መደብ ኣኼባ ዞባ 2017

መዓልታዊ መደብ እዚ ኣኼባ ዞባ እዚ ርአ። እቲ ኣኼባ ወትሩ ሰናይ ክትገብርን ፈተናታት ክትጻወርን ኪሕግዘካ እዩ።

ዓርቢ

ክርስትያናት፡ ጸገማት ንምጽዋር ዜኽእሎም ባህርያት ኬማዕብሉ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

ቀዳም

እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ተጻዋርነትን መጸናንዕን ዚህበና ብኸመይ እዩ፧

ሰንበት

የሱስ፡ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚጻወር ግና ኪድሕን እዩ” በለ። ነዚ ምኽሪ እዚ ምእንቲ ኽትስዕቦ እንታይ ኽትገብር ትኽእል፧

ንተኣከብቲ ዚኸውን ሓበሬታ

ኣብቲ ኣኼባ ዞባ ኣብ ዚቐርብ ፍሉይ ኣኼባታት ክትካፈል ትደሊ ትኸውን። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ኣአንገድቲ፡ ጥምቀት፡ ውጽኢታት፡ ቀዳማይ ረድኤት፡ ጠፊኡ እተረኽበ፡ ኮፍ መበሊ፡ ብወለንታ ዚግበር ኣገልግሎት ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዚ ርአ።