ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 21

መንግስቲ ኣምላኽ ንጸላእታ ተጥፍኦም

መንግስቲ ኣምላኽ ንጸላእታ ተጥፍኦም

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

ናብ ውግእ ኣርማጌዶን ዚመርሕ ፍጻመታት

1, 2. (ሀ) ንጉስና ኻብ 1914 ኣትሒዙ ይገዝእ ከም ዘሎ ዜርኢ መርትዖ እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

 መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከል ጸላእታ እንታይ ከም ዝዓመመት ምምርማርና፡ ንእምነትና ኣደልዲልዋ እዩ። (መዝ. 110:2) ንጉስና ብፍታዎም ዚሰብኩ ሰራዊት ኣለውዎ። ንሰዓብቱ ብመንፈሳውን ብስነ ምግባራውን መዳይ ኣጽርይዎምን ኰሊዕዎምን እዩ። ጸላእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝጸዓሩ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ሎሚ ዓለምለኻዊ ሓድነት ኣሎና። እዝን ሓያሎ ኻልእ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዓመመቶ ዕማማትን፡ ካብ 1914 ኣትሒዙ ንጉስና ኣብ ማእከል ጸላእቱ ይገዝእ ከም ዘሎ ዜርኢ ሓያል መርትዖ እዩ።

2 ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ዝያዳ ዜደንቕ ነገራት እውን ክትገብር እያ። ንጸላእታ ‘ኽትጭፍልቖምን ከተጥፍኦምን’ ‘ክትመጽእ’ እያ። (ዳን. 2:44፣ ማቴ. 6:10) እቲ ግዜ እቲ ቕድሚ ምብጻሑ ግና፡ ካልእ ኣገዳሲ ፍጻመታት ኪህሉ እዩ። እዚኸ እንታይ እዩ፧ እተፈላለየ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ይምልሳ እዩ። ብሕጂ እንታይ ፍጻመታት ከም ዜጋጥም ንምፍላጥ፡ ገለ ኻብቲ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ንመርምር።

“ጥፍኣት ብሃንደበት” ቅድሚ ምምጻኡ ዚኸውን ነገር

3. ኣብ ፈለማ እንታይ ምዕባለ ኢና እንጽበ፧

3 ምእዋጅ ሰላም። ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ እቲ ፈለማ ኪኸውን እንጽበዮ ምዕባለ ገሊጹ ኣሎ። (1 ተሰሎንቄ 5:2, 3 ኣንብብ።) ኣብታ መልእኽቲ እቲኣ፡ ጳውሎስ ነታ በቲ ኣብ “ዓባይ ባቢሎን” ዚወርድ መጥቃዕቲ እትጅምር “መዓልቲ የሆዋ” ጠቒስዋ ኣሎ። (ራእ. 17:5) ይኹን እምበር፡ መዓልቲ የሆዋ ቐቅድሚ ምጅማራ፡ ኣህዛብ፡ “ሰላምን ደሓንን!” ኪብሉ እዮም። እዚ መግለጺ እዚ፡ ንሓደ ኣዋጅ ወይ ንተኸታታሊ ጕሉሕ መግለጺታት ኬመልክት ይኽእል እዩ። እሞኸ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብኡ ኺኣትዉ ድዮም፧ ንሳቶም እውን ካብ ዓለም ስለ ዝዀኑ፡ ምስ ኣህዛብ ሓቢሮም “ሰላም” ይብሉ ይዀኑ። (ኤር. 6:14፣ 23:16, 17፣ ራእ. 17:1, 2) እዚ ምእዋጅ ሰላምን ደሓንን፡ መዓልቲ የሆዋ ኸም እትጅምር ምልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጸላእቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ “ከቶ . . . ኣይኬምልጡን እዮም።”

4. ኣገዳስነት እቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ሰላምን ደሓንን እተነበዮ ትንቢት ምርዳእና፡ ብኸመይ ይጠቕመና፧

