ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 13

ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ጕዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ የቕርቡ

ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ጕዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ የቕርቡ

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

ከምቲ የሱስ እተነበዮ፡ ህዝቡ ንዕዮ ስብከቶም ዚጻረር ሕጊ የጋጥሞም

1, 2. (ሀ) እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ዕዮ ስብከት እንታይ ዕንቅፋት እዮም ዝገበሩሉ፧ ሃዋርያት ግና እንታይ እዮም ገይሮም፧ (ለ) ሃዋርያት ነቲ ኸይሰብኩ እተገብረሎም እገዳ ዘይተኣዘዙ ስለምንታይ እዮም፧

 እዋኑ፡ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ድሕሪ ምሕላፉ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ። እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ ሒደት ሰሙናት ዕድመ ጥራይ እዩ ነይርዋ። ሰይጣን ነዚ ግዜ እዚ፡ መጥቃዕቲ ዚፍንወሉ ምሹእ ግዜ ገይሩ እዩ ርእይዎ። እታ ጉባኤ ቕድሚ ምድልዳላ፡ ኪጭፍልቓ ደለየ። ብቕልጡፍ ድማ ኵነታት ጠዋውዩ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ዕዮ ስብከት ከም ዚእግድዎ ገበረ። እቶም ሃዋርያት ግና፡ ብትብዓት ስብከቶም ቀጸሉ፣ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ከኣ ‘ብጐይታ ኣመኑ።’—ግብ. 4:18, 33፣ 5:14

ሃዋርያት “ምእንቲ ስሙ ኺሓስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ” ተሓጐሱ

2 እቶም ተጻረርቲ በዚ ነዲሮም፡ መሊሶም መጥቃዕቲ ፈነዉ እሞ፡ ንዅሎም ሃዋርያት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጐንዎም። ብለይቲ ግና፡ መልኣኽ የሆዋ ነቲ መዓጹ ቤት ማእሰርቲ ኸፈቶ፣ ኣብ ምውጋሑ ኸኣ እቶም ሃዋርያት ናብ ስብከት ተመልሱ! ከም ብሓድሽ ድማ፡ ተኣሲሮም ኣብ ቅድሚ እቶም ኣሕሉቕ ቀረቡ፣ ንሳቶም ከኣ ንሃዋርያት፡ ነቲ ኸይሰብኩ እተዋህቦም ትእዛዝ ከም ዝጠሓሱ ኸሰስዎም። እቶም ሃዋርያት ድማ ብትብዓት፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ” ኢሎም መለሱ። እቶም ኣሕሉቕ ኣዝዮም ስለ ዝነደሩ፡ “ኪቐትልዎም” ደለዩ። ኣብቲ ወሳኒ ህሞት እቲ ግና፡ እቲ ብዅሉ ዚኽበር መምህር ሕጊ ዝዀነ ገማልኤል ነቶም ኣሕሉቕ፡ “ነዞም ሰባት እዚኦም ኣይትተንክይዎም፡ ሕደግዎም” ኢሉ ኣጠንቀቖም። እቲ ዜገርም ከኣ፡ እቶም ኣሕሉቕ ነቲ ምኽሩ ሰሚዖም ንሃዋርያት ሓደግዎም። እሞኸ እቶም እሙናት ሰባት እንታይ ገበሩ፧ ድምብርጽ ከይበሎም፡ “ከየቋረጹ ይምህሩን የበስሩን ነበሩ።”—ግብ. 5:17-21, 27-42፣ ምሳ. 21:1, 30

3, 4. (ሀ) ሰይጣን ንህዝቢ ኣምላኽ ንምጥቃዕ፡ እንታይ ብነዊሕ ግዜ እተፈተነ ሜላ እዩ ተጠቒሙ፧ (ለ) ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣን ኣብ ዚስዕባ ኽልተ ምዕራፋትን እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 እቲ ብ33 ድ.ክ. ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ጕዳይ፡ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ንፈለማ ግዜ ብወግዒ ዘጋጠማ ተቓውሞ እዩ ነይሩ፣ ናይ መወዳእታ ግና ኣይነበረን። (ግብ. 4:5-8፣ 16:20፣ 17:6, 7) ኣብዚ ግዜና እውን፡ ሰይጣን ንተጻረርቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብምልዕዓል፡ ሰበ ስልጣን ንዕዮ ስብከትና ኸም ዚእግድዎ ይገብር እዩ። ተጻረርቲ ኸኣ ንህዝቢ ኣምላኽ ብእተፈላለየ መገዲ ኸሲሶምዎም እዮም። ኣብ ሓደ ኻብቲ ኽስታቶም፡ ንሕና ስርዓት ህዝቢ ኸም እንጥሕስ፡ ማለት ከም እንርብሽ ገይሮም ከሲሶምና እዮም። ኣብ ካልእ ድማ፡ መናዓብቲ ኸም ዝዀንና ገይሮም ከሲሶምና እዮም። ኣብ ካልእ ከኣ፡ ንመኽሰብ ኢልና እንሸይጥ ሸቀጥቲ ኸም ዝዀንና ገይሮም ከሲሶምና እዮም። ኣሕዋትና ድማ፡ ግቡእ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ እዚ ኽስታት እዚ ሓሶት ምዃኑ ንምርግጋጽ ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም እዮም። እሞኸ እዚ ጕዳያት እዚ እንታይ ኣፍርዩ፧ እቲ ቕድሚ ሓያሎ ዓመታት እተበየነ ብይናት፡ ሎሚ ንዓኻ ብኸመይ ይጸልወካ፧ እዚ ብይናት እዚ፡ ‘ነቲ ብስራት ብሕጊ ንምስራትን ንምምጓትን’ ከመይ ገይሩ ኸም ዝሓገዘ ምእንቲ ኽንፈልጥ፡ ሒደት ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ጕዳያት እስከ ንመርምር።—ፊል. 1:7

4 ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ ብናጽነት ክንሰብኽ መሰልና ምዃኑ ኸመይ ጌርና ኸም እተማጐትና ኸነተኵር ኢና። ኣብ ዚስዕባ ኽልተ ምዕራፋት ከኣ፡ ካብዛ ዓለም እዚኣ ንዘይምዃንን ብስርዓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምንባርን ኣብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ፡ ገለ ኻብቲ ዝገበርናዮ ሕጋዊ ቓልስታት ክንርኢ ኢና።

