ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 18

ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ዚምወለሉ መገዲ

ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ዚምወለሉ መገዲ

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

ህዝቢ የሆዋ ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ስለምንታይን ብኸመይን ብገንዘብ ከም ዚድግፍዎ

1, 2. (ሀ) ሓውና ራስል ንሓደ ንጥፈታት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚካየድ ኪፈልጥ ዝደለየ ኣገልጋሊ እንታይ ኢሉ መለሰሉ፧ (ለ) ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ተሓድሶ፡ ንጥፈታት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚካየድ ኪፈልጥ ደልዩ ናብ ሓውና ቻርለስ ቴዝ ራስል ከደ።

ሓውና ራስል ከኣ፡ “ገንዘብ እናዞርና ኸቶ ኣይንእክብን ኢና” በሎ።

እቲ ኣገልጋሊ ድማ፡ “ከመይ ጌርኩም ደኣ ገንዘብ ትረኽቡ፧” ኢሉ ሓተቶ።

ራስል ከኣ፡ “ነቲ ቐሊል ዝዀነ ሓቂ እንተ ነጊረካ፡ ኣይትኣምንን ኢኻ። ሰባት ብዛዕባ እዚ ተገዳስነት ኬሕድሩ ኸለዉ፡ ገንዘብ እናዞርካ ኺእከብ ኣየድልን እዩ። ወጻኢታት ከም ዘሎ ግና ይርእዩ እዮም። ስለዚ፡ ንርእሶም፡ ‘እዚ ኣዳራሽ እዚ ወጻኢታት ኣለዎ። . . . ከመይ ገይረ ገንዘብ ከበርክት እኽእል፧’ ይብሉ” በሎ።

እቲ ኣገልጋሊ ነቲ ዝሰምዖ ምእማን ስኢኑ ንሓውና ራስል ጠመቶ።

ራስል ድማ፡ “ንጹር ሓቂ እየ ዝነግረካ ዘለኹ። ‘ነዚ ዕላማ እዚ ንምድጋፍ፡ ከመይ ገይረ ሒደት ገንዘብ ክውፊ እኽእል፧’ ኢሎም ይሓትቱኒ እዮም። ሓደ ሰብ ምስ ዚባረኽን ገንዘብ ምስ ዚህልዎን፡ ንጐይታና ኺጥቀመሉ ይደሊ እዩ። ገንዘብ እንተ ዘይብሉ ግና፡ ስለምንታይ ንትዅትኾ፧” በሎ። a

2 ሓውና ራስል፡ “ንጹር ሓቂ” እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ህዝቢ ኣምላኽ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድጋፍ፡ ብፍታዎም ውጽኢታት ናይ ምግባር ነዊሕ ታሪኽ እዩ ዘለዎም። ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ ገለ ኻብቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታትን ዘመናዊ ታሪኽን ክንምርምር ኢና። ሎሚ ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚምወል ክንምርምር ከለና፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ‘ንመንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ደገፍ ክህብ እኽእል፧’ ኢልና ንርእስና ንሕተት።

“ነፍሲ ወከፍ ፍታው ልቢ ዘለዎ . . . ህያብ የምጽእ”

3, 4. (ሀ) የሆዋ ኣብ ኣምለኽቱ እንታይ እምንቶ ኣለዎ፧ (ለ) እስራኤላውያን ንዕዮ እቲ ማሕደር ደገፍ ዝሃቡ ብኸመይ እዮም፧

3 የሆዋ ብናይ ሓቂ ኣምለኽቱ ይተኣማመን እዩ። ኣጋጣሚ እንተ ተዋሂብዎም፡ ብፍታው ብምሃብ ተወፋይነቶም ተሓጒሶም ከም ዜርእዩ ይፈልጥ እዩ። ኣብ ታሪኽ እስራኤል ተጠቒሱ ዚርከብ ክልተ ኣብነት እስከ ንርአ።

