ንጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ክዋጽኣሉ እኽእል፧
ምዕራፍ 15
ንጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ክዋጽኣሉ እኽእል፧
“ኣብ ቤት ትምህርቲ ኸም ሽጋራ፡ ሓሽሽ፡ ጾታዊ ርክብ ዝኣመሰለ ብዙሕ ጸገማት እዩ ዜጋጥመካ። እቲ መንእሰያት ክትገብሮ ዚደልዩኻ ተግባር ዕሽነት ምዃኑ ትፈልጥ ኢኻ። ኵሉ ሳዕ ብፍርሂ እናሃደምካ ኽትነብር ግን ኣይትደልን ኢኻ።”—ኢቭ
ብሰብ ተቐባልነት ክትረክብ ምድላይ ንቡር እዩ። ጸቕጢ መዛኑ ኸኣ ነዚ ባህግኻ እዚ እዩ ዚምዝምዞ። ንኣብነት፡ ክርስትያን ኴንካ እንተ ዓቢኻ፡ ቅድሚ መርዓ ዚግበር ጾታዊ ርክብን ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕን ጌጋ ምዃኑ ትፈልጥ ኢኻ። (ገላትያ 5:19-21) መብዛሕትኦም መዛኑኻ ግን ኣብዚ ንጥፈታት እዚ ኽትሓብሮም ይደፋፍኡኻ። ብዛዕባ እቲ ነገራት ሓሲቦም ድዮም ዚውስኑ፧ ኣይኰኑን። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብኻልኦት ተጸልዮም እዮም ከምኡ ዚገብሩ። ብሰብ ተቐባልነት ኪረኽቡ ስለ ዚደልዩ፡ ካልኦት ንኪቐርጽዎም ይፈቕዱ። ንስኻኸ ኸምኦም ዲኻ፡ ወይስ ካብ እትኣምነሉ ነገራት ፈልከት ንኸይትብል ትብዓት ኣሎካ እዩ፧
ኣሮን ሓው ሙሴ እንተ ወሓደ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ንእተገብረሉ ጸቕጢ ርዒሙ እዩ። እስራኤላውያን ምስ ከበብዎን ኣማልኽቲ ኺሰርሓሎም ምስ ሓተትዎን፡ ከምቲ ዝበልዎ ገበረሎም። (ዘጸኣት 32:1-4) ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ቀሪቡ ብትብዓት ካብ የሆዋ ዘምጸኦ መልእኽቲ ነጊርዎ ነይሩ። (ዘጸኣት 7:1, 2, 16) እስራኤላውያን ብጾቱ ጸቕጢ ምስ ገበሩሉ ግን፡ ኢዱ ሃበ። ካብቲ ኻብ ንጉስ ግብጺ ዘጋጠሞ ጸቕጢ ንላዕሊ፡ ነቲ ኻብ መዛኑኡ ዘጋጠሞ ጸቕጢ እዩ ብቐሊሉ ተምበርኪኹ!
ንስኻኸ ኻብቲ ቕኑዕ ምዃኑ እትኣምነሉ መትከልካ ብቐሊሉ ትነቓነቕ ዲኻ፧ ነቲ ኻብ መዛኑኻ ዜጋጥመካ ጸቕጢ ኸይተሸቝረርካን ከይፈራህካን ክትቃወሞ ትደሊ ዲኻ፧ ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ! ነዚ ዚሕግዘካ ኣገዳሲ ረቛሒ፡ ነቲ ጸቕጢ ኺመጽእ ከሎ ፈሊጥካ፡ እንታይ ኢልካ ኸም እትምልስ ኣቐዲምካ ምውሳን እዩ። እዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ኣርባዕተ ስጕምትታት ከምኡ ንኽትገብር ኪሕግዘካ እዩ።
1. ተጸበ። (ምሳሌ 22:3) መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሽግር ከም ዚመጽእ ኣቐዲምካ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ኣብ መገድኻ፡ ደቂ ኽፍልኻ ብጕጅለ ደው ኢሎም ሽጋራ ኺሰትዩ ትርእዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሽጋራ ኽትሰቲ ዕድመ የቕርቡልካ እዮም። እንታይ ጸገም ከም ዚለዓል ኣቐዲምካ ብምጽባይካ፡ ካብኡ ንኽትእለ ወይ ንኽትዋጽኣሉ ኽትዳሎ ትኽእል።