ረበሽቲዶ ወይስ እሙናት ተጣበቕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፧

5. ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1930ታት፡ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ስለምንታይ እዮም ዚእሰሩ ነይሮም፧ እቶም ንውድብና ዚመርሑ ዝነበሩኸ እንታይ ስጕምቲ ኺወስዱ ሓሰቡ፧

5 ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1930ታት፡ ኣብ ምሉእ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከባ ኸተማታትን መንግስትታትን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ኣገልግሎት ንምስታፍ ዜኽእሎም ሕጋዊ ፍቓድ ኪሕዙ ኼገድዳኦም ፈተና። ኣሕዋትና ግና ፍቓድ ኪውሃቦም ኣየመልከቱን። ከመይሲ፡ በዚ ኸምዚ ዚውሃብ ፍቓድ ኪስረዝ ይከኣል እዩ፣ ንሳቶም ድማ ዝዀነ መንግስቲ ኣብቲ የሱስ ንክርስትያናት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ዝሃቦም ትእዛዝ ጣልቃ ኺኣቱ ስልጣን ከም ዘይብሉ ይኣምኑ ነበሩ። (ማር. 13:10) ስለዚ፡ ኣማእታት ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተኣስሩ። እቶም ንውድብና ዚመርሑ ዝነበሩ ኸኣ፡ ነቲ ጕዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ኬቕርብዎ ሓሰቡ። መንግስቲ ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሃይማኖቶም ብናጻ ኼካይዱ ዘለዎም መሰል ዘይሕጋዊ ቐይድታት ከም ዝገበረ ኼርእዩ ተስፋ ገበሩ። ብ1938 ከኣ፡ ናብ ታሪኻዊ ጕዳይ ቤት ፍርዲ ዝመርሐ ሓደ ፍጻመ ኣጋጠመ። እዚ እንታይ እዩ ነይሩ፧

6, 7. ንእንዳ ካንትዌል እንታይ ኣጋጠሞም፧

6 ሰሉስ ንግሆ 26 ሚያዝያ 1938፡ ሓሙሽተ ፍሉያት ፈለምቲ፡ ማለት ኒውተን ካንትዌል ዚብሃል ወዲ 60 ዓመት ሰብኣይን ኤስተር ዝስማ ሰበይቱን ሄንሪን ራስልን ጀሲን ዚብሃሉ ደቆምን፡ ኣብ ከተማ ኒው ሄቨን፡ ከነቲከት ኪሰብኩ ተበገሱ። ከም ሓቂ፡ ካብ ሓደ መዓልቲ ንላዕሊ ኸም ዚጸንሑ ተረዲእዎም ነይሩ እዩ። ስለምንታይ፧ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣትዮም ስለ ዝነበሩ፡ ሽዑ እውን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኺኣትዉ ኸም ዚኽእሉ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ እዚ ነገር እዚ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ዘለዎም ድሌት ኣየጥፍኦን። ብኽልተ ማካይን ከኣ ናብ ኒው ሄቨን ከዱ። ኒውተን ነታ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ተንቀሳቓሲ ፎኖግራፋትን ዝሓዘት ናይ ስድራ ቤት ማኪና ኺዝውር ከሎ፡ እቲ ወዲ 22 ዓመት ዝነበረ ሄንሪ ኸኣ መጕልሒ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና ይዝውር ነበረ። ከምቲ እተጸበይዎ ኸኣ፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ፖሊስ ደው ኣበሎም።

7 ፈለማ፡ እቲ ወዲ 18 ዓመት ዝነበረ ራስል፡ ድሕሪኡ ኒውተንን ኤስተርን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣተዉ። እቲ ወዲ 16 ዓመት ዝነበረ ጀሲ፡ ወለዱን ሓዉን ብፖሊስ ኪውሰዱ ኸለዉ፡ ኣማዕድዩ ረኣዮም። ሄንሪ ኣብ ካልእ ክፋል እታ ኸተማ ይሰብኽ ስለ ዝነበረ፡ ጀሲ በይኑ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ፎኖግራፉ ኣልዒሉ ስብከቱ ቐጸለ። ክልተ ካቶሊክ ሰብኡት ድማ ንጀሲ፡ “ጸላእቲ” ዘርእስታ ሓውና ራዘርፎርድ ዘቕረባ መደረ ኺውልዓሎም ፈቐዱሉ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ መደረ ኺሰምዕዎ ምስ ጀመሩ፡ እቶም ሰብኡት ኣዝዮም ተቘጢዖም ንጀሲ ኺወቕዕዎ ደለዩ። ጀሲ ድማ ብህድኣት ካባታቶም ረሓቐ፣ ድሕርዚ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ፖሊስ ደው ኣበሎ። በዚ ኸምዚ፡ ጀሲ እውን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣተወ። ፖሊስ ንሓብትና ካንትዌል ኣይከሰሳን፣ ንሓውና ካንትዌልን ንኽልተ ደቁን ግና ከሰሶም። በታ መዓልቲ እቲኣ ግና፡ ብዋሕስ ተፈትሑ።

8. እቲ ቤት ፍርዲ ንጀሲ ካንትዌል ብረብሻ ገበነኛ ዝገበሮ ስለምንታይ እዩ፧

8 ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብ መስከረም 1938፡ እንዳ ካንትዌል ኣብ ኒው ሄቨን ኣብ ዚርከብ ቤት ፍርዲ ቐረቡ። ኒውተንን ራስልን ጀሲን ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ ወፈያታት ሓቲቶም ተባሂሎም ከም ገበነኛታት ኰይኖም ተፈርዱ። ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከነቲከት እኳ ይግባይ እንተ በሉ፡ ጀሲ ሰላም ረቢሹ ተባሂሉ ተፈርዶ። ስለምንታይ፧ እቶም ነቲ እተቐድሐ መደረ ዝሰምዑ ኽልተ ካቶሊክ ሰብኡት፡ እቲ መደረ ንሃይማኖቶም ዝጸረፈ ዀይኑ ኸም እተሰምዖምን ከም ዘሕረቖምን ኣብ ቤት ፍርዲ ስለ ዝመስከሩ እዩ። ኣብ ውድብና ዝነበሩ ኣሕዋትና ነቲ ፍርዲ ተቓዊሞም፡ ናብቲ ኣብታ ሃገር ዚርከብ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ዝዀነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕ.መ.ኣ. ይግባይ በሉ።