4 ኣገዳስነት እዚ ትንቢት እዚ ምርዳእና፡ ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧ ጳውሎስ፡ “እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ንሰረቕቲ ኸይትመጸኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን” በለ። (1 ተሰ. 5:3, 4) ከም ካልኦት ሰባት ብዘይምዃንና፡ እዚ ህሉው ኵነታት ናብ ምንታይ ከም ዜምርሕ ንፈልጥ ኢና። እዚ ብዛዕባ ሰላምን ደሓንን እተዘርበ ትንቢት ብልክዕ ብኸመይ እዩ ዚፍጽም፧ እንታይ ከም ዚኸውን ተጸቢና ኽንርኢ ኣሎና። ስለዚ፡ “ንንቃሕን ንጠንቀቕን።”—1 ተሰ. 5:6፣ ጸፎ. 3:8

እቲ ብርቱዕ ጸበባ ይጅምር

5. ኣብ መጀመርታ እቲ “ብርቱዕ ጸበባ፡” እንታይ ኪኸውን እዩ፧

5 ኣብ ሃይማኖት ዚወርድ መጥቃዕቲ። ጳውሎስ፡ “‘ሰላምን ደሓንን!’ ኪብሉ ኸለዉ፡ . . . ሽዑ ጥፍኣት ብሃንደበት ይመጾም” ኢሉ ኸም ዝጸሓፈ መሸም ትዝክሮ ኢኻ። ከምቲ በርቂ ምስ በረቐ፡ ነጕዲ ዚስዕቦ፡ “ሰላምን ደሓንን!” ምስ በሉ ድማ፡ ብኡብኡ “ጥፍኣት ብሃንደበት” ኪመጽእ እዩ። እሞኸ እንታይ እዩ ዚጠፍእ፧ ቀዳማይ፡ እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን፡” “እታ ኣመንዝራ” እውን እትብሃል፡ ክትጠፍእ እያ። (ራእ. 17:5, 6, 15) ጥፍኣት ህዝበ ክርስትያንን ካልኦት ውድባት ናይ ሓሶት ሃይማኖትን፡ መጀመርታ እቲ “ብርቱዕ ጸበባ” እዩ። (ማቴ. 24:21፣ 2 ተሰ. 2:8) እዚ ፍጻመ እዚ፡ ንብዙሓት ብድንገት እዩ ዚመጾም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ክሳዕ እቲ እዋን እቲ፡ እታ ኣመንዝራ ንርእሳ፡ ‘ሓዘን ከቶ ኸም ዘይትርኢ ንግስቲ’ ገይራ እያ ኽትርእያ ኽትጸንሕ። ኰይኑ ግና፡ ብሃንደበት እምንቶኣ ጌጋ ምንባሩ ኽትፈልጥ እያ። ከም “ብሓንቲ መዓልቲ፡” ብቕልጡፍ ክትውገድ እያ።—ራእ. 18:7, 8

6. ኣብ ልዕሊ እታ “ዓባይ ባቢሎን” መጥቃዕቲ ዜውርድ መን እዩ፧

6 ኣብ ልዕሊ እታ “ዓባይ ባቢሎን” መጥቃዕቲ ዜውርድ መን እዩ፧ “ዓሰርተ ቐርኒ” ዘለዎ “ኣራዊት” እዩ። መጽሓፍ ራእይ፡ እዚ ኣራዊት እዚ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት (ው.ሕ.ሃ.) ከም ዜመልክት ይሕብር እዩ። እቲ ዓሰርተ ቐርኒ ድማ፡ ንዅሎም እቶም ነቲ “ቐይሕ ኣራዊት” ዚድግፍዎ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዜመልክት እዩ። (ራእ. 17:3, 5, 11, 12) እቲ መጥቃዕቲ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ሓያል ዚኸውን፧ ሃገራት ው.ሕ.ሃ. ንሃብቲ እታ ኣመንዝራ ኺዘምትዎ፡ ንዓኣ ኸኣ ኪበልዕዋን “ብሓዊ ኺህምኽዋን” እዮም።—ራእይ 17:16 ኣንብብ። a

7. እቲ የሱስ እተዛረቦ ኣብ ማቴዎስ 24:21, 22 ዚርከብ ቃላት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ብኸመይ ተፈጺሙ፧ ኣብ መጻኢኸ እንታይ ፍጻመ ኺህልዎ እዩ፧

