ስለምንታይ እዩ ዓርከይ ጐዲኡኒ፧
ምዕራፍ 10
ስለምንታይ እዩ ዓርከይ ጐዲኡኒ፧
“ኬሪ ኣዝየ ዝቐርባ መሓዛይ እያ ነይራ። ማኪና ስለ ዘይነበራ፡ መዓልታዊ ድሕሪ ስራሕ እማልኣ ነይረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን፡ ትብለጸለይ ከም ዘላ ዀይኑ ኺስምዓኒ ጀመረ።
“ብሞባይላ እናተዛረበት ወይ መልእኽቲ እናለኣኸት ናብ ማኪናይ ትኣቱ። ኣመስጊና ኣይትፈልጥን፡ ንነዳዲ ውጽኢት ምግባር እውን ሓዲጋቶ። ዘረባኣ ኣሉታዊ ዀይኑ። ንነዊሕ እዋን ስቕ ኢለ ብምዕጋሰይ ኬሕርቐኒ ጀሚሩ።
“ሓደ መዓልቲ ንኬሪ ድሕሪ ስራሕ ክማልኣ ከም ዘይክእል ብልኡም መንፈስ ገለጽኩላ። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ምሳይ ግዜ ኸተሕልፍ ኣይደለየትን፣ እዚ ድማ ንምሕዝነታ በቲ ኻባይ እትረኽቦ ጥቕሚ ጥራይ ከም እትልክዖ ኣእመነኒ። እዚ ብሓቂ እዩ ጐዲኡኒ።!”—ኒኮል
ነቶም ትኽ ትንፋስ ዝነበሩ ኣዕሩኽ እኳ ኼጋጥሞም ይኽእል እዩ። ሓደ መዓልቲ ኺፈላለዩ ዘይክእሉ ዝነበሩ ኣዕሩኽ፡ ንጽብሒቱ ተሰጕዲሞም ትርእዮም። ኣብ መንጎ ጽቡቕ ዕርክነት ብሃንደበት ባእሲ ዚኣቱ ብኸመይ እዩ፧
● ጀረሚ ምስ ዓርኩ ዝነበሮ ርክብ እተለዋወጠ፡ ዓርኩ 1,600 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ርሒቑ ምስ ከደ እዩ። “ዓዲ ምስ ቀየረ፡ ደዊሉ ኣይፈልጥን፡ እዚ ኸኣ ብሓቂ እዩ ኣጕህዩኒ” በለ።
● ካረን ባህርያት እታ ንሓሙሽተ ዓመት ትኽ ትንፋስ ዝነበረት መሓዛኣ ኺቀያየር ኣስተብሃለት። “ጠባያን ዘረባኣን ኬተሓሳስበኒ ጀመረ። ብዛዕባ እቲ ዜገድሰኒ ነገራት ናይ ነቐፌታን ንዕቀትን ኣረኣእያ ኸተሕድር ጀመረት። ነቲ ጕዳይ ተዘራሪብና ኽንፈትሖ ምስ ፈተንና፡ ተመጻዳቒትን ጠላምን ከም ዝዀንኩ ነቐፈትኒ፡ ምሕዝነትና እውን ጽቡቕ ከም ዘይኰነ ነገረትኒ!” በለት።
● ግሎሪያ ዝነበራ ጥብቂ ምሕዝነት ብዘይ ገለ መጠንቀቕታ እዩ ኣብቂዑ። “ኣብ ፈለማ ጽቡቕ ስኒት ነበረና፡ ከም ሓብቲ ኸም ዝዀንክዋ እውን ነገረትኒ። ድሕሪኡ ብሃንደበት ዕባራ ምኽንያት እናኣቕረበት ምሳይ ግዜ ምሕላፍ ገደፈቶ” በለት።
● ዳርያ ንሎራ፡ ዓርካ ምስ ኣሕደገታ፡ ምሕዝነት ሎራን ዳርያን ተበላሸወ። ብዛዕባ እዚ ሎራ ኽትገልጽ ከላ፡ “ኣነን ንሱን ዕርክነት ጀሚርና እኳ እንተ ነበርና፡ ምስኡ ንሰዓታት ብተሌፎን ተዕልል። ዝፈትዋ መሓዛይ እያ ጠሊማትኒ፡ ብሓንሳእ ከኣ ነቲ ኺምርዓወኒ ዚኽእል ዝነበረ ወድን ንመሓዛይን ሰኣንኩ” በለት።
እቲ ጸገም እንታይ እዩ፧
ዘይጋገ ሰብ ስለ ዘየለ፡ ፈታዊኻ እውን ይውዓል ይሕደር ዚጐድኣካ ነገር ምግባሩ ዘይተርፍ እዩ። ንስኻ እውን ንኻልኦት ዝጐዳእካሉ ግዜ ትዝ ይብለካ ይኸውን። (መክብብ 7:22) ሊሳ እትበሃል ጓል፡ “ኵላትና ዘይፍጹማት ኢና፡ ሓሓሊፉ ድማ ምፍሕፋሕና ዘይተርፍ እዩ” በለት። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ብሰንኪ ንኣሽቱ ዘይምርድዳኣት ዚፍጠር ነቓዕ፡ ብሕጽር ዝበለ ልዝብ ኪጽገን ይከኣል እዩ።
ኣብ ካልእ እዋናት ግን፡ ኣብ መንጎ ዕርክነት ነቓዕ ዚፍጠር፡ ብሰንኪ ኣብ ሓደ እዋን ዜጋጥም ዘይምርድዳእ ዘይኰነስ፡ እቶም ኣዕሩኽ በብቝሩብ እናተለወጡ ስለ ዝኸዱ እዩ። እናዓበኻ ምስ ከድካ፡ ንዓኻ ይኹን ንኣዕሩኽካ ዜገድሰኩም ነገራት ከም ዚቀያየር ኣይትረስዕ። ንስኻን ዓርክኻን ትረሓሓቑ ኸም ዘለኹም እንተ ተሰሚዑካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ንዕርክነት ብኸመይ ከም እትጽግኖ
