ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 6

ዚሰብኩ ህዝቢ—ኣገልገልቲ ፈትዮም ገዛእ ርእሶም የቕርቡ

ዚሰብኩ ህዝቢ—ኣገልገልቲ ፈትዮም ገዛእ ርእሶም የቕርቡ

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

እቲ ንጉስ፡ ዚሰብኩ ሰራዊት ይውድብ

1, 2. የሱስ ብዛዕባ እንታይ ዓብዪ ዕዮ እዩ ተነብዩ፧ እንታይ ኣገዳሲት ሕቶኸ እያ እትለዓል፧

 ፖለቲካውያን ገዛእቲ፡ ዘይፍጸም ተስፋታት ይህቡ እዮም። እቶም ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም ዚዓይዩ ገዛእቲ እውን ከይተረፉ፡ ዚህብዎ ተስፋታት ንምፍጻም ዓቕሚ ኸይህልዎም ይኽእል እዩ። እቲ መሲሓዊ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ግና፡ ወትሩ ቓሉ ዚሕሉ ምዃኑ ዜሐጕስ እዩ።

2 የሱስ ብ1914 ንጉስ ምስ ኰነ፡ ነቲ 1,900 ዓመት ይገብር እተዛረቦ ትንቢት ኪፍጽሞ ተዳለወ። ቀቅድሚ ሙማቱ፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ . . . ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” ኢሉ ተነብዩ ነበረ። (ማቴ. 24:14) ፍጻመ እዘን ቃላት እዚአን፡ ክፍሊ እቲ ነቲ ብሓይሊ መንግስቱ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ዚሕብር ምልክት እዩ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ሓንቲ ኣገዳሲት ሕቶ የበግስ እዩ። ሰብ ጥቕሚ ርእሱ ኣብ ዚደልየሉን ፍቕሪ ኣብ እትጠፍኣሉን ሃይማኖት ዕሽሽ ኣብ ዚብሃለሉን ዳሕሮት መዓልትታት፡ እቲ ንጉስ ከመይ ገይሩ እዩ ብፍታዎም ዚሰብኩ ሰራዊት ዚውድብ፧ (ማቴ. 24:12፣ 2 ጢሞ. 3:1-5) መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንዅሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዚምልከት ስለ ዝዀነ፡ ክንፈልጦ ንደሊ ኢና።

3. የሱስ እንታይ ምትእምማን ከም ዘለዎ እዩ ዝገለጸ፧ ከምዚ ዝበለ ምትእምማንከ ኻበይ እዩ ረኺብዎ፧

3 ነቲ ትንቢታዊ ቓል የሱስ እሞ ኸም ብሓድሽ ርኣዮ። እተን “ኪስበኽ እዩ” ዚብላ ቓላት ምትእምማን ዜንጸባርቓ ደይኰናን፧ እወ፡ ምትእምማን ከም ዝነበሮ እየን ዜርእያ። የሱስ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ብፍታዎም ዚድግፍዎ ኸም ዚህልዉ ርግጸኛ ነበረ። ከምዚ ዝበለ ምትእምማን ካበይ እዩ ረኺብዎ፧ ካብ ኣቦኡ እዩ ተማሂርዎ። (ዮሃ. 12:45፣ 14:9) የሱስ ኣብቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበሮ ህይወት፡ ንየሆዋ ይዕዘቦ ነይሩ እዩ፣ የሆዋ ኸኣ ኣምለኽቱ ብፍታዎም ከም ዚመጹ ይተኣማመን ነይሩ እዩ። የሆዋ ነዚ ምትእምማን እዚ ብኸመይ ከም ዝገለጾ እስከ ንርአ።

“ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ”

4. የሆዋ ንእስራኤላውያን እንታይ ዕዮ ኺድግፉ እዩ ጻውዒት ኣቕሪቡሎም፧ ንሳቶምከ እንታይ ምላሽ ሂቦም፧

4 የሆዋ ንሙሴ፡ ንህዝቢ እስራኤል ማእከል ኣምልኾ ዚኸውን ማሕደር ወይ ድንኳን ኪሰርሕ ምስ ኣዘዞ ዝዀነ ነገር እሞ ሕስብ ኣብል። የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ነቲ ዕዮ ኺድግፍ ጻውዒት ኣቕረበ። ሙሴ ኸኣ፡ “ነፍሲ ወከፍ ፍታው ልቢ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ህያብ የምጽእ” በሎም። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ እቶም ህዝቢ “ናይ ፍታው ህያቦም . . . ንግሆ ንግሆ የምጽኡ ነበሩ።” ኣዝዩ ብዙሕ ስለ ዘምጽኡ፡ ደጊም “ከየምጽኡ ተኸልከሉ።” (ዘጸ. 35:5፣ 36:3, 6) እስራኤላውያን ከምቲ የሆዋ እተኣማመነሎም ኰይኖም እዮም ተረኺቦም።

