ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣጋንንቲ፡ ካብ ኣምላኽ ክንዓሉ ይደፋፍኡና

ኣጋንንቲ፡ ካብ ኣምላኽ ክንዓሉ ይደፋፍኡና

ገሊኡ ልምድታት፡ ምዉታት ኪርእዩና ኸም ዚኽእሉ ኣብ ዚዝረብ ሓሶት እተመስረተ እዩ

ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንሰባት ኬታልሉ ሒዅ ዚብሉ ስለምንታይ እዮም፧ ከምኦም ክንዓሉ ስለ ዚደልዩ እዮም። ከነምልኾም እውን ይደልዩና እዮም። ብዘይካዚ፡ ንሓሶቶም ክንኣምንን የሆዋ ዘይፈትዎ ተግባራት ክንገብርን ይደልዩ እዮም። መብዛሕትኡ ኻብዚ ተግባራት፡ ምስ ምዉታት እተተሓሓዘ ልምድታት ዝሓቘፈ እዩ።

ሞት እተፍቅሮ ሰብ ስምዒትካ ስለ ዚደቍስ፡ ሓዘንካ ምግላጽ ባህርያውን ግቡእን እዩ። የሱስ፡ ኣልኣዛር ፈታዊኡ ምስ ሞተ፡ “ነብዔ።”—ዮሃንስ 11:35

ኣብ መላእ ዓለም ምስ ሞት ዚተኣሳሰር ከከም ዓዱ ዚፈላለ ብዙሕ ልምድታት ኣሎ። መብዛሕትኡ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይጋጮን እዩ። ገሊኡ ልምድታት ግን፡ ምዉታት ብህይወት ከም ዘለዉን ንህያዋን ኪርእይዎም ከም ዚኽእሉን ኣብ ዚገልጽ ሓሳብ እተመስረተ እዩ። ከም ምሕላው ሬሳን ጠገለ ዘይብሉ ሓዘንን እተጋነነ ቐብርን ዝኣመሰለ ተግባራት፡ ንመናፍስቲ ምዉታት ከይተጕሂ ኻብ ዚሓድረካ ፍርሂ ዝመንጨወ እዩ። ይኹን እምበር፡ ቃል ኣምላኽ፡ “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ስለ ዚብል፡ እቶም ነዚ ተግባራት እዚ ዚገብሩ ሰባት ንሓሶት ሰይጣን እዮም ዜስፋሕፍሑ።—መክብብ 9:5

ገሊኡ ልምድታት፡ ምዉታት ሓገዝና ኸም ዚደልዩ ኣብ ዚገልጽ ሓሶት እተመስረተ እዩ

ምንጪ ገሊኡ ልምድታት ወይ ጽምብላት ከኣ፡ ምዉታት ካብ ህያዋን ሓገዝ ከም ዚደልዩ፡ እንተ ዘይተሓጒሶም ድማ ንህያዋን ኪጐድኡ ኸም ዚኽእሉ ዚገልጽ እምነት እዩ። ኣብ ገሊአን ሃገራት፡ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ፡ ድሕሪ 40 መዓልቲ ወይ ድሕሪ ሓደ ዓመት ይድገሰሉ ወይ መስዋእቲ ይግበረሉ እዩ። ከምኡ ዚግበር፡ እቲ ምዉት ናብ መንፈሳዊ ዓለም ምእንቲ ‘ኺሰግር’ ንምሕጋዝ ተባሂሉ እዩ። ካልእ ዝውቱር ዝዀነ ልምዲ ኸኣ፡ ንምዉት ምግብን መስተን ምቕራብ እዩ።

እዚ ልምድታት እዚ ንሓሶት ሰይጣን ዜስፋሕፍሕ ስለ ዝዀነ፡ ቅኑዕ ኣይኰነን። የሆዋ ኣብቲ ኣብ ትምህርትታት ኣጋንንቲ እተመርኰሰ ልምድታት ክትሓብር ባህ ይብሎ ድዩ፧ ኣይብሎን እዩ።—2 ቈረንቶስ 6:14-18

ኣገልገልቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንሓሶት ሰይጣን ኣብ ዚድግፍ ዝዀነ ይኹን ነገራት ኣይካፈሉን እዮም። የግዳስ፡ ንህያዋን ሰባት ብፍቕሪ ኺሕግዝዎምን ኬጸናንዕዎምን እዮም ዚጽዕሩ። ሓደ ሰብ እንተ ሞይቱ፡ የሆዋ ጥራይ ኪሕግዞ ኸም ዚኽእል ይፈልጡ እዮም።—እዮብ 14:14, 15

ኣምላኽ ንሓተታ መናፍስቲ ይዅንኖ

ገሊኦም ሰባት፡ ብቐጥታ ወይ ንመናፍስቲ ብዚጥይቑ ሰባት ኣቢሎም ምስ ኣጋንንቲ ይራኸቡ እዮም። እዚ ድማ ሓተታ መናፍስቲ ይበሃል። ቩዱን ጥንቈላን ኣስማትን ስራይን ምጥያቕ ምዉታትን፡ ሓተታ መናፍስቲ እዩ።

ኣምላኽ ነዚ ተግባራት እዚ ይጸልኦ እዩ። ንዕኡ ጥራይ ውፉያት ክንከውን እዩ ዚደሊ።—ዘጸኣት 20:5

መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ተግባራት እዚ ይዅንኖ እዩ፣ ከምዚ ድማ ይብል፦ “መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ አስማተኛ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገር እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ።”—ዘዳግም 18:10-12

የሆዋ ኻብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ክንርሕቕ ዜጠንቅቐና ስለምንታይ እዩ፧

የሆዋ ንጥቕምና ኢሉ እዩ ኻብ ኵሉ ዓይነት ሓተታ መናፍስቲ ኽንርሕቕ ዜጠንቅቐና። ንሰባት የፍቅሮምን ይሓልየሎምን እዩ፣ እቶም ምስ ኣጋንንቲ ርክብ ዚገብሩ ኸም ዚሳቐዩ ድማ ይፈልጥ እዩ።

ኒልዳ እትበሃል ኣብ ብራዚል እትነብር ንመናፍስቲ እትጥይቕ ሰበይቲ ኸምኡ እዩ ኣጋጢሙዋ። ኣጋንንቲ ንህይወታ ብመከራ መልእዎ። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ በለት፦ “መናፍስቲ . . . ይሓድሩንን ይእዝዙንን ነበሩ። ሓሓሊፉ ሃለዋተይ ይጠፍኣኒ ስለ ዝነበረ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም ኣጋጠመኒ። እቶም ኣጋንንቲ የሳቕዩኒ ስለ ዝነበሩ፡ መትንታተይ ተጐድአ። መዐገሲ መድሃኒት ክወስድን ብዙሕ ክሰትን ብቐጻሊ ኸትክኽን ጀመርኩ። እዚ ኸኣ ንዓመታት ቀጸለ።”

እቶም ንመናፍስቲ ዚሓቱ ሕማቕ ነገራት የጋጥሞም። ቤቶምን ናጽነቶምን ህይወቶምን ኪስእኑ ይኽእሉ

ድሕሪ ግዜ፡ ሊንዳ ብሓገዝ የሆዋን ምድራውያን ኣገልገልቱን፡ ካብ ጽልዋ ሰይጣን ሓራ ኽትወጽእን ብሉጽን ባህ ዜብልን ህይወት ክትነብርን ከኣለት። “ዝዀነ ይኹን ሰብ ምስ [እኩያት] መናፍስቲ ንሓንሳእ እውን ትኹን ፈጺሙ ርክብ ከይገብር እምዕድ” ድማ በለት።