ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መናፍስቲ፡ ኣብ ምድሪ ብህይወት ነይሮም ዝሞቱ ሰባት ኣይኰኑን

መናፍስቲ፡ ኣብ ምድሪ ብህይወት ነይሮም ዝሞቱ ሰባት ኣይኰኑን

ኣብቲ ብዓይኒ ዘይርአ መንፈሳዊ ዓለም፡ ቅኑዓት መናፍስትን እኩያት መናፍስትን ኣለዉ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ምድሪ ብህይወት ነይሮም ዝሞቱ ሰባት ድዮም፧

ኣይኰኑን። ከምቲ ብዙሓት ዚሓስብዎ፡ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ፡ ናብ መንፈሳዊ ዓለም ኣይከይድን እዩ። ከም ዘይከይድ ብኸመይ ንፈልጥ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ እዩ ዚብል። መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ዝመጸ መጽሓፍ ሓቂ እዩ። ንደቂ ሰብ ዝፈጠሮም የሆዋ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ምስ ሞቱ እንታይ ከም ዝዀኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ።—መዝሙር 83:18፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16

ኣዳም ካብ መሬት ተፈጥረ፡ ናብ መሬት ድማ ተመልሰ

ኣምላኽ ነቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ዝነበረ ኣዳም “ካብ ሓመድ ምድሪ” ኸም ዝገበሮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ዘፍጥረት 2:7) ኣምላኽ ንኣዳም ኣብ ገነት ኤድን ኣንበሮ። ኣዳም ንሕጊ የሆዋ እንተ ዚእዘዝ ነይሩ፡ ኣይምሞተን፣ የግዳስ፡ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ምድሪ ብህይወት ምሃለወ። ይኹን እምበር፡ ኣዳም ደይ መደይ ኢሉ ንሕጊ ኣምላኽ ምስ ጠሓሰ፡ ኣምላኽ፡ “ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ” በሎ።—ዘፍጥረት 3:19

እዚ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ ኣምላኽ ንኣዳም ካብ ሓመድ ምድሪ ቕድሚ ምፍጣሩ፡ ኣዳም ኣበይ ነይሩ፧ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኣይነበረን። ገና ኣብ ምድሪ ዘይተወልደ ኣብ ሰማይ ዚነብር መንፈስ እውን ኣይነበረን። ብሓጺሩ፡ ብህይወት ኣይነበረን። ስለዚ፡ የሆዋ ንኣዳም፡ “ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ” ኪብሎ ኸሎ፡ ከም ዚመውት እዩ ዚነግሮ ነይሩ። ኣዳም ናብ መንፈሳዊ ዓለም ኣይሰገረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስ ሞተ፡ ህይወት ዘይብሉ ዀነ። ስለዚ፡ ሞት ካብ ህልውና ወጻኢ ምዃን እዩ ዜመልክት።

ብዛዕባ ኻልኦት ምዉታትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ንሳቶምከ ኻብ ህልውና ወጻኢ ድዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ይምልሶ እዩ፦

  • “ኵሎም [ሰባት ኰኑ እንስሳታት] ናብ ሓንቲ ቦታ ይኸዱ፡ ኵሎም ካብ መሬት ኰኑ፡ ኵሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ።”—መክብብ 3:20

  • “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን።”—መክብብ 9:5

  • “ፍቕሮምን ጽልኦምን ቅንኣቶምን ድሮ ጠፊኡ እዩ።”—መክብብ 9:6

  • “ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ [መቓብር] ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን።”—መክብብ 9:10

  • “[ሰብ] ናብ መሬቱ ይምለስ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ።”—መዝሙር 146:4

ህያዋን ጥራይ እዮም ከምዚ ኺገብሩ ዚኽእሉ

ነዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምቕባሉ ኸቢዱካዶ፧ ከቢዱካ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰብ፦ ብዙሓት ስድራ ቤታት፡ በቲ ሰብኣይ ዚረኽቦ ገንዘብ እየን ዚመሓደራ። ስለዚ፡ እቲ ሰብኣይ ኪመውት ከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እታ ስድራ ቤት ትጽገም እያ። ሓድሓደ ግዜ እሞ ኸኣ፡ እታ ሰበይትን እቶም ውሉዳትን ንምግቢ ዚኸውን ገንዘብ ይስእኑ እዮም። ምናልባት እውን ጸላእቲ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይትን ነቶም ውሉዳትን ይገፍዕዎም ይዀኑ። ሕጂ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘እቲ ሰብኣይ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ብህይወት እንተ ኣልዩ፡ ስለምንታይ እዩ ንስድራ ቤቱ ዘይናብዮም፧ ስለምንታይከ እዩ ኻብ እኩያት ሰባት ዘየዕቍቦም፧’ ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ ሓቂ ስለ ዝዀነ እዩ። እቲ ሰብኣይ ብህይወት ስለ ዘየለ፡ ዋላ ሓንቲ ኺገብር ኣይክእልን እዩ።—መዝሙር 115:17

ምዉታት ንዝጠመዩ ኺሕግዙ ወይ ንእተጠቕዑ ኼዕቍቡ ኣይክእሉን

ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ምዉታት ኣይኪትንስኡን እዮም ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ብዛዕባ ትንሳኤ ጸኒሕና ኽንዘራረብ ኢና። ኰይኑ ግን፡ ምዉታት ብዛዕባ እቲ ንስኻ እትገብሮ ነገራት ኣይፈልጡን እዮም። ኪርእዩኻ፡ ኪሰምዑኻ፡ ወይ ኪዛረቡኻ ኣይክእሉን እዮም። ክትፈርሆም የብልካን። ኪረድኡኻ ዀነ ኺጐድኡኻ እውን ኣይክእሉን እዮም።—መክብብ 9:4፣ ኢሳይያስ 26:14