5, 6. ብመሰረት መዝሙር 110:1-3፡ የሆዋን የሱስን ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ግዜ መወዳእታ ዚህልዉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ፡ እንታይ መንፈስ ኪረኽቡ እዮም እተጸበዩ፧

5 የሆዋ ኣብቶም ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ዚህልዉ ኣምለኽቱ፡ ከምዚ ዝበለ ናይ ፍታው መንፈስ ኪህሉ ተጸብዩ ድዩ፧ እወ! ካብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ እተወልደሉ ዝያዳ 1,000 ዓመት ኣቐዲሙ፡ የሆዋ ንዳዊት፡ ብዛዕባ እቲ መሲሕ ኪገዝእ ዚጅምረሉ ግዜ ኺጽሕፍ ብመንፈሱ ደረኾ። (መዝሙር 110:1-3 ኣንብብ።) እቲ ሓድሽ ዚነግስ ንጉስ የሱስ፡ ዚጻረርዎ ጸላእቲ ኺህልውዎ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ዚድግፍዎ ሰራዊት እውን ኪህልውዎ እዮም። ንሳቶም ነቲ ንጉስ ንምግልጋል ኣይኪግደዱን እዮም። እቶም መንእሰያቶም እውን ከይተረፉ ፈትዮም እዮም ዚመጹ፣ ኣዝዮም ብዙሓት ብምዃኖም ድማ ምስቲ ኣብ ወጋሕታ ንምድሪ ዚሽፍና ኣውሊ ተመሳሲሎም ኣለዉ። a

ብፍታዎም ዚድግፉ ደገፍቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ከም ኣውሊ ብዙሓት እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)

6 የሱስ እቲ ኣብ መዝሙር 110 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት ንዕኡ ኸም ዚምልከት ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 22:42-45) ስለዚ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ነቲ ብስራት ኪሰብኩ ፈትዮም ዚመጹ እሙናት ደገፍቲ ኸም ዚህልውዎ ንምትእምማን ዜኽእል ምኽንያት ነበሮ። እሞኸ ታሪኽ እንታይ እዩ ዚሕብር፧ እቲ ንጉስ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብሓቂዶ ብፍታዎም ዚሰብኩ ሰራዊት ወዲቡ እዩ፧

“ነቲ መልእኽቲ እቲ ምእዋጅ . . . ፍሉይ መሰለይን ግዴታይን እዩ”

7. የሱስ ምስ ነገሰ፡ ንደገፍቱ፡ ነቲ ዚመጽእ ዕዮ ንምድላው እንታይ ስጕምትታት ወሰደ፧

7 የሱስ ድሕሪ ምንጋሱ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንሰዓብቱ፡ ነቲ ሰፊሕ ዕዮ ንምድላው ስጕምትታት ወሰደ። ኣብ ምዕራፍ 2 ኸም ዝረኣናዮ፡ ካብ 1914 ክሳዕ መጀመርታ 1919፡ ናይ ምምርማርን ናይ ምጽራይን ዕዮ ዓየየ። (ሚል. 3:1-4) ድሕሪኡ፡ ብ1919፡ ነቲ እሙን ባርያ፡ ንሰዓብቱ ኺመርሖም ሸሞ። (ማቴ. 24:45) ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር፡ እቲ ባርያ እቲ ብመደረታት ዓብዪ ኣኼባን ብእተሓትመ ጽሑፋትን ኣቢሉ መንፈሳዊ ምግቢ ኺዕድል ጀመረ፣ እቲ ምግቢ ድማ ነቲ ዅሎም ክርስትያናት ኣብ ስብከት፡ ባዕሎም እጃሞም ኬበርክቱ ዘለዎም ሓላፍነት ብተደጋጋሚ ዜጕልሕ ነበረ።