2. ሕሰብ። (እብራውያን 5:14) ‘ከምቲ ዝበሉኒ እንተ ገይረ፡ ደሓር ከመይ እዩ ኺስምዓኒ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ሓቂ እዩ፡ ንግዜኡ መዛኑኻ ኺፈትዉኻ ይኽእሉ እዮም። ደሓር ምስ ወለድኻ ወይ ምስ ክርስትያናት ብጾትካ ኽትከውን ከለኻ ግን ከመይ እዩ ኺስምዓካ፧ ንደቂ ኽፍልኻ ንኸተሐጕስ ኢልካ፡ ምስ ኣምላኽ ዝነበረካ ንጹህ ርክብ ክትከፍል ትደሊ ዲኻ፧
3. ወስን። (ዘዳግም 30:19) ውዒሉ ሓዲሩ፡ ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ወይ ተኣማንነት ምስ በረኸቱ፡ ወይ ጥልመት ምስ መሪር ሳዕቤናቱ ኺሓርዩ ኣለዎም። ከም እኒ ዮሴፍ፡ እዮብ፡ የሱስ ቅኑዕ ምርጫ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ከም እኒ ቃየል፡ ኤሳው፡ ይሁዳ ኸኣ ሕማቕ ምርጫ ገበሩ። ሕጂ ድማ ንስኻ እትውስነሉ ግዜ እዩ። እንታይ ኢኻ ኽትውስን፧
4. ግበር። እዚ እቲ ዝኸበደ ኽፋል ይመስለካ ይኸውን። ከምኡ ግን ኣይኰነን። ብዛዕባ እቲ ሳዕቤናት እንተ ሓሲብካን ውሳነኻ እንተ ጌርካን፡ መርገጽካ ምንጋር ካብ ዝሓሰብካዮ ንላዕሊ ቐሊልን ዓስቢ ዘለዎን ኰይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ። (ምሳሌ 15:23) ኣጆኻ፡ ንመዛኑኻ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስተምህሮ ኽትህቦም ኣየድልየካን እዩ። ብሓጺርን ብተሪርን መገዲ ኣይፋል ምባልካ እኹል ኪኸውን ይኽእል እዩ። መትከልካ ንዋጋ ዕዳጋ ኸም ዘይቀርብ ንምሕባር፡ ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“የለኹላን!”
“ከምኡ ኣይገብርን እየ!”
“ጠፊኡካ ድዩ፧ ነዚ ኣይውዕሎን እየ!”
እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ ብቕልጡፍን ብምትእምማንን መልሲ ምሃብካ እዩ።
ከምኡ እንተ ጌርካ፡ መዛኑኻ ቐልጢፎም ኬንሳሕቡ ይኽእሉ እዮም። እንተ ኣላገጹልካ ግን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ሓደ ኻብኦም፡ “እሂ፡ ፈሪህካ ዲኻ፧” እንተ በለካኸ፧ ከምዚ ዓይነት ባጫ፡ ጸቕጢ መዛኑ ምዃኑ ኣለልዮ። እንታይ ምላሽ ክትህብ ትኽእል፧ እንተ ወሓደ፡ ሰለስተ ኣማራጺ ኣሎካ።● ነቲ ባጫ ኽትቅበሎ ትኽእል ኢኻ። (“እወ፡ ፈሪሀ!” ድሕሪ ምባል ምኽንያትካ ግለጽ።)
● ነቲ ጕዳይ ኣኽቢድካ ኸይረኣኻ፡ መትከልካ ጥራይ ብምግላጽ ነቲ ጸቕጢ ኽትጠውዮ ትኽእል ኢኻ።
● ነቲ ጸቕጢ ናብኡ ኽትመልሶ ትኽእል ኢኻ። ዝኣበኻሉ ምኽንያት ድሕሪ ምግላጽካ፡ ንምስትውዓሉ ዚትንክፍ ነገር ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። (“ምስዚ ዅሉ መንፍዓትካስ ሽጋራ ትሰቲ!”)