እትፈትዎ ኽዳንካ ተቐዲዱካዶ ይፈልጥ፧ እሞኸ ሽዑ እንታይ ጌርካ፧ ደርቢኻዮዶ ወይስ ሰፊኻዮ፧ እቲ እተቐደሉ መገድን ዓይነት እቲ ዓለባን ነቲ እትገብሮ ውሳነ ኸም ዚጸልዎ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ነቲ ኽዳን ኣጸቢቕካ ትፈትዎ a
እንተ ኔርካ፡ ዚሽቀጠሉ መገዲ ኣናዲኻ ትኸውን ኢኻ። ነቓዕ ዝኣተዎ ዕርክነት እውን ምስዚ ኣጸቢቑ ይመሳሰል እዩ። ነቲ ነቓዕ ንምጽጋን እትገብሮ ውሳነ ኣብቲ ዘጋጠመ ጸገምን ኣብቲ ነቲ ርክብ ዘሎካ ግምትን እዩ ዚምርኰስ።ንኣብነት፡ ዓርክኻ ብዘረባኡ ወይ ብተግባሩ እንተ ጐዲኡካ፡ ነቲ ኣብ መዝሙር 4:4 ዚርከብ፡ “ኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉን” ዚብል ምኽሪ ብምስዓብ ነቲ ጸገም ክትሽፍኖ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ ነቲ ዕርክነትኩም ቅድሚ ምፍራስካ፡ ተጠንቂቕካ ሕሰብ። ኰነ ኢሉ ድዩ ጐዲኡካ፧ ርግጸኛ ኽትከውን እንተ ዘይክኢልካ፡ ዓርክኻ ኽፉእ ከም ዘይሓሰበ ጌርካ ስለምንታይ ዘይትወስዶ፧ ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት፡ “ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ።”—1 ጴጥሮስ 4:8
ንስኻ ነቲ ጸገም ኣበርክቶ ጌርካ ኸይትኸውን እውን ክትምርምር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ዓርክኻ ዝነገርካዮ ምስጢር ንኻልእ እንተ ነጊሩ፡ ምናልባት ኣብ ፈለማ ኺዓቝሮ ዘይክእል ምስጢር ስለ ዘሰከምካዮ ደዀን ይኸውን፧ ምናልባት ዘረባ ብምብዛሕካ ወይ ዕሽነት ብምዝራብካ፡ ባዕልኻ ንርእስኻ ኣደዳ ላግጺ ጌርካያ እንተ ዄንካ እውን ምሳሌ 15:2) ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ‘ዓርከይ ምእንቲ ኬኽብረኒ ለውጢ ኽገብር የድልየኒ ድዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።
ክትሓስበሉ ኣሎካ። (“ክንዘራረበሉዶ፧”
ነቲ ጕዳይ ዕሽሽ ኢልካ ኽትሓልፎ ዘይትኽእል ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካኸ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንዓርክኻ ኸተዘራርቦ ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ሓሪቕካ ኸለኻ ኸይተዘራርቦ ተጠንቀቕ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኰራዪ ሰብ ቈየቛ የልዕል፡ ዓቃል ግና ባእሲ የህድእ” ይብል። (ምሳሌ 15:18) ስለዚ፡ ነቲ ጕዳይ ኽትፈትሕ ቅድሚ ምፍታንካ፡ ክሳዕ እትዝሕል ጽናሕ።
ንፈታዊኻ ኸተዘራርቦ ኸለኻ፡ ዕላማኻ “ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ” ንምፍዳይ ከም ዘይኰነ ኣይትረስዕ። (ሮሜ 12:17) ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ጸገም ንምፍታሕን ዕርክነትኩም ናብ ቀደሙ ንምምላስን ኢኻ እተዘራርቦ። (መዝሙር 34:14) ስለዚ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ኣውጺእካ ኣዘራርቦ። “ኣዕሩኽ ስለ ዝዀንና፡ ነዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ጕዳይ ክንዘራረበሉዶ፧” ክትብሎ ትኽእል ኢኻ። ጠንቂ እቲ ጸገም ምስ ፈለጥካዮ፡ ነቲ ኣብ ዕርክነትኩም እተፈጥረ ነቓዕ ንምጽጋኑ ቐሊል ኪዀነልካ ይኽእል እዩ። ዋላ እውን ዓርክኻ ኼዘራርበካ ፍቓደኛ እንተ ዘይኰነ፡ ሰላም ንምፍጣር ከም ዝፈተንካ ምፍላጥካ ንሕልናኻ ዕረፍቲ ኼምጽኣሉ እዩ።