8-10. ዓበይቲ ኣኼባታት ንዕዮ ስብከት ድርኺት ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ኣብነታት ሃብ። (“ ንዕዮ ስብከት ድርኺት ዝዀነ ቐዳሞት ዓበይቲ ኣኼባታት” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

8 መደረታት ዓብዪ ኣኼባ። እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንዚውሃቦም መምርሒ ተሃንጥዮም፡ ኣብቲ ኻብ 1 ኽሳዕ 8 መስከረም 1919፡ ኣብ ሰዳር ፖይንት፡ ኦሃዮ፡ ሕ.መ.ኣ. ድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም እተገብረ ቐዳማይ ኣገዳሲ ዓብዪ ኣኼባ ተኣከቡ። በታ ኻልአይቲ መዓልቲ፡ ሓውና ራዘርፎርድ ነቶም ተኣከብቲ፡ “ሓደ ክርስትያን ኣብ ምድሪ ዘለዎ ተልእኾ፡ . . . መልእኽቲ መንግስቲ ጐይታና ምእዋጅ እዩ” ኢሉ ብንጹር ነገሮም።

9 እቲ ኻብቲ ኣኼባ ብፍላይ ጐሊሑ ዚጥቀስ ፍጻመ፡ እቲ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ሓውና ራዘርፎርድ ዘቕረቦ፡ “ንመዓይይቲ ዚኸውን መደረ” ዘርእስቱ መደረ ዀይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ተሓቲሙ ነይሩ። ሽዑ፡ ንሱ ኸምዚ በለ፦ “ሓደ ክርስትያን ብዕቱብ ኪሓስብ ከሎ፡ ‘ስለምንታይ እየ ኣብ ምድሪ ዘለኹ፧’ ኢሉ ንርእሱ ምሕታቱ ኣይተርፎን እዩ። መልሱ ድማ፡ ‘ጐይታይ ነቲ ናይ ዕርቂ መለኮታዊ መልእኽቲ ንዓለም ከብጽሕ ብጸጋኡ ኣምባሳደሩ ገይሩኒ፣ ነቲ መልእኽቲ እቲ ምእዋጅ ከኣ፡ ፍሉይ መሰለይን ግዴታይን እዩ’ ዚብል ኪኸውን ኣለዎ።”

10 ኣብቲ ታሪኻዊ መደረ እቲ፡ ሓውና ራዘርፎርድ፡ ንሰባት ናብታ በይና ተስፋ ደቂ ሰብ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዜተኵሩ እትገብር ዘ ጎልደን ኤጅ (ሕጂ ንቕሑ!) እትብሃል ሓዳስ መጽሔት ክትሕተም ምዃና ኣፍለጠ። ድሕሪኡ፡ ካብቶም ተኣከብቲ ኽንደይ ዚኣኽሉ ነታ መጽሔት ኣብ ምዕዳል ኪሳተፉ ኸም ዚደልዩ ሓተተ። ብዛዕባ እቲ ኣኼባ እተዋህበ ጸብጻብ፡ “እቲ እተዋህበ ምላሽ ዜነቓቕሕ ትርኢት እዩ ነይሩ። ሽዱሽተ ሽሕ ሰባት፡ ከም ሓደ ሰብ ኰይኖም ተንስኡ” ይብል። b ብንጹር እምበኣር፡ እቲ ንጉስ፡ ብዛዕባ መንግስቱ ተሃንጥዮም ዚእውጁ ብፍታዎም ዚዓይዩ ደገፍቲ ነይሮምዎ እዮም።

11, 12. ብ1920፡ ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ እቲ የሱስ እተነበዮ ዕዮ ዚፍጸመሉ ግዜ እንታይ በለት፧

11 እተሓትመ ጽሑፋት። ኣገዳስነት እቲ የሱስ እተነበዮ ዕዮ፡ ማለት ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ብመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ እናነጸረ ኸደ። ካብ መጀመርታ 1920ታት እስከ ገለ ኣብነታት ንርአ።

