ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ፍቑር ብጻይና ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ፦

ዓርቢ ንግሆ፡ 2 ጥቅምቲ 1914፡ ኣባል ስድራ ቤት-ኤል ብሩክሊን ከም ዝነበርካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ቍርሲ ኽትበልዕ ኣብታ ቦታኻ ኾፍ ኢልካ፡ ንሓውና ቻርለስ ቴዝ ራስል ትጽበ ኣለኻ። ብሃንደበት ማዕጾ እቲ መመገቢ ኽፍሊ ተኸፊቱ ሓውና ራስል ኣተወ። ንእተወሰነ ግዜ ደው ድሕሪ ምባል፡ ከም ልማዱ ንስድራ ቤት-ኤል ብታሕጓስ፡ “ደሓንዶ ሓዲርኩም፧” ኢሉ ሰላም ይብሎም። ድሕሪኡ ግና፡ ብኡብኡ ኣብ ቦታኡ፡ ብሸነኽ ርእሲ እቲ ሰደቓ ኾፍ ኣብ ክንዲ ዚብል፡ ብኣእዳዉ ኣጣቒዑ፡ “ዘመናት ኣህዛብ ኣብቂዑ፣ ነገስታቶም ከኣ መዓልቶም መሊኡ!” ኢሉ ብታሕጓስ ተዛረበ። ነዛ ህሞት እዚኣ ንነዊሕ ግዜ ኽትጽበያ ስለ ዝጸናሕካ፡ ሓጐስካ ምቍጽጻር ትስእን። ምስ ካልኦት ኣባል ስድራ ቤት-ኤል ሓቢርካ፡ ነቲ ዜሐጕስ ዜና ብነዊሕን ብድሙቕን ጣቕዒት ትቕበሎ።

ሓውና ራስል ነቲ ዜሐጕስ ቃላት እቲ ኻብ ዚዛረብ፡ ብዙሕ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ሽዑ ንነጀው እንታይ ዓሚማ ኣላ፧ ብዙሕ እያ ዓሚማ! የሆዋ በታ መንግስቲ እቲኣ ኣቢሉ፡ ነቶም ካብቲ ብ1914 ዝነበርዎ ሒደት ኣሽሓት፡ ሎሚ ናብ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮንን ፈረቓን በጺሖም ዘለዉ ህዝቡ በብደረጃኡ የጽርዮምን የሰልጥኖምን ኣሎ። ንስኻኸ ኻብዚ ስልጠና እዚ ብኽንደይ ዚኣክል መገድታት ተጠቒምካ፧

ሎሚ፡ ኣሕዋትና ብዙሕ ሳዕ፡ “ሰማያዊት ሰረገላ የሆዋ ትግስግስ ኣላ!” ኺብሉ ንሰምዕ ኢና፣ ሓቆም ድማ እዮም። ኰይኑ ግና፡ እታ ንዘይርአ ኽፋል ውድብ የሆዋ እተመልክት ሰማያዊት ሰረገላ ኻብ 1914 ኣትሒዛ፡ ብፍጥነት ክትግስግስ እያ ጸኒሓ፣ ነዚ ድማ፡ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ተጠንቂቕካ ኸተንብባ ኸለኻ ኽትርእዮ ኢኻ። ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ነቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ዓለም ንምስባኽ፡ እተፈላለየ ሜላታት ተጠቒሞም እዮም፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ፡ ጋዜጣታት፡ ምረሻታት ሓበሬታ፡ ስእላዊ ምርኢታት፡ ካርድታት ምስክርነት፡ ፎኖግራፋት፡ ረድዮ፡ ኢንተርነት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ።

ብበረኸት የሆዋ፡ ሕጂ ነቲ ማራኺ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትና ብልዕሊ 670 ቋንቋ ኽንሓትምን ንዅሉ ብዘይ ክፍሊት ክንዕድልን ክኢልና ኣለና። ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ወለንተኛታት፡ ኣብ ሃብታማት ሃገራት ኰነ ኣብተን ድሩት ዓቕሚ ዘለወን ሃገራት፡ ኣብ ህንጸት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባን መሳለጥያታት ጨንፈርን ይሕግዙ ኣለዉ። ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ ኸኣ፡ ፈቃራት ኣሕዋትን ኣሓትን ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታታት ተቐላጢፎም ከይዶም ይረድኡ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ብሓቂ ‘ንጸገማ እተወልዱ’ ምዃኖም የርእዩ ኣለዉ።—ምሳ. 17:17

ሓድሓደ ግዜ፡ ኣቕሽሽትን ካልኦት ተጻረርትን “ከም ሕጊ ኢና፡ እናበሉ ዓመጽ” ይገብሩ እዮም፣ ኰይኑ ግና፡ እቲ ግጉይ ጻዕርታቶም ብተደጋጋሚ “ንምስፋሕ እቲ ብስራት” ኰይኑ ኣሎ።—መዝ. 94:20፣ ፊል. 1:12

ምስ ብጾትና “ኣገልገልቲ ቤት” ሓቢርና ምዕያይና፡ ንዓና ኽብሪ እዩ። ንዅላትኩም ኣዚና ኸም እነፍቅረኩም ከነፍልጠኩም ንፈቱ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ንመንፈሳዊ ውርሻኻ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣኽቢርካ ምእንቲ ኽትርእዮ ኽትሕግዘካ ጸሎትና እዩ።—ማቴ. 24:45

ምስ ሰናይ ትምኒትና፡

ኣሕዋትካ፡

ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር