ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስለምንታይ እየ ፍጽምና ዝጽበ፧

ስለምንታይ እየ ፍጽምና ዝጽበ፧

ምዕራፍ 27

ስለምንታይ እየ ፍጽምና ዝጽበ፧

ኣብ ትምህርቲ ንዚወሃበካ ፈተና እንተ ዘይደፊንካ ትበሳጮዶ፧

□ እወ

□ ኣይፋል

ዝዀነ ይኹን ዓይነት ነቐፌታ እንተ ተዋሂቡካ፡ ፈጺምካ ዘይትረብሕ ኰይኑ ይስምዓካዶ፧

□ እወ

□ ኣይፋል

ዋላ ሓደ ሰብ ከምቲ እትሓስቦ ስለ ዘይኰነልካ፡ ኣዕሩኽ ምግባር ወይ ምሓዝ የጸግመካዶ፧

□ እወ

□ ኣይፋል

ንሓንቲ ኻብዘን ሕቶታት እዚኣተን ‘እወ’ ኢልካ እንተ መሊስካ፡ ፍጽምና እትጽበ ሰብ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ‘ኵሉ ነገር ብልክዕ ኪግበር ምድላይ እሞ እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ሓቅኻ፡ ዋላ ሓንቲ ጌጋ የብሉን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ዕዮኡ ትጉህ [ን]ዝኾነ ሰብ” ይንእዶ እዩ። (ምሳሌ 22:29 ትርጕም 1990) ፍጽምና ዚጽበ ሰብ ግን ጥሩፍ ኣተሓሳስባ እዩ ዘለዎ።

ንኣብነት፡ ወዲ 19 ዓመት ጄሰን፡ “ትምህርቲ ኣብ ዝውድኣላ ዓመት፡ ፈተና እንተ ዘይደፊነ፡ ንፉዕ ተመሃራይ ከም ዘይኰንኩ ይስምዓኒ ነይሩ። ፕያኖ እውን እወቅዕ ነይረ፡ ማዕረ እቶም ክኢላታት ተጻወትቲ ፕያኖ ኽወቅዕ ድማ እደሊ ነይረ” በለ።

ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህርይ፡ ነቲ ሓደ ሰብ ዜቕርቦ ኣምልኾ እውን ዕንቅፋት ኪዀኖ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ሓደ ዅሉ ሳዕ ከም ኣብነት ዚጥቀስ መንእሰይ እሞ ሕሰብ። ወትሩ ኣትኵሮ ስለ ዚግበረሉ፡ ሸተት ኢሉ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ሰብ ከይወድቕ ይፈርህ ይኸውን። ልክዕ እዩ፡ ንኣሽቱን ዓበይትን ክርስትያናት ካብቲ ኣብ ጉባኤ ዚረኽብዎ ጽቡቕ ኣብነት ይጥቀሙ እዮም። ኰይኑ ግን፡ ፍጽምና ምጽባይ፡ ንሓደ መንእሰይ ካብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዚረኽቦ ሓጐስ ከም ዚስእን ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ኣጋጢምዎ፡ እቲ መንእሰይ ሓገዝ የድልዮ። ነቶም ክብ ኣቢሎም ዚርእይዎ ኸየጕህዮም ኢሉ ግን፡ ሓገዝ ኪግበረሉ ኣይሓትትን ይኸውን። ‘ከምቲ ዚጽበዩኒ እንተ ዘይኰይነ፡ ስለምንታይ እጽዕር፧’ ኢሉ ንኺሕለል እውን ይፍተን ይኸውን።

ነቲ ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህርይ ምቅላሱ

ፍጽምና ዚጽበዩ ሰባት ጌጋታት ኪግበር ከም ዘይብሉ እዮም ዚሓስቡ። ከም ሓቂ ግን፡ እዚ ኣረኣእያ እዚ ጌጋ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” ኢሉ ብንጹር ሓቢሩና ኣሎ። (ሮሜ 3:23) ዋላ ሓደ ኻባና እምበኣር ምሉእ ብምሉእ ፍጹም ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ወረግ ፍጽምና ምጽባይሲ፡ ክትነፍር ከም እትኽእል ጌርካ ኸም ምሕሳብ እዩ። ነዚ ኣጸቢቕካ እመነሉ ብዘየገድስ፡ ኣይከውንን እዩ!

ፍጽምና እትጽበ እንተ ዄንካ፡ እዚ ኣተሓሳስባኻ ንህይወትካ ምእንቲ ኸይቈጻጸሮ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ፈትኖ፦

ብዛዕባ “ኣሳልጦ” ዘሎካ ኣረኣእያ ደጊምካ ገምግሞ። ብሉጽ ንኽትከውን ኢልካ ንርእስኻ ተህልኽ ዲኻ ዘለኻ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕሪ፡ “ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ” ኪኸውን ከም ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። (መክብብ 4:4) ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም “ብሉጻት” ኪዀኑ ዚኽእሉ። ንሓደ ሰብ እንተ ሰሊጥዎ እውን፡ ካልእ ሰብ መጺኡ ዝሓሸ ነገር ይገብር። ኣሳልጦ ኺበሃል ከሎ፡ ብዓቕምኻ ዚከኣለካ ምግባር ማለት ደኣ እዩ እምበር፡ ንኻልእ ሰብ ምብላጽ ማለት ኣይኰነን።—ገላትያ 6:4

ክውንነታዊ ትጽቢት ይሃሉኻ። ትጽቢታትካ ማዕረ ኽእለታትካን ድሩትነትካን ኪኸውን ኣለዎ። ልዕሊ ዓቕምኻ ትጽቢት ምግባር፡ ዓቕምኻ ዘይትፈልጥ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ብዛዕባ ርእስኻ ኣመና ኽብ ዝበለ ኣረኣእያ ኸም ዘሎካ ኺሕብር ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “[ነፍሲ ወከፍ] ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብ” ብምባል ጽቡቕ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። (ሮሜ 12:3) ስለዚ፡ ክውንነታዊ ትጽቢት ይሃሉኻ። ንትጽቢታትካ ኣተዓራርዮ። ዚከኣለካ ኽትገብር ደኣ እምበር፡ ፍጹም ነገር ክትገብር ኣይትድለ።

ብሩህ ኣረኣእያ ይሃሉኻ። ኣጸቢቕካ ዘይመለኽካዮ ነገር ክትገብር ፈትን፣ ንኣብነት፡ ሓደ መሳርሒ ሙዚቃ ውቓዕ። ብዙሕ ጌጋታት ምግባርካ ዘይተርፍ እዩ። ነቲ ጌጋታትካ ግን ብኻልእ ኣንፈት ርኣዮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሰሓቕ ከኣ ጊዜ አለዎ” ይብል። (መክብብ 3:4) ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ስለምንታይ ብሩህ ኣረኣእያ ዘይትሕዝ፧ ከምኡ ምግባርካ፡ ጌጋ ምግባር ሓደ ኻብቲ እንመሃረሉ መስርሕ ምዃኑ ንኽትግንዘብ ኪሕግዘካ እዩ። ጌጋታትካ ኣሚንካ ምቕባል ኪኸብደካ ኸም ዚኽእል ኣይከሓድን እዩ። ኣሉታውን ነቐፌታውን ሓሳባት ካብ ኣእምሮኻ ንምውጻእ ግን ጻዕሪ ግበር።

የሆዋ ኻባና ፍጽምና ኸም ዘይጽበ፡ የግዳስ ንዕኡ እሙናት ክንከውን ጥራይ ከም ዚደልየና ኸቶ ኣይትረስዕ። (1 ቈረንቶስ 4:2) እሙን ክትከውን ትጽዕር እንተ ኣሊኻ፡ ፍጹም እኳ እንተ ዘይኰንካ፡ ብርእስኻ ሕጉስ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ

ሎሚ ግብረ-ሶዶም ኣብ ብዙሓት ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ። ብኸመይ ካብኡ ኽትርሕቕ ትኽእል፧ ግብረ-ሶዶማዊ ትምኒታት እንተ ኣልዩካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

[ቀንዲ ጥቕሲ]

ሰናይ ዚገብር እሞ ዘይሐጥእ ጻድቕ ኣብ ምድሪ የልቦን።”-መክብብ 7:20

ምኽሪ

ገለ ጌጋ ኸይትገብር ኢልካ ንኻልእ ግዜ ብዛዕባ ዘመሓላለፍካዮ ዕማም ሕሰብ። ድሕሪኡ ነዚ እትዛዝመሉ ዕለት ወስን።

ትፈልጥዶ፧

የሆዋ ፍጹም እኳ እንተ ዀነ፡ ምስ ዘይፍጹማት ሰባት ኣብ ዘለዎ ርክብ ግን ፍጽምና ኣይጽበን እዩ። ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ይፈልጥ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኻባና ዘለዎ ትጽቢት ነዚ ኣብ ግምት የእትዎ እዩ።

መደባተይ

ንርእሰይ እምብዛ ኣብ ዝነቕፈሉ እዋን፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․

ንኻልኦት እምብዛ ኣብ ዝነቕፈሉ እዋን፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

ኣብ ምንታይ መዳያት ኢኻ ኣመና ልዑል ሸቶታት እተውጽእ፧

የሆዋ ኣምላኽ ካብ ኣገልገልቱ ፍጽምና ኸም ዘይጽበ ዘነጸረልካ፡ እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓሳባት እዩ፧

ፍጽምና እትጽበ ዓይነት ሰብ እንተ ዄንካ፡ ካልኦት ኪርሕቁኻ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧

ኣብ መጻኢ ጌጋታት ክትገብር ከለኻ፡ ነቲ ዅነታት ብኸመይ ኢኻ ኽትሕዞ፧

[ኣብ ገጽ 226 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ዚከኣለካ ምግባርን ፍጽምና ምጽባይን ክልተ እተፈላለየ ነገራት እዩ፣ እቲ ሓደ ሚዛናዊ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ግን ኣይኰነን።’’—ሜጋን

[ኣብ ገጽ 228 ዘሎ ሳጹን]

ፍጽምና ምጽባይን ዕርክነትን

ሰባት ከምቲ እትደልዮ ስለ ዘይኰኑልካ፡ ምስ ዋላ ሓደ ኸይተቐራረብካ ዲኻ እትነብር፧ ወይስ ካብ ኣዕሩኽካ እትጽበዮ እምብዛ ልዑል ብምዃኑ፡ ጥዑያት ሰባት ከም ዚርሕቁኻ ጌርካዮም ዲኻ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይምዕደና፦ “እምብዛ ጻድቕ ኣይትኹን፡ ንርእስኻውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበር፡ ስለምንታይ ንርእስኻ እተጥፍእ፧” (መክብብ 7:16) ሓደ ኻብቲ ፍጽምና ዚጽበ ሰብ ንርእሱ ዜጥፍኣሉ መገዲ፡ ነቶም ኪቐርብዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ ሰባት ካብኡ ኸም ዚርሕቑ ብምግባር እዩ። ኣምበር ዝስማ ጓል፡ “ሕማቕ ከም ዚስምዓካ ምስ ዚገብሩ ሰባት ኪቀራረብ ዚደሊ ዋላ ሓደ የለን። ፍጽምና ዚጽበዩ ሰባት ብንእሽቶ ነገር ጥዑያት ፈተውቲ ኺስእኑ ርእየ እየ” በለት።

[ኣብ ገጽ 229 ዘሎ ስእሊ]

ፍጹም ክትከውን ምፍታን፡ ክትነፍር ከም ምፍታን ከንቱ እዩ