12 ከም ፍጻመ ማቴዎስ 24:14፡ እንታይ መልእኽቲ እዩ ዚእወጅ፧ እቲ ዕዮኸ መዓስ እዩ ዚግበር፧ ናይ 1 ሓምለ 1920 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ “እቲ ብስራት ብዛዕባ መወዳእታ ኣረጊት ስርዓትን ብዛዕባ ምቛም መሲሓዊት መንግስትን እዩ” ኢላ ነቲ መልእኽቲ ገለጸቶ። እታ ዓንቀጽ፡ “እዚ መልእኽቲ እዚ ኣብ መንጎ ግዜ እቲ ዓብዪ ውግእ ዓለምን [ቀዳማይ ውግእ ዓለም] ግዜ እቲ ‘ብርቱዕ ጸበባን’ ናብ ሰባት ኪበጽሕ ኣለዎ” ብምባል ከኣ እዚ መልእኽቲ መዓስ ኪስበኽ ከም ዘለዎ ብንጹር ገለጸት። ስለዚ ድማ፡ እታ ዓንቀጽ፡ “እዚ ብስራት እዚ . . . ኣብ ህዝበ ክርስትያን ብስፍሓት ዚእወጀሉ ግዜ ሕጂ እዩ” በለት።

13. ብ1921፡ ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ቕቡኣት ክርስትያናት ዘለዎም ናይ ፍታው መንፈስ ዘነቓቕሐት ብኸመይ እያ፧

13 ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ የሱስ እተነበዮ ዕዮ ንምዕያይ ጸቕጢ ይወርዶም ደዀን ይኸውን፧ ኣይፋልን። ኣብ ናይ 15 መጋቢት 1921 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ትብዑ” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ነቲ ቕቡኣት ክርስትያናት ዘለዎም ናይ ፍታው መንፈስ ኣነቓቕሐት። ነፍሲ ወከፍ፡ “ኣብዚ ዕዮ እዚ ምስታፍሲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ መሰለይን ግዴታይን ደይኰነን፧” ኢሉ ንርእሱ ኺሓትት ድማ ኣተባብዐት። እታ ዓንቀጽ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “[ኣብቲ ዕዮ ምስታፍ ከም ፍሉይ መሰል ጌርኩም] ምስ ረኣኹምዎ፡ ከምቲ ቓል ጐይታና ‘ኣብ ኣዕጽምቱ ተዓጽዩ፡ ኣብ ልቡ ኸም ዚነድድ ሓዊ’ ዝዀኖ እሞ፡ ካብ ምዝራብ ከይቍጠብ ዝደረኾ ኤርምያስ ከም እትዀኑ ርግጸኛታት ኢና” በለት። (ኤር. 20:9) እቲ ሓያል መተባብዒ እቲ፡ ነቲ የሆዋን የሱስን ኣብቶም እሙናት ደገፍቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎም ምትእምማን እዩ ዜንጸባርቕ።

14, 15. ብ1922፡ ግምቢ ዘብዐኛ ንቕቡኣት ክርስትያናት ከመይ ገይሮም ንሰባት እቲ መልእኽቲ ኼብጽሑ ኸም ዘለዎም እያ ዘተባብዐት፧

14 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንሰባት፡ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ገይሮም እዮም ኬብጽሑሎም ዘለዎም፧ እታ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1922 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት ሓጻር ግናኸ ሓያል መልእኽቲ ዝሓዘት፡ “ኣገልግሎት ኣድላዪ እዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ክርስትያናት “መንግስተ ሰማያት ከም ዝቐረበት እናመስከሩ ነቲ እተሓትመ መልእኽቲ ናብ ሰባት ብንጥፈት ዜብጽሑን ኣብ ቤቶም ዜዘራርብዎምን” ኪዀኑ ኸም ዚግባእ ገለጸት።

15 ካብ 1919 ንደሓር እምበኣር፡ ክርስቶስ በቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ገይሩ፡ ኣብ ምድሪ ናይ ዘሎ ክርስትያን ፍሉይ መሰልን ግዴታን፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኣጕሊሑ እዩ። እቶም ቀዳሞት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ነቲ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሳተፉ እተዋህቦም መተባብዒ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

“እቶም እሙናት . . . ፍቓደኛታት ኪዀኑ እዮም”

