ዓርኪ ንኽሕዝ ተዳልየ ድየ፧
ምዕራፍ 1
ዓርኪ ንኽሕዝ ተዳልየ ድየ፧
“ዓርኪ ንኽሕዝ መዓት ጸቕጢ ይግበረለይ እዩ። መዓት መልክዐኛታት ኣጕባዝ እውን ኣለዉ።”—ዊትኒ
“ገሊአን ኣዋልድ ደፊረን ይሓታኒ፡ ኣነ ድማ ሕራይ ክብለን እደሊ። ንወለደይ እንተ ሓቲተዮም ግን፡ እንታይ ከም ዚብሉኒ እፈልጥ እየ።”—ፊሊፕ
ዋላ እውን ብዕድመ ኣዚኻ ንእሽቶ ኹን፡ ምስ እትፈትዎን ንሱ እውን ዚፈትወካን ሰብ ንኽትቀራረብ ሓያል ድፍኢት ይሓድረካ እዩ። ጀኒፈር፡ “ጓል 11 ኻብ ዝኸውን ኣትሒዘ፡ ዓርኪ ንኽሕዝ ጸቕጢ ኺግበረለይ ጀመረ” በለት። ብሪታኒ ኸኣ፡ “ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝዀነ ይኹን ዓርኪ እንተ ዘይሒዝካ፡ ምሉእ ሰብ ዝዀንካ ዀይኑ ኣይስምዓካን እዩ” በለት።
ንስኻኸ ዓርኪ ንኽትሕዝ ተዳሊኻ ዲኻ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ፈለማ ንሓንቲ መሰረታዊት ሕቶ፡ መልሲ ኽንህበላ ኣሎና፦
“ዓርኪ ምሓዝ” እንታይ ማለት እዩ፧
ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ሃበሉ፦
ምስ ኣንጻር ጾታ ኣዘውቲርካ ግዜ ተሕልፍ። ዓርኪ ሒዝካ ኺበሃል ይከኣልዶ፧
□ እወ
□ ኣይፋል
ምስ ኣንጻር ጾታ ስሕበት ኣሎኩም። ኣብ መዓልቲ ደጋጊምኩም ብሞባይል መልእኽቲ ትለኣኣኹ ወይ ብተሌፎን ትዘራረቡ። ዓርኪ ሒዝካ ኺበሃል ይከኣልዶ፧
□ እወ
□ ኣይፋል
ምስ ፈተውትኻ ኣብ እትተኣኻኸቡሉ እዋን፡ ኵሉ ሳዕ ምስ ሓንቲ ኣንጻር ጾታ ፍንትት ትብል። ዓርኪ ሒዝካ ኺበሃል ይከኣልዶ፧
□ እወ
□ ኣይፋል
ነታ ቐዳመይቲ ሕቶ፡ መልሳ ኣየጸግመካን ይኸውን። ነታ ኻልአይትን ነታ ሳልሰይትን ቅድሚ ምምላስካ ግን ሓንሳእ ሰገጥ ኢልካ ትኸውን። ዓርኪ ምሓዝ ኪበሃል ከሎ እንታይ እዩ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ዓርኪ ምሓዝ ክንብል ከለና፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ማሕበራዊ ንጥፈት ንሓንቲ ኣንጻር ጾታ ብዓይኒ ፍቕሪ ኽትቀርባ ኸለኻ፡ ንሳ እውን ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልዋ ኸሎ ማለት እዩ። ስለዚ፡ መልሲ እዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ሰለስተ ሕቶታት፡ እወ ዚብል እዩ። ምስ ኣንጻር ጾታ ብተሌፎን ይኹን ገጽ ንገጽ፡ ብግህዶ ይኹን ብሕቡእ፡ ፍሉይ ፍቕራዊ ስምዒት እንተ ኣልዩኩም፡ ኣዘውቲርኩም ድማ ትዘራረቡ እንተ ዄንኩም፡ ተዓራሪኽኩም ኪበሃል ይከኣል እዩ። እሞኸ ነዚ ዓይነት ርክብ ክትጅምሮ ተዳሊኻ ዲኻ፧ ቀጺለን ዘለዋ ሰለስተ ሕቶታት ምምርማርካ፡ ነዚ ንምውሳን ኪሕግዘካ እዩ።
