ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወለደይ እንተ ተቛዪቖም፡ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧

ወለደይ እንተ ተቛዪቖም፡ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧

ምዕራፍ 24

ወለደይ እንተ ተቛዪቖም፡ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧

ወለድኻ ኣብ ቅድሜኻ ተቛዪቖም ይፈልጡዶ፧ እንተ ተቛዪቖም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዜባእሶም እንታይ እዩ፧

□ ገንዘብ

□ ኒን ገዛ

□ ኣዝማድ

□ ንስኻ

ዚ ብዛዕባ ዜሕድረልካ ጽልዋ ንወለድኻ እንታይ ክትነግሮም ትደሊ፧ ሓሳባትካ ኣብ ታሕቲ ጽሓፍ።

․․․․․

ብቘየቛ ወለድኻ ኸይተጸሎኻ ኽትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ከመይሲ፡ ተፍቅሮምን ደገፍ ደሊኻ ናብኦም ትጽጋዕን ኢኻ። ስለዚ ድማ ኪቋየቑ ኸለዉ ምስማዕካ ኺደቝሰካ ይኽእል እዩ። ምስቲ መሪ እትበሃል ጓል ዝሃበቶ፡ “ወለደይ ንሓድሕዶም ዘይከባበሩ ምዃኖም ክርኢ ኸለኹ ንምኽባሮም የጸግመኒ እዩ” ዚብል ሓሳብ ትሰማማዕ ትኸውን።

ወለድኻ ኺቋየቑ ኸለዉ ምርኣይካ፡ ሓደ ዜሕዝን ሓቂ ንኽትግንዘብ እዩ ዜኽእለካ፦ ከምቲ ንስኻ እትሓስቦ ፍጹማት ኣይኰኑን። ነዚ ምግንዛብካ ዅሉ ዓይነት ፍርሂ የሕድረልካ። ቈየቛኦም ብተደጋጋሚ ዜጋጥም ወይ ብርቱዕ እንተ ዀይኑ፡ ሓዳሮም ድሕሪ ሓጺር እዋን ከይብተን ትፈርህ ትኸውን። መሪ ኸምዚ በለት፦ “ወለደይ ኪበኣሱ ኽሰምዖም ከለኹ፡ ከም ዚፋትሑ ገይረ ስለ ዝሓስብ፡ ምስ መኖም ከም ዝነብር ክመርጽ ዘሎኒ ዀይኑ ይስምዓኒ። ምስ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ከይፈላለ እውን የፍርሃኒ።”

ወለዲ ስለምንታይ እዮም ዚበኣሱ፧ ኣብ ስድራ ቤት ቈየቛ ኺለዓል ከሎኸ ንስኻ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ወለዲ ስለምንታይ ይበኣሱ፧

ብሓፈሻኡ፡ ወለድኻ ‘ንሓድሕዶም ብፍቕሪ ይጻዋወሩ’ ይዀኑ። (ኤፌሶን 4:2) መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” ይብል እዩ። (ሮሜ 3:23) ወለድኻ ፍጹማት ኣይኰኑን። ስለዚ፡ ሕርቃኖም ተዋህሊሉ ሳሕቲ ብመልክዕ ቈየቛ ኺወጽእ ከሎ ኼገርመካ የብሉን።

ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘሎና እውን ኣይትረስዕ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) መነባብሮን ወጻኢታትን ኣብ ስራሕ ዘሎ ሃዋህውን ዜምጽኦ ጸቕጢ፡ ኣብ ሓዳሮም ከቢድ ውጥረት ይፈጥረሎም እዩ። ክልቲኦም ወለዲ ዓለማዊ ስራሕ ዚሰርሑ እንተ ዀይኖም፡ ንገሊኡ ዋኒን ገዛ መኖም ከም ዚዓዮ ኼባእሶም ይኽእል እዩ።