9, 10. (ሀ) ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕ.መ.ኣ.፡ ኣብ ጕዳይ እንዳ ካንትዌል እንታይ ብይን በይኑ፧ (ለ) ካብቲ ብይን እቲ ሕጂ እውን እንታይ ንጥቀም ኣለና፧

9 ካብ 29 መጋቢት 1940 ጀሚሩ፡ ላዕለዋይ ዳኛ ቻርለስ ኤቨንስ ሂዩስን ብጾቱ ሸሞንተ ደያኑን ነቲ በቲ ጠበቓ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ ሓውና ሃይደን ከቪንግተን ዝቐረበሎም መርትዖ ሰምዑ። a ዓቃብ ሕጊ መንግስቲ ከነቲከት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ረበሽቲ ምዃኖም ኬእምን ኢሉ ኺማጐት ከሎ ድማ፡ ሓደ ዳኛ፡ “የሱስ ክርስቶስ ዚሰብኮ ዝነበረ መልእኽቲ ብግዜኡ ዘይፍቶዶ ኣይነበረን፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ዓቃብ ሕጊ መንግስቲ ኸኣ፡ “እወ። ጌጋ ይኽልኣለይ እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ነቲ መልእኽቲ እቲ ብምስባኹ ዘጋጠሞ ነገር እውን ይገልጽ እዩ” ኢሉ መለሰ። እዚ ነቲ ሓቂ ዘነጸረ ዘረባ እዩ ነይሩ! እቲ ዓቃብ ሕጊ ኸይተረድኦ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ የሱስ፡ ነቲ ዝኸሰሶም መንግስቲ ድማ ምስቶም ንየሱስ ዝፈረድዎ እዩ ወጊንዎም። ብ20 ግንቦት 1940 ከኣ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ብሓደ ድምጺ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚድግፍ ብይን በየነ።

ሕጋዊ ዓወት ድሕሪ ምርካቦም፡ ሃይደን ከቪንግተንን (ቅድሚት ማእከል) ግለን ሃውን (ጸጋም) ካልኦትን ካብ ቤት ፍርዲ ኺወጹ ኸለዉ

10 ብይን እቲ ቤት ፍርዲ እንታይ ኣገዳስነት ነበሮ፧ ነቲ ንሃይማኖት ብናጻ ናይ ምክያድ መሰል ብምስፋሕ፡ ፈደራላዊ ዀነ ኽልላዊ መንግስቲ ንሓርነት ሃይማኖት ብሕጊ ኪቕይዶ ኸም ዘይክእል ገበረ። ብዘይካዚ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንተግባር ጀሲ፡ “ንሰላምን ስርዓትን ህዝቢ ዜስግእ . . . ነገር ከም ዘይተረኽበሉ” ሓበረ። ስለዚ፡ እቲ ብይን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስርዓት ህዝቢ ዚርብሹ ኸም ዘይኰኑ ንጹር መሰረት ኣንበረ። ንኣገልገልቲ ኣምላኽሲ ኸመይ ዝበለ ወሳኒ ሕጋዊ ዓወት ኰን እዩ ነይሩ! እሞኸ ሕጂ እውን ካብኡ እንታይ ንጥቀም፧ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ጠበቓ፡ “ዘይግቡእ ቀይድታት ኪግበር ኢልና ኸይፈራህና፡ ሃይማኖትና ብናጻ ናይ ምክያድ መሰል፡ ሎሚ ንዓና ንናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መልእኽቲ ተስፋ ነቶም ኣብ እንነብረሉ ማሕበረሰብ ዘለዉ ኸነካፍሎም የኽእለና” በለ።

መናዓብቲዶ ወይስ ኣወጅቲ ሓቂ፧

ኲበክስ በርኒንግ ሄይት ፎር ጎድ ኤንድ ፍሪደም ኢዝ ዘ ሸይም ኦቭ ኦል ካናዳ

11. ኣብ ካናዳ ዝነበሩ ኣሕዋትና እንታይ ወፈራ እዮም ዝገበሩ፧ ስለምንታይከ፧

11 ብ1940ታት፡ ኣብ ካናዳ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብርቱዕ ተቓውሞ የጋጥሞም ነበረ። ስለዚ፡ ብ1946፡ መንግስቲ ንመሰል ናጽነት ኣምልኾ ኸም ዘየኽብር ዘሎ ንህዝቢ ንምፍላጥ፡ ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኣሕዋትና ኲበክስ በርኒንግ ሄይት ፎር ጎድ ኤንድ ፍሪደም ኢዝ ዘ ሸይም ኦቭ ኦል ካናዳ (እዚ ኣብ ኲበክ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ንናጽነትን ዚርአ ዘሎ ብርቱዕ ጽልኢ ንዅላ ካናዳ ዜሕፍር እዩ) ዘርእስታ ትራክት ን16 መዓልቲ ብእተገብረ ወፈራ ዓደሉ። እዛ ኣርባዕተ ገጽ ዝሓዘት ትራክት፡ ነቲ ኣብ ኣውራጃ ኲበክ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ዝወረደ ኣቕሽሽቲ ዘለዓዓልዎ ህውከትን ጭከና ፖሊስን ጭፍራ ሰባት ተኣኪቦም ዘውረድዎ ጕድኣትን ብዝርዝር እተቃልዕ ነበረት። እታ ትራክት፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሳዕ ሕጂ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ይኣትዉ ኣለዉ” በለት። ብዘይካዚ እውን፡ “ኣብ ሞንትሪያል ኣስታት 800 ጕዳይ ተጸፍጺፉ ኣሎ” በለት።

12. (ሀ) ተጻረርቲ ኸም ምላሽ እቲ ወፈራ ትራክት እንታይ ገይሮም፧ (ለ) ኣሕዋትና ብምንታይ ክሲ ተኸሲሶም፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

12 ኣብ ኲበክ ዝለዓለ ስልጣን መንግስቲ ዝነበሮ ሞሪስ ድዩፕለሲ፡ ምስ ናይ ሮማ ካቶሊክ ካርዲናል ቪለነዩቭ ኢድን ጓንትን ኰይኑ፡ ከም ምላሽ እታ ትራክት፡ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ “ውግእ ብዘይ ምሕረት” ኣወጀ። እቲ ኽስታት ከኣ ብቕልጡፍ ካብ 800 ዕጽፊ ዀይኑ 1,600 በጽሐ። ሓንቲ ፈላሚት፡ “ፖሊስ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ የእትዉና ስለ ዝነበሩ፡ ካብ ምብዛሑ እተላዕለ ቝጽሩ ጠፊኡና” በለት። ነታ ትራክት ኪዕድሉ እተረኽቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ “መናዓቢ ጽሑፍ” ብምሕታሞም ተኸስሱ። b

13. መናዓብቲ ተባሂሎም ንፈለማ ግዜ እተኸስሱ መን እዮም ነይሮም፧ እቲ ቤት ፍርዲኸ እንታይ ወሲኑ፧

13 ብ1947፡ ሓውና ኤሜ ቡሸን ጓል 18 ዓመት ዝነበረት ዢዘል ጓሉን ጓል 11 ዓመት ዝነበረት ሉየሲል ጓሉን፡ መናዓብቲ ተባሂሎም ኣብ ቤት ፍርዲ ቐረቡ። ኣብቲ ኣብ ጥቓ ሕርሻኦም፡ ኣብ ደቡብ ከተማ ኲበክ ዚርከብ ኵርባታት፡ ነታ ኲበክስ በርኒንግ ሄይት እትብሃል ትራክት ብምዕዳሎም እዮም ተኸሲሶም። ግናኸ፡ ሕጊ ዘየኽብሩ ረበሽቲ ጌርካ ዚቝጸሩ ኣይነበሩን። ሓውና ቡሸ ነቲ ንእሽቶ ሕርሻኡ ብህድኣት ዚከናኸን ልኡም ሰብኣይ እዩ ነይሩ፣ ሓሓሊፉ ድማ እዩ ብፈረስን ካሮሳን ገይሩ ናብ ከተማ ዚጕዓዝ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤቱ፡ እቲ ኣብታ ትራክት እተገልጸ ማህሰይትታት ወሪዱ ነይሩ እዩ። እቲ ዳኛ ኸኣ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ይጸልእ ብምንባሩ፡ ሓውና ቡሸን ኣዋልዱን ንጹሃት ምዃኖም ዜርኢ መርትዖ ምቕባል ኣበየ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ዓቃብ ሕጊ፡ ‘እታ ትራክት ጽልኢ ስለ ዘለዓዓለት፡ ገበነኛታት ኪዀኑ ኣለዎም’ ኢሉ ዘቕረቦ ኽሲ ተቐበሎ። ስለዚ፡ ርእይቶ እቲ ዳኛ ብሓጺሩ፡ ‘ሓቂ ምንጋር ገበን እዩ’ ዚብል እዩ ነይሩ። ኤሜን ዢዘልን መናዓቢ ጽሑፍ ብምዕዳሎም፡ ገበነኛታት ተባሂሉ ተፈርዶም፣ እታ ንእሽቶ ዝነበረት ሉየሲል እኳ ኽልተ መዓልቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐነት። ኣሕዋትና ናብቲ ኣብታ ሃገር ዚርከብ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ዝዀነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ ይግባይ በሉ። እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ነቲ ጕዳይ ኪሰምዖ ፍቓደኛ ዀነ።

14. ኣብ ኲበክ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ኣብቲ መስጐጕቲ ዜጓንፎም ዝነበረ ዓመታት እንታይ ገይሮም፧

14 እዚ ኪኸውን ከሎ፡ ኣብ ኲበክ ዚርከቡ ተባዓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ዘየቋርጽን ብርቱዕን መጥቃዕቲ እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ስብከት መልእኽቲ ኣምላኽ ኣየቋረጹን፣ ብዙሕ ዜደንቕ ፍረ እውን ረኸቡ። ኣብቲ ድሕሪ እቲ ብ1946 እተገብረ ወፈራ ትራክት ዝነበረ ኣርባዕተ ዓመት፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ ኲበክ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ 300 ናብ 1,000 ወሰኸ! c

15, 16. (ሀ) ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ ኣብ ጕዳይ እንዳ ቡሸ እንታይ ብይን ሂቡ፧ (ለ) እዚ ዓወት እዚ ኣብ ኣሕዋትናን ኣብ ካልኦትን እንታይ ጽልዋ ነይርዎ፧

15 ኣብ ሰነ 1950፡ ብትሽዓተ ደያኑ ዝቘመ ምሉእ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ ንጕዳይ ኤሜ ቡሸ ሰምዖ። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ማለት ብ18 ታሕሳስ 1950 ከኣ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንዓና ዚድግፍ ብይን ሃበ። ስለምንታይ፧ ጠበቓ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ ሓውና ግለን ሃው ከም ዝገለጾ፡ እቲ ቤት ፍርዲ፡ “መናዓቢ” ኢሉ ንኺፈርድ ዓመጻ ዜለዓዕል ተግባር ወይ ኣንጻር መንግስቲ ዚግበር ምልዕዓል ኪረክብ ከም ዘለዎ ኻብ ጠበቓ ዝቐረበሉ ሓሳብ ተሰማምዓሉ። እታ ትራክት ግና፡ “ከምዚ ዓይነት ዜለዓዕል ሓሳብ ኣይነበራን፣ ስለዚ፡ ሓሳብ ብናጻ እተገልጸላ ሕጋዊ መገዲ እያ ነይራ።” ሓውና ሃው ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “የሆዋ ነዚ ዓወት እዚ ኸመይ ገይሩ ኸም ዝሃበና ብዓይነይ ርእየ እየ” በለ። d

16 ውሳነ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብርግጽ ዓብዪ ዓወት እዩ ነይሩ። ንዅሉ እቲ ኣብ ኲበክ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መናዓቢ ጽሑፍ ብምዕዳል ተኸሲሶምሉ ዝነበሩ ኣብቲ ግዜ እቲ ተወዚፉ ዝነበረ 122 ጕዳያት፡ መሰረት ከም ዘይህልዎ ገበሮ። ብተወሳኺ፡ ብምኽንያት እቲ ብይን፡ ዜጋታት ካናዳን ዜጋታት ሃገራት ናይ ሓባር ሃብትን ብዛዕባ ቕጥዒ መንግስቲ ዘለዎም ስክፍታ ኺገልጹ ናጽነት ረኸቡ። ብዘይካዚ፡ እዚ ዓወት እዚ ነቲ ቤተ ክርስትያንን መንግስትን ኲበክ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፈነውዎ መጥቃዕቲ ኣፍሸሎ። e