4 የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ መሪሑ ምስ ኣውጽኦም፡ ንኣምልኾ ዚኸውን ተንቀሳቓሲ ድንኳን ወይ ማሕደር ኪሰርሑ ኣዘዞም። እቲ ዚስራሕ ድንኳንን እቲ ኣቕሑኡን ብዙሕ ጥሪት ዚሓትት ነበረ። የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ነፍሲ ወከፍ ፍታው ልቢ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ህያብ የምጽእ” ብምባል፡ ነቶም ህዝቢ፡ ነቲ ዕዮ ኺድግፉ ዕድል ኪህቦም ኣዘዞ። (ዘጸ. 35:5) እቶም ቀቅድሚኡ፡ ‘ብጭካነ ዅሉ ዕዮ ዚዓይዩ ዝነበሩ’ ህዝብኸ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ (ዘጸ. 1:14) መብዛሕትኡ ኻብ ናይ ቀደም ጐይተቶም ዝነበሩ ግብጻውያን ዝገፈፍዎ ኪኸውን ዚኽእል ወርቅን ብሩርን ካልእ ክቡር ነገራትን ብፍታው ብምውፋይ፡ ደረት ዘይብሉ ደገፍ ሃቡ። (ዘጸ. 12:35, 36) እቶም እስራኤላውያን ካብቲ ዚድለ ንላዕሊ ስለ ዝሃቡ፡ “እቶም ህዝቢ [ተወሳኺ] ኸየምጽኡ ተኸልከሉ።”—ዘጸ. 36:4-7

5. ዳዊት ንእስራኤላውያን፡ ንህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ወፈያ ኺህቡ ዕድል ምስ ሃቦም፡ ንሳቶም እንታይ ገበሩ፧

5 ካብዚ ኣስታት 475 ዓመት ምስ ሓለፈ፡ ዳዊት ካብ ‘ናይ ርእሱ መዝገብ’ ንህንጸት እታ ኣብ ምድሪ ናይ ፈለማ ቐዋሚት ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝዀነት ቤተ መቕደስ ወፈየ። ድሕሪኡ፡ ንእስራኤላውያን፡ “ሎሚ ኢዱ ብፍታው መሊኡ ንእግዚኣብሄር ዚህብ መን አሎ፧” ብምባል፡ ኪውፍዩ ኣጋጣሚ ሃቦም። እቶም ህዝቢ ድማ ንየሆዋ፡ ‘ብፍጹም ልቢ ፈትዮም ሃቡ።’ (1 ዜና 29:3-9) ዳዊት ከኣ እቲ ናይ ሓቂ ምንጪ እቲ ወፈያታት መን ምዃኑ ይፈልጥ ብምንባሩ፡ ብጸሎት ንየሆዋ፡ “ኵሉ ኻባኻ ደኣ እዩ፡ ካብ ኢድካውን ኢና ሂብናካ ዘሎና” በሎ።—1 ዜና 29:14

6. ሎሚ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ንምፍጻም ገንዘብ ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧ እንታይ ሕቶታትከ እዩ ዚለዓል፧

6 ሙሴን ዳዊትን ንህዝቢ ኣምላኽ፡ ኪህቡ ጸቕጢ ኣይገበሩሎምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቶም ህዝቢ ብፍታው ልቢ እዮም ሂቦም። ሎሚኸ፧ መንግስቲ ኣምላኽ እትዓይዮ ዘላ ዕዮ፡ ገንዘብ ከም ዜድልዮ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። መጽሓፍ ቅዱሳትን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ንምሕታምን ንምዝርጋሕን፡ መአከቢ ቦታታትን ህንጻታት ጨንፈርን ንምህናጽን ንምክንኻንን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ግዜ ሓደጋ ንክርስትያን ብጾት ህጹጽ ረድኤት ንምሃብ፡ ብዙሕ ገንዘብ የድሊ እዩ። ስለዚ፡ እዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሕቶታት ኪለዓል ይከኣል፦ እቲ ዜድሊ ገንዘብ ብኸመይ ይርከብ፧ ሰዓብቲ እቲ ንጉስ ንምሃብ ኪትዅተኹ ኣለዎም ድዩ፧

“ናይ ሰብ ረድኤት ኣይትልምንን ወይ እውን ኣይትሓትትን እያ”