16. ገሊኦም ብምርጫ እተሸሙ ሽማግለታት ነቲ ዅሎም ኣብ ኣገልግሎት ኪካፈሉ ዚብል ሓሳብ ብኸመይ ርእዮምዎ፧

16 ብ1920ታትን ብ1930ታትን፡ ገሊኦም ነቲ ዅሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ኣገልግሎት ኪካፈሉ ኸም ዘለዎም እተዋህበ ሓሳባት ተጻረርዎ። ናይ 1 ሕዳር 1927 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል እንታይ ከም ዝዀነ ገለጸት፦ “ሎሚ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን [ጉባኤ] ናይ ሽምግልና ሓላፍነት ዝሓዙ እሞ . . . ንኣሕዋቶም ኣብ ኣገልግሎት ኪካፈሉ ምትብባዕ ዚኣብዩ፡ ንሳቶም ባዕላቶም ከኣ ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍ ዚኣብዩ ኣለዉ። . . . መልእኽቲ ኣምላኽ፡ ማለት መልእኽቲ ንጉሱን መንግስቱን፡ ሒዝካ ናብ በቤት፡ ናብ ሰባት ምኻድ ዚብል ሓሳብ የስተናዕቕዎ እዮም።” እታ ዓንቀጽ ቀጺላ፡ “እቶም እሙናት ንኸምዚኣቶም ዘበሉ ዜለልዩሉን ዜርሕቕሉን፡ ድሕሪ ደጊም ከኣ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ሓላፍነት ሽምግልና ኣይንህብን ዚብሉሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ” ኢላ ብንጹር ገለጸት። c

17, 18. መብዛሕትአን ጉባኤታት ነቲ ኻብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት እተዋህበ መምርሒ እንታይ ምላሽ ሃባ፧ ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመትከ ሚልዮናት እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

17 እቲ ዜሕጕስ ከኣ፡ መብዛሕትአን ጉባኤታት ነቲ ኻብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት እተዋህበን መምርሒ ውዕዉዕ ምላሽ ሃባ። ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምክፋል፡ ከም ፍሉይ መሰል ቈጸራኦ። ናይ 15 መጋቢት 1926 ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ፡ “እቶም እሙናት . . . ነዚ መልእኽቲ እዚ ንሰባት ንምንጋር ፍቓደኛታት ኪዀኑ እዮም” ኢላ ገለጸት። እቶም እሙናት ከምቲ ኣብ መዝሙር 110:3 ዚርከብ ትንቢታዊ ቓላት፡ ነታ መሲሓዊት መንግስቲ ብፍታዎም ደገፍዋ።

18 ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመት፡ ሚልዮናት ነዚ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንምፍጻም ብፍታዎም መጺኦም እዮም። ኣብ ዚቕጽላ ሒደት ምዕራፋት፡ ብኸመይ ከም ዝሰበኹ፡—ማለት እቲ እተጠቕሙሉ ሜላታትን ናውትን፡—ከምኡ ኸኣ እንታይ ውጽኢት ከም ዝረኸቡ ኽንርኢ ኢና። ፈለማ ግና፡ ሚልዮናት ሰባት ኣብዛ ጥቕሚ ርእሳ እተቐድም ዓለም እናነበሩ ኽነሶም፡ ኣብዚ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ስለምንታይ ብፍታዎም ከም እተሳተፉ እስከ ንርአ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበሩ ኽንምርምር ከለና፡ ‘ስለምንታይ እየ ነቲ ብስራት ንሰባት ዘካፍሎም፧’ ኢልና ንርእስና ንሕተት።

“ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ . . . ብቐጻሊ ድለዩ”

19. ነቲ የሱስ፡ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ . . . ብቐጻሊ ድለዩ” ኢሉ ዝሃበና ምኽሪ እንስዕብ ስለምንታይ ኢና፧

19 የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ . . . ብቐጻሊ ድለዩ” ኢሉ መኺርዎም እዩ። (ማቴ. 6:33) ስለምንታይ ኢና ነቲ ምኽሪ እቲ እንስዕብ፧ ብመሰረቱ፡ ንኣገዳስነት እታ ቐንዲ ኽፋል ዕላማ ኣምላኽ ዝዀነት መንግስቲ ስለ እንፈልጥ ኢና። ኣብ ዝሓለፈት ምዕራፍ ከም ዝረኣናዮ፡ መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዜሐጕስ ሓቅታት በብቝሩብ ገሊጹ እዩ። ክቡር ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ንልብና ምስ ዚትንክዮ፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ክንደሊ ንድረኽ ኢና።

ከምቲ እቲ ሕቡእ መዝገብ ዝረኸበ ሰብኣይ እተሓጐሰ፡ ክርስትያናት እውን ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ምርካቦም የሐጕሶም እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 20 ርአ)

20. እታ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሕቡእ መዝገብ ዝመሰላ ምሳሌ፡ ነቲ ቕድም መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ኽንደሊ እተዋህበና ምኽሪ እንታይ ምላሽ ከም እንህብ ብኸመይ ትሕብር፧

