ሓደ ወላዲ ጥራይ እናሃለወኒ ኽሕጐስ እኽእልዶ፧
ምዕራፍ 25
ሓደ ወላዲ ጥራይ እናሃለወኒ ኽሕጐስ እኽእልዶ፧
“ክልቲኦም ወለዶም ዘለውዎም ቈልዑ፡ ናይ ርእሶም ክፍሊ ኺህልዎምን ሓድሽ ክዳውንቲ ኺዕድጉን ይኽእሉ እዮም። ኣነ ግን ክዳበል ኣሎኒ፣ ዝደልዮ ዓይነት ክዳውንቲ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኣይረክብን እየ። ኣደይ ልዕሊ ዓቕማ ኸም ዝዀነ እያ እትነግረኒ። ንሳ ናብ ስራሕ ክትወፍር ከላ ኣብ ገዛ ብዙሕ ዕዮታት ስለ ዝዓዪ፡ ከዳሚት ዝዀንኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ፡ ክፋል ቍልዕነተይ እተሰረቕኩ ዀይኑ እውን ይስምዓኒ።”—ሻሎንዳ፡ 13
ክልተ ፈቃራት ወለዲ ዘለዉዎ ቤት ዝበለጸ ምዃኑ ኣየጠራጥርን እዩ። ኣቦን ኣደን ብሓባር ዚነብሩ እንተ ዀይኖም፡ ንደቆም ዝያዳ መምርሕን ዕቝባን ደገፍን ኪህቡ ይኽእሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብጻዕሮም መክብብ 4:9
ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ . . . ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ” ይብል።—ይኹን እምበር፡ ክልተ ወለዲ ዘለዎ ቤት እናጸነተ ይኸይድ ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከቡ ልዕሊ ፍርቂ ውሉዳት፡ ደቂ 18 ዓመት ቅድሚ ምዃኖም እንተ ወሓደ ንእተወሰነ ግዜ ምስ ንጽል ወላዲ እዮም ዚነብሩ።
እዚ ልሙድ እኳ እንተ ዀነ፡ ብሓደ ወላዲ ጥራይ ዚዓብዩ መንእሰያት ብዅነታቶም ይሓፍሩ እዮም። ገሊኦም ከኣ በቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥሞም ጸቕጥታትን ጸገማትን ይድቈሱ። ሓደ ወላዲ ጥራይ እንተ ኣልዩካ፡ እንታይ ጸቕጥታት እዩ ዜጋጥመካ፧ ኣብ ታሕቲ ኣብ ዘሎ መስመር፡ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜተሓሳስበካ ጸገም ጽሓፍ።
․․․․․
ሓደ ኻብቶም ወለድኻ ኺህበካ ዚግብኦ ቐጻሊ ፍቕርን ሓልዮትን ስለ ዝሰኣንካ፡ ህይወትካ ብጸበባ ዝመልአ ድዩ ኪኸውን፧ ኣይኰነን! እዚ ብዓብዪኡ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ዘሎካ ኣረኣእያ እዩ ዚምርኰስ። ምሳሌ 15:15፡ “ኵለን ዕለታት እቲ ሕዙን ክፉኣት እየን፡ ሕጉስ ልቢ ዘለዎ ግና ኵሉ ጊዜ ደስ ዜብል መኣዲ እዩ” ትብል። እዚ ምስላ እዚ ኸም ዚሕብሮ፡ ንሓደ ሰብ ዚስምዖ ነገር ካብ ብዅነታቱ ንላዕሊ ብኣረኣእያኡ እዩ ዚጽሎ። ኵነታትካ ብዘየገድስ “ሕጉስ ልቢ” ንኺህልወካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ንኣሉታዊ ስምዒታት ተቓለሶ
ፈለማ፡ በቲ ኻልኦት ዚዛረብዎ ኣሉታዊ ሓሳባት ሕማቕ ኣይሰማዕካ። ንኣብነት፡ ገሊኦም መምህራን ብሓደ ወላዲ ንዚዓብዩ ተመሃሮ ሸቕ ዜብል ነገር ይዛረቡ እዮም። ወረግ ገሊኦምሲ ዝዀነ ይኹን ሕማቕ ጠባይ ካብቲ ኣብ ቤት ዘሎ ሕማቕ ሃዋህው ከም ዚመጽእ እዮም ዚሓስቡ። ‘እቶም ነዚ ዘረባ እዚ እተዛረቡ ሰባት ንዓይን ንስድራ ቤተይን ብሓቂ ይፈልጡና ድዮም፧ ወይስ ነቲ ኻልኦት ብዛዕባ ሓደ ወላዲ ጥራይ ዘለዋ ስድራ ቤት ኪብሉ ዝሰምዕዎ ነገር ድዮም ዚደግሙ ዘለዉ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።