ወለድኻ እንተ ዘይተቓድዮም፡ ብኡብኡ ሓዳሮም ይፈርስ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ገሊኡ ጕዳያት እተፈላለየ ኣረኣእያ እኳ እንተ ኣለዎም፡ ክሳዕ ሕጂ ዚፋቐሩ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ምስ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽካ ፊልም ድሕሪ ምርኣይካ፡ ብዛዕባ እቲ ፊልም ዘሎካ ኣረኣእያ ኻብቲ ናይ ኣዕሩኽካ እተፈልየ ዀይኑዶ ይፈልጥ፧ እዚ ኼጋጥም ይኽእል እዩ። ዚቀራረቡ ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ንገሊኡ ነገራት ብእተፈላለየ መገዲ እዮም ዚርእይዎ። ወለድኻ እውን ከምኡ ኼጋጥሞም ይኽእል እዩ። ምናልባት ክልቲኦም ብዛዕባ ቝጠባዊ ዅነታት እታ ስድራ ቤት እኳ እንተ ኣተሓሳሰቦም፡ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ግን እተፈላለየ ኣረኣእያ ይህልዎም ይኸውን፣ ክልቲኦም ብስድራ ቤት ናብ ዕረፍቲ ንምኻድ እኳ እንተ ሓሰቡ፡ ዕረፍቲ ኸመይ ኪኸውን ከም ዘለዎ ግን እተፈላለየ ርእይቶ ይህልዎም ይኸውን፣ ወይ ክልቲኦም ኣብ ትምህርትኻ ንፉዕ ክትከውን ዚደልዩኻ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብኸመይ ከም ዜተባብዑኻ ግን እተፈላለየ ሓሳባት ይህልዎም ይኸውን።

ሓድነት ንኺህሉ ግድን ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ ኣየድልን እዩ። ክልተ ዚፋቐሩ ሰባት ሓድሓደ ግዜ እተፈላለየ ኣረኣእያ ኺህልዎም ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ መንጎ ወለድኻ ግጭት ኪፍጠር ከሎ፡ ምስማዑ የጸግመካ ይኸውን። ነዚ ምእንቲ ኽትክእሎ፡ እንታይ ክትገብር ወይ ክትብል ትኽእል፧

ክትገብሮ ዚግብኣካ ነገር

ኣኽብሮት ይሃሉኻ። ብቘየቛ ወለድኻ ብቐሊሉ ኽትበሳጮ ትኽእል ኢኻ። ንሳቶም ደኣ እዮም ኣብነት ኪዀኑኻ ዘለዎም እምበር፡ እቲ ነገር ብግምጥልሽ ኪኸውን ኣይግባእን። ኰይኑ ግን፡ ንወላዲኻ ብንዕቀት ምርኣይ፡ ነቲ ኣብ ስድራ ቤት ዘሎ ውጥረት መሊሱ እዩ ዜጋድዶ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ንወለድኻ ኣብቲ ንምኽባሮም ዜጸግመካ እዋን እውን ከይተረፈ፡ ከተኽብሮምን ክትእዘዞምን የሆዋ ኣምላኽ ኣዚዙካ እዩ።—ዘጸኣት 20:12፣ ምሳሌ 30:17

ኰይኑ ግን፡ እቲ ንወለድኻ ዘየቃድዎም ዘሎ ጕዳይ ንዓኻ ብቐጥታ ዚምልከት እንተ ዀይኑኸ፧ ንኣብነት፡ ሓደ ኻብ ወለድኻ ክርስትያን፡ እቲ ኻልእ ከኣ ዘይኣማኒ እዩ ንበል። ምስቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ወላዲኻ ኣብ ጐድኒ ጽድቂ ምስ ቈምካ፡ ጸገማት ኪለዓል ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 10:34-37) ነዚ ዅሉ ሳዕ “ብለውሃትን ብኽብርን” ግበሮ። ኣብዚ መዳይ እዚ እተርእዮ ኣብነት፡ ነቲ ዘይኣማኒ ወላዲኻ ሓሳቡ ንኪቕይር ኪሕግዞ ይኽእል እዩ።—1 ጴጥሮስ 3:15 ትርጕም 1990

ገለልተኛ ኹን። ወለድኻ ኣብቲ ብቐጥታ ዘይምልከተካ ጕዳይ ንኽትውግን ጸቕጢ እንተ ገይሮምልካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ገለልተኛ ኽትከውን ጽዓር። ንኣብነት፡ “ኣቦ፡ ኣደ፡ ንኽልቴኹም አፍቅረኩም እየ። በጃኹም ናብ ሓዴኹም ክውግን ኣይትሕተቱኒ። እዚ ኣብ መንጎኹም ክትውድእዎ ዘሎኩም ጕዳይ እዩ” ኢልካ ብትሕትና ኻብቲ ጕዳይ ክትወጽእ ትኽእል ኢኻ።

ሓሳብካ ግለጸሎም። ወለድኻ ኺቋየቑ ኸለዉ ኸመይ ከም ዚስምዓካ ኣፍልጦም። ኪሰምዑኻ ዚኽእሉሉ እዋን ሕረ፡ ባእሶም ብኸመይ ከም ዜጕህየካ፡ ከም ዜሕርቐካ፡ ወይ ከም ዜፍርሃካ ብኣኽብሮት ንገሮም።—ምሳሌ 15:23፣ ቈሎሴ 4:6

