ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸጋም፦ ብ1946፡ ረድኤት ካብ ስዊዘርላንድ ናብቶም ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ኣሕዋትና ኺልኣኽ ከሎ፣ የማን፦ ብ2011፡ ድሕሪ ሱናሚ ኣብ ጃፓን ሓደ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዳግም ኪህነጽ ከሎ

6ይ ክፋል

ደገፍ መንግስቲ ኣምላኽ—ንኣምልኾ ምህናጽን ረድኤት ምሃብን

ደገፍ መንግስቲ ኣምላኽ—ንኣምልኾ ምህናጽን ረድኤት ምሃብን

ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ከድካ፡ ነቲ ቦታ ኸተለልዮ እኳ ኣይትኽእልን። በቲ ኣዳራሽ እቲ ወትሩ ትሕበን ኔርካ። ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት ኣብ ምህናጹ እጃምካ ብምብርካትካ፡ ባህ ዜብል ተዘክሮታት ይህልወካ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ሕጂ እውን እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ግዜያዊ ማእከል ረድኤት ብምዃኑ፡ ካልእ ብዝያዳ ዜሐብን ምኽንያት ኣሎካ። ኣብ ቀረባ ግዜ ዝመጸ ህቦብላ ነቲ ኸባቢ ብማይ ስለ ዘዕለቕለቖን ኣብቲ ዞባ ብዙሕ ዕንወት ስለ ዘስዓበን፡ ኮሚተ ጨንፈር ነቶም ግዳያት እቲ ሓደጋ ዜድልዮም ምግብን ጽሩይ ማይን ካልእ ሓገዝን ዚረኽቡሉ መገዲ ብቕልጡፍ ወዲቡ ኣሎ። እቲ ብወፈያ እተዋህበ ረድኤት ከኣ ብስርዓት ተጠርኒፉ ኣሎ። ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ ተሰሪዖም ዜድልዮም ይወስዱ ኣለዉ፣ መብዛሕትኦም እውን ብሓጐስ ይነብዑ ኣለዉ።

የሱስ፡ እቲ ህዝቡ ዚልለዩሉ ጕሉሕ ምልክት፡ ኣብ ንሓድሕዶም ዘላ ፍቕሪ ምዃና ገሊጹ እዩ። (ዮሃ. 13:34, 35) ኣብዚ ኽፋል እዚ፡ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ኣብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተገብረ ፕሮጀክትታት ህንጸትን ዕዮ ረድኤትን ብኸመይ ከም እተራእየት ክንምርምር ኢና። ከምዚኣ ዝበለት ፍቕሪ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ የሱስ ንነብር ከም ዘለና እተርኢ ሓያል መርትዖ እያ።

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ምዕራፍ 18

ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ዚምወለሉ መገዲ

እቲ ገንዘብ ካበይ እዩ ዚመጽእ፧ ብኸመይከ ኣብ መዓላ ይውዕል፧

ምዕራፍ 19

ንየሆዋ ዜኽብሮ ዕዮ ህንጸት

ቦታታት ኣምልኾ ንኣምላኽ ክብሪ የምጽኣሉ፣ ኰይኑ ግና፡ ንሱ ኻብቲ ህንጻታት ንላዕሊ ኣኽቢሩ ዚርእዮ ነገር ኣሎ።

ምዕራፍ 20

ኣገልግሎት ረድኤት

ዕዮ ረድኤት ክፍሊ እቲ ንየሆዋ ዚቐርብ ኣገልግሎት ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