እታ “ዘኽታም” ወይ “ኣቦ ዘይብሉ” (NW) ተባሂላ እተተርጐመት a
ቃል፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዙሕ ግዜ እትርከብ ምዃና ኸነስተብህለላ ኣሎና። ሓንሳእ እውን እንተ ዀነ ግን ብምንእኣስ ኣይተዓየላን። ዳርጋ ኣብ ኵሉ እቲ እተጠቕሰትሉ ቦታ፡ የሆዋ ነቶም ብሓደ ወላዲ ጥራይ ዚዓብዩ ውሉዳት ብፍላይ ከም ዚግደሰሎም ተገሊጹ ኣሎ።በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ገሊኦም ሰባት ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም ኣብ ቅድሜኻ ኺዛረቡ ኸለዉ ምሒር ይጥንቀቑ ይዀኑ። ንኣብነት፡ ከም “ኣቦ፡” “ሓዳር፡” “ፍትሕ፡” ወይ “ሞት” ዝኣመሰለ ቓላት ከየጕህየካ ወይ ከየሕፍረካ ኢሎም ኣይጥቀሙሉን ይዀኑ። ከምዚ ዝዓይነቱ ጠባይ ቅጭ የምጽኣልካዶ፧ ቅጭ ዜምጽኣልካ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ዜተሓሳስቦም ነገር ግቡእ ዘይምዃኑ ብሜላ ኣርእዮም። ቶኒ ዚበሃል ወዲ 14 ዓመት ኰተቴ ንናይ ሓቂ ኣቦኡ ፈጺሙ ኣይፈልጦን እዩ። ገሊኦም ሰባት ንገሊኡ ቓላት ከም ዘይጥቀሙሉ ኣስተውዓለ። ይኹን እምበር፡ ቶኒ ንዓታቶም ኬዘራርቦም ከሎ ነዚ ቓላት እዚ ይጥቀመሉ እዩ። “ብዅነታተይ ከም ዘይሓፍር ኪፈልጡ እደልዮም እየ” በለ።
“እንተ” እናበልካ ኣይትሕሰብ
ልክዕ እዩ፡ ወለድኻ እንተ ተፋቲሖም ወይ እተፍቅሮ ወላዲ እንተ ሞይቱካ፡ ሓዘንን ጓህን ኪስምዓካ ባህርያዊ እዩ። ይኹን እምበር፡ ውዒልካ ሓዲርካ ነቲ ዅነታትካ ኽትቅበሎ ኣሎካ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ እዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሔሻ ስለምንታይ እዩ፧ ኣይትበል” ዚብል ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። (መክብብ 7:10) ወለዳ ጓል 10 ኸላ እተፋትሑ ሳራ እትበሃል ጓል 13 ዓመት መንእሰይ፡ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ፡ “ከምዚ ወይ ከምቲ ‘እንተ ዚኸውን’ እናበልካ ብዅነታትካ ኣይትተክዝ፡ ወይ እቲ ጸገማትካ ሓደ ወላዲ ጥራይ ስለ ዘሎካ ኸም ዝመጸ ጌርካ ኣይትርኣዮ፡ ወይ ክልቲኦም ወለዲ ዘለውዎም ውሉዳት ምሹእ ህይወት ከም ዘለዎም ጌርካ ኣይትሕሰብ” በለት። እዚ ጽቡቕ ምኽሪ እዩ። እታ “ዚጐድላ ዘይብላ” እትበሃል ስድራ ቤት እውን ጸገማት ኣለዋ።
ንስድራ ቤትካ ኸም ኣብ ጃልባ ዘለዉ ጋንታ ጀለብቲ ጌርካ ንምንታይ ዘይትርእያ፧ ከም ንቡር፡ እታ ጃልባ እተማልአ ጕጅለ ትሕዝ እያ። ንጽል ወላዲ ጥራይ ኣብ ዘለዋ ስድራ ግን፡ ሓደ ኻብቶም ጕጅለ የለን፡ እቶም ዝተረፉ ኣባላት እታ ጋንታ ኸኣ ቍሩብ ተወሳኺ ጻዕሪ ኺገብሩ የድልዮም እዩ። ከምዚ ምዃኑ እታ ስድራ ቤት ኣይትዕወትን ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን! እቶም ዝተረፉ ኣባላት እታ ጋንታ ብሓባር ክሳዕ ዝጀለቡ፡ እታ ጃልባ ንቕድሚት እናተጓዕዘት ኣብቲ መዓርፎኣ ኽትበጽሕ እያ።
እጃምካ ተበርክትዶ ኣለኻ፧
ከምቶም ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤትካ እጃምካ ተበርክት ከም ዘለኻ ንምርግጋጽ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ሓሳባት ርአ፦
