መንፈሳዊ ዕቤትካ
9ይ ክፋል
መንፈሳዊ ዕቤትካ
ካብዚ ዚስዕብ ንጥፈታት ኣየናይ እዩ ልዕሊ ዅሉ ዚኸብደካ፧
□ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ
□ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ኣዘውቲረ ምጽላይ
□ ንኻልኦት (ምናዳ ንመዛኖይ) ብዛዕባ እምነተይ ምዝራብ
□ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንጥቕመይ ምዃኑ ምግንዛብ
ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መስመር፡ ብዛዕባ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዚኸብደካ ንጥፈት እንታይ ሸቶ ኸተውጽእ ከም እትደሊ ጽሓፍ።
․․․․․
ምዕራፍ 34-38 ከመይ ጌርካ ንመንፈሳውነትካ ኸተድልድልን ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትነብርን ንህይወትካ ዕላማ ኸም ዚህልዋ ዚገብር ሸቶታት ከተውጽእን ከም እትኽእል ንኽትግንዘብ ኪሕግዛኻ እየን።
[ኣብ ገጽ 280, 281 ምሉእ ስእሊ ይርከብ]