ክትገብሮ ዘይግብኣካ ነገር

ኣማኻሪ ሓዳር ክትከውን ኣይትፈትን። መንእሰይ ስለ ዝዀንካ፡ ንባእሲ ወለድኻ ኽትፈትሕ ብቕዓት የብልካን። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ነፋሪት ትበርር ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። እቲ መራሕ ነፋሪትን ሓጋዚኡን ኪከራኸሩ ትሰምዖም። እዚ ነገር እዚ ኸም ዜተሓሳስበካ ኣየተሓታትትን እዩ። ኰይኑ ግን፡ ነቶም መራሕቲ እታ ነፋሪት ነታ ነፋሪት ብኸመይ ከም ዜብርርዋ ኽትነግሮም ወይ ነቲ መቈጻጸሪታት ባዕልኻ ኽትሕዞ እንተ ትፍትን እንታይ ምዀነ፧

ብተመሳሳሊ፡ ኣብቲ ወለድኻ ዘለዎም ጸገማት ጣልቃ ብምእታው ‘ነቲ መቈጻጸሪታት ባዕልኻ ኽትሕዞ’ ምፍታን፡ ነቲ ጕዳይ ካብ ምግዳድ ሓሊፉ ብዙሕ ኣየፍርን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ትዕቢት ባእሲ ጥራይ እዩ ዚመጽእ፡ ጥበብ ግና ምስቶም ምኽሪ ዚቕበሉ እያ” ይብል። (ምሳሌ 13:10) መብዛሕትኡ ግዜ ወለዲ ንበይኖም ኰይኖም ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብምምኽኻር እዮም ነቲ ጸገማቶም ዚፈትሕዎ።—ምሳሌ 25:9

ኣብቲ ቘየቛ ኣይትእቶ። ክልተ ኺቋየቑ ኸለዉ ምስማዕ፡ ብሓቂ ዚርብሽ እዩ። ስለምንታይ ደኣ እሞ ሳልሳይ ኴንካ ኣብኡ እትኣቱ፧ ኣብቲ ጕዳይ ጣልቃ ንኽትኣቱ ዚደፋፍኣካ ዅነታት እኳ እንተሎ፡ ነቲ ዜባእሶም ጕዳይ ምፍታሑ ናይ ወለድኻ ሓላፍነት ደኣ እምበር ናትካ ኣይኰነን። እምበኣር፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ብሕታዊ ጕዳያት፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ‘ዕዮ ርእስኻ ኽትገብር’ እተዋህበ ምኽሪ ስዓቦ። (1 ተሰሎንቄ 4:11) ኣብ ባእሲ ጠብለቝ ኣይትበል።

ንወለድኻ ንሓድሕዶም ኣይተጋጭዎም። ገሊኦም መንእሰያት ንወለዶም ከም ዚጋጨዉ ብምግባር ኣብ ቈየቛ የእትውዎም እዮም። ኣዲኦም ሓደ ነገር ክትክልክሎም ከላ፡ ኣቦኦም ንኼፍቅደሎም ይልምንዎ። ብጕርሖም እተወሰነ ናጽነት ኪረኽቡ ይኽእሉ ይዀኑ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ግን ነቲ ኣብ ስድራ ቤቶም ዘሎ ግጭት እዩ ዜናውሖ።

ጠባዮም ንጠባይካ ኺጸልዎ ኣይተፍቅድ። ጴጥሮስ ዚበሃል መንእሰይ ነቲ ሃሳዪ ኣቦኡ ሕነ ንኺፈዲ ኢሉ ዘይክርስትያናዊ ኣካይዳ ይጥቀም ምንባሩ ኣስተውዓለ። “ክጐድኦ እየ ዝደሊ ነይረ። በቲ ንኣደይን ንዓይን ንሓብተይን ዝነበሮ ኣተሓሕዛ ብርቱዕ ቂም ሒዘ ነይረ” በለ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን፡ ጴጥሮስ ሳዕቤናት ተግባራቱ ኺስከም ነበሮ። ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧ ሕማቕ ጠባይ ነቲ ኣብ ቤትካ ዜጋጥመካ ዘሎ ጸገማት መሊሱ እዩ ዜጋድዶ።—ገላትያ 6:7

ካብዚ ኣብዛ ምዕራፍ እተጠቕሰ ነጥብታት፡ ልዕሊ ዅሉ ኽትዓየሉ እትደሊ ኣየናይ ምዃኑ ጽሓፍ።

ንወለድኻ ኸም ዘይቋየቑ ኽትገብሮም ኣይትኽእልን ኢኻ። ነቲ ባእሶም ዜምጽኣልካ ጭንቀት ምእንቲ ኽትክእሎ የሆዋ ኺሕግዘካ ኸም ዚኽእል ግን ምሉእ ዘይጕዱል ምትእምማን ይሃሉኻ።—ፊልጲ 4:6, 7፣ 1 ጴጥሮስ 5:7