ቈጣቢ ኹን። ኣብ መብዛሕትአን ሓደ ወላዲ ጥራይ ዘለወን ስድራ ቤታት፡ ገንዘብ ኣመና ዜተሓሳስብ ነገር እዩ። እጃምካ ንምብርካት እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ቶኒ፡ “ኣብ ቤት ትምህርትና ዘለዉ መንእሰያት፡ ወለዶም ክቡር ጫማታትን ክዳውንትን ኪዕድጉሎም ይጠልቡ። ከምኡ እንተ ዘይተገይሩሎም፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ይኣብዩ። ክቡር ክዳውንቲ እኳ እንተ ዘይብለይ፡ ጹፉፍን ጽሩይን እየ፡ ነቲ ዘሎኒ ኸኣ ተጠንቂቐ እየ ዝሕዞ። ኣደይ ዚከኣላ እያ እትገብር፣ ከኽብደላ ኣይደልን እየ” በለ። ቍሩብ ጻዕሪ ብምግባር፡ ነቲ፡ “ኣነስ በቲ ዘሎኒ ይአኽለኒ ምባል ተምሂረ እየ . . . ኣብ ኵሉን ብዅሉን ልሙድ እየ” ዝበለ ሃዋርያ ጳውሎስ ክትመስሎ ትኽእል ኢኻ።—ቈጣቢ ኽትኰነሉ እትኽእል ካልእ መገዲ ኸኣ፡ ዘይምብኻን እዩ። (ዮሃንስ 6:12) ሮድኒ ዚበሃል መንእሰይ፡ “ኣቕሓ ንምጽጋኑ ወይ ንምትካኡ ገንዘብ ስለ ዜድሊ፡ ኣብ ገዛ ኣቕሓ ኸይሰብር ወይ ከየጥፍእ እጥንቀቕ እየ። ዘይጥቀመሉ ብኤለክትሪክ ዚሰርሕ ኣቕሑ ወይ መብራህቲ ኸጥፍእ እፍትን እየ። እዚ ንኽፍሊት ኤለክትሪክ ንኺንኪ ኣበርክቶ ይገብር እዩ” በለ።
ተበግሶ ውሰድ። ብዙሓት ንጽል ወለዲ ንቤቶም ስርዓታት ምውጻእ ወይ ንውሉዳቶም ኣብ ገዛ ንኺዓዩ ምሕታት ይኸብዶም እዩ። ስለምንታይ፧ ገሊኦም ኣብ ርእሲ እቲ ደቆም ወላዲ ብምስኣኖም ዘጋጠሞም ጸገም፡ ከየኽብዱሎም ይፈርሁ። ‘ደቀይ ከይተሓጐሱ ኺዓብዩ ኣይደልን እየ’ ይብሉ።
ንስኻ ነቲ ወላዲኻ ዚስምዖ ፍርሂ ኽትምዝምዞ ትፍተን ትኸውን። ከምኡ ምግባርካ ግን፡ ንወላዲኻ ጾር ደኣሉ ዚውስኸሉ እምበር፡ ኣየፍኵሰሉን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ስለምንታይ ብተበግሶኻ ዘይትሕግዝ፧ ቶኒ ኺገብሮ ፍቓደኛ ዝዀነ ነገር እሞ ርአ። “ኣደይ ኣብ ሆስፒታል እያ እትሰርሕ፡ ዩኒፎርማ ድማ ኪስታረር ኣለዎ። ስለዚ ኸኣ አስታርረላ” በለ። እዝስ ስራሕ ሰበይቲ ደይኰነን፧ ቶኒ፡ “ገሊኦም ከምኡ ኢሎም ይሓስቡ እዮም። ኣነ ግን ንኣደይ ዚሕግዛ ስለ ዝዀነ፡ እገብሮ እየ” በለ።
ምስጋናኻ ግለጽ። ንወላዲኻ ንምትብባዕ፡ ኣብ ርእሲ እቲ እትህቦ ሓገዝ፡ ምስጋናኻ ብምግላጽ እውን ብዙሕ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ሓንቲ ንጽል ወላዲት፡ “ብዙሕ ግዜ ኣብ ስራሕ ፈታኒት መዓልቲ ብምሕላፈይ ተደቚሰ ወይ ተበሳጭየ ናብ ቤት ኣብ እተመለስኩሉ እዋን፡ ጓለይ ድራር
ከተዳሉን መኣዲ ኽትሰርዕን ትጸንሓኒ” ኢላ ጸሓፈት። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ወደይ ሕቝፍ የብለኒ” በለት። በዚ ሓልዮት ዝመልኦ ተግባራት ብኸመይ ተጸልያ፧ “መንፈሰይ ይሕደስ” በለት።ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሰለስተ ነጥብታት፡ ልዕሊ ዅሉ ኽትዓየሉ እትደሊ ኣየናይ ምዃኑ ጽሓፍ። ․․․․․