‘ናይ ገለ ሰባት ዕርክነት ጠፋኣይ እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኦም ኣዕሩኽ ግና ኻብ ሓው ዝበለጸ ኸም ዚእመኑ’ ኣይትጠራጠር። (ምሳሌ 18:24 ትርጕም 1990) እቲ ብሉጽ ዚበሃል ዕርክነት እውን እንተ ዀነ፡ ጸገም ከም ዜጋጥሞ ኣይከሓድን እዩ። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙ፡ ነቲ ርክብኩም ንምጽጋኑ ዚከኣለካ ዘበለ ግበር። ንእተፈጥረ ዘይምስምማዓት ንምድቃሱ ፍቓደኛ ምዃንካ፡ ትበስል ከም ዘለኻ እዩ ዜርኢ።
ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ 1ይ ጥራዝ፡ ኣብ ምዕራፍ 8 እውን ኣንብብ
ገሊኦም መዛኑኻ ንሰዓታት ብኢንተርነት ይዘራረቡ። እንታይ ዚስሕብ ነገር ስለ ዘለዎ እዮም ከምኡ ዚገብሩ፧
[እግረ-ጽሑፍ]
a ንገሊኦም ብጾትካ ኸም ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ጌርካ ኽትሕዞም ኣይትደልን ትኸውን። ብፍላይ ኣካይዳኦም፡ ሓደ ክርስትያን ኪገብሮ ዘይግባእ እንተ ዀይኑ፡ ከምዚ ዓይነት ውሳነ ኽትውስን ትኽእል ኢኻ።—1 ቈረንቶስ 5:11፣ 15:33
[ቀንዲ ጥቕሲ]
“ዚከአል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።”—ሮሜ 12:18
ምኽሪ
ተሃዊኽካ ኣብ መደምደምታ ቕድሚ ምብጻሕካ፡ ነቲ ዓርክኻ ዚነግረካ ስምዓዮ።—ምሳሌ 18:13
ትፈልጥዶ፧
ጽቡቕ ርክብ ዘለዎም ሰባት፡ ምስ ብጻዮም ኣብ ዘለዎም ቅርርብ በቦታኦም ይሕልዉ እዮም። (ምሳሌ 25:17) ብኣንጻሩ ግን፡ ዓርክኻ ንዅሉ ግዜኡን ቈላሕታኡ ኺህበካ ትጽበ እንተ ዄንካ፡ ንዕርክነትኩም ኬበላሽዎ ይኽእል እዩ።
መደባተይ
ንዓርከይ ብዛዕባ እቲ ዝጐድኣኒ ነገር ከዘራርቦ እንተ ደልየ፡ ንዘረባይ በዚ ዚስዕብ ክጅምሮ እየ፦ ․․․․․
በቲ ዓርከይ ዝገበሮ ኣብ ዝሓርቀሉ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምግባር ሰላም ክዕቅብ እየ፦ ․․․․․
ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․
እንታይ ይመስለካ፧
● ሓድሓደ ግዜ ኣዕሩኽ ዚረሓሓቑ ስለምንታይ እዮም፧
● እንታይ ዓይነት በደላት እዩ ባዕልኻ ኸተደቅሶ እትውስን፧ እንታይ ዓይነት በደላትከ እዩ ምስቲ ዝጐድኣካ ዓርክኻ እትዘራረበሉ፧
● ዓርክኻ ኣብ ዚጐድኣካ እዋን ካብ እተሕልፎ ተመክሮ፡ እንታይ ጠቓሚ ትምህርቲ ኽትረክብ ትኽእል፧
● ዓርክኻ ምእንቲ ኸይጐድኣካ፡ ኣቐዲምካ እንታይ ጥንቃቐታት ክትገብር ትኽእል፧
[ኣብ ገጽ 95 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ከም ብሓድሽ እንተ ዝጅምር፡ ካብ ዕርክነትና ፍጽምና ኣይምተጸበኹን። ብዝያዳ ምሰማዕክዎ፡ ደገፈይ ምሃብክዎ፡ ጕድለታቱ እውን ኣይመጕላሕኩን። ጽቡቕ ዕርክነት ንኺህሉ፡ ፈተናታትን ብድሆታትን ኪስገር ከም ዘለዎ ሕጂ ተረዲኡኒ።’’—ኪኖን
[ኣብ ገጽ 94 ዘሎ ስእሊ]
ከምቲ ኽዳን ዚቕደድ፡ ኣብ ዕርክነት እውን ነቓዕ ኪፍጠር ይኽእል እዩ፣ እንተዀነ ግን፡ ከምቲ ኽዳን ዚስፈ፡ ዕርክነት እውን ኪጽገን ይኽእል እዩ