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳባት ንኽትዓየሉ ዚከኣለካ ግበር። ምስ ግዜ፡ ወለድኻ ንጸገማቶም ንኺፈትሕዎ ዕቱብ ቈላሕታ ይገብሩሉ ይዀኑ። መን ይፈልጥ፡ ባእሶም እውን ይሓድግዎ ይዀኑ።

ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ

ሓደ ወላዲ ጥራይ ዜዕብየካ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ እዚ ዜምጽኦ ብድሆታት ብኸመይ ክትሰግሮ ትኽእል፧

[ቀንዲ ጥቕሲ]

ዘረባኹም . . . ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን።ቈሎሴ 4:6

ምኽሪ

ኣብ መንጎ ወለድኻ ዚፍጠር ባእሲ ተደጋጋምን ብርቱዕን እንተ ዀይኑ፡ ሓገዝ ኪደልዩ ብኣኽብሮት ሓሳብ ሃቦም።

ትፈልጥዶ፧

ዚፋቐሩ ሰባት ሓድሓደ ግዜ ኸይሰማምዑ ይኽእሉ እዮም።

መደባተይ

ወለደይ ኪቋየቑ እንተ ጀሚሮም፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․

ወለደይ ምስ ሓዲኦም ክውግን እንተ ሓቲቶምኒ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክብል እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

ገሊኦም ወለዲ ዚበኣሱ ስለምንታይ እዮም፧

ብጸገማት ወለድኻ ተሓታቲ ዘይኰንካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ንጠባይ ወለድኻ ብምዕዛብ እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧

[ኣብ ገጽ 201 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ወለደይ ፍጹማት ዘይምዃኖምን ከማይ ፈተናታት ከም ዘለዎምን ምግንዛበይ፡ ኪቋየቑ ኸለዉ ንኸይደሃል ሓጊዙኒ።’’—ካቲ

[ኣብ ገጽ 206, 207 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ወለደይ እንተ ተፈላልዮምከ፧

ወለድኻ እንተ ተፈላልዮም፡ ውሽጥኻ ሕርር ኵምትር ዚብል እኳ እንተ ዀነ፡ ከመይ ጌርካ ብጥበብ ክትመላለስ ትኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት ርአ፦

ዘይከውን ትጽቢታት ኣይተሕድር። ንወለድኻ ምትዕራቕ ፈለማ እትሓስቦ ነገር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣን ከምዚ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ፦ “ወለደይ ምስ ተፈላለዩ፡ ሓድሓደ ግዜ ብሓባር ኰይኖም ሒዞምና ንዙረት ይኸዱ ነይሮም። ኣነን ሓብተይን፡ ‘ንበይኖም ሓዲግናዮም ንጕየ’ ኢልና ሕሹዅሹዅ ንበሃሃል። እዚ ግን ኣይዓየየን። ፈጺሞም ኣይተዓረቑን።”

ምሳሌ 13:12፡ “ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ” ትብል። ኣብ ርእስኻ ዘየድሊ ጭንቀት ምእንቲ ኸይተምጽእ፡ ነቲ ወለድኻ ዚገብርዎ ኽትቈጻጸሮ ኸም ዘይትኽእል ዘክር። ጠንቂ መፈላለዪኦም ንስኻ ኣይኰንካን፡ ስለዚ ጣልቃ ብምእታው ከተተዓርቖም ኣይትኽእልን ኢኻ።—ምሳሌ 26:17

ጽልኢ ኣይተሕድር። ኣብ ልዕሊ ሓዲኦም ወይ ኣብ ልዕሊ ኽልቲኦም ወለድኻ፡ ኵራ ወይ ጽልኢ ምሕዳር፡ ንነዊሕ ግዜ ዚጸንሕ ጕድኣት ኬስዕበልካ ይኽእል እዩ። ቶም ነቲ ወዲ 12 ዓመት ከሎ ዝሓደሮ ስምዒት ክዝክር ከሎ፡ “ብኣቦይ ኣመና ተቘጣዕኩ። ‘ጽልኢ’ ኣሕዲረ እኳ እንተ ዘይበልኩ፡ ብርቱዕ ቂም ግን ሓደረኒ። ሓዲጉና ኸይዱ ኽነሱ ኸመይ ገይሩ እሓልየሎም ከም ዚብል ኪርድኣኒ ኣይከኣለን” በለ።