7 ምሕጻር እተን መዓልትታት። ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ከም ዚኸውን፡ ንጉስና ገሊጹልና እዩ። የሱስ፡ “ምእንቲ እቶም ሕሩያት፡ . . . እተን መዓልትታት እቲአን ኪሓጽራ እየን” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 24:21, 22 ኣንብብ።) እዘን ቃላት የሱስ እዚአን፡ ብ66 ድ.ክ. የሆዋ ነቲ ሰራዊት ሮሜ ኣብ የሩሳሌም ዝፈነውዎ መጥቃዕቲ ምስ ‘ኣሕጸሮ፡’ ብእተወሰነ ተፈጺመን እየን። (ማር. 13:20) ሰራዊት ሮሜ ኸምኡ ምግባሮም፡ ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ዝነበሩ ክርስትያናት ኪድሕኑ ኽኢሎም እዮም። ኣብቲ ዚመጽእ ብርቱዕ ጸበባኸ፡ ብደረጃ ዓለምለኸ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ምእንቲ ኸይትጠፍእ፡ የሆዋ ብንጉስና ኣቢሉ፡ ነቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሃይማኖት ዚፍንዎ መጥቃዕቲ ኼሕጽሮ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ኵለን ውድባት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪፈርሳ ኸለዋ፡ እታ ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ግና ክትድሕን እያ። (መዝ. 96:5) ቀጺልና፡ እዚ ኽፋል ብርቱዕ ጸበባ እዚ ምስ ሓለፈ፡ እንታይ ፍጻመታት ከም ዚኸውን እስከ ንርአ።

ናብ ኣርማጌዶን ዜምርሕ ፍጻመታት

8, 9. የሱስ ናብ ምንታይ ተርእዮ እዩ ዜመልክት ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል፧ ሰባትከ ነቲ ዚርእይዎ እንታይ ምላሽ ኪህቡ እዮም፧

8 የሱስ ብዛዕባ እተን ዳሕሮት መዓልትታት እተነበዮ ትንቢት፡ ኣብቲ ናብ ኣርማጌዶን ዜምርሕ ፍጻመታት እተወሰነ ኣገዳሲ ምዕባለታት ከም ዚህሉ ይሕብር እዩ። እቲ ሕጂ ንሕና እንምርምሮ ቐዳማይ ክልተ ፍጻመ፡ ኣብ ወንጌል ማቴዎስን ወንጌል ማርቆስን ወንጌል ሉቃስን ተጠቒሱ ኣሎ።—ማቴዎስ 24:29-31 ኣንብብ፣ ማር. 13:23-27፣ ሉቃ. 21:25-28

9 ሰማያዊ ተርእዮ። የሱስ፡ “ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒ እውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፣ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ” ኢሉ ተነብዩ እዩ። እወ፡ ሰባት ብርሃን ደልዮም ናብ መራሕቲ ሃይማኖት ቍሊሕ ኣይኪብሉን እዮም። ግናኸ፡ የሱስ ኣብ ሰማያት ንዚፍጸም ልዕለ ባህርያዊ ተርእዮ እውን የመልክት ነይሩ ድዩ፧ ምናልባት ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ኢሳ. 13:9-11፣ ዮኤ. 2:1, 30, 31) ሰባት ነቲ ዚርእይዎ እንታይ ምላሽ ኪህቡሉ እዮም፧ “መዋጽኦ ብዘይምፍላጦም፡ ኪጭነቑ እዮም።” (ሉቃ. 21:25፣ ጸፎ. 1:17) እወ፡ ጸላእቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ካብ ‘ነገስታት ክሳዕ ባሮት፡’ “ብፍርህን ብትጽቢት እቲ ኣብ ዓለም ዚመጽእን፡ . . . ውኖኦም ኪጠፍኦም እዩ፣” ከውሊ ደልዮም እውን ኪሃድሙ እዮም። ይኹን እምበር፡ ካብ ቍጥዓ ንጉስና ኼምልጡሉ ዚኽእሉ መሕብኢ ኣይኪረኽቡን እዮም።—ሉቃ. 21:26፣ 23:30፣ ራእ. 6:15-17