ሸቀጥቲዶ ወይስ ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ፧

17. ገሊአን መንግስትታት ንንጥፈታት ስብከትና ብኸመይ ኪቈጻጸራኦ ፈቲነን፧

17 ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እዮም እምበር፡ ‘ሸቀጥቲ ቓል ኣምላኽ ኣይኰኑን።’ (2 ቈረንቶስ 2:17 ኣንብብ።) ኰይኑ ግና፡ ገሊአን መንግስትታት ንንጥፈታት ኣገልግሎትና፡ በቲ ንንግዲ ዚቈጻጸራሉ ሕግታት ገይረን ኪቈጻጸራኦ ይፍትና እየን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ሸቀጥቲ ወይ ኣገልገልቲ ኣየናይ ምዃኖም ውሳነ እተዋህበሉ ኽልተ ጕዳይ ቤት ፍርዲ እስከ ንርአ።

18, 19. ኣብ ደንማርክ ዝነበሩ ሰበ ስልጣን ንዕዮ ስብከትና ኸመይ ገይሮም ኪቕይድዎ ፈቲኖም፧

18 ደንማርክ። ብ1 ጥቅምቲ 1932፡ እናዞርካ ንምሻጥ ፍቓድ ከየውጻእካ፡ እተሓትመ ጽሑፋት ምሻጥ ዘይሕጋዊ ዚገብር ሕጊ ኺዕየየሉ ጀመረ። ኣሕዋትና ግና ፍቓድ ኪውሃቦም ኣይሓተቱን። ንጽብሒቱ፡ ሓሙሽተ ኣስፋሕቲ ኣብታ ኻብ ኮፐንሃገን ብምዕራብ 30 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ሮስኪደ ኺሰብኩ ወዓሉ። ኣብ መወዳእታ እታ መዓልቲ፡ ሓደ ኻብቶም ኣስፋሕቲ ዝዀነ ኦገስት ሌማን ምስቶም ካልኦት ኣይተራኸበን። ከመይሲ፡ ብዘይ ፍቓድ ኪሸይጥ ተረኺቡ ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣትዩ ነይሩ እዩ።

19 ብ19 ታሕሳስ 1932፡ ኦገስት ሌማን ኣብ ቤት ፍርዲ ቐረበ። ንሰባት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ከም ዝዓደለ፡ ግናኸ ይሽቅጥ ከም ዘይነበረ መስከረ። እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ምስኡ ተሰማምዐ እሞ፡ “ክሱስ . . . ገዛእ ርእሱ ብገንዘብ ዚድግፍ እዩ፣ ዋላ ሓንቲ ቝጠባዊ ረብሓ ኸኣ ኣይረኸበን፡ ኪረክብ እውን ኣይሓለነን፣ እኳ ደኣስ፡ ንጥፈታቱ ገንዘባዊ ወጻኢታት ከም ዜውጽእ እዩ ገይርዎ” በለ። እቲ ቤት ፍርዲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምውጋን፡ ንጥፈታት ሌማን፡ “ምስ ንግዲ ኺጽብጸብ ኣይከኣልን እዩ” በለ። ተጻረርቲ ህዝቢ ኣምላኽ ግና፡ ዕዮ ስብከት ኣብ ብዘላ እታ ሃገር ኪቕይዱ ቘሪጾም ተላዒሎም ነይሮም እዮም። (መዝ. 94:20) እቲ ዓቃብ ሕጊ ኸኣ ክሳዕ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ይግባይ እናበለ ተማጐተ። እሞኸ ኣሕዋትና እንታይ ገይሮም፧

20. ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደንማርክ እንታይ ብይን በይኑ፧ ኣሕዋትናኸ እንታይ ገይሮም፧

20 ቀቅድሚ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ጕዳይ ዚሰምዓሉ ሰሙን፡ ኣብ ብዘላ ደንማርክ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጥፈታት ስብከቶም ኣሐየሉ። ሰሉስ 3 ጥቅምቲ 1933፡ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብይኑ ኣፍለጠ። ምስቲ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ብምስምማዕ ከኣ፡ ኦገስት ሌማን ሕጊ ኸም ዘየፍረሰ ገለጸ። እዚ ብይን እዚ ድማ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናጻ ኺሰብኩ ኸም ዚኽእሉ ዜረጋግጽ ነበረ። እቶም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከኣ፡ ነቲ የሆዋ ዝሃቦም ሕጋዊ ዓወት ምስጋናኦም ንምግላጽ፡ ንጥፈታቶም ብዝያዳ ወሰኹ። ካብቲ ውሳነ ቤት ፍርዲ እቲ ንደሓር፡ ኣብ ደንማርክ ዚርከቡ ኣሕዋትና፡ ኣገልግሎቶም ብዘይ ናይ መንግስቲ ዕንቅፋት ኪፍጽሙ ኽኢሎም ኣለዉ።

ብ1930ታት፡ ተባዓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ደንማርክ

21, 22. ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕ.መ.ኣ. ኣብ ጕዳይ ሓውና ሙርዶክ እንታይ ውሳነ ሂቡ፧

21 ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ። ሰንበት 25 ለካቲት 1940፡ ፈላሚ ዀይኑ ዜገልግል ሮበርት ሙርዶክ ጁንየርን ካልኦት ሸውዓተ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን፡ ኣብ ፐንስልቨንያ ኣብ ጥቓ ፒትስበርግ እትርከብ ጂነት ኣብ እትብሃል ከተማ ኺሰብኩ ኸለዉ፡ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣተዉ። ጽሑፋት ንምዕዳል ዜድሊ ፍቓድ ብዘይምውጻኦም ተፈርዶም። እቲ ነገር ይግባይ ምስ ተባህለ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕ.መ.ኣ. ነቲ ጕዳይ ኪሰምዖ ፍቓደኛ ዀነ።

22 ብ3 ግንቦት 1943፡ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብይኑ ኣፍለጠ፣ እቲ ብይን ከኣ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚድግፍ ነበረ። ፍቓድ ንምርካብ ዚወጽእ ሕጊ፡ ብፈደራላዊ ሕገ መንግስቲ ወይ ቅዋም ንእተዋህበ መሰል ዕንቅፋት ዚፈጥር ብምዃኑ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ተቓወሞ። እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ እታ ኸተማ ዘውጽኣቶ ሕጊ፡ “ንናጽነት ሕትመት ዚድርትን ንናጽነት ሃይማኖት ዚቕይድን” ገይሩ ብምርኣዩ፡ ከም ዚስረዝ ገበሮ። ዳኛ ዊልያም ኦርቪል ዶግላስ ነቲ መብዛሕትኦም ደያኑ እቲ ቤት ፍርዲ ዝነበሮም ርእይቶ ኺገልጽ ከሎ፡ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ “ካብ ስብከት ንላዕሊ እዩ፣ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ካብ ምዕዳል ንላዕሊ እዩ። ክልቲኡ ዘጣመረ እዩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “እዚ መዳይ ሃይማኖታዊ ንጥፈት እዚ፡ . . . ማዕረ እቲ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ዚግበር ኣምልኾን ኣብ መስበኽያ ዄንካ ዚውሃብ ስብከትን ኣገዳስነት ዘለዎ እዩ” በለ።

