ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

7

ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ዚስዕቡ መን እዮም፧

ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ዚስዕቡ መን እዮም፧

1. ንኣምላኽ ከነሐጕስ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

ምስ ኣምላኽ ምዉቕን ፍቕራውን ርክብ ንምምስራት: ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነ ይኹን ርክብ ኪህልወና የብሉን። ናይ ሓቂ ሃይማኖት ክንስዕብ ኣሎና። ሎሚ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ከምዚ ይገብሩ ኣለዉ።

2. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣበይ ኪርከቡ ይኽእሉ፧ ዕዮኦምከ እንታይ እዩ፧

2 ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ እቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ: ነቶም “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን” እተኣከቡ “ብዙሓት ሰብ” የቝሙ። (ራእይ 7:9) ኣብ 235 ሃገራት ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ንሰባት ብዛዕባ ፍቕራዊ መገድታት የሆዋን ከነማልኦ ዚደልየና ብቕዓታትን ንጡፋት ኰይኖም ይምህሩ ኣለዉ።

ነቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ምልላይ

3. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመን እዮም ዜምልኹ፧ እንታይ ዓይነት ኣምልኾኸ እዮም ዜርሕቑ፧

3 ናይ የሆዋ መሰኻኽር: የሆዋ ጥራይ ኪምለኽ ከም ዚግብኦ ኣፍልጦ ይህቡ እዮም። ንጣኦታት ወይ ንሃይማኖታዊ ስእልታት ኣይሰግዱን እዮም። (1 ዮሃንስ 5:21) ሬሳ ብምሕላው ይኹን ንናይ ሓሶት ሃይማኖት እምነታትን “ንምህሮ ኣጋንንትን” ኣብ ዜስፋሕፍሕ ልምድታት ብምክፋል ንምዉታት ኣየምልኹን እዮም። (1 ጢሞቴዎስ 4:1) ይኹን እምበር: ንሓዘንተኛታት ነቲ ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ትንሳኤ ምዉታት ከም ዚህሉ ዚነግር መብጽዓ ኣምላኽ ብምግላጽ የጸናንዕዎም እዮም።—ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15

4. ንኣስማት ብዚምልከት ኣረኣእያ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

4 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሽሕር: ስራይ: ወይ ኣስማት ናይ ድያብሎስ ምዃኑ ስለ ዚፈልጡ: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኣይኣትዉን እዮም። ዕቝባ ንኺረኽቡ ኣብ የሆዋ ደኣ እምበር: ኣብ ኣስማት ኣይኣምኑን እዮም።—ምሳሌ 18:10

5. ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ካብ ዓለም ኣይኰኑን” ኪበሃል ዚከኣል በየናይ መገድታት እዩ፧

5 የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ: “ካብ ዓለም ኣይኰኑን” በለ። (ዮሃንስ 17:16) የሱስ ንገዛእ ርእሱ: ኣብቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ፖለቲካ ምእታው ኣብዩ እዩ። (ዮሃንስ 6:15) ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ፖለቲካን ሃገራውነትን ደርባዊ ቓልስን እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሳተፉን እዮም። እንተዀነ ግን: ካብኦም ዚሕተት ግብሪ ይኸፍሉን ንሕግታት እታ ዚነብሩላ ሃገር ይእዘዙን እዮም።—ዮሃንስ 15:19፣ ሮሜ 13:1, 7

6. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንመርዓን ፍትሕን ዚምልከት እንታይ መምርሒታት እዮም ዚስዕቡ፧

6 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመምርሒታት መንግስቲ እዙዛት ስለ ዝዀኑ: መርዓኦም ሕጋዊ ይገብሩ እዮም። (ቲቶስ 3:1) ንመምርሒታት ኣምላኽ እዙዛት እዮም: ስለዚ ድማ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ኣይምርዓዉን እዮም። (1 ጢሞቴዎስ 3:2) ኣብ ርእሲ እዚ: ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናብራኦም ስለ ዜውዕልዎ: ሓዳሮም ብፍትሕ ኪዛዘም ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።

7. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕሪ ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧

7 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓድሕዶም ይፋቐሩ እዮም። ካብ እተፈላለየ ዓሌታትን ኣህዛብን ዝመጹ እኳ እንተ ዀኑ: እታ ኣብ ንሓድሕዶምን ንኣምላኽን ዘላቶም ፍቕሪ: ናይ ሓቂ ሕውነት ከም ዚህልዎም ትገብር እያ። ባህርያዊ ሓደጋ ወይ ሓገዝ ዜድልየሉ ዅነታት ኬጋጥም ከሎ: ንሓድሕዶም ንምትሕግጋዝ ቅልጡፋት እዮም። ብኣነባብራኦም እውን ፍቕሪ የንጸባርቑ እዮም።—ዮሃንስ 13:35

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዓለምለኻዊ ሕውነት ሓቢሮም እዮም

8. ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ሕማቕ ጠባያት እዮም ዜርሕቑ፧

8 ህዝቢ የሆዋ ሓቀኛን ቅኑዕን ናብራ ንምንባር ኣበርቲዖም እዮም ዚጽዕሩ። ስርቂ: ሓሶት: ርኽሰት: ስኽራን: ከምኡውን ምትላል ዚመልኦ ንግዲ የርሕቑ እዮም። ሰብኡት ንኣንስቶም ኣይሃርሙን እዮም። ገሊኦም ሰባት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅድሚ ምዃኖም ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ይገብሩ እኳ እንተ ነበሩ: ብሓገዝ ኣምላኽ ግን ኬቋርጽዎ ኽኢሎም እዮም። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ: ‘ተሓጺቦም’ እዮም።—1 ቈረንቶስ 6:9-11

ገበርቲ ፍቓድ ኣምላኽ

9. ሓንቲ መጽሓፍ ብዛዕባ ኣብ ኣፍሪቃ ዚርከባ መንፈሳውያን ኣብያተ-ክርስትያን ኣመልኪታ እንታይ እያ ዝበለት፧

9 ርግጽ እዩ: ብዙሓት ሃይማኖታት ሓቂ ኸም ዘለወን ይዛረባ እየን። ነዚ ንምርጓድ ድማ ነቲ ዝዓመማኦ መሳጢ ዕዮታት ይጠቕሳ። ንኣብነት: ሓንቲ መጽሓፍ ብዛዕባ እተን ኣብ ኣፍሪቃ ዚርከባ መንፈሳውያን ኣብያተ-ክርስትያን ተባሂለን ዚጽውዓ ኣመልኪታ: “እቶም ኣስማተኛታት ወይ ፈወስቲ ሰባት ዚዓይዎ ዝነበሩ ዕዮታት በተን [ሓደስቲ ጕጅለታት ክርስትና] ተተኪኡ እዩ። . . . ሕቡእ ፍልጠት ንገልጽ ወይ ተኣምራት ንገብር ኢና ይብሉ። እቶም ነብያቶም ድማ ራእያት ይርእዩ: ሕልምታት ከኣ ይፈትሑ። ሕማም ንምፍዋስን ንምክልኻልን ማይ ድጋመት: ቅዱስ ዘይቲ: ሓሙዅሽቲ: ሽምዓ: ከምኡውን ዕጣን ይጥቀሙ” ትብል።