10. የሱስ እንታይ ፍርዲ እዩ ኺህብ፧ ደገፍትን ተጻረርትን መንግስቲ ኣምላኽከ እንታይ ምላሽ ኪህቡ እዮም፧

10 ምሃብ ፍርዲ። ኵሎም ጸላእቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንስቓዮም ዜጋድድ ፍጻመ ኺርእዩ ኺግደዱ እዮም። ነዚ ብዚምልከት፡ የሱስ፡ “ወዲ ሰብ ብዓብዪ ሓይልን ክብርን ብደበና ኺመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም” ኢሉ እዩ። (ማር. 13:26) እዚ ልዕለ ባህርያዊ መግለጺ ሓይሊ፡ የሱስ ኪፈርድ ከም ዝመጸ ኼመልክት እዩ። ብዛዕባ እተን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ዜመልክት ካልእ ክፋል እዚ ትንቢት እዚ፡ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዚውሃብ ፍርዲ ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ ሂቡ እዩ። እቲ ሓበሬታ እቲ፡ ኣብቲ ምሳሌ ኣባጊዕን ኣጣልን ኢና እንረኽቦ። (ማቴዎስ 25:31-33, 46 ኣንብብ።) እሙናት ደገፍቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ “ኣባጊዕ” ከም ዝዀኑ ኺፍረዱ፡ ‘ድሕነቶም ከም ዝቐረበ’ ፈሊጦም ከኣ ‘ርእሶም ኬልዕሉ እዮም።’ (ሉቃ. 21:28) ተጻረርቲ መንግስቲ ኣምላኽ ግና፡ “ኣጣል” ከም ዝዀኑ ኺፍረዱ፡ “ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት” ከም ዚጽበዮም ፈሊጦም ድማ ‘ደረቶም እናወቕዑ ኼልቅሱ እዮም።’—ማቴ. 24:30፣ ራእ. 1:7

11. ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ፍጻመታት ክንምርምር ከለና፡ እንታይ ክንዝክር ኣሎና፧

11 የሱስ ‘ንዅሎም ኣህዛብ’ ምስ ፈረዶም፡ ውግእ ኣርማጌዶን ቅድሚ ምጅማሩ እተወሰነ ፍጻመታት ኪፍጸም እዩ። (ማቴ. 25:32) ክልተ ኻብዚ ፍጻመታት እዚ ኽንርኢ ኢና፣ እዚ ድማ፡ መጥቃዕቲ ጎግን ምእካብ እቶም ቅቡኣትን እዩ። ነዚ ኽልተ ፍጻመ እዚ ኽንምርምር ከለና፡ ቃል ኣምላኽ ነቲ ኽልቲኡ ዚፍጸመሉ ግዜ ብልክዕ ከም ዘይገልጽ ክንዝክር ኣሎና። ብእተወሰነ ደረጃ፡ ሓደ ምስቲ ሓደ ተደሪቡ ዚፍጸም ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ።

12. ሰይጣን ብዅሉ ሓይሉ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ውግእ እዩ ዚገብር፧

12 ብዅሉ ሓይሊ ዚፍኖ መጥቃዕቲ። ጎግ ብዓል ማጎግ ነቶም ዝተረፉ ቕቡኣትን ንብጾቶም ካልኦት ኣባጊዕን ኬጥቅዖም እዩ። (ህዝቅኤል 38:2, 11 ኣንብብ።) እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ እተመስረተ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ዚፍኖ መጥቃዕቲ እዚ፡ ኣብቲ ሰይጣን ካብ ሰማይ ድሕሪ ምስጓጉ ምስቶም ተረፍ ቅቡኣት ኪገብሮ ዝጸንሐ ውግእ ናይ መወዳእታኡ ኪኸውን እዩ። (ራእ. 12:7-9, 17) ብፍላይ እቶም ቅቡኣት ናብታ ኸም ብሓድሽ ዝቘመት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺእከቡ ኻብ ዚጅምሩ፡ ሰይጣን ኣሳልጦ እኳ እንተ ዘይረኸበ፡ ንመንፈሳዊ ብልጽግናኦም ኬጥፍኦ ፈቲኑ እዩ። (ማቴ. 13:30) ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዅለን ውድባት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ጠፍኣ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ከኣ “ብዘይ ቀጽሪ ዘለዉ፡ መሃርሃርን መዓጹን ዜብሎም” ምስ መሰሉ፡ ሰይጣን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዝረኸበ ኺመስሎ እዩ። ነቶም እኩይ ግብሩ ዚፍጽሙሉ፡ ብዅሉ ሓይሎም ንደገፍቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኬጥቅዑ ኼለዓዕሎም እዩ።