23. ብ1943 ኣብ ቤት ፍርዲ እተረኽበ ዓወታት፡ ሎሚ ንዓና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

23 እዚ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እተዋህበ ብይን፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዓብዪ ሕጋዊ ዓወት እዩ ነይሩ። ንናይ ሓቂ እንታይነትና፡ ማለት ክርስትያን ኣገልገልቲ እምበር፡ ንመኽሰብ ኢልና እንሸይጥ ሸቀጥቲ ዘይምዃንና ዘረጋገጸ እዩ ነይሩ። በታ ብ1943 ዝነበረት ኣገዳሲት መዓልቲ እቲኣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቲ ኣብ ቅድሚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ 13 ጕዳይ፡ ንጕዳይ ሙርዶክ ሓዊስካ፡ ኣብ 12 ጕዳይ ተዓዊቶም። እዚ ውሳነታት ቤት ፍርዲ እዚ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ተጻረርትና፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብጋህድን ኣብ በቤትን ንምስባኽ ዘሎና መሰል ንምዕንቃፍ ዝገበርዎ ጻዕሪ ንምፍሻል ከም ባይታ ዀይኑ እዩ።

“ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ”

24. መንግስቲ ንዕዮ ስብከትና ኺእግዶ ኸሎ፡ እንታይ ኢና እንገብር፧

24 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን፡ መንግስትታት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብናጻ ኽንሰብኽ ሕጋዊ መሰል እንተ ሂበናና፡ ኣዚና ነመስግን ኢና። መንግስትታት ንዕዮ ስብከትና እንተ ኣጊደናኦ ግና፡ ዕዮና ብእተኻእለና መገዲ ንምቕጻል፡ ሜላታትና ጥራይ ኢና እነዐሪ። ከምቲ ሃዋርያት ዝበልዎ፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ።” (ግብ. 5:29፣ ማቴ. 28:19, 20) እቲ ኣብ ንጥፈታትና እተገብረ እገዳ ኺልዓለልና ኸኣ፡ ናብ ኣብያተ ፍርዲ ንጠርዕ ኢና። ክልተ ኣብነት እስከ ንርአ።

25, 26. ኣብ ኒከራግዋ እተፈጥረ እንታይ ኵነታት እዩ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘምርሐ፧ ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧

25 ኒከራግዋ። ብ19 ሕዳር 1952፡ ሚስዮናውን ኣገልጋሊ ጨንፈርን ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ ዶነቫን ሙንስተርማን ኣብ ማናግዋ ናብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ከደ። ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ እቲ ቤት ጽሕፈት ዝነበረ ካፕቴን ኣርኖልዶ ጋርሲያ ኪቐርብ እዩ ተኣዚዙ። እቲ ካፕቴን ከኣ ንዶነቫን፡ ኣብ ኒከራግዋ ዚርከቡ ዅሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ “ሰረተ እምነታቶም ከይሰብኩን ሃይማኖታዊ ንጥፈታቶም ከየስፋሕፍሑን ከም እተኸልከሉ” ነገሮ። ስለምንታይ እዚ ኸም እተወሰነ ምስ ተሓትተ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ሚኒስተር መንግስቲ ኣገልግሎቶም ኪፍጽሙ ፍቓድ ስለ ዘይብሎምን ኮምዩኒስት ከም ዝዀኑ ስለ እተኸሰሱን ምዃኑ ሓበረ። እቶም ከሰስቲኸ መን እዮም ነይሮም፧ ኣቕሽሽቲ ናይ ሮማ ካቶሊክ እዮም ነይሮም።

ኣብ ኒከራግዋ እገዳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበሩ ኣሕዋት

26 ሓውና ሙንስተርማን ናብ ሚኒስትሪ መንግስትን ሃይማኖታትን ናብ ፕረዚደንት ኣናስታስዮ ሶሞዛ ጋርሲያን ጥርዓኑ ኣቕረበ፣ እዚ ግና ዋላ ሓንቲ ኣይጠቐመን። ስለዚ፡ ኣሕዋትና ሜላታቶም ቀየሩ። ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዓጽዮም፡ በብንኣሽቱ ጕጅለ ይእከቡ ነበሩ፣ ኣብ መገዲ ምምስካር ከኣ ሓደግዎ፣ ኰይኑ ግና፡ ስብከት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣየቋረጹን። እዚ እናገበሩ ድማ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኒከራግዋ ነቲ እገዳ ዚስርዝ ትእዛዝ ኪህብ ጥርዓን ኣቕረቡ። ጋዜጣታት ነቲ እገዳን ነቲ ጥርዓንን ብሰፊሕ ኣቃልሓኦ፣ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኸኣ ነቲ ጕዳይ ኪርእዮ ተሰማምዐ። እሞኸ ውጽኢቱ እንታይ ኰነ፧ ብ19 ሰነ 1953፡ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚድግፍ ውሳነኡ ብሓደ ድምጺ ሃበ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ እቲ እገዳ ነቲ ኣብ ሕገ መንግስቲ ወይ ቅዋም ውሕስነት እተዋህቦ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናይ ሕልናን እምነትካ ናይ ምግላጽን ናጽነት ዚጥሕስ ኰይኑ ረኸቦ። እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኒከራግዋን ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ዝነበረ ርክብ ናብ ቀደሙ ኺምለስ እውን ኣዘዘ።

27. ህዝቢ ኒከራግዋ ብውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ እተገረሙ ስለምንታይ እዮም፧ ኣሕዋትናኸ ነቲ ዓወት ብኸመይ ረኣይዎ፧