10, 11. እቲ ሎሚ ይግበር እዩ ዚበሃል ተኣምራት: ሓንቲ ሃይማኖት ካብ ኣምላኽ ምዃና ዘየርኢ ስለምንታይ እዩ፧

10 ኣባላት እዘን ሃይማኖታት እዚኣተን: ተኣምራት ኪገብሩ ምኽኣሎም ሃይማኖቶም ብኣምላኽ እተባረኸት ምዃና ዜርኢ መርትዖ እዩ ይብሉ። እንተዀነ ግን: እቲ ይግበር እዩ ዚበሃል ተኣምራት ንሓንቲ ሃይማኖት ስምረት የሆዋ ኸም ዘለዋ ዜርኢ መርትዖ ኣይኰነን። ሰይጣን ንናይ ሓሶት ኣምለኽቲ “ተኣምራት” ንኺገብሩ ሓይሊ ይህቦም እዩ። (2 ተሰሎንቄ 2:9) ኣብ ርእሲ እዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ከም ምንባይ: ብቛንቋታት ምዝራብ: ከምኡውን ፍሉይ ፍልጠት ዝኣመሰለ ተኣምራዊ ውህበት ኣምላኽ “ኪስዓር” ምዃኑ ተነብዩ እዩ።—1 ቈረንቶስ 13:8

11 የሱስ ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቐ:- “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር: ጐይታይ: ጐይታይ: ዚብለኒ ዅሉ: መንግስተ ሰማያት ዚአቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት: ጐይታይ: ጐይታይ: ብስምካዶ እተነቤናዶ ኣይኰንናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ: ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ: ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን: ካባይ ርሐቑ: ክብሎም እየ።”—ማቴዎስ 7:21-23

12. መንግስተ ሰማያት ዚኣትዉ መን እዮም፧

12 መንግስተ ሰማያት ዚኣትዉ ደኣ እሞ መን እዮም፧ እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብሩ እዮም መንግስተ ሰማያት ዚኣትዉ።

ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ

13. ሎሚ ኣምላኽ ንህዝቡ ኺፍጽምዎ ዚመርሖም ዘሎ ዕዮ እንታይ እዩ፧ እቶም ነዚ ዕዮ እዚ ዚፍጽሙ ዘለዉኸ መን እዮም፧

13 ሎሚ: ኣምላኽ ንህዝቡ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዚደልዮም፧ የሱስ: “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 24:14) እዚ ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቕንኣት ዚፍጽምዎ ዘለዉ ዕዮ እዩ።

14. መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገዝኡኸ መን እዮም፧

14 ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ንምልእቲ ምድሪ ብጽድቂ ኸም እትገዝእ: “ኣብ ብዘላ ዓለም” ይእውጁ ኣለዉ። የሆዋ ንየሱስ ክርስቶስ ምስቶም ካብ ደቅሰብ እተሓርዩ 144,000 ዝዀኑ መጋዝእቱ ዀይኑ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ከም ዝሸሞ ይምህሩ ኣለዉ።—ዳንኤል 7:14, 18፣ ራእይ 14:1, 4

15. መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከተጥፍእ እያ፧

15 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም: መንግስቲ ኣምላኽ ንብምልኡ ናይ ሰይጣን ስርዓት ከም እተጥፍኦ ይገልጹ። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስቲ ንኣምላኽ ዜሕስርን ንሰይጣን ዜኽብርን ትምህርትታታ ኽትጠፍእ እያ። (ራእይ 18:8) ኵለን ኣንጻር ኣምላኽ ዚቘማ ሰብኣውያን መንግስትታት እውን ኪጠፍኣ እየን።—ዳንኤል 2:44

16. ተገዛእቲ የሱስ ክርስቶስ ዚዀኑ መን እዮም፧ ኣበይከ እዮም ኪነብሩ፧

16 ናይ የሆዋ መሰኻኽር: የሱስ ክርስቶስ ንዅሎም እቶም ኣምላኽ ካብኦም ዚደልዮ ብቕዓት ዜማልኡ ሰባት ዜደንቕ በረኸት ከም ዜምጽኣሎም እውን የፍልጡ እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ተገዛእቱ ኪዀኑ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ: “ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ” ብምባል ይመባጻዕ።—መዝሙር 72:12, 13

17. ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚእውጁ ዘለዉ መን ጥራይ እዮም፧

17 ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብሩ ኻልኦት ጉጅለ ሰባት የለዉን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዚእውጁ ዘለዉ።