ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንህይወተይ ኣብ ምንታይ መዓላ እየ ኸውዕላ፧

ንህይወተይ ኣብ ምንታይ መዓላ እየ ኸውዕላ፧

ምዕራፍ 38

ንህይወተይ ኣብ ምንታይ መዓላ እየ ኸውዕላ፧

“ኣብ መጀመርታ፡ ብዛዕባ መጻኢ ኣይጭነቕን እየ ነይረ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝውድኣሉ ግዜ እናቐረበ ምስ ከደ ግን፡ ናብ ናይ ሓቂ ስራሕን ናይ ሓቂ ወጻኢታትን ዘለዎ ናይ ሓቂ ዓለም እኣቱ ኸም ዘለኹ ተረዲኡኒ።”—ኣሌክስ

ኣርሒቕካ ኽትገይሽ ትምድብ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ምናልባት ፈለማ ዝሓሸ መገዲ ንምምራጽ ካርታ ትውከስ ትኸውን። ብዛዕባ መጻኢኻ መደብ ምግባር እውን ተመሳሳሊ እዩ። ሚካኤል ዚበሃል ሕጂ ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜገልግል በጽሒ፡ “እተፈላለየ ኣማራጺታት ኣሎካ” በለ። ካብቲ ብዙሕ ኣማራጺታት ብኸመይ ክትመርጽ ትኽእል፧ ሚካኤል፡ “ኣብ ሸቶታትካ እዩ ዚምርኰስ” በለ።

ንሸቶኻ ኸም ሓደ ኽትገሸሉ ዝመደብካ ቦታ ጌርካ ርኣዮ። ብዘይ ዕላማ ፈቐዶኡ ዀለል ብምባል ናብኡ ኣይትበጽሕን ኢኻ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ ካርታ ድሕሪ ምውካስካ፡ እትጐዓዘሉ መገዲ እንተ መደብካ ይሓይሽ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ኣብ ምሳሌ 4:26 ዚርከብ፡ “ንመገዲ እግርኻ ኣቕንዓያ” ዚብል ማዕዳ ትስዕቦ። ኮንተምፖራሪ እንግሊሽ ቨርሽን ዚበሃል ትርጕም ነዛ ሓረግ እዚኣ፡ “ናበይ ገጽካ ኸም እተምርሕ ፍለጥ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ።

ኣብ ዚመጽእ ዓመታት፡ ብዛዕባ ኣምልኾን ስራሕን መርዓን ስድራ ቤትን ካልእን ብዙሕ ኣገዳሲ ውሳነታት ክትገብር ኢኻ። ናበይ ገጽካ ኸም እተምርሕ ኣቐዲምካ ምፍላጥካ፡ ጥበባዊ ምርጫታት ንኽትገብር ዝቐለለ ኺገብረልካ እዩ። ንመገዲ ህይወትካ መደብ ከተውጽእ ከለኻ፡ ዕሽሽ ክትብሎ ዘይግብኣካ ሓደ ረቛሒ ኣሎ።

“ንፈጣሪኻ ዘክሮ”

ብሓቂ ሕጉስ ክትከውን እንተ ደሊኻ፡ ነቲ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ኣብ ልብኻ ኸተሕድሮ ኣሎካ። (መክብብ 12:1) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እቲ ኣብ ህይወትካ እትገብሮ ምርጫታት፡ በቲ ንኣምላኽ ንኸተሐጕስ ዘሎካ ባህጊ ኺምራሕ ኣለዎ።

ነዚ ቐዳምነት ምሃቡ፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ራእይ 4:11፡ “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” ይብል። ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ ዅሎም ፍጡራት ንፈጣሪኦም ኬመስግንዎ እኹል ምኽንያት ኣለዎም። “ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን” ስለ ዝሃበካ፡ ተመስግኖ ዲኻ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 17:25) ንየሆዋ ኣምላኽ ስለቲ ዅሉ ዝሃበካ ነገራት፡ ውሬታ ኽትመልሰሉ ኣይትድረኽንዶ፧

ብዙሓት መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንፈጣሪኦም ስለ ዚዝክርዎ፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸሚዶም እዮም። ንዓኻ ተኸፊቱልካ ዘሎ ገለ ኻብዚ ዜሐጕስ መዳያት ኣገልግሎት እሞ ርአ።

ፈላምነት። ስሩዓት ፈለምቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ የሕልፉ እዮም። ብስልጠናን ብተመክሮን ኣቢሎም፡ ከም መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ መጠን ዘለዎም ክእለት ይስሕሉ እዮም።

ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ምግልጋል። ገሊኦም ናብቲ ሒደት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከቡሉ ቦታ ግዒዞም እዮም። ገሊኦም ከኣ ሓድሽ ቋንቋ ብምጽናዕ፡ ኣብ ቀረባኦም ኣብ እትርከብ ቋንቋ ወጻኢ እትጥቀም ጉባኤ ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገር የገልግሉ እዮም። a

ኣገልግሎት ሚስዮናውነት። ጥዕናን ብርታዐን ብቕዓትን ዘለዎም ፈለምቲ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ንኼገልግሉ ስልጠና ይወሃቦም እዩ። ሚስዮናውያን ዜሐጕስን ዜዕግብን ህይወት እዩ ዘለዎም።

ኣገልግሎት ቤትኤል። ኣባላት ስድራ ቤትኤል ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ዜገልግሉ። እዚ ድማ ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ምፍራይን ምልኣኽን የጠቓልል።

ኣህጉራዊ ኣገልግሎት። ኣህጉራውያን ኣገልገልቲ ኣብ ህንጸት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባን መሳለጥያታት ጨንፈርን ንኺሕግዙ ናብ ካልእ ሃገራት ይጐዓዙ።

ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ። ብቕዓት ዘለዎም ዘይተመርዓዉ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኣብ ውድባዊ ጕዳያትን ኣብ ህዝባዊ መደረን ይስልጥኑ እዮም። ገሊኦም ምሩቓት ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም የገልግሉ እዮም።

ንመገድኻ መደብ ኣውጽእ

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣኽቢርካ ዚርአ ሸቶ እዩ፡ ማእለያ ዘይብሉ በረኸት ከኣ እዩ ዜምጽእ። ኣርሒቕካ ምሕሳብ ግን ይሓትት እዩ። ንኣብነት፡ ‘ርእሰይ ንክኽእል ዚሕግዘኒ እንታይ ክእለታት ኣሎኒ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።

ኬሊ ፈላሚት ንኽትከውን ንጹር ሸቶ ስለ ዝነበራ፡ ንስራሕ ብዚምልከት መደባት ሓንጸጸት። “ኣብ ኣገልግሎተይ ርእሰይ ንክኽእል ዜኽእለኒ ዓይነት ስራሕ ክመርጽ ነበረኒ” በለት።

ስለዚ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኸላ፡ ኣብ ናይ ሞያ ትምህርቲ ተመዝገበት። እዚ ነቲ ቐንዲ ሸቶኣ ንኽትወቕዖ ሓገዛ። “ክዓዮ ዝደሊ ዝነበርኩ ነገር፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እዩ ነይሩ። ዝተረፈ ዅሉ ብኻልኣይ ደረጃ እየ ዝሰርዖ ነይረ” በለት። በቲ ዝገበረቶ ምርጫ ሕጉስቲ እያ። “ብሉጽ ውሳነ ኸም ዝገበርኩ እዩ ዚስምዓኒ” ድማ በለት።

መምርሒ ሕተት

ኣብ ዘይትፈልጦ ኸባቢ ትጐዓዝ እንተ ኣሊኻ፡ ሓበሬታ እትሓተሉ እዋን ኣሎ። ብዛዕባ መጻኢኻ መደብ ክትገብር ከለኻ እውን፡ ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ካብ ካልኦት ምኽሪ ተቐበል። ምሳሌ 20:18፡ “ሃቐና ብምኽሪ ይጸንዕ” ትብል።

ካብ ወለድኻ ምኽሪ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ካብቶም ኣብ ህይወቶም ኣምላኻዊት ጥበብ ዜንጸባርቑ ኻልኦት ብሱላት ክርስትያናት እውን ምኽሪ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። ሮበርቶ ዝስሙ ኣብ 20ታት ዕድሚኡ ዚርከብ ኣባል ስድራ ቤትኤል፡ “ነቶም ኣብ ጉባኤኻ ወይ ኣብ ከባቢኻ ጽቡቕ ኣብነት ዚዀኑ ዓበይቲ ተመልከቶም” ኢሉ ተማሕጺኑ ኣሎ።

ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ፡ የሆዋ ኣምላኽ፡ ኣብ ህይወትካ ዓብዪ ሓጐስ ዜምጽኣልካ ምርጫታት ንኽትገብር ኪሕግዘካ ይደሊ እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ መጻኢኻ፡ ‘ፍቓዱ እንታይ ምዃኑ ንኸተስተውዕል’ ኪሕግዘካ ለምኖ። (ኤፌሶን 5:17) ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትካ፡ ነቲ ኣብ ምሳሌ 3:5, 6 ዚርከብ፡ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ፡ ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ዚብል ምኽሪ ስዓብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነታ “ያንግ ፒፕል ኣስክ—ዋት ዊል ኣይ ዱ ዊዝ ማይ ላይፍ፧” ዘርእስታ ዲቪዲ ርኣያ። እዛ ዲቪዲ ብልዕሊ 30 ቛንቋታት ትርከብ

[እግረ-ጽሑፍ]

[ቀንዲ ጥቕሲ]

መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፡ በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፡ በዚ ተዐዘቡኒ፡ ይብል [“የሆዋ፡” NW] ጐይታ ሰራዊት።ሚልክያስ 3:10

ምኽሪ

ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንእትጸምዱ ሰባት ኣዘራርቦም። ስለምንታይ ከምኡ ዓይነት ህይወት ከም ዝመረጹን ብዛዕባ እቲ ዝረኸብዎ በረኸት ከመይ ከም ዚስምዖምን ሕተቶም።

ትፈልጥዶ፧

ዋሕዚ ኤለክትሪክ ንሓንቲ ኣቕሓ ኸም እትዓዪ ኺገብራ ይኽእል እዩ። ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣብ ኣገልግሎቱ ብዙሕ ንኽትዓምም ኪድርኸካ ይኽእል እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:8

መደባተይ

ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ሓጐስ ምእንቲ ኽረክብ፡ ነዚ ዚስዕብ ሰብ ከዘራርቦ እየ፦

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦

እንታይ ይመስለካ፧

እንታይ ክእለታት እዩ ዘሎካ፧

ክእለታትካ ንየሆዋ ንምውዳስ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትኽእል፧

ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ተጠቒሱ ኻብ ዘሎ ዓይነት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣየናይ ስሒቡካ፧

[ኣብ ገጽ 313 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ንወለደይ ዓብዪ ኣኽብሮት ኣሎኒ። ኣብ ኣገልግሎት ዘላቶም ዘይትሃስስ ቅንኣት፡ ንቝጠባዊ ጸገማት እተዋጽኡሉ መገዲ፡ ከምኡውን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽካፈል ዝሃቡኒ ምትብባዕ፡ ጽቡቕ ጽልዋ ኣሕዲሩለይ እዩ።’’—ጃሮድ

[ኣብ ገጽ 314 ዘሎ ሳጹን]

ወረቐት ዕዮ

ሸቶታተይ

ነቲ ኸተውጽኦ እትደሊ ሸቶታት ምልክት ግበረሉ። ነቲ ቐሪቡ ዘሎ ባዶ ቦታ ምስ ኵነታትካ ኸም ዚሰማማዕ ጌርካ ምልኣዮ፡ ወይ ሓድሽ ሸቶ ንምውጻእ ተጠቐመሉ።

ሸቶታት ኣገልግሎት

□ ኣብ ኣገልግሎት ዘሕልፎ ግዜ፡ ኣብ ወርሒ ናብ ሰዓት ምውሳኽ

□ ኣብ ወርሒ ጽሑፋት ምብርካት

□ ብዛዕባ እምነተይ ክዛረብ ከለኹ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃም

□ ኣብ ወርሒ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር

□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር

ካልእ ሸቶታት፦

ሸቶታት መጽናዕቲ

□ ኣብ መዓልቲ ገጽ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ

□ ንሰሙናዊ ኣኼባታት ምድላው

□ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምርምር ምግባር፦

ሸቶታት ጉባኤ

□ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ እንተ ወሓደ ሓንሳእ ሓሳብ ምሃብ

□ ብዝያዳ ኽፈልጦ ምስ ዝደሊ ዓብዪ ሰብ ዝርርብ ምጅማር

□ ብዕድመ ንዝደፍአ ወይ ንዝማሰነ ኣባል ጉባኤና ምብጻሕ

ካልእ ሸቶታት፦

ዕለት ․․․․․

ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ተመሊስካ ነዚ ሸቶታትካ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝወቓዕካ ርአ። ከከም ኣድላዪነቱ፡ ምትዕርራይ ወይ ወሰኽ ግበረሉ።

[ኣብ ገጽ 312 ዘሎ ስእሊ]

ሸቶታት ምውጻእካ፡ ብብላሽ ጕልበትካ ኸይተባኽን ኪሕግዘካ እዩ