7, 8. ህዝቢ የሆዋ ኻብ ካልኦት ገንዘብ ዘይልምኑ ስለምንታይ እዮም፧

7 ሓውና ራስልን ብጾቱን፡ እቲ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ህዝበ ክርስትያን ኣዝዩ ልሙድ ዝዀነ ገንዘብ ንምርካብ ዚግበር ሜላታት ኪጥቀሙ ኣይደለዩን። ኣብታ ኻልአይቲ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ “‘ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ’ ትደልያዶ፧” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፡ ራስል ከምዚ በለ፦ “‘ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ’ ናይ የሆዋ ደገፍ ኣለዋ ኢልና ኢና እንኣምን፣ እቲ ጕዳይ ከምኡ ኽሳዕ ዝዀነ ኸኣ፡ ናይ ሰብ ረድኤት ኣይትልምንን ወይ እውን ኣይትሓትትን እያ። እቲ ‘ኣብ ኣኽራን ዘሎ ወርቅን ብሩርን ናተይ እዩ’ ዝበለ ዜድሊ ገንዘብ ምሃብ ጠጠው ምስ ኣበለ፡ ሽዑ ምሕታም እዛ መጽሔት እዚኣ ጠጠው ዚብለሉ ግዜ ምዃኑ ኽንርዳእ ኢና።” (ሃጌ 2:7-9) ሕጂ ድሕሪ 130 ዓመት፡ ግምቢ ዘብዐኛን እታ እተሕትማ ውድብን ይግስግሳ እየን ዘለዋ!

8 ህዝቢ የሆዋ፡ ገንዘብ ኣይልምኑን እዮም። ገንዘብ እናዞርካ ኸም ዚእከብ ኣይገብሩን ወይ ገንዘብ ኪዋጻእ ዚልምን ደብዳበታት ኣይልእኩን እዮም። ገንዘብ ንምርካብ ቢንጎ፡ ባዛር፡ ወይ ካልእ ሜላታት ኣይጥቀሙን እዮም። ምስቲ ግምቢ ዘብዐኛ ነዊሕ ይገብር ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዝሃበቶ ሓሳብ ይሰማምዑ እዮም፦ “ከምቲ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ፡ ንጐይታና ኢልና ገንዘብ ምልማን ከም ግቡእ ጌርና ኸቶ ርኢና ኣይንፈልጥን ኢና። . . . ብእተፈላለየ መለመኒ ሜላታት ጌርካ ብስም ጐይታና ዚእከብ ገንዘብ፡ ንሱ ዘይፈትዎን ዘይቅበሎን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብቶም ወሃብቲ ዀነ ኣብቲ ዚዕመም ዕዮ በረኸቱ ኸም ዘየምጽእ ኢና እንኣምን።” b

“ነፍሲ ወከፍ . . . ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ ይሃብ”

9, 10. ብፍታው ውጽኢት እንህበሉ ሓደ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

9 ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃንና፡ ተገዲድና ኣይኰንናን ክንህብ እንደሊ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ገንዘብና ዀነ ኻልእ ጥሪትና፡ ብታሕጓስ ንንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ ክንጥቀመሉ ንደሊ ኢና። ክንህብ ፍቓደኛታት ዝዀንና ስለምንታይ ኢና፧ ሰለስተ ምኽንያት እስከ ንርአ።

10 ቀዳማይ፡ ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮን “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ባህ ዜብሎ” ኽንገብር ስለ እንደልን ኢና ብፍታው ውጽኢታት እንገብር። (1 ዮሃ. 3:22) የሆዋ በቲ ኻብ ልቡ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኺኡ ይሕጐስ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ልግሲ እተዛረቦ ቓላት እስከ ንመርምር። (2 ቈረንቶስ 9:7 ኣንብብ።) ናይ ሓቂ ክርስትያን ብጓሂ ወይ ብግዲ ኣይኰነን ዚህብ። የግዳስ፡ “ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ” እዩ ዚህብ። c እዚ ማለት ከኣ፡ ደገፍ ከም ዜድሊ ድሕሪ ምሕሳቡ፡ ነቲ ዜድሊ ደገፍ ኬማልእ ኢሉ እዩ ዚገብሮ። “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ” ኸምዚ ዝበለ ወሃቢ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይፍቶ እዩ። ካልእ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሓረግ እዚኣ፡ “ኣምላኽ ነቶም ምሃብ ዚፈትዉ ሰባት ይፈትዎም” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ።