27 ኒከራግዋውያን፡ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምውጋኑ ተገረሙ። ክሳዕ ሽዑ፡ ጽልዋ እቶም ኣቕሽሽቲ ኣዝዩ ሓያል ብምንባሩ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ምሳታቶም ከይጋጮ ይጥንቀቕ ነይሩ እዩ። ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዝነበሮም ጽልዋ እውን ኣዝዩ ዓብዪ ብምንባሩ፡ ኣንጻሮም ዚውሰን ውሳነ ሳሕቲ እዩ ነይሩ። ኣሕዋትና ኸኣ እቲ ዓወት ካብ ንጉሶም እተዋህበ ዕቝባ ምዃኑ ስለ እተኣማመኑ፡ ስብከቶም ቀጸሉ።—ግብ. 1:8

28, 29. ኣብ መፋርቕ 1980ታት፡ ኣብ ዛየር እንታይ ኵነታት እዩ እተቐየረ፧

28 ዛየር። ኣብ መፋርቕ 1980ታት፡ ኣብዛ ሕጂ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እትብሃል ዘላ ዛየር ኣስታት 35,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ምስቲ ብቐጻሊ ዚዓቢ ዝነበረ ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስጓም፡ እቲ ጨንፈር ሓደስቲ ህንጻታት ይሃንጽ ነበረ። ኣብ ታሕሳስ 1985፡ ኣብታ ርእሰ ኸተማ ዝዀነት ኪንሻሳ ኣህጉራዊ ኣኼባ ተገብረ፣ ካብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ዚርከብዎም 32,000 ኣኼበኛታት ድማ ነቲ ኣብታ ኸተማ ዚርከብ ስታድዩም መልእዎ። ድሕሪኡ ግና፡ እቲ ዅነታት ኪቕየር ጀመረ። እሞኸ እንታይ ኰነ፧

29 ካብ ኲበክ፡ ካናዳ ሚስዮናዊ ዀይኑ ዝመጸ፡ መስጐጕቲ ስርዓት ድዩፕለሲ ድማ ዘሕለፈ ሓውና ማርሰል ፊልቶ፡ ሽዑ ኣብ ዛየር የገልግል ነበረ። እንታይ ከም ዝዀነ ኼዘንቱ ኸሎ፡ “ብ12 መጋቢት 1986 እቶም ሓላፍነት ዝነበሮም ኣሕዋት፡ ኣብ ዛየር ዚርከብ ማሕበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይሕጋዊ ምዃኑ ዚገልጽ ደብዳበ ተቐበሉ” በለ። እቲ እገዳ በቲ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነበረ ሞቡቱ ሰሰ ሴኮ እተኸተመ ነበረ።

30. እቶም ኣባላት ኮሚተ ጨንፈር እንታይ ከቢድ ውሳነ እዮም ኪገብሩ ዝነበሮም፧ እንታይ ኪገብሩኸ ወሰኑ፧

30 ንጽብሒቱ፡ ሃገራዊት ረድዮ፡ “ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ [ዛየር] ኣይንሰምዕን ኢና” በለት። ብኡብኡ፡ መስጐጕቲ ሰዓበ። ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዓነወ፣ ኣሕዋትና እውን ተዘረፉ፡ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣተዉ፡ ተወቕዑ። ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ከይተረፉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐኑ። ብ12 ጥቅምቲ 1988፡ እቲ መንግስቲ ንንብረት ውድብና ገበቶ፣ ሓደ ኣሃዱ ሰራዊት ኣብቲ ጨንፈር ሰፈረ። እቶም ሓላፍነት ዝነበሮም ኣሕዋት ናብ ፕረዚደንት ሞቡቱ ጥርዓኖም ኣቕረቡ፣ ምላሽ ግና ኣይረኸቡን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣባላት ኮሚተ ጨንፈር ከቢድ ውሳነ ኺገብሩ ነበሮም። “ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲዶ ኽንጠርዕ ወይስ ክንጸንሕ፧” ኢሎም ሓሰቡ። እቲ ሚስዮናውን ኣተሓባባሪ ኮሚተ ጨንፈር እታ ሃገርን ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ ቲሞቲ ሆልምስ፡ “ጥበብን መምርሕን ካብ የሆዋ ደለና” በለ። ኣባላት እቲ ኮሚተ ጸልዮም ድሕሪ ምዝታዮም፡ ብሕጊ ዚማጐቱሉ ግዜ ኸም ዘይኣኸለ ተሰምዖም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንኣሕዋትና ኣብ ምክንኻንን ዕዮ ስብከት ዚቕጽሉሉ መገድታት ኣብ ምንዳይን ኣተኰሩ።

“ኣብቲ እንማጐተሉ ዝነበርና እዋን፡ የሆዋ ንዅነታት ኪለዋውጦ ኸም ዚኽእል ርኢና ኢና”

31, 32. ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዛየር እንታይ ዜደንቕ ውሳነ እዩ ዝገበረ፧ እዚኸ ኣብ ኣሕዋትና እንታይ ጽልዋ ኣሕደረ፧

31 እተወሰነ ዓመታት ምስ ሓለፈ፡ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚወርድ ዝነበረ ጸቕጢ ነከየ፣ ኣብታ ሃገር ንሰብኣዊ መሰላት ዚውሃብ ኣኽብሮት ከኣ ወሰኸ። ሽዑ፡ እቲ ኮሚተ ጨንፈር ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ዛየር ብምጥራዕ፡ ነቲ እገዳ ዚቃወመሉ ግዜ ኸም ዝኣኸለ ተሰምዖ። እቲ ዜገርም ከኣ፡ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ጕዳይ ኪሰምዖ ተሰማምዐ። ብ8 ጥሪ 1993 ድማ፡ መንግስቲ ነቲ እገዳ ኻብ ዚገብር ዳርጋ ሸውዓተ ዓመት ምስ ሓለፈ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተገብረ እገዳ ዘይሕጋዊ ኸም ዝዀነ ወሰነ፣ እቲ እገዳ ኸኣ ተላዕለ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ! እቶም ደያኑ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም እዮም ነቲ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝገበሮ ውሳነ ሰሪዞምዎ! ሓውና ሆልምስ፡ “ኣብቲ እንማጐተሉ ዝነበርና እዋን፡ የሆዋ ንዅነታት ኪለዋውጦ ኸም ዚኽእል ርኢና ኢና” በለ። (ዳን. 2:21) እዚ ዓወት እዚ፡ ንእምነት ኣሕዋትና ኣደልዲልዎ እዩ። ንጉስ የሱስ ንህዝቡ ብምምራሕ፡ ስጕምቲ ኺወስዱሉ ዘለዎም ግዜን መገድን ከም ዘፍለጦም ተሰሚዕዎም እዩ።

ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዚርከቡ ኣሕዋትና፡ በቲ ንየሆዋ ንምምላኽ ረኺቦምዎ ዘለዉ ናጽነት ይሕጐሱ እዮም

32 እቲ እገዳ ምስ ተላዕለ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ሚስዮናውያን ኬምጽእን ሓድሽ ህንጻታት ቤት ጽሕፈት ኪሃንጽን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ናብ ሃገር ኬእቱን ተፈቕደሉ። f ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ የሆዋ ንመንፈሳዊ ድሕንነት ህዝቡ ኸም ዜዕቍብ ብምርኣዮምሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ተሓጒሶም!—ኢሳ. 52:10

“የሆዋ ረዳእየይ እዩ”

33. ሒደት ጕዳያት ቤት ፍርዲ ብምምርማርና እንታይ ትምህርቲ ረኺብና፧

33 ገለ ኻብቲ ሕጋዊ ቓልስታት ምምርማርና፡ የሱስ ነቲ፡ “ኵሎም ተጻረርትኹም ብሓባር ኪቃወምዎ ወይ ኪከራኸርዎ ዘይክእሉ ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ” ዝበሎ ቓል ከም ዝፈጸሞ ዜርኢ መርትዖ ይዀነና እዩ። (ሉቃስ 21:12-15 ኣንብብ።) ሓድሓደ ግዜ፡ የሆዋ ንህዝቡ ንምዕቋብ፡ ኣብዚ ዘመንና እውን ከም ገማልኤል ዝበሉ ሰባት ኣተንሲኡ፡ ወይ ተባዓት ደያኑን ጠበቓታትን ንፍትሒ ኸም ዚቘሙ ገይሩ እዩ። የሆዋ ንኣጽዋር ተጻረርትና ኣፍሺልዎ እዩ። (ኢሳይያስ 54:17 ኣንብብ።) ተቓውሞ ንዕዮ ኣምላኽ ደው ኬብሎ ኣይኽእልን እዩ።

34. ሕጋዊ ዓወታትና ኣዝዩ ዜገርም ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ንምንታይከ እዩ መርትዖ ዚኸውን፧ (“ ንስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዘደንፍዐ ኣገዳሲ ዓወታት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ” ዘርእስቱ ሳጹን እውን ርአ።)

34 ሕጋዊ ዓወታትና ኣዝዩ ዜደንቕ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ ነዚ እሞ ሕስብ ኣብሎ፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምርኡያት ወይ ዓብዪ ጽልዋ ዜሕድሩ ኽፋል ሕብረተሰብ ኣይኰኑን። ኣብ ምርጫ ኣይንሳተፍን፡ ንፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣይንድግፍን፡ ወይ ምስ ፖለቲከኛታት ጽግዕግዕ ኣይንብልን ኢና። እቶም ካባና ኣብ ቤት ፍርዲ ዚቐርቡ ኸኣ ብሓፈሻኡ፡ “ዘይተማህሩ ተራ ሰባት” ጌርካ እዮም ዚርኣዩ። (ግብ. 4:13) ስለዚ፡ ብዓይኒ ሰብ ኪርአ ኸሎ፡ ኣብያተ ፍርዲ ኣንጻር እቶም ተጻረርትና ዝዀኑ ጽልዋ ዘለዎም ሃይማኖተኛታትን ፖለቲከኛታትን ብምቛም፡ ንዓና ኺረድኡና ዚድርኾም ነገር የልቦን። ኰይኑ ግና፡ ኣብያተ ፍርዲ ብተደጋጋሚ ንዓና ዚድግፍ ውሳነ ሂቦም እዮም። ሕጋዊ ዓወታትና “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ሓቢርና” ንመላለስ ከም ዘለና ዜርኢ መርትዖ እዩ። (2 ቈረ. 2:17) ስለዚ፡ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ሓቢርና፡ “የሆዋ ረዳእየይ እዩ፣ ኣይክፈርህን እየ” ንብል ኢና።—እብ. 13:6

a እዚ ካንትዌል ቨርስስ ስቴት ኦቭ ከነቲከት ዚብሃል ጕዳይ እዚ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ቅድሚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕ.መ.ኣ. ዝቐረበ ሓውና ሃይደን ከቪንግተን ንኣሕዋትና እተማጐተሉ 43 ጕዳይ እዩ። ንሱ ብ1978 እዩ ሞይቱ። ዶረቲ ዝስማ ሰበይቱ፡ ክሳዕ እቲ ብ2015 ኣብ 92 ዓመት ዕድሚኣ ዝሞተትሉ እዋን ብተኣማንነት ኣገልጊላ እያ።

b እቲ ኽሲ ኣብቲ ብ1606 እተደንገገ ሕጊ እተመስረተ እዩ ነይሩ። እቲ ሕጊ ድማ፡ ኣባላት ብነባሮ ዝቘመ መጋባእያ፡ ሓደ ኽሱስ ዝበሎ ነገር ሓቂ ኽነሱ፡ ጽልኢ ዜለዓዕል ኰይኑ እንተ ተሰሚዕዎም፡ ገበነኛ ኺገብርዎ ዚፈቅድ ነበረ።

c ብ1950፡ 164 ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኣብ ኲበክ የገልግሉ ነበሩ። ኣብ መንጎኦም ከኣ፡ ብርቱዕ ተቓውሞ እናተጸበዮም ከሎ፡ ነቲ ምድቦም ብፍታዎም እተቐበሉ 63 ምሩቓት ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ይርከብዎም ነበሩ።

d ሓውና ግለን ሃው ኣብ ካናዳን ኣብ ካልእ ሃገራትን ንዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብ 1943 ክሳዕ 2003፡ ኣማእታት ሕጋዊ ቓልስታት ተማጒቱ እተዓወተ ኽኢላ ጠበቓ እዩ ነይሩ።

e ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ፡ “እቲ ውግእ ናይ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናታትኩም ኣይኰነን” ዘርእስታ ኣብ ናይ 22 ሚያዝያ 2000 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 18-24 ዝወጸት ዓንቀጽ ርአ።

f ጸኒሑ፡ እቲ ሰራዊት ካብቲ ህንጻ ጨንፈር ወጺኡ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብ ካልእ ቦታ ሓድሽ ህንጻታት ጨንፈር ተሃንጸ።