ዓርኪ ኽትሕዝ እትደሊ ስለምንታይ ኢኻ፧
ኣብ ሓያሎ ባህልታት፡ ክልተ ኣንጻር ጾታ ዝዀኑ ሰባት ጽቡቕ ሌላ ንኺህልዎም ምትዕርራኽ ልሙድ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ዓርኪ ምሓዝ ንኽቡር ዕላማ ኪኸውን ኣለዎ፡ ማለት ሓደ በጽሕን ሓንቲ ጐርዞን ኪመራዓዉ ዚደልዩ እንተ ዀይኖም ንምውሳን ኪኸውን ኣለዎ።
ልክዕ እዩ፡ ገሊኦም መዛኑኻ ዓርኪ ምሓዝ ከም ተራ ነገር ገይሮም ይርእይዎ ይዀኑ። ምናልባት ንኺምርዓዉ ዋላ ሓንቲ ውጥን እኳ እንተ
ዘይብሎም፡ ምስ ኣንጻር ጾታ ፍሉይ ዕርክነት ምምስራት ባህ ይብሎም ይኸውን። ገሊኦም እሞ ኸኣ ንኸምዚ ዝበለ ዕርክነቶም ይንየቱሉ ይዀኑ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ዕምቈት ዘይብሉ ርክባት ነዊሕ ኣይቅጽልን እዩ። ሓንቲ ሄለን ዝስማ ጓል፡ “ብዙሓት ዓርኪ ዚሕዙ መንእሰያት፡ ሓደ ወይ ክልተ ሰሙን ጸኒሖም ይፈላለዩ። ርክባት ከም ግዝያዊ ገይሮም ይርእይዎ፣ እዚ ድማ ንሓዳር ዘይኰነስ፡ ንፍትሕ የዳልዎም” በለት።ዓርኪ ኽትሕዝ ከለኻ፡ ንስምዒት ዓርክኻ ኸም እትጸሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ስለዚ፡ እትሕልኖ ነገራት ክቡር ምዃኑ ኣረጋግጽ። ሕስብ እሞ ኣብል፦ ከምቲ ሓደ ቘልዓ ንመጻወቲኡ ንእተወሰነ ግዜ ተጠቒሙ ዚድርብዮ፡ ሓደ ሰብ ንስምዒትካ ኸም መጻወቲ ገይሩ ኺጻወተሉ ምደለኻዶ፧ ቸልሲ ዝስማ ጐርዞ፡ “እተወሰነ ኽፋለይ፡ ዓርኪ ዝሕዝ ንኬፍ ጥራይ ከም ዝዀነ ይሓስብ፣ ሓዴና ነቲ ጕዳይ ኬኽብዶ፡ እቲ ኻልእ ከኣ ኬፍኵሶ ኸሎ ግን ኬፍ የብሉን” በለት።
ዓርኪ ንኽትሕዝ ኣኺልካ ዲኻ፧
ሓደ መንእሰይ፡ ዓርኪ ኺሕዝ ዘለዎ ወዲ ኽንደይ ዓመት ምስ ኰነ ይመስለካ፧ ․․․․․
ቀጺልካ ንሓደ ኻብ ወለድኻ ወይ ንኽልቲኦም ሕተት እሞ፡ መልሶም ኣብዚ ጸሓፎ። ․․․․․
እታ ቐዳመይቲ ቝጽሪ፡ ካብታ ኻልአይቲ ቝጽሪ እትንእስ ክትከውን ሰፊሕ ዕድል ኣለዋ። ምናልባት እውን ትዓቢ ትኸውን። ንርእስኻ ኣጸቢቕካ ኽሳዕ እትፈልጥ፡ ዓርኪ ኸይትሕዝ ጥበባዊ ውሳነ ጌርካ ትኸውን። ዳንየላ ዝስማ ጓል 17 ዓመት ጐርዞ ኸምዚ ዓይነት ውሳነ እያ ገይራ። ብዛዕባ