13. የሆዋ ምእንቲ ህዝቡ ኢሉ ብኸመይ ጣልቃ ኺኣቱ እዩ፧

13 ህዝቅኤል ሽዑ እንታይ ከም ዚኸውን ገሊጹ ኣሎ። ብዛዕባ ጎግ፡ እቲ ትንቢት ከምዚ ይብል፦ “ንስኻ ምሳኻውን ብዙሓት ህዝብታት፡ ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ እተቐመጡን ዓብዪ ጭፍራን ብርቱዕ ሰራዊትን ሒዝካ ኻብ ቦታኻ ኻብ ወሰን ሰሜን ክትመጽእ ኢኻ። ነታ ሃገር ከም ደበና ምእንቲ ኽትከድና፡ ናብ ህዝበይ እስራኤል ክትድይብ ኢኻ። (ህዝ. 38:15, 16) እሞኸ የሆዋ ነዚ ዘይዕገት ዚመስል ወረራ እንታይ ምላሽ ኪህበሉ እዩ፧ የሆዋ፡ “ነድረይ ኪስርንቐኒ እዩ” በለ፣ ኣስዒቡ እውን፡ “ሰይፊ ኽጽውዓሉ እየ” በለ። (ህዝ. 38:18, 21፣ ዘካርያስ 2:8ትርጕም 1990 ኣንብብ።) የሆዋ ምእንቲ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቱ ጣልቃ ኺኣቱ እዩ። እዚ ድማ ውግእ ኣርማጌዶን እዩ።

14, 15. ድሕሪ ምጅማር እቲ ሰይጣን ብዅሉ ሓይሉ ዚፍንዎ መጥቃዕቲ፡ እንታይ እዩ ኪኸውን፧

14 የሆዋ ንህዝቡ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ከመይ ገይሩ ኸም ዚከላኸለሎም ቅድሚ ምርኣይና፡ ሓንሳእ ደው ኢልና፡ ካልእ ኣገዳሲ ፍጻመ ንመርምር። እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ እቲ ሰይጣን ብዅሉ ሓይሉ ዜጥቅዓሉ እዋንን ኣብ መንጎ እቲ የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን ጣልቃ ዚኣትወሉ እዋንን እዩ ዚፍጸም። ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 11 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ እዚ ኻልኣይ ፍጻመ እዚ፡ ምእካብ እቶም ተረፍ ቅቡኣት እዩ።

15 ምእካብ ቅቡኣት። ማቴዎስን ማርቆስን ከም ክፍሊ እቲ ቕድሚ ኣርማጌዶን ዚኸውን ተኸታታሊ ፍጻመታት፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቶም “ሕሩያት፡”—ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት፡—እተዛረቦ ነገር መዝጊቦም እዮም። (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ።) የሱስ ንርእሱ ኸም ንጉስ ገይሩ ብምጥቃስ፡ ከምዚ ኢሉ ተነበየ፦ “ሽዑ ኸኣ፡ ንመላእኽቱ ኺልእኮም፡ ንሕሩያቱ እውን ካብ ኣርባዕተ ንፋሳት፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ኪእክቦም እዩ።” (ማር. 13:27፣ ማቴ. 24:31) የሱስ ብዛዕባ እንታይ ምእካብ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ብዛዕባ እቲ ቐቅድሚ ምጅማር እቲ ብርቱዕ ጸባባ ዚኸውን ናይ መወዳእታ ምሕታም እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። (ራእ. 7:1-3) ኣብ ክንዳኡስ፡ የሱስ ኣብ እዋን እቲ ዚመጽእ ብርቱዕ ጸበባ ዚኸውን ፍጻመ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ስለዚ፡ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ብዅሉ ሓይሉ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዉ፡ ገና ኣብ ምድሪ ዚጸንሑ ቕቡኣት ናብ ሰማይ ኪእከቡ እዮም ማለት እዩ።

16. እቶም ካብ ምዉታት ዝተንስኡ ቕቡኣት፡ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን እንታይ ግደ ኺህልዎም እዩ፧