ኣብ ሞዛምቢክ ዚነብሩ ደቅና ምሃብ ይፈትዉ እዮም

11. ንየሆዋ እቲ ዝበለጸ ውህበት ክንህቦ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧

11 ካልኣይ፡ ንየሆዋ ስለቲ ብዙሕ በረኸቱ ኸነመስግኖ ኢልና፡ ገንዘባዊ ውጽኢታት ንገብር ኢና። ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ ልቢ ዚምርምር ስርዓት እሞ ንርአ። (ዘዳግም 16:16, 17 ኣንብብ።) ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ሰብኣይ ኣብቲ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ዚግበር በዓላት ኪእከብ ከሎ፡ ‘ከምቲ የሆዋ ዝሃቦ በረኸት፡’ ከምኡ ውህበት ኬምጽእ ነበሮ። ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ናብቲ በዓል ቅድሚ ምኻዱ፡ እቲ ኼምጽኦ ዚኽእል ዝበለጸ ውህበት ንምውሳን፡ በረኸቱ ኺጽብጽብን ልቡ ኺምርምርን ነበሮ። ንሕና ድማ ብተመሳሳሊ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝባረኸና ብዙሕ በረኸት ክንሓስብ ከለና፡ እቲ ዝበለጸ ውህበት ክንህቦ ንድረኽ ኢና። እቲ ንገንዘባዊ ውጽኢታት እውን ዜጠቓልል ብምሉእ ልብና እንህቦ ውህበት፡ ነቲ የሆዋ ዘፍሰሰልና በረኸት ክሳዕ ክንደይ ከም እነማስወሉ ዜርኢ እዩ።—2 ቈረ. 8:12-15

12, 13. ብፍታው እንገብሮ ውጽኢታት ነቲ ንንጉስና ዘላትና ፍቕሪ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ ነፍሲ ወከፍከ ኽንደይ እዩ ዚህብ፧

12 ሳልሳይ፡ በቲ ብፍታው እነዋጽኦ ውጽኢታት ኣቢልና፡ ንንጉስ የሱስ ክርስቶስ ዘላትና ፍቕሪ ነርኢ ኢና። ብኸመይ፧ የሱስ ኣብታ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ከም ዝበሎም እሞ ንርአ። (ዮሃንስ 14:23 ኣንብብ።) የሱስ፡ “ዜፍቅረኒ እንተሎ፡ ቃለይ ይሕሉ እዩ” በለ። “ቃል” የሱስ፡ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኵላ ምድሪ ኺስበኽ ዝሃቦ ትእዛዝ ዜጠቓልል እዩ። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ንሕና ድማ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ዓቕምና ዚፈቕደልና ዅሉ ብምግባር፡—ማለት ግዜናን ጕልበትናን ገንዘብናን ብምውፋይ፡—ነቲ “ቓል” እቲ ንሕልዎ ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ መሲሓዊ ንጉስ ዘላትና ፍቕሪ ነርኢ።

13 እወ፡ እሙናት ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዝዀንና፡ ገንዘባዊ ውጽኢታት ብምግባር፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ደገፍ ብምሉእ ልብና ኸነርኢ ንደሊ ኢና። ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ እንገብር፧ እዚ ብብሕቲ እንገብሮ ውሳነ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ዓቕሙ ብዚፈቕደሉ መጠን ዘዝበለጸ እዩ ዚህብ። ብዙሓት ካብ ክርስትያናት ብጾትና ግና፡ ብዙሕ ጥሪት እዛ ዓለም የብሎምን። (ማቴ. 19:23, 24፣ ያእ. 2:5) ይኹን እምበር፡ የሆዋን ወዱን ነቲ ብፍታው ልቢ ዚውሃብ ንእሽቶ ወፈያ እኳ ኣኽቢሮም ከም ዚርእይዎ ምፍላጦም ኬጸናንዖም ይኽእል እዩ።—ማር. 12:41-44