መዛኑኻ ባጫኦም እንተ ዘየቋሪጾም፡ ካብቲ ቦታ ርሓቕ! ዝያዳ ብዝጸናሕካ መጠን፡ እቲ ጸቕጢ እናኸበደካ እዩ ዚኸይድ። ካብቲ ቦታ ኽትርሕቕ እውን እንተ ተገደድካ፡ ነቲ ዅነታት ንስኻ ኸም እተቘጻጸርካዮ ኣይትረስዕ። መዛኑኻ ኪቐርጹኻ ኣይፈቐድካሎምን!
ገሊኦም መዛኑኻ፡ ‘ብርእስኻ ኣይትምራሕን ኢኻ’ ኢሎም ኬባጭዉልካ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ ግን ኣይኰነን! መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ብሉጽ መገዲ ምዃኑ፡ ባዕልኻ ኸተረጋግጽ የሆዋ ይደልየካ እዩ። (ሮሜ 12:2) ስለዚ፡ ስለምንታይ መጻወቲ መዛኑኻ ትኸውን፧ (ሮሜ 6:16) ካብቲ ቕኑዕ ምዃኑ ዝኣመንካሉ መትከልካ ፈልከት ኣይትበል!
ካብ ጸቕጢ መዛኑ ኽትሕባእ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኰይኑ ግን፡ እትደልዮ ነገር ክትፈልጥ፡ መትከልካ ኽትገልጽ፡ ንዅነታትካ ድማ ክትቈጻጸሮ ትኽእል ኢኻ። ዘይሩ ዘይሩ፡ እቲ ምርጫ ናትካ እዩ!—እያሱ 24:15
ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ 1ይ ጥራዝ፡ ኣብ ምዕራፍ 9 እውን ኣንብብ
ክልተ ዓይነት ህይወት ድዩ ዘሎካ፧ ወለድኻ ብዛዕባኡ እንተ ፈሊጦም፡ ገለ ረብሓ ኣለዎዶ፧
[ቀንዲ ጥቕሲ]
“ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን።” —ምሳሌ 13:20
ምኽሪ
ዝያዳ ምእንቲ ኽትተብዕ፡ ብዛዕባ እቶም ካብቲ ቕኑዕ መትከሎም ፈልከት ዘይበሉ ዘመናውያን ኣገልገልቲ የሆዋ ዚገልጽ ተመክሮታት ኣንብብ።
ትፈልጥዶ፧
ካብቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ለቐቕካ፡ ምስ መብዛሕትኦም ደቂ ኽፍልኻ ዋላ ሓንቲ ርክብ ኣይኪህልወካን እዩ። ብዙሓት ንስምካ እውን ኣይክዝክርዎን እዮም። ስድራ ቤትካ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ የሆዋ ኣምላኽ ግን ወትሩ ብዛዕባኻ ይግደሱ እዮም።—መዝሙር 37:23-25
መደባተይ
ንጸቕጢ መዛኑ ንምቅዋም በዚ ዚስዕብ ንርእሰይ ከዳሉ እኽእል፦ ․․․․․
መዛኖይ ሕማቕ ተግባር ንኽገብር ጸቕጢ እንተ ገይሮምለይ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․
ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․
እንታይ ይመስለካ፧
● እቲ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ተዘርዚሩ ዘሎ ኣርባዕተ ስጕምትታት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ኪጠቕመካ ይኽእል፧
● ንጸቕጢ መዛኑ ኢድካ እንተ ሂብካ፡ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧
● ንጸቕጢ መዛኑ ኽትቃወመሉ እትኽእል ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 131 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ብዙሓት ኣወዳት ናይ የሆዋ ምስክር ምዃነይ ይፈልጡን የኽብሩንን እዮም። ብዛዕባ ሓደ ሕማቕ ነገር ኪዘራረቡ እንተ ደልዮም፡ ‘ማይክ፡ ክንዘራረብ ደሊና ኣለና፡ ክትከይድ እንተ ደሊኻ፡ ትኽእል ኢኻ’ ይብሉኒ።’’—ማይክ
[ኣብ ገጽ 132, 133 ዘሎ ሰሌዳ]
ወረቐት ዕዮ
ውጥን ጸቕጢ መዛኑ
መርኣዪ
1. ተጸበ
እቲ ብድሆ እንታይ እዩ፧ ሽጋራ ምትካኽ።
እዚ ብድሆ እዚ ምናዳ ኣበይ ኬጋጥመኒ ይኽእል፧ ኣብ ቤት ትምህርቲ።
2 ሕሰብ
እንተ ርዒመ እንታይ ይኸውን፧
ንየሆዋን ንወለደይን አጕህዮም። ሕልናይ ኬሳቕየኒ እዩ። ኣብ ዚቕጽል እዋን ንኽኣቢ ዝያዳ ኼሸግረኒ እዩ።
እንተ ኣብየ እንታይ ይኸውን፧
ኣደዳ ባጫን ጸርፍን ክኸውን እኽእል። ገሊኦም ደቂ ኽፍለይ ኪርሕቁኒ ይኽእሉ። እንተዀነ ግን፡ ንየሆዋ አሐጕሶ፡ ብዝያዳ ጽኑዕ ሰብ ድማ እኸውን።
3 ወስን
እንተ ርዒመ፡ ከመይሲ ከምኡ ዝገብረሉ ምኽንያት
ንጸቕጢ መዛኑ ንኽዋጽኣሉ ብዚግባእ ኣይተዳለኹን። ካብ ብየሆዋ ንላዕሊ ብመዛኖይ ክፍቶ እደሊ እየ።
ክኣቢ እየ፡ ከመይሲ
ሽጋራ ምትካኽ ንየሆዋ ኸም ዜጕህዮን ንጥዕናይ ከም ዚጐድኦን እፈልጥ እየ።
4 ግበር
ነዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦
ነቲ ዕድመ ነጺገ ኻብቲ ቦታ ኽርሕቕ እየ።
ባጫ መዛኑ
መዘናይ ከምዚ እንተ ኢሉኒ፦ “እንካ ሽጋራ ስተ። እሂ፡ ፈሪህካ ዲኻ፧”
ነቲ ጸቕጢ መዘና በዚ ኸምዚ ኽምልሰሉ እየ፦
ምቕባሉ
“ሓቅኻ፡ ሽጋራ የፍርሃኒ እዩ። መንሽሮ ሳንቡእ ኪሕዘኒ ኣይደልን እየ።”
ምጥዋዩ
“በጃኻ ሽጋራኻ ኣባይ ኣይተባኽኖ።”
ምምላሱ
“ኣነኳ ኣይደልን እየ። ንስኻ ግን ምስዚ ዅሉ መንፍዓትካስ ሽጋራ ትሰቲ!”
ኣስተብህል፦ እቶም መዛኑኻ ጸቕጢ ምግባር እንተ ዘይቋሪጾም፡ ካብቲ ቦታ ርሓቕ። ንዝነውሐ ግዜ ብዝጸናሕካ መጠን፡ መጻወቲኦም ኢኻ እትኸውን። ሕጂ ነቲ ኣብ እትቕጽል ገጽ ዘሎ ምልኣዮ።
ውጥን ጸቕጢ መዛኑ
ነዛ ገጽ ቅድሓያ
1 ተጸበ
እቲ ብድሆ እንታይ እዩ፧ ․․․․․
እዚ ብድሆ እዚ ምናዳ ኣበይ ኬጋጥመኒ ይኽእል፧ ․․․․․
2 ሕሰብ
እንተ ርዒመ እንታይ ይኸውን፧
․․․․․
እንተ ኣብየ እንታይ ይኸውን፧
․․․․․
3 ወስን
እንተ ርዒመ፡ ከምኡ ዝገብረሉ ምኽንያት . . .
․․․․․
ክኣቢ እየ፡ ከመይሲ . . .
․․․․․
4 ግበር
․․․․․
ነዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ . . .
․․․․․
ባጫ መዛኑ
መዘናይ ከምዚ እንተ ኢሉኒ፦ ․․․․․
ነቲ ጸቕጢ መዘና በዚ ኸምዚ ኽምልሰሉ እየ፦
ምቕባሉ
․․․․․
ምጥዋዩ
․․․․․
ምምላሱ
․․․․․
ነቲ ምላሽካ ምስ ወላዲኻ ወይ ምስ ብሱል ፈታዊኻ ተለማመደሉ።
[ኣብ ገጽ 135 ዘሎ ስእሊ]
ንጸቕጢ መዛኑኻ እንተ ተምበርኪኽካ፡ መጻወቲኦም ኢኻ እትኸውን