ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገነት እትኸውን ምድሪ

ገነት እትኸውን ምድሪ

የሆዋ ንዅሉ እቲ ሰይጣን ዝገበሮ ኽፉእ ነገራት ኬወግዶ እዩ። ንየሱስ ከኣ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኣንጊስዎም ኣሎ። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት የሱስ፡ ምድሪ ብምልእታ ናብ ገነት ክትቅየር እያ።—ዳንኤል 7:13, 14፣ ሉቃስ 23:43

የሆዋ ነዚ ዚስዕብ ነገራት ተመባጺዑ ኣሎ፦

  • እኹል ምግቢ፦ “ምድሪ ፍሬኣ ሂባ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺባርኸና እዩ።” “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን [እዩ]።”—መዝሙር 67:6፣ 72:16

  • ውግእ ኣይኪህሉን፦ “ንዑ፥ ነቲ እግዚኣብሔር ዝገበሮ ግብርታት ርኣዩ፦ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ዜደንቕ ነገራት ጠምቱ። ንውግእ ኣብ ኵላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።”—መዝሙር 46:8, 9ትርጕም 1990።

  • እኩያት ሰባት ኣይኪህልዉን፦ “እኩያት ኪጸንቱ እዮም፡ . . . ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፡ ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ፡ ኣይኪህሉን ድማ እዩ።”—መዝሙር 37:9, 10

  • ሕማም፡ ሓዘን፡ ወይ ሞት ኣይኪህሉን፦ “ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ፡ ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር፡ ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል . . . እዩ።”—ኢሳይያስ 35:5, 6

    “ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:3, 4

የሆዋ ኸም ሰይጣንን ኣጋንንቱን ስለ ዘይኰነ፡ ፈጺሙ ኣይሕሱን እዩ። ዝኣተዎ መብጽዓ ዅሉ ኺፍጸም እዩ። (ሉቃስ 1:36, 37) የሆዋ የፍቅረካን ኣብታ ገነት ዚገብራ ምድሪ ኽትነብር ይደልየካን እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜደንቕ ሓቂ ምእንቲ ኽትመሃር፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብ። ነቲ እትመሃሮ ሓቂ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልካዮ፡ ካብ ባርነት ሓሶትን ማሪትን ድንቍርናን ሓራ ኽትወጽእ ኢኻ። ድሕሪ ግዜ ኸኣ፡ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን እውን ከይተረፈ ሓራ ኽትወጽእ ኢኻ። የሱስ፡ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በለ።—ዮሃንስ 8:32