መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት—ረኺብካያዶ፧

ክልተ ዓይነት ሃይማኖት ጥራይ እየን ዘለዋ። እታ ሓንቲ ናብ ህይወት እትመርሕ፡ እታ ሓንቲ ድማ ናብ ጥፍኣት እትመርሕ። እዛ ሕታም እዚኣ፡ ነታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ መገዲ ኽትረኽባ ኽትሕግዘካ እያ።

መእተዊ

ህይወትና ሕጅን ኣብ መጻእን ኣብቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እተመርኰሰት እያ። ስለዚ፡ ኣምልኾና ኣብ ቅድሚኡ ተቐባልነት ኪህልዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ!

ክፍሊ 1

ኵለን ሃይማኖታት ሓቂ ይምህራ ድየን፧

ሃይማነተኛታት ሰባት ሓያሎ እተፈላለየ እምነታት ኣለዎም። እዚ ዅሉ ኣብ ሓቂ እተመስረተ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧

ክፍሊ 2

ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ብኸመይ ክትመሃር ትኽእል፧

ንሃይማኖታዊ ሓቂ ዚምልከት ሰባት ኪሰማምዑሉ ዚኽእሉ እተቐመጠ መዓቀኒ ኣሎዶ፧

ክፍሊ 3

ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለም ዚነብሩ መን እዮም፧

ብዛዕባ መናፍስቲ ዚገልጽ ባህላዊ ሃይማኖታዊ እምነታት ሓያል ጽልዋ ኺገብር ይኽእል እዩ። እዚ ኸምዚ ዘበለ እምነታት እዚ ግና ሓቂ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ይህብ።

ክፍሊ 4

ኣቦሓጎታትና ኣበይ እዮም ዘለዉ፧

ብዙሓት ሰባት፡ ሞት መወዳእታ ህይወት ዘይኰነስ፡ ናብ ካልእ ህይወት መሰጋገሪ ኸም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ። መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ክፍሊ 5

ብዛዕባ ኣስማት እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

መናፍስቲ፡ ሓያላትን ሓደገኛታትን እዮም፣ ይኹን እምበር፡ ንሓይሎም ኣመና ኣዕቢና ኸኣ ክንርእዮ የብልናን።

ክፍሊ 6

ኣምላኽ ንዅለን ሃይማኖታት ይሰምረን ድዩ፧

ገለ ሰባት ኵለን ሃይማኖታት ንኣምላኽ ዜሐጕሳኦ እዩ ዚመስሎም። መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ከምኡ ኢሉ ይምህር ድዩ፧

ክፍሊ 7

ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ዚስዕቡ መን እዮም፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ዘሎ መን ከም ከተለሊ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ክፍሊ 8

ናይ ሓሶት ሃይማኖት ነጺግካ፡ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ስዓብ

የሱስ “ምሳይ ዘይኰነ መቓናቕንተይ እዩ” በለ። ናይ መን ወገን ከም ዝዀንካ ኸተርኢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ክፍሊ 9

ናይ ሓቂ ሃይማኖት ንዘለኣለም ክትጠቕመካ ትኽእል እያ!

ንየሆዋ እንተ ኣምሊኽካዮ፡ ሕጅን ንመጻእን ኪባርኸካ እዩ።