16 ምእካብ እቶም ተረፍ ቅቡኣት ምስቲ ድሕሪኡ ዚመጽእ ፍጻመ፡ ማለት ኣርማጌዶን፡ እንታይ ዝምድና ኣለዎ፧ እቶም ቅቡኣት ምእካቦም፡ ኵሎም ቅቡኣት ቅድሚ ምጅማር እቲ ውግእ ኣምላኽ ዝዀነ ኣርማጌዶን፡ ኣብ ሰማይ ከም ዚዀኑ ይሕብር። ኣብ ሰማይ፡ እቶም 144,000 መጋዝእቲ ክርስቶስ፡ ምስ የሱስ ሓቢሮም፡ ናይ ጥፍኣት “በትሪ ሓጺን” ኣብ ልዕሊ ዅሎም ጸላእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኬልዕሉ እዮም። (ራእ. 2:26, 27) ድሕሪኡ፡ እቲ ተዋጋኢ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ ነቶም ንህዝቢ የሆዋ ኼጥቅዕዎም ዝቐረቡ “ብርቱዕ ሰራዊት” ጸላእቲ ኺገጥመሎም ኪኸይድ ከሎ፡ እቶም ካብ ምዉታት ዝተንስኡ ቕቡኣት ምስ ሓያላት መላእኽቲ ሓቢሮም ኪስዕብዎ እዮም። (ህዝ. 38:15) ሽዑ፡ ብርቱዕ ግጥም ምስ ኰነ፡ ውግእ ኣርማጌዶን ይውላዕ!—ራእ. 16:16

ዓብዪ መፈጸምታ እቲ ብርቱዕ ጸበባ

ውግእ ኣርማጌዶን ይጅምር!

17. ብግዜ ኣርማጌዶን፡ እቶም “ኣጣል” እንታይ ኪዀኑ እዮም፧

17 ምፍጻም ፍርዲ። ውግእ ኣርማጌዶን፡ መፈጸምታ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኪኸውን እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሱስ ተወሳኺ ዕዮ ኺስከም እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ፈራዲ “ዅሎም ኣህዛብ” ኰይኑ ዚዓይዮ ዕዮ፡ ፈጻሚ ፍርዲ ኣህዛብ ኪኸውን፡ ማለት ንዅሎም እቶም ኣቐዲሙ “ኣጣል” ከም ዝዀኑ ዝፈረዶም ሰባት ኬጥፍኦም እዩ። (ማቴ. 25:32, 33) ንጉስና ‘ብበሊሕ ነዊሕ ሰይፊ ንኣህዛብ ኪወቕዖም’ እዩ። እወ፡ ኵሎም እቶም ኣጣል መሰል ሰባት፡ ካብ ‘ነገስታት ክሳዕ ባሮት፡’ “ናብ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት . . . ኪኸዱ እዮም።”—ራእ. 19:15, 18፣ ማቴ. 25:46

18. (ሀ) ኵነታት እቶም “ኣባጊዕ” ዚቕየር ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ከመይ ገይሩ እዩ ዓወቱ ዚፍጽም፧

18 እቶም የሱስ “ኣባጊዕ” ከም ዝዀኑ ዚፈርዶም ግና፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዅነታቶም ኪቕየር! ረዳኢ ኸም ዘይብለን “ኣባጊዕ” መሳኪን ዚመስሉ ዝነበሩ “ብዙሓት ህዝቢ፡” በቲ ዓብዪ ናይ “ኣጣል” ሰራዊት ሰይጣን ኣብ ክንዲ ዚርገጹ፡ ካብ መጥቃዕቲ ጸላኢ ድሒኖም፡ ‘ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኺወጹ’ እዮም። (ራእ. 7:9, 14) ድሕሪኡ፡ የሱስ ንዅሎም ሰብኣውያን ጸላእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ሰዓሮምን ምስ ኣጥፍኦምን፡ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ናብቲ መዓሙቝ ኪድርብዮም እዩ። ኣብኡ ድማ፡ ከም ሞት ኣብ ዝኣመሰለ ዘይንጡፍ ኵነት ሽሕ ዓመት ኪጸንሑ እዮም።—ራእይ 6:2፣ 20:1-3 ኣንብብ።