ምፍልላይ ዜጋጥም መብዛሕትኡ ግዜ ሓዲኡ ወላዲ ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ፡ ሓዲኡ ግን ምሉእ ብምሉእ ጌጋ ስለ ዝዀነ ኣይኰነን። ወለድኻ ብዛዕባ ሓዳሮም ወይ ምፍልላዮም ኵሉ ነገር ኣይነግሩኻን ይዀኑ፡ ንሳቶም ንባዕሎም እውን ኣይርድእዎን ይዀኑ። ስለዚ፡ ኵሉ ነገር ከይፈለጥካ ኣይትፍረድ። (ምሳሌ 18:13) ልክዕ እዩ፡ እቲ ነገር የቘጥዓካ ይኸውን፡ ንእተወሰነ እዋን ኣመና እንተ ጐሃኻ እውን ንቡር እዩ። እንተዀነ ግን፡ ቍጥዓን ሕነን ኣብ ልብኻ ምሓዝ፡ በብቝሩብ ንባህርያትካ ኺምርዞ ይኽእል እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግ” ዚብለና።—መዝሙር 37:8

ሚዛናዊ ኹን። ገሊኦም መንእሰያት ነቲ ዝረሓቖም ወላዲ ኣብ ክንዲ ዚጸልእዎ፡ ናብቲ ኻልእ ጫፍ ብምኻድ ዳርጋ የምልኽዎ። ንኣብነት፡ ኣቦ ሓደ መንእሰይ ንስድራ ቤቱ ብተደጋጋሚ ሓዲጉ ዝኸደ ሰታይን ዘዋርን እዩ ነይሩ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ምስ ሰበይቱ ተፋትሐ። ኰይኑ ግን፡ እቲ መንእሰይ ንእተወሰነ ግዜ፡ ንኣቦኡ ዳርጋ የምልኾ ኸም ዝነበረ ትዝ ይብሎ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ግጉይ ኣድንቖት ሳሕቲ ጥራይ ዜጋጥም ኣይኰነን። ኣብ ሓንቲ ሃገር፡ 90 ሚእታዊት ካብቶም እተፋትሑ ወለዲ ዘለዉዎም ውሉዳት፡ ምስ ኣዲኦም ዚነብሩ ዀይኖም፡ ንኣቦኦም በብግዜኡ ይበጽሕዎ እዮም። ስለዚ፡ ነቲ ንውሉዳት ዚወሃብ መዓልታዊ ኽንክን እትገብር፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣደ እያ፣ እዚ ድማ ተግሳጽ ምሃብ እውን የጠቓልል። ተቘራጺ እውን ዚግበረላ እንተ ዀነ፡ ቍጠባዊ ዅነታት እታ ኣደ ድሕሪ ፍትሕ ኣመና እዩ ዜንቈልቍል። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ቍጠባዊ ዅነታት እቲ ኣቦ ሓፍ ኪብል ይኽእል እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ቈልዑ ንኣቦኦም ኪበጽሕዎ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ህያባት ይዕደገሎም፡ ብዙሕ ድማ ይዘናግዑ። ምስ ኣዲኦም ኣብ ዜሕልፍዎ ህይወት ግን ሰናቲም የዋልዱ፡ ‘ከምዚ ግበር፡ ከምቲ ኣይትግበር’ ተባሂሉ ድማ ይንገሮም። እቲ ዜሕዝን፡ ገሊኦም መንእሰያት ምስ ዝሃብተመን ፈኖ ዚሓድጎምን ዘይኣማኒ ወላዲኦም ኪነብሩ ኢሎም ንክርስትያን ወላዲኦም ሓዲጎም እዮም።—ምሳሌ 19:4

ከምዚ ዝኣመሰለ ምርጫ ኽትገብር እንተ ተፈቲንካ፡ ቀዳምነት እትህቦ ነገራት መርምር። ስነ-ምግባራዊ መምርሕን ተግሳጽን ከም ዜድልየካ ዘክር። እዚ ድማ ካብቲ ሓደ ወላዲ ኬቕርቦ ዚኽእል ካልእ ነገራት ንላዕሊ ንባህርያትካን ንህይወትካን ብጽቡቕ ኪጸሉ ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 4:13

[ኣብ ገጽ 203 ዘሎ ስእሊ]

ንወለዱ ባእሶም ብኸመይ ከም ዚፈትሕዎ ዚነግሮም መንእሰይ፡ ከምቲ ንመራሕቲ ነፋሪት ብኸመይ ከም ዜብርሩ ዚነግሮም ተጓዓዛይ እዩ