ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከመይ ገይረ ገንዘብ ክረክብ እኽእል፧

ከመይ ገይረ ገንዘብ ክረክብ እኽእል፧

ምዕራፍ 18

ከመይ ገይረ ገንዘብ ክረክብ እኽእል፧

“ማኪና ንምዕዳግ ገንዘብ የድልየኒ።”—ሰርዦ

“ምዕዳግ እፈቱ እየ።”—ሎሪ-ኣን

“ጽቡቕ ነገራት ርእየ ኣለኹ፡ ኪህልወኒ እውን ምደለኹ፣ ወለደይ ግን ዓቕሚ የብሎምን።”—ሚካኤል

ገንዘብ ክትረክብ ዝደለኻሉ ተመሳሳሊ ምኽንያታት ይህልወካ ይኸውን። ወይ ድማ ምናልባት ንስድራ ቤትካ ንምሕጋዝ ገንዘብ ክትረክብ የድልየካ ይኸውን። ዋላ እውን ንወጻኢታት ገዛኹም ብቐጥታ እንተ ዘየዋጻእካ፡ ክዳውንትኻ ወይ ካልእ ብሕታዊ ነገራት ባዕልኻ ምዕዳግካ ንወለድኻ ብእተወሰነ መዳይ ጾር ኬፍኵሰሎም ይኽእል እዩ።

ዝዀነ ዀይኑ፡ ንርእስኻ ዀነ ንስድራ ቤትካ ሓደ ነገር ክትዕድግ እንተ ዄንካ፡ ገንዘብ የድልየካ እዩ። ኣምላኽ ነቶም ‘ቅድም መንግስቱ ዚደልዩ’ ዘበሉ ዜድልዮም ከም ዜማልኣሎም የሱስ እኳ እንተ ተመባጽዐ፡ ሓደ ክርስትያን ንርእሱ ዜድልዮ ንምምላእ ተበግሶ ኺወስድ ኣለዎ። (ማቴዎስ 6:33፣ ግብሪ ሃዋርያት 18:1-3፣ 2 ተሰሎንቄ 3:10) ስለዚ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ገንዘብ ክትረክብ እትኽእል፧ ብዛዕባ ገንዘብከ ከመይ ጌርካ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽትሕዝ ትኽእል፧

ብኸመይ ስራሕ ከም እትረክብ

ካብቲ ዓቕሚ ወለድኻ ንላዕሊ ዝዀነ ነገር ብሓቂ እንተ ኣድልዩካ፡ ባዕልኻ ንኽትዕድጎ ዜኽእለካ ገንዘብ ንምርካብ ስራሕ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ሓሳብካ ንወለድኻ ኣዘራርቦም። በቲ ተበግሶኻ ኺምሰጡ ይኽእሉ እዮም። ንሳቶም እንተ ተሰማሚዖምሉን ስራሕ ምስራሕካ እውን ሕጋዊ እንተ ዀይኑን፡ ስራሕ ንኽትረክብ ዚሕግዘካ ኣርባዕተ ሓሳባት እንሆ።

ንኻልኦት ንገር። ንጐረባብትኻን ንመምህራንካን ንኣዝማድካን ስራሕ ትደሊ ኸም ዘለኻ ንገር። ብቐጥታ ምንጋሮም እንተ ኣሕፊሩካ፡ ኣብ ናትካ ዕድመ እንታይ ዕዮ ይዓዩ ምንባሮም ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ። ስራሕ ትደሊ ኸም ዘለኻ ዚፈልጡ ሰባት እናበዝሑ ብዝኸዱ መጠን፡ ዝያዳ ኣጋጣሚታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ንዅሉ ኣጋጣሚታት ተጠቐመሉ። ነቲ ኣብ ጋዜጣ፡ ኣብ ኢንተርነት፡ ከምኡውን ኣብቲ ኣብ ድኳናትን ኣብ ቤት ትምህርትኻን ኣብ ካልእ ህዝባዊ ቦታታትን ዚርከብ ሰሌዳታት ሓበሬታ ዚወጽእ ምልክታታት ንደለይቲ ስራሕ ምላሽ ሃበሉ። ዳዊት ዚበሃል መንእሰይ፡ “ብኸምዚ እየ ስራሕ ረኺበ። ኣብ ጋዜጣ ተኸታቲለ፡ ብዛዕባ ብቕዓታተይ ዚገልጽ ወረቐት እሰደሎምን ተሌፎን እድውለሎምን ነይረ” በለ። በዚ ኸምዚ እንተ ዘይሰሊጡካ፡ ባዕልኻ ናብ ሓደ ኣስራሒ ኼድካ፡ እተወሰነ ኣገልግሎታት ከተቕርበሉ ኸም እትኽእል ከተእምኖ ትኽእል ትኸውን።

ብቕዓታትካ ኣብ ወረቐት ጽሒፍካ በትን። ኣብ ወረቐት ኣድራሻኻን ክእለታትካን ተመክሮኻን ዘርዝር። ዋላ ሓደ እትዝርዝሮ ዘይብልካ ዀይኑዶ ተሰሚዑካ፧ ሕስብ እሞ ኣብል። ወለድኻ ኣብ ዘይህልዉሉ እዋን ንምንኣስካ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኣሊኻዶ ትፈልጥ፧ ወይ ንኻልኦት ሰባት ደቆም ሓሊኻሎምዶ ትፈልጥ፧ እዚ ሓላፍነት ዚስምዓካ ምዃኑ የርኢ። ንኣቦኻ ማኪና ንኼዐሪ ሓጊዝካዮዶ ትፈልጥ፧ ምናልባት እዚ መካኒካዊ ነገራት ኣብ ምጽጋን ተውህቦ ኸም ዘሎካ ይሕብር ይኸውን። ኣብ ኮምፕዩተር ብኸመይ ከም እትጽሕፍ ወይ ነታ ኮምፕዩተር ብኸመይ ከም እትጥቀመላ ትፈልጥዶ፧ ወይ ከኣ ኣብ ትምህርቲ ብዝዓየኻዮ ፍሉይ ነገር ጽቡቕ ነጥቢ ረኺብካዶ ትፈልጥ፧ ኣስራሕቲ ነዚ ኺፈትውዎ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ነጥብታት እዚ ኣብቲ ብቕዓታትካ ዚገልጽ ወረቐት ኣስፍሮ። ነቲ ወረቐት ንኣስራሕቲ ዓድሎም፡ ንኣዕሩኽካን ኣዝማድካን እውን ንዚፈልጥዎም ኣስራሕቲ ኺብትኑልካ ሕተቶም።

ስራሕ ፍጠር። ብዛዕባ እቲ እትነብረሉ ኸባቢ ሕሰብ። ኣብቲ ኸባቢ ዜድሊ፡ ዋላ ሓደ ግን ዘየቕረቦ ነገራት ወይ ኣገልግሎታት ኣሎዶ፧ ንኣብነት፡ እንስሳታት ትፈቱ እንተ ዄንካ፡ ደርሁ ዓዲግካ ኸተፋሪ ትኽእል ኢኻ። ምስ በዝሓ፡ ክትሸጠን ትኽእል ኢኻ። ወይ መሳርሒ ሙዚቃ ኽትወቅዕ ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዚጻወቱ ኽትምህሮም ትኽእልዶ፧ ወይ ከኣ ከም ጫማ ምዕራይ ዝኣመሰለ፡ ካልኦት ኪገብርዎ ዘይደልዩ ስራሓት ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ክርስትያን ብኣእዳዉ ምስራሕ ኣየሕፍሮን እዩ። (ኤፌሶን 4:28) ልክዕ እዩ፡ ባዕልኻ ስራሕ እንተ ፈጢርካ፡ ተበግሶ ንምውሳድ ፍቓደኛ እትኸውንን ባዕልኻ እትለዓዓልን ርእስኻ እትግስጽን ክትከውን ይሓተካ እዩ።