እቲ ውሳነኣ ኸኣ ኸምዚ በለት፦ “ቅድሚ ኽልተ ዓመት ካብ መጻምድቲ ዝደልዮ ዝነበርኩ ነገራት፡ ካብዚ ሕጂ ዝደልዮ ነገራት ኣጸቢቑ እተፈልየ እዩ። ሕጂውን እንተ ዀነ ኸምዚ ዓይነት ውሳነ ኽገብር ዝኽእል ኰይኑ ኣይስምዓንን። ስምዒተይ ንገለ ዓመታት ከይተለዋወጠ ምስ ቀጸለ፡ ድሕሪኡ ብዛዕባ ዓርኪ ምሓዝ ክሓስብ ክጅምር እየ።”ዓርኪ ኸይሓዝካ ምጽናሕ ጥበባዊ ዚዀነሉ ኻልእ ምኽንያት እውን ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ጾታዊ ስምዒትን ፍቕራዊ ስምዒትን ሓያል ዝዀነሉ እዋን፡ ‘ኣዚኻ ብጹሕ’ ቅድሚ ምዃንካ ዘሎ እዋን ምዃኑ ይሕብር። (1 ቈረንቶስ 7:36) ኣብዚ ደረጃ እዚ ኸለኻ ምስ ኣንጻር ጾታ ጥብቂ ርክብ ምምስራት፡ ነቲ ትምኒትካ ኼጐሃህሮን ናብ ሕማቕ ተግባር ኪመርሓካን ይኽእል እዩ። መዛኑኻ ነዚ ኣፍኲሶም ይርእይዎ ይዀኑ። መብዛሕትኦም ጾታዊ ርክብ ንኺፍትኑ ይህንጠዩ እዮም። ንስኻ ግን ንኸምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኸተሰንፎ ትኽእል ኢኻ! (ሮሜ 12:2) መጽሓፍ ቅዱስ እውን “ካብ ምንዝርና ህደሙ” ዚብል ምሕጽንታ ሂቡ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 6:18) ኣዚኻ በጽሒ ኽሳዕ እትኸውን ብምጽናሕ፡ ‘ሕሰም ከተርሕቕ’ ትኽእል ኢኻ።—መክብብ 11:10
ንኽትምርዖ ተዳሊኻ ዲኻ፧
ነዛ ሕቶ እዚኣ ንኽትምልሳ ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ በዚ ዚስዕብ ነጥብታት ጌርካ ንርእስኻ እስከ መርምር፦
ርክባት። ምስ ወለድኻን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ዘሎካ ርክብ ከመይ እዩ፧ ብዙሕ ግዜ ሓሳብካ ኽትገልጽ ከለኻ፡ ርእስኻ ስለ ዘይትቈጻጸር፡ ኤፌሶን 4:31 ኣንብብ።
ተሪር ወይ ናይ ሕጫጨ ቓላት ትጥቀም ዲኻ፧ ብዛዕባ እዚ ንሳቶምከ እንታይ ይብሉ፧ ምስ ኣባላት ስድራ ቤትካ ዘሎካ ርክብ፡ ንመጻምድትኻ እትሕዘሉ መገዲ ዚሕብር እዩ።—ኣረኣእያ። ኣወንታዊ ኣረኣእያ ድዩ ዘሎካ ወይስ ኣሉታዊ፧ ተዓጻጻፊ ዲኻ ወይስ ወትሩ ኣነ ዝበልክዎ ጥራይ ይኹን በሃሊ፧ ውጥረት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ርእስኻ ኽትቈጻጸር ትኽእል ዲኻ፧ ዕጉስ ዲኻ፧ ሕጂ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ እንተ ኣማዕቢልካ፡ ሓዳር ምስ ገበርካ ኺሕግዘካ እዩ።—ገላትያ 5:22, 23 ኣንብብ።
ገንዘብ። ኣብ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ከመይ ኢኻ፧ ብዙሕ ግዜ ኣብ ዕዳ ትኣቱ ዲኻ፧ ሓደ ስራሕ ሒዝካ ኽትጸንሕ ትኽእል ዲኻ፧ እንተ ዘይክኢልካ፡ ስለምንታይ፧ ብሰንኪ እቲ ስራሕ ድዩ ወይስ ብሰንኪ እቲ ኣስራሒ፧ ወይስ ሓደ ኽትእርሞ ዘሎካ ልማድ ወይ ጠባይ ስለ ዘሎካ ድዩ፧ ንውልቅኻ እኳ ኣብ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ጸገም እንተ ኣልዩካ፡ ስድራ ምስ ገበርካ ደኣኸ ኸመይ ጌርካ ኽትገብሮ ትኽእል፧—1 ጢሞቴዎስ 5:8 ኣንብብ።