ሓደ ወላዲ ጥራይ ኣብ ዘለዋ ስድራ ቤት ምንባር፡ ከም ርሕራሐን ልግስን ተኣማንነትን ዝኣመሰለ ባህርያት የማዕብለልካ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ የሱስ፡ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ኢሉ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ስለዚ፡ ንንጽል ወላዲኻ ትሕግዝ እንተ ዄንካ፡ ዓብዪ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ሓሓሊፉ፡ ካልኣይ ወላዲ ኺህልወካ ምምናይካ ዘይተርፍ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ነቲ ዅነታትካ ኸመይ ጌርካ ብዝበለጸ ኸም እትጥቀመሉ ኽትመሃር ትኽእል ኢኻ። ኒያ ዝስማ ጓል ከምኡ እያ ገይራ። “ኣቦይ ምስ ሞተ፡ ‘ህይወትኪ ኸምታ ዝገበርክያ እያ እትኸውን’ ዚብል ምኽሪ ተዋህበኒ፡ ነዘን ቃላት እዚኣተን ካብ ኣእምሮይ ኣየውጻእክወንን። በቲ ዅነታተይ ዝፈጠሮ ነገር ብሓዘን ተዀርምየ ኽነብር ከም ዘይብለይ የዘኻኽራኒ” በለት። ንስኻ እውን ተመሳሳሊ ኣመለኻኽታ ኺህልወካ ይኽእል እዩ። ሓጐስካ ወይ ሓዘንካ ኣብ ኵነታትካ ኸም ዘይምርኰስ ኣይትረስዕ። የግዳስ፡ ኣብቲ ነቲ ዅነታትካ እትርእየሉ መገድን ብዛዕባኡ እትገብሮ ነገርን እዩ ዚምርኰስ።
ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ 1ይ ጥራዝ፡ ኣብ ምዕራፍ 4 እውን ኣንብብ
[እግረ-ጽሑፍ]
a ንኣብነት፡ ዘዳግም 24:19-21 ከምኡውን መዝሙር 68:5 ርአ።
[ቀንዲ ጥቕሲ]
“ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት።”—ፊልጲ 2:4
ምኽሪ
ልዕሊ ዓቕምኻ ሓላፍነት እተሰከምካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ወላዲኻ ነዚ ዚስዕብ ሓሳብ ኪፍትኖ ብሜላ ሓብሮ፦
● ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ዚዓዮ ዕዮ ገዛ ዚገልጽ ዝርዝር ኪዳሎ።
● ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ዕዮ ገዛ ኣብቶም ኪስከምዎ ዚኽእሉ ኣባላት ስድራ ቤት ኪከፋፈል።
ትፈልጥዶ፧
ኣብ ገዛ ሓላፍነት ምስካምካ፡ ካብቶም ክልተ ወለዲ ኣብ ዘለወን ስድራ ቤታት ዚዓብዩ እሞ መብዛሕትኡ ግዜ ዝወሓደ ሓላፍነት ዘለዎም መንእሰያት፡ ብዝቐልጠፈ ንኽትበስል ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።
መደባተይ
ንኣሉታዊ ስምዒታተይ በዚ ዚስዕብ ክቃለሶ እየ፦ ․․․․․
ሰባት ጥቓይ ኪዀኑ ኸለዉ ምሒር ዚጥንቀቑ እንተ ዀይኖም፡ ከምዚ ዚስዕብ ክብል እየ፦ ․․․․․
ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወላድየይ ክሓቶ ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․
እንታይ ይመስለካ፧
● ገሊኦም ሰባት ንጽል ወላዲ ንዘለውዎም ውሉዳት ኣቐዲሞም ዚፈርድዎም ስለምንታይ እዮም፧
● ወለድኻ ኣብ ዕዮ ገዛ ንኽትሕግዝ ከይሓቱኻ ዚስከፉ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧
● ንወለድኻ ብኸመይ ምስጋናኻ ኽትገልጸሎም ትኽእል፧
[ኣብ ገጽ 211 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ወለደይ ካብ እተፋትሑሉ እዋን ንነጀው፡ ኣነን ኣደይን ጽቡቕ ጌርና ኽንዘራረብ ክኢልና፣ ኣዚና ኢና ተቐራሪብና።’’—ሜላኒ
[ኣብ ገጽ 220, 211 ዘሎ ስእሊ]
ሓደ ወላዲ ጥራይ ዘለዋ ስድራ ቤት፡ ሓደ ኻብ ጀለብቲ ኸም ዝጐደላ ጃልባ እያ፣ እቶም ዝተረፉ ኣባላት እቲ ጋንታ ቝሩብ ተወሳኺ ጻዕሪ ኪገብሩ የድልዮም ይኸውን፡ ብሓባር እንተ ጀሊቦም ግን ኪዕወቱ ይኽእሉ እዮም