ንዅሉ ወጻኢታትን ረቛሒታትን ከይመርመርካ፡ ተጓይኻ ናይ ርእስኻ ስራሕ ኣይትጀምር። (ሉቃስ 14:28-30) ፈለማ፡ ምስ ወለድኻ ተዘራረበሉ። ተመሳሳሊ ስራሕ ንዝሰርሑ ኻልኦት ሰባት እውን ኣዘራርብ። ግብሪ ክትከፍል የድልየካዶ ይኸውን፧ ፍቓድ ዋኒን የድልየካዶ ይኸውን፧ ነቶም ዚምልከቶም ሰበ-ስልጣን ኣዘራርብ።—ሮሜ 13:1

ሚዛንካ ሓሉ

ከም ቦርሳን ኵዕሶን ኣስቤዛ ዝመልአ ኸረጺታትን ሒዝካ ብሽክለታ ኽትዝውር ከም እትፍትን ጌርካ እሞ ሕሰብ። ዝያዳ ኣቕሑ ኽትስከም ብዝፈተንካ መጠን፡ ሚዛንካ ንኽትሕሉ ብዝያዳ እዩ ዜጸግመካ! ልዕሊ ዓቕምኻ ዝዀነ ስራሕ ምሓዝ እውን ከምኡ እዩ። ድሕሪ ትምህርቲ ኣብ እትሰርሖ ስራሕ ብዙሕ ግዜኻን ጕልበትካን እንተ ኣጥፊእካ፡ ጥዕናኻን ትምህርትኻን እዩ ዚጕዳእ። እቲ ዝኸፍአ ኸኣ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምስታፍን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባርን ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ምክፋልን የጸግመካ። ሚሸል ዝስማ መንእሰይ፡ “ኣብ ቤት ትምህርትን ስራሕን ድሕሪ ምውዓለይ ብምድካመይ፡ ካብ ኣኼባታት በዂረ እየ” ኢላ ተኣመነት።

ብዛዕባ ገንዘብ ዘሎካ ኣረኣእያ፡ በዚ ኸምዚ ሚዛኑ ኺስሕት ኣይተፍቅድ! ናይ ሓቂ ሓጐስ፡ ‘መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልየካ ብምግንዛብ’ ከም ዚርከብ የሱስ ተዛሪቡ እዩ። (ማቴዎስ 5:3 NW) “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን” እውን ኢሉ እዩ። (ሉቃስ 12:15) ሞሪን እትበሃል ጐርዞ ነዚ ምኽሪ እዚ ስዒባ እያ። ንሳ ኸምዚ በለት፦ “ብፍቕረ-ንዋያዊ ሸቶታት ክወሓጥ ኣይደልን እየ። ገንዘብ ኣብ ምርካብ ጥራይ እንተ ኣተኲረ፡ መንፈሳውነተይ ከም ዚበላሾ እፈልጥ እየ።”

ሓቂ እዩ፡ ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ዓለም፡ መንእሰያት ንስድራ ቤቶም ንምሕጋዝ፡ ንነዊሕ ሰዓታት ካብ ምስራሕ ሓሊፉ ኻልእ ኣማራጺ የብሎምን። ንስኻ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንተ ዘየሊኻ ግን፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ስለምንታይ ሚዛንካ እትስሕት፧ ትምህርቲ እናተመሃርካ ልዕሊ 20 ሰዓት ኣብ ሰሙን ምስራሕ፡ መጠኑ ዝሓለፈን ጐዳእን ምዃኑ መብዛሕትኦም ክኢላታት ይሰማምዑሉ እዮም። ገሊኦም ከኣ ካብ ሸሞንተ ኽሳዕ ዓሰርተ ሰዓት ኣብ ሰሙን ምስራሕ እኹል ምዃኑ ሓሳብ ይህቡ እዮም። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ካብ ምሉእ ሕፍኒ ምስ ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይንሲ ሓንቲ ዕሙዅቲ ምስ ዕረፍቲ ይሐይሽ” በለ።—መክብብ 4:6