መንፈሳውነት። ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ዄንካ፡ መንፈሳውነትካ ኸመይ እዩ፧ ቃል ኣምላኽ ተንብብ ዲኻ፧ ናብ ኣገልግሎት ትኸይድ ዲኻ፧ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትከ ትሳተፍ ዲኻ፧ መጻምድትኻ ብመንፈስ ድልዱል ሰብ እዩ ዜድልዮ።—መክብብ 4:9, 10 ኣንብብ።
ክትገብሮ እትኽእል ነገር
ከይተዳለኻ ኸለኻ ብእተገብረልካ ጸቕጢ ተደሪኽካ ዓርኪ ምሓዝ፡ ከይፈተኻ ናይ ዘይተመሃርካዮ ዓይነት ትምህርቲ መርመራ ኸም ምግባር እዩ። እዚ ፍትሓዊ ኸም ዘይከውን ንጹር እዩ። ኣብ ፈተና ዜጋጥም ግድላት ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ነቲ ትምህርቲ ንኸተጽንዖ ግዜ የድልየካ።
ዓርኪ ምሓዝ እውን ከምኡ እዩ። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣፍኲስካ ዚርአ ጕዳይ ኣይኰነን። ምስ ኣንጻር ጾታ ዕርክነት ቅድሚ ምጅማርካ፡ ግዜ ወሲድካ ብኸመይ ምሕዝነት ከም እትምስርት ከተጽንዕ ኣሎካ። ጸኒሕካ ምስ ዚዀነካ ኣንጻር ጾታ ኽትራኸብ ከለኻ፡ ድልዱል ርክብ ንኽትሃንጽ ኣጸቢቕካ ተዳሊኻ ትጸንሕ። ከመይሲ፡ ጽቡቕ ሓዳር፡ ጥምረት ናይ ክልተ ጽቡቕ ምሕዝነት ዘለዎም ሰባት እዩ።
መክብብ 11:9) ባህርያትካን መንፈሳውነትካን ብምምዕባል ንኽትዳሎ ድማ ግዜ ትረክብ።—ድጕዓ ኤርምያስ 3:27
ዓርኪ ኸይሓዝካ ምጽናሕካ፡ ንናጽነትካ ኣይድርቶን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ‘ብንእስነትካ ባህ ንኺብለካ’ ዝያዳ ናጽነት እዩ ዚህበካ። (ክሳዕ ሽዑ፡ ምስ ኣንጻር ጾታ ሕውነታዊ ቕርርብ ኪህልወካ ይኽእል እዩ። ከምኡ ኽትገብረሉ እትኽእል ብሉጽ መገዲ እንታይ እዩ፧ ኣዋልድን ኣወዳትን ከምኡውን ብሱላት ሰባት ኣብ ዚርከብዎ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ተሳተፍ። ታሚ እትበሃል ጓል፡ “እዚ ዝያዳ ኬፍ ዘለዎ ይመስለኒ። ብዙሓት ፈተውቲ እንተ ገበርካ ይሓይሽ” በለት። ሞኒካ እውን፡ “ብጕጅለ ምቅርራብ ምስ እተፈላለየ ባህርያት ዘለዎም ሰባት ስለ ዜራኽበካ፡ ጽቡቕ ሓሳብ እዩ” ብምባል ምስዚ ኸም እትሰማማዕ ገለጸት።
