ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣጋንንቲ ቐተልቲ እዮም

ኣጋንንቲ ቐተልቲ እዮም

ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኵሉ ሳዕ ጨካናትን ሓደገኛታትን እዮም። ብግዜ ጥንቲ፡ ሰይጣን ንማልን ንኣገልገልትን እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ እዮብ ቀተለ። ድሕሪኡ፡ ናብታ ዓሰርተ ደቂ እዮብ ዝነበርዋ ቤት “ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ” ኣምጽአ፣ እታ ቤት ኣብ ልዕሊኦም ምስ ወደቐት ከኣ ሞቱ። ቀጺሉ ድማ፡ ንእዮብ “ካብ ሸዀና እግሩ ሒዙ ኽሳዕ ቅርቅርቱ ብብርቱዕ ቍስለት ስጋ ወቕዖ።”—እዮብ 1:7-19፣ 2:7

ብግዜ የሱስ፡ ኣጋንንቲ ንገሊኦም ሰባት ዓባሳትን ዕዉራትን ይገብርዎም ነበሩ። (ማቴዎስ 9:32, 33፣ 12:22) ንሓደ ሰብኣይ ኣሳቐይዎ፡ ንስጋኡ ብጽልጽለ ኸም ዚበጥሕ ድማ ገበርዎ። (ማርቆስ 5:5) ንሓደ ቘልዓ እውን ከም ዜእውን ጠንቀላዕላዕ ከም ዚብልን ከም ዜንፈጥፍጥን ገበርዎ።—ሉቃስ 9:42

ብግዜ ጥንቲ፡ ኣጋንንቲ ንገሊኦም ሰባት የሕምምዎም፡ ንገሊኦም ከኣ ከም ዜንፈጥፍጡ ይገብርዎም ነበሩ

ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ቀተልቲ እዮም። ካብ ሰማይ ካብ ዚስጐጉ ንነጀው እሞ ኸኣ፡ እቲ እኩይ ግብሮም እናሓደረ ይውስኽ ኣሎ። ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ዓለም፡ ክሳዕ ክንደይ ጨካናት ምዃኖም ዚሕብር ወረ ኣሎ። ንገሊኦም ሰባት የሕምምዎም፡ ንገሊኦም ድቃስ ይኸልእዎም፡ ንገሊኦም ዜፍርህ ሕልሚ የሕልምዎም፡ ንገሊኦም ከኣ ብጾታ ይዕምጽዎም እዮም። ብሰሮም ዚጽለሉ፡ ሰብ ዚቐትሉ፡ ወይ ከኣ ርእሶም ዚቐትሉ ኣለዉ።

ሎሚ ኣጋንንቲ ንገሊኦም ሰባት ዓመጸኛታት ከም ዚዀኑ ይገብርዎም፣ ንገሊኦም ከኣ ዜፍርህ ሕልሚ የሕልምዎም

ሊንቲና እትበሃል ተቐማጢት ሱሪናም፡ ሓደ ጋኔን ወይ እኩይ መንፈስ ን16 ኣባላት ስድራ ቤታ ኸም ዝቐተሎም፡ ንዓኣ ድማ ብኣካላውን ብኣእምሮኣውን መዳይ ን18 ዓመት ከም ዘሳቐያ ገለጸት። ካብ ተመክሮኣ ተበጊሳ፡ ኣጋንንቲ “ነቶም ፍቓደኛታት ዘይኰኑ ግዳያቶም፡ ክሳዕ ሞት ምስቓይ ባህ ከም ዚብሎም” ሓበረት።

ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ኻብ መጥቃዕቲ ሰይጣን ኬዕቍቦም ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 18:10