ገንዘብ ብኸመይ ይዋጻእ፧

14. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓያሎ ዓመታት ጽሑፋቶም ብምንታይ መሰናድዎ እዮም ዜበርክቱ ነይሮም፧

14 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓያሎ ዓመታት ውጽኢት እናተቐበሉ እዮም መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ዜበርክቱ ነይሮም። ብዙሕ ገንዘብ ዘይብሎም ሰባት እውን ጽሑፋትና ምእንቲ ኺረኽቡ፡ እቲ ኺዋጻእ ዘለዎ ገንዘብ ብእተኻእለ መጠን ከም ዚትሕት ይግበር ነይሩ። ሓደ ብዓል ቤት ተገዳስነት እንተ ኣለዎ፡ ግናኸ ገንዘብ ኬዋጽእ እንተ ዘይክኢሉ፡ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ጽሑፍ ይህብዎ ነይሮም እዮም። ልባዊ ትምኒቶም ነቲ ጽሑፋት ኣብ ኢድ እቶም ኬንብብዎን ካብኡ ኺጥቀሙን ዚደልዩ ቕኑዓት ሰባት ምብጻሕ እዩ ነይሩ።

15, 16. (ሀ) ኣመሓዳሪ ኣካል ብ1990 ኣብቲ ጽሑፋትና እነበርክተሉ መገዲ እንታይ ምትዕርራይ እዩ ኺገብር ዝጀመረ፧ (ለ) ብፍታው ዚግበር ወፈያ ብኸመይ እዩ ዚውሃብ፧ (“ ወፈያታትና ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

15 ብ1990፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብቲ ንጽሑፋትና እነበርክተሉ መገዲ ምትዕርራይ ኪገብር ጀመረ። ካብታ ዓመት እቲኣ ጀሚሩ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ኵሉ ጽሑፋት ምሉእ ብምሉእ ብመሰናድዎ ወፈያ ኸም ዚብርከት ተገብረ። ኣብታ ሃገር ናብ ዚርከባ ዅለን ጉባኤታት እተላእከት ደብዳበ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ በለት፦ “ኣስፋሕቲ ወይ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት፡ ከም ቅድመ ዅነት እተወሰነ ገንዘብ ኬዋጽኡ ኸም ዘለዎም ከይተሓተቱ ወይ ሓሳብ ከይቀረበሎም፡ መጽሔታትን ጽሑፋትን ኪብርከተሎም እዩ። . . . ነቲ ትምህርታዊ ዕዮና ዜውጽኦ ወጻኢታት ንምድጋፍ ወፈያ ኺገብሩ ዚደልዩ ዘበሉ፡ ወፈያ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም፣ ወፈያ ይግበሩ ኣይግበሩ ብዘየገድስ ግና፡ ጽሑፍ ኪውሃቦም ይኽእል እዩ።” እቲ መሰናድዎ እቲ፡ ሃይማኖታዊ ዕዮና ብፍታው ከም ዚግበርን ‘ሸቀጥቲ ቓል ኣምላኽ ከም ዘይኰንናን’ ኣነጺሩ እዩ። (2 ቈረ. 2:17) እቲ ብፍታው ኣብ ዚግበር ወፈያ ዚምርኰስ መሰናድዎ፡ ድሕሪ ግዜ ኣብ ኵለን እተን ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዋ ጨናፍር ተኣታትዩ እዩ።

16 እሞኸ ኸመይ ጌርካ እዩ ብፍታው ወፈያ ዚግበር፧ ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሳጹናት ውጽኢት ኣሎ። ውልቀ ሰባት ድማ ወፈያኦም ኣብኡ ኼእትዉ፡ ወይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ወፈያታት ኪሰድዱ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዓዓመት እትወጽእ ዓንቀጽ፡ ከመይ ጌርካ ብፍታው ወፈያታት ከም ዚውሃብ ትገልጽ እያ።

እቲ ገንዘብ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

17-19. እቲ ዚውፈ ገንዘብ፡ (ሀ) ንዓለምለኻዊ ዕዮ፡ (ለ) ንዓለምለኻዊ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ (ሐ) ንወጻኢታት ጉባኤ፡ ብኸመይ ከም ዜገልግል ግለጽ።

17 ዓለምለኻዊ ዕዮ። እቲ ዚውፈ ገንዘብ ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ንምፍጻም ዚወጽእ ወጻኢታት ንምሽፋን የገልግል። እዚ ወጻኢታት እዚ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዜድሊ ጽሑፋት ንምሕታም፡ ጨናፍር ኣብያተ ጽሕፈትን ኣባይቲ ቤት-ኤልን ንምህናጽን ንምክንኻንን፡ እተፈላለየ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ንምክያድ የገልግል። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንሚስዮናውያንን ንገየሽቲ ሓለውትን ንፍሉያት ፈለምትን ንምክንኻን የገልግል። ብተወሳኺ፡ ኣብ ግዜ ሓደጋ፡ ንክርስትያን ብጾትና ህጹጽ ረድኤት ንምሃብ እውን ወፈያታትና ንጥቀመሉ ኢና። d

18 ዓለምለኻዊ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ። እቲ ዚውፈ ገንዘብ፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሃንጻ ወይ ንድፊ ህንጻ ኣዐርየን ኬሐድሳ ንዚደልያ ጉባኤታት የገልግል። ውጽኢታት ምስ ተኣከበ፡ ንኻልኦት ጉባኤታት ንምሕጋዝ ዝያዳ ገንዘብ ኪውሃብ ይከኣል እዩ። e

19 ወጻኢታት ጉባኤ። እቲ ዚውፈ ገንዘብ፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምክያድን ንምክንኻንን የገልግል። እቶም ሽማግለታት፡ ገለ ኻብቲ ዚዋጻእ ገንዘብ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ንምድንፋዕ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪልኣኽ ሓሳብ ኬቕርቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ እቶም ሽማግለታት ነቲ ውሳነ ንምጽዳቕ ናብታ ጉባኤ የቕርብዎ እዮም። እንተ ጸዲቑ፡ እቲ እተሓስበ ገንዘብ ይለኣኽ እዩ። እቲ ሕሳብ ጉባኤ ዚሕዝ ሓው፡ ወርሒ ወርሒ ገንዘባዊ ጸብጻብ የዳሉ እዩ፣ እዚ ድማ ነታ ጉባኤ ይንበበላ እዩ።

20. ከመይ ጌርና ኢና ንየሆዋ ‘ብጥሪትና’ ኸነኽብሮ እንኽእል፧

20 ኵሉ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ዜጠቓልሎ ነገራት ክንሓስብ ከለና፡ ‘ብጥሪትና ንየሆዋ ኸነኽብሮ’ ንድረኽ ኢና። (ምሳ. 3:9, 10) እቲ ኣብዚ ጥሪትና ተባሂሉ ዘሎ፡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ጸጋታትና የጠቓልል። ነዚ ድማ ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ ንደሊ ኢና። እቲ ጥሪትና ተባሂሉ ዘሎ፡ ንስጋዊ ጸጋታትና ኸም ዜጠቓልል እውን ኣይንረስዕ። እምበኣር፡ ኣብቲ ዓቕምና ዚፈቕደልና እዋን፡ ዚከኣለና ዘበለ ንሃብ። ብፍታው እንገብሮ ወፈያታት ንየሆዋ ኽብሪ የምጽኣሉ፡ ነታ መሲሓዊት መንግስቲ ኸም እንድግፋ ድማ የርኢ።

a ናይ 15 ሓምለ 1915 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 218-219።

b ናይ 1 ነሓሰ 1899 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 201።

c ሓደ ምሁር፡ “ዝሓለኖ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ኣቐዲሙ ዝወሰኖ ዚብል ሓሳብ ኣለዋ” በለ። ኣስዒቡ ኸኣ፡ “ምሃብ ብኡብኡ ዜምጽኦ ሓጐስ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብመደብን ብስርዓትን ኪግበር ኣለዎ” በለ።—1 ቈረ. 16:2

d ብዛዕባ ኣገልግሎት ረድኤት ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 20 ርአ።

e ብዛዕባ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 19 ርአ።