ እኩይ ሰብ፡ ነቶም ኬታልሎም ዚደሊ ሰባት ሕያዋይ መሲሉ ኸም ዚቐርቦም ኣይትስሕቶን ትኸውን። “ጻዕዳ ስኒ፡ ጸሊም ልቢ” ዚብል ምስላ ኣፍሪቃውያን ኣሎ። ቃል ኣምላኽ እውን፡ “ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ” ይብል።—2 ቈረንቶስ 11:14

ኣምላኽ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ብሕልምታት፡ ብራእያት፡ ወይ ብድምጽታት ኣይዛረቦምን እዩ። የግዳስ፡ በቲ “ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ” ኼዳልዎም ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ እዩ ዚመርሖምን ዚምህሮምን።—2 ጢሞቴዎስ 3:17

እምበኣር፡ የሆዋ ስለ ዜፍቅረና እዩ ብሽጣራታት ሰይጣን ከይንታለል ዜጠንቅቐና። ኣጋንንቲ ሓደገኛታት ጸላእቲ ምዃኖም ይፈልጥ እዩ።