“ምዕሻው ሃብቲ” ነቲ ንመንፈሳዊ ነገራት ዝነበረካ ተገዳስነት ኪሓንቆ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ። (ማርቆስ 4:19) ስለዚ፡ ገንዘብ ንምርካብ ድሕሪ ትምህርቲ ስራሕ ክትሰርሕ እንተ ጀሚርካ፡ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ቀዳምነት ብዚህብ መገዲ ንመደባትካ ኣተዓራሪ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ጸሊ። ነቲ ጸቕጢ ንኽትጻወሮ ኼበርትዓካን መንፈሳዊ ሚዛንካ ንኽትሕሉ ኺሕግዘካን ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ 1ይ ጥራዝ፡ ኣብ ምዕራፍ 21 እውን ኣንብብ

ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ

ንገንዘብካ ንስኻ ዲኻ እትቈጻጸሮ ወይስ ንሱ እዩ ዚቈጻጸረካ፧ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ ርአ።

[ቀንዲ ጥቕሲ]

ሃካይ ይምነ እሞ ኣይረክብን፥ ትጉሃት ግና ዝደለይዎ ዘበለ ይረኽቡ።ምሳሌ 13:4 ትርጕም 1990

ምኽሪ

ኩባንያታት፡ ምልክታ ንደለይቲ ስራሕ ኬውጽኣ ኸይተጸበኻ፡ ብዛዕባ ብቕዓታትካ ዚገልጽ ወረቐት ልኣኽ።

ትፈልጥዶ፧

ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ክሳዕ 85 ሚእታዊት ክፉት ቦታታት ስራሕ ኣብ ምልክታ ኣይወጽእን እዩ።

መደባተይ

ከምዚ ዚስዕብ ብምግባር ስራሕ ንምርካብ ዘሎኒ ዕድል ከስፍሕ እየ፦ ․․․․․

እንተ በዝሐ ኣብ ሰሙን ሰዓት ጥራይ ክሰርሕ እየ። ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

ንምንታይ ኢኻ ገንዘብ ክትረክብ ዜድልየካ፧

ስራሕ እንተ ሒዝካ፡ እንታይ ብድሆታት ኬጋጥመካ እዩ፧

ብዛዕባ ገንዘብ ከመይ ጌርካ ኢኻ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽትሕዝ እትኽእል፧

[ኣብ ገጽ 153 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ሓጐስካ ወትሩ ኣብ እትውንኖ ነገር ዚምርኰስ እንተ ዀይኑ፡ ፈጺምካ ኣይትሕጐስን ኢኻ። ሓድሽ እትደልዮ ነገር ወትሩ ኣይሰኣንን እዩ። በቲ ዘሎካ ምሕጓስ ክትመሃር ኣሎካ።’’—ዮናታን

[ኣብ ገጽ 155 ዘሎ ሳጹን]

ንገንዘብ ኣኽብሮ ደኣ እምበር ኣይተፍቅሮ

በሊሕ ካራ ኣብ ኢድ ክኢላ ኸሻኒ ኺኣቱ ኸሎ፡ ጠቓሚ መሳርሒ እዩ ዚኸውን። ኣብ ኢድ ዘይምኩር ወይ ዘይጥንቁቕ ሰብ እንተ ኣትዩ ግን፡ ከቢድ ጕድኣት ኬውርድ ይኽእል እዩ። ገንዘብ ከም በሊሕ ካራ እዩ። ኣጠቓቕማኡ እንተ ፈሊጥካሉ፡ ጠቓሚ መሳርሒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተ ዘይተጠንቂቕካ ግን፡ ኪጐድኣካ ይኽእል እዩ! ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ፍቕሪ ገንዘብ ከይነሕድር ኣጠንቂቑ ኣሎ። ገሊኦም ደድሕሪ ሃብቲ ኺጐዩ ኺብሉ፡ ዕርክነቶም፡ ምስ ስድራ ቤቶም ዝነበሮም ርክብ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ ከፊሎም እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ‘ናብ ርእሶም ብዙሕ ስቓይ የምጽኡ።’ (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ትረክብ፧ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ፍለጠሉ። ኣኽብሮ ደኣ እምበር ኣይተፍቅሮ።

[ኣብ ገጽ 153 ዘሎ ስእሊ]

ልዕሊ ዓቕምኻ ሓላፍነታት እንተ ተሰኪምካ፡ ሚዛንካ ንምሕላው ኣጸጋሚ ኪዀነካ ይኽእል