ብኣንጻሩ ግን፡ ቅድሚ ግዜኡ ኣብ ሓደ ሰብ እንተ ኣተኲርካ፡ ጓሂ ልቢ ኢኻ እተጥሪ። ኣይትተሃወኽ። ነዚ እዋን እዚ፡ ምሕዝነት ብኸመይ ከም እትምስርትን እትዕቅብን ንምፍላጥ ተጠቐመሉ። ጸኒሕካ ዓርኪ ኽትሕዝ እንተ ደሊኻ፡ ብዛዕባ ርእስኻ ዀነ ኻብቲ ንምሉእ ህይወትካ ዚኸውን መጻምድትኻ ብዛዕባ እትደልዮ ባህርያት ዝያዳ ፍልጠት ኪህልወካ እዩ።
ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ 1ይ ጥራዝ፡ ኣብ ምዕራፍ 29ን 30ን እውን ኣንብብ
ወለድኻ ኸይፈለጡ ብሕቡእ ዓርኪ ኽትሕዝ ተፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ ከምዚ ምግባር ካብቲ እትሓስቦ ንላዕሊ ሓደገኛ እዩ።
[ቀንዲ ጥቕሲ]
“ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን።”—ምሳሌ 14:15
ምኽሪ
ዓርኪ ንምሓዝን ንመርዓን ምእንቲ ኽትዳሎ፡ 2 ጴጥሮስ 1:5-7 ኣንቢብካ ኽትዓየላ ዜድልየካ ሓንቲ ባህርይ ምረጽ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣቢልካ፡ ብዛዕባ እታ ባህርይ እንታይ ከም እተመሃርካን ከም ዘመሓየሽካን መርምር።
ትፈልጥዶ፧
ትሕቲ 20 ዓመት ዕድሚኦም እተመርዓዉ ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ምፍታሕ ዕድሎም ዝሰፍሐ ምዃኑ ሓያሎ መጽናዕትታት ይሕብር።
መደባተይ
ንመርዓ ምእንቲ ኽዳሎ፡ ነዚ ዚስዕብ ባህርያት ክዓየሉ ኣሎኒ፦ ․․․․․
ነዚ ባህርያት እዚ ኸምዚ ዚስዕብ ገይረ ኽዓየሉ እኽእል፦ ․․․․․
ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․
እንታይ ይመስለካ፧
● ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት ኢኻ ምስ ኣንጻር ጾታ ዝዀኑ ሰባት ክትቀራረብ እትኽእል፧
● ዕድሚኡ ንእሽቶ ኽነሱ ዓርኪ ኺሕዝ ንዝደለየ ሓውካ ወይ ሓብትኻ ብኸመይ ከተረድእ ትኽእል፧
● ክትምርዖ ኸይሓሰብካ ዓርኪ እንተ ሒዝካ፡ እዚ ንስምዒት ብጸይትኻ ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል፧
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ንዓይ ከም ዚመስለኒ፡ ንሓደ ሰብ ብሓቂ ኣኽቢርካ ምስ ረኣኻዮን ምስኡ ንምቕጻል ተስፋ እንተ ኣልዩካን ኢኻ ኸም ዓርኪ ኽትሕዞ ዘሎካ። ዓርኪ ሒዘ ንምባል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ሰብ ትግደስ ኢኻ።’’—ኣምበር”
[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ስእሊ]
ክትምርዖ ኸይሓሰብካ ዓርኪ እንተ ሒዝካ፡ ከም ሓደ ብሓድሽ መጻወቲ ኺጻወት ጸኒሑ ዚድርብዮ ቘልዓ ኢኻ እትኸውን ዘለኻ