20 የሱስ፡ ሰዓብቱ ነቲ ቕድም መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ኺደልዩ እተዋህቦም ምኽሪ እንታይ ምላሽ ከም ዚህቡ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብታ ምሳሌ እቲ ሕቡእ መዝገብ እንታይ ከም ዝበለ እሞ ንርአ። (ማቴዎስ 13:44 ኣንብብ።) እቲ ኣብታ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ዓያዪ፡ መዓልታዊ ዕዮኡ ኺዓዪ ኸሎ፡ ሕቡእ መዝገብ ረኸበ እሞ፡ ዋጋኡ ብኡብኡ ፈለጦ። እሞኸ እንታይ ገበረ፧ “ተሓጒሱ ድማ ከይዱ ዘለዎ ሸይጡ፡ ነታ መሬት እቲኣ ዓደጋ።” ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧ ንሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ረኸብናያን ዋጋኣ ምስ ፈለጥናዮን፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ዚግብኦ ቦታ ንምሃብ ተሓጒስና ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ንኸፍል ኢና። d

21, 22. እቶም እሙናት ደገፍቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚደልዩ ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧ ኣብነት ሃብ።

21 እሙናት ደገፍቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብቓል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብግብሪ እውን ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚደልዩ የርእዩ እዮም። ህይወቶምን ክእለቶምን ጥሪቶምን ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ይውፍዩ እዮም። ብዙሓት ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንምስዓብ ዓብዪ መስዋእቲ ገይሮም እዮም። ኵሎም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰበኽቲ፡ የሆዋ ነቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ዚህቡ ኸም ዚባርኾም ብተመክሮኦም ርእዮምዎ እዮም። ሓደ ኻብ ናይ ቀደም ኣብነታት እስከ ንርአ።

22 ኤቨሪ ብሪስቶን ሎቪንያ ብሪስቶን ካብ ኣጋ መወዳእታ 1920ታት ኣትሒዞም፡ ኣብ ደቡባዊ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብሓባር ኮልፖርተራት (ፈለምቲ) ዀይኖም ኣገልጊሎም እዮም። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ሎቪንያ ከምዚ ኢላ ተዘክሮኣ ገለጸት፦ “ኣነን ኤቨሪን ካብ ሽዑ ንነጀው ኣብ ዕዮ ፈላምነት ሓያሎ ዜሐጕስ ዓመታት ኣሕሊፍና ኢና። ንነዳዲ ወይ ንኣስቤዛ ዜድልየና ገንዘብ ካበይ ከም እንረክብ ዘይንፈልጠሉ ግዜያት ብዙሕ እዩ ነይሩ። እንተ በዚ እንተ በቲ ግና፡ የሆዋ ወትሩ የማልኣልና ነይሩ እዩ። ስቕ ኢልና ጥራይ ኣገልግሎትና ንቕጽል ኔርና። ብሓቂ ዜድልየና ዘበለ ወትሩ ንረክብ ኔርና ኢና።” ሎቪንያ ሓደ እዋን ኣብ ፔንሳኮላ፡ ፍሎሪዳ ዜገልግሉሉ ዝነበሩ ሓደ ኣጋጣሚ ትዝክር እያ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ገንዘብን ኣስቤዛን ኪውድኦም ኢሉ ነበረ። ናብታ ተጐታቲት ቤት ምስ ተመልሱ፡ ክልተ ዓብዪ ሳንጣ ኣስቤዛ ምስ ሓንቲ፡ “ምስ ፍቕሪ፡ ካብ ጉባኤ ፔንሳኮላ” እትብል ጽሕፍቲ ዝሓዘት ወረቐት ጸንሖም። ሎቪንያ ነቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሕለፈቶ ዓመታት ክትሓስበሉ ኸላ፡ “የሆዋ ኸቶ ኣይሓደገናን። ነቲ ኣብኡ ዘሕደርናዮ እምንቶ ኸቶ ኣይጠለመን” በለት።

23. ብዛዕባ እቲ ረኺብካዮ ዘለኻ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ይስምዓካ፧ እንታይ ክትገብርከ ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

