ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣርኣያ-ልድያ

ኣርኣያ-ልድያ

ኣርኣያ-ልድያ

ልድያ ሓዳስ ኣማኒት እኳ እንተ ነበረት፡ ንጳውሎስን ንብጾቱን ከም ጋሻ ንምቕባል ተበግሶ ወሰደት። (ግብሪ ሃዋርያት 16:14, 15) ከም ውጽኢቱ፡ ምስዞም ደቀ መዛሙርቲ ግዜ ናይ ምሕላፍ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ረኸበት። ጳውሎስን ሲላስን ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሑ፡ ናበይ እዮም ከይዶም፧ ቀጥ ኢሎም ናብ ቤት ልድያ እዮም ተመሊሶም!—ግብሪ ሃዋርያት 16:40

ንስኻኸ ኸም ልድያ ንኻልኦት ንኽትፈልጦም ተበግሶ ኽትወስድ ትኽእልዶ፧ ከመይ ጌርካ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእል፧ ብንእሽቶ ጀምር። ፈለማ ንሓደ ሰብ ከተዘራርብ ፈትን። ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ብዝኸድካ መጠን፡ ንሓደ ሰብ ንኸተዘራርብ ሸቶ ግበር። ፍሽኽ ክትብል ፈትን። እትብሎ እንተ ጠፊኡካ፡ ሕቶታት ሕተት ወይ ብዛዕባ ርእስኻ ተዛረብ። ጽቡቕ ጌርካ ስማዕ። በብቝሩብ ዘረባኻ እናሰፍሐ ኪኸይድ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰባት ካብ ልቢ ዚፍልፍል ልኡምን ጥዑምን ቃላት ይፈትዉ እዮም። (ምሳሌ 16:24) ልድያ ፍሽሕውትን ተቐባሊት ጋሻን ብምንባራ፡ ጥዑያት ፈተውቲ ረኺባ እያ። ኣብነታ እንተ ስዒብካ፡ ንስኻ እውን ከምኡ ኽትረክብ ኢኻ!