ከመይ ጌርና ኸም እንዳሎ

19, 20. ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 26:2030:21ን ዚርከብ ትምህርቲ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ንኽእል፧

19 ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ንምድሪ ዜናውጽ ፍጻመታት ከመይ ጌርና ኽንዳሎ ንኽእል፧ ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት፡ ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ድሕነትና ኣብ ተኣዛዝነትና እተመርኰሰ” ምዃኑ ገሊጻ ነይራ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ዚኸውን፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብቲ የሆዋ ነቶም ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን ዚነብሩ ዝነበሩ ምሩኻት ኣይሁድ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኺርከብ ይከኣል እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ፡ ባቢሎን ከም እትሰዓር ተነበየ። ህዝቢ ኣምላኽ ግና ነቲ ፍጻመ እቲ ንምድላው እንታይ ኪገብሩ ነይርዎም፧ የሆዋ ኸምዚ በሎም፦ “ኣታ ህዝበይ፡ ኪድ፡ ናብ ሕልፍኝኻ እቶ። ማዕጾኻ ድማ ብድሕሬኻ ዕጾ፡ ቍጥዓ ኽሳዕ ዚሐልፍ ንቕሩብ ጊዜ ተሐባእ።” (ኢሳ. 26:20) ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ ዘለዋ፡ “ኪድ፡” “እቶ፡” “ዕጾ፡” “ተሐባእ” ዚብላ ቓላት፡ ኵላተን ትእዛዝ ምዃነን ኣስተብህል። እቶም ነዚ ትእዛዛት እዚ ዘቕለቡሉ ኣይሁድ፡ ካብቶም ስዒሮም ኣብ ጐደናታት ዝመጹ ወተሃደራት ተኣልዮም ኣብ ቤቶም ጸኒሖም ኪዀኑ ኣለዎም። ስለዚ፡ ድሕነቶም ኣብቲ ንትእዛዛት የሆዋ ዝነበሮም ተኣዛዝነት ዚምርኰስ ነበረ። b

20 ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧ ንሕና እውን ከምቲ ነቶም ጥንታውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞም፡ ካብቲ ዚመጽእ ፍጻመታት እንረኽቦ ድሕነት ኣብቲ ንትእዛዛት የሆዋ ዘሎና ተኣዛዝነት እዩ ዚምርኰስ። (ኢሳ. 30:21) ከምዚ ዝበለ ትእዛዛት፡ ብመሰናድዎ ጉባኤ ኣቢሉ እዩ ዚመጸና። ስለዚ፡ ነቲ ዚውሃበና መምርሒ ኻብ ልቢ ናይ ምእዛዝ ባህርይ ከነማዕብል ኣሎና። (1 ዮሃ. 5:3) ሎሚ ኸምኡ እንተ ጌርና፡ ኣብ መጻኢ እዙዛት ንምዃን ዝቐለለ ይዀነልና፣ በዚ ኸምዚ ድማ ዕቝባ ኣቦና የሆዋን ንጉስና የሱስን ንረክብ። (ጸፎ. 2:3) እቲ መለኮታዊ ዕቝባ እቲ ኸኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንጸላእታ ኸመይ ገይራ ምሉእ ብምሉእ ከም እተጥፍኦም ብዓይንና ኽንርኢ የኽእለና። እቲ ፍጻመ እትስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዘይርሳዕ ኪኸውን እዩ!

a ጥፍኣት “ዓባይ ባቢሎን” ብቐንዱ ንጥፍኣት ሃይማኖታዊ ትካላት ዜመልክት ደኣ እምበር፡ ንዅሎም ሃይማኖታውያን ሰባት ብጃምላ ናይ ምጥፋእ ተግባር ዜመልክት ኣይመስልን እዩ። ስለዚ፡ መብዛሕትኦም እቶም ምእመናን ባቢሎን ዝነበሩ ሰባት ካብቲ ጥፍኣት ኪድሕኑ፡ ከምቲ ኣብ ዘካርያስ 13:4-6 ተገሊጹ ዘሎ ድማ፡ ብግህዶ ኻብ ሃይማኖት ኪርሕቁ እዮም።

b ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣይዛያስ ፕሮፌሲ—ላይት ፎር ኦል ማንካይንድ፡ 1ይ ጥራዝ፡ ገጽ 282-283 ርአ።