23 ኵላትና ብማዕረ ኣብ ዕዮ ስብከት ክንሳተፍ ኣይንኽእልን ኢና። ኵነታትና ይፈላለ እዩ። ኵላትና ግና ነቲ ብስራት ብምሉእ ነፍስና ምስባኽ ከም ፍሉይ መሰል ክንቈጽሮ ንኽእል ኢና። (ቈሎ. 3:23) ነቲ ዝረኸብናዮ ኽቡር ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ክብ ኣቢልና ስለ እንርእዮ፡ ብእተኻእለና ዘበለ ንምግልጋል ዜድሊ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ንምኽፋል ፍቓደኛታትን ህንጡያትን ኢና። ከምዚ ዝበለ ቘራጽነት ድዩ ዘሎካ፧

24. ሓደ ኻብቲ እታ መንግስቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እትዓምሞ ዓበይቲ ዕማማት እንታይ እዩ፧

24 ኣብ ዝሓለፈ ዘመን፡ እቲ ንጉስ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 24:14 ተመዝጊቡ ዚርከብ ትንቢታዊ ቓላት ብርግጽ ፈጺምዎ እዩ። ነዚ ድማ ከየገደደ እዩ ገይርዎ። ሰዓብቱ ኻብዛ ኣብ ጥቕሚ ርእሳ እተተኵር ዓለም ምስ ወጹ፡ ንምስባኽ ገዛእ ርእሶም ኣቕሪቦም እዮም። እዚ ዓለምለኻዊ ስብከት ብስራት፡ ክፍሊ ምልክት እቲ የሱስ ብሓይሊ መንግስቱ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋንን ሓደ ኻብቲ እታ መንግስቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እትዓምሞ ዓበይቲ ዕማማትን እዩ።

a ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣውሊ ምስ ብዝሒ ተተሓሒዙ ኣሎ።—ዘፍ. 27:28፣ ሚክ. 5:7

b እታ ቱ ሁም ዘ ዎርክ ኢንትራስትድ ዘርእስታ ፓምፍለት፡ “ዕዮ ዘ ጎልደን ኤጅ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምብጻሕ ኣብ በቤት ዚግበር ወፈራ እዩ። . . . ኣብ ርእሲ እቲ ወፈራ፡ ኵንትራት ይእተዉ ኣይእተዉ ብዘየገድስ፡ ቅዳሕ እታ ዘ ጎልደን ኤጅ ኣብ በቤት ኪሕደግ እዩ” ኢላ ገለጸት። ድሕሪኡ ንሓያሎ ዓመታት፡ ኣሕዋት ንሰባት፡ መጽሔት ዘ ጎልደን ኤጅን መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛን ብቐጻሊ ኺመጻሎም ኵንትራት ኪኣትዉ የተባብዑ ነበሩ። ህዝቢ የሆዋ ኻብ 1 ለካቲት 1940 ኣትሒዞም፡ ንጽል ቅዳሓት መጽሔታት ኪዕድሉን ነቲ ዝዓደልዎ ጸብጻብ ኪህቡሉን ተተባብዑ።

c በቲ ግዜ እቲ፡ ሽማግለታት ብዲሞክራስያዊ መገዲ ብጉባኤ እዮም ዚምረጹ ነይሮም። ስለዚ፡ ጉባኤ ነቶም ንኣገልግሎት ዚጻረሩ ዘበሉ ኸይትመርጽ ትኽእል ነይራ እያ። ብዛዕባ እቲ ሽማግለታት ብቲኦክራስያዊ መገዲ ኺሽየሙሉ ዝጀመሩ ግዜ፡ ኣብ ምዕራፍ 12 ኺግለጽ እዩ።

d የሱስ ኣብታ ብዛዕባ እቲ ኽብርቲ ሉል ዚደሊ ነጋዳይ ዝመሰላ ምሳሌ፡ ተመሳሳሊ መልእኽቲ እዩ ኣመሓላሊፉ። እቲ ነጋዳይ ነታ ሉል ምስ ረኸባ፡ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ዓደጋ። (ማቴ. 13:45, 46) እዘን ክልተ ምሳሌ፡ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ብእተፈላለየ መገዲ ኽንፈልጥ ከም እንኽእል ይሕብራና እየን። ገሊኦም ንሓቂ ብወዝቢ ኺረኽብዋ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግና ደልዮም እዮም ዚረኽብዋ። ኰይኑ ግና፡ ንሓቂ እንረኽበሉ መገዲ ብዘየገድስ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ምእንቲ ኽንህባ፡ መስዋእቲ ንምኽፋል ፍቓደኛታት ኢና።