ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

8

ናይ ሓሶት ሃይማኖት ነጺግካ፡ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ስዓብ

ናይ ሓሶት ሃይማኖት ነጺግካ፡ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ስዓብ

1. ሎሚ ንኣምልኾ ዚምልከት ንሰባት እንታይ ምርጫ እዩ ቐሪቡሎም ዘሎ፧

የሱስ “ምሳይ ዘይኰነ መቓናቕንተይ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 12:30) ነፍሲ ወከፍና ብወገን የሆዋ ወይ ብወገን ሰይጣን ኢና ዘሎና። መብዛሕትኦም ሰባት ንኣምላኽ በቲ ንሱ ዚሰምሮ መገዲ ገይሮም ዜገልግልዎ ዘለዉ እኳ እንተ መሰሎም: መጽሓፍ ቅዱስ ግን “ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ” ሰይጣን ምዃኑ ይገልጽ። (ራእይ 12:9) ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ንኣምላኽ ዜምልኹ ዘለዉ ዚመስሎም እኳ እንተ ዀነ: ንሰይጣን ድያብሎስ እዮም ዜገልግሉ ዘለዉ! ሎሚ ሰባት: ነቲ “ኣምላኽ ሓቂ” ዝዀነ የሆዋ ወይ ድማ ነቲ ‘ንሓሶት ኣቦኣ’ ዝዀነ ሰይጣን ኬገልግሉ ምርጫ ቐሪቡሎም ኣሎ።—መዝሙር 31:5፣ ዮሃንስ 8:44

ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ውጻእ

2. ሰይጣን: ሰባት ንኣምላኽ ካብ ምምላኽ ንኺዓናቕፎም ዚጥቀመሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

2 ንየሆዋ ኸተገልግል ምውሳን: ስምረት ኣምላኽ ከም እትረክብ ዚገብር ጥበባዊ ምርጫ እዩ። ሰይጣን ግን ዝዀነ ይኹን ሰብ ንኣምላኽ ኬገልግሎ ስለ ዘይደሊ: ነቶም ንኣምላኽ ዜገልግሉ ብዙሕ ዕንቅፋታት የምጽኣሎም። ከምዚ ዚገብረሉ ሓደ መገዲ: ካብ ካልኦትን ካብ ኣዕሩኽካን ኣባላት ስድራቤትካን ላግጺ ወይ ምጽራር ብምምጻእ እዩ። የሱስ: “ንሰብ እቶም ቤተሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም” ኢሉ ኣጠንቀቐ።—ማቴዎስ 10:36

3. ስድራቤትካ ወይ ኣዕሩኽካ ንኣምላኽ ካብ ምምላኽ ምስ ዚጻረሩኻ: እንታይ ምገበርካ፧

3 ንስኻ ኸምዚ እንተ ዜጋጥመካ እንታይ ምገበርካ፧ ብዙሓት ሰባት ኣምልኾኦም ጌጋ ምዃኑ እኳ እንተ ፈለጡ: ካብኡ ንኺወጹ ግን የድሓርሕሩ። ከምዚ ምግባር ንስድራቤትካ ምኽሓድ ኰይኑ ይስምዖም። እዚ ዜዕግብ ምኽንያት ድዩ፧ ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራቤትካ ሓሽሽ ከም ዚወስዱ እንተ ትፈልጥ: እቲ ሓሽሽ ከም ዚጐድኦም መጠንቀቕካዮምዶ፧ ወይስ ምስኦም ሓቢርካ ሓሽሽ ምወሰድካ፧

4. እያሱ ንእስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ኣምልኾ ኣመልኪቱ እንታይ በሎም፧

4 እያሱ ንእስራኤላውያን ነቲ ጌጋ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ተግባራቶምን ልምዲ ኣቦታቶምን ኪገድፉ ኣተባብዖም። “ሕጂ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ: ብፍጽምናን ብእምነትን ኣገልግልዎ: ነቶም ኣብ ክንየው ርባን ኣብ ግብጽን ኣቦታትኩም ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ኣግልስዎም: ንእግዚኣብሄር ድማ ኣገልግልዎ” በሎም። (እያሱ 24:14) እያሱ ንኣምላኽ እሙን ስለ ዝነበረ የሆዋ ባረኾ። ንሕና እውን ንየሆዋ እሙናት እንተ ደኣ ዄንና: ኪባርኸና እዩ።—2 ሳሙኤል 22:26

ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ዜገልግል ነገራት ኣወግድ

5. ናውቲ ኣስማት ከነጥፍኦ ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧

5 ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምውጻእ ኪበሃል ከሎ: ከም እኒ ኽታባትን ኣስማታዊ ቐላብትን በናጅራትን ዝኣመሰለ ዝዀነ ይኹን ዝነበረና ናውቲ ኣስማት እውን ምጥፋእ ማለት እዩ። ከምዚ ምግባር ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ስለ ዜርኢ ኣገዳሲ እዩ።

6. ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ናይ ጥንቈላ መጻሕፍቶም እንታይ እዮም ዝገበርዎ፧

6 ገሊኦም ቀዳሞት ክርስትያናት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺስዕቡ ምስ ወሰኑ እንታይ ከም ዝገበሩ ርአ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም አኪቦም ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣንደድዎ” ይብል።—ግብሪ ሃዋርያት 19:19

7. ኣጋንንቲ ምስ ዜሸግሩና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

7 ቅድሚ ሕጂ ምስ ጥንቈላ: ስራይ: ወይ ኣስማት ቀጥታዊ ምትእስሳር ዝነበሮም ሰባት ንየሆዋ ኼገልግሉ ምስ ጀመሩ ኣጋንንቲ የሸግርዎም ይዀኑ። ከምዚ እንተ ደኣ ኣጋጢሙካ: ዓው ኢልካ ስም የሆዋ እናጠቐስካ ጸሊ። የሆዋ ኺሕግዘካ እዩ።—ምሳሌ 18:10፣ ያእቆብ 4:7

8. ክርስትያናት ነቲ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዜገልግል ጣኦታትን ስእልታትን ምስልታትን ብኸመይ ይርእይዎ፧

8 እቶም ንየሆዋ ኼገልግሉ ዚደልዩ ሰባት: ዝዀነ ይኹን ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ምትእስሳር ዘለዎ ጣኦት: ስእሊ: ወይ ምስሊ ኺሕዙ የብሎምን። ናይ ሓቂ ክርስትያናት: ‘ብእምነት እምበር: ብምርኣይ ኣይኰኑን ዚመላለሱ።’ (2 ቈረንቶስ 5:7) ነቲ ኣብ ኣምልኾ ዝዀነ ይኹን ምስሊ ምጥቃም ዚኽልክል ሕጊ ኣምላኽ የኽብርዎ እዮም።—ዘጸኣት 20:4, 5

ምስ ህዝቢ የሆዋ ሕበር

9. መጽሓፍ ቅዱስ ጥበበኛ ብዛዕባ ምዃን እንታይ ምኽሪ እዩ ዚህብ፧

9 መጽሓፍ ቅዱስ: “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን” ይብል። (ምሳሌ 13:20) ጥበበኛታት ክንከውን እንተ ደኣ ደሊና: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንመላለስ ወይ ክንሓብር ኣሎና። ንሳቶም በታ ናብ ህይወት እትመርሕ መገዲ ዚመላለሱ ዘለዉ ህዝቢ እዮም።—ማቴዎስ 7:14

10. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምላኽ ንኸተገልግል ኪሕግዙኻ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

10 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ብሓቂ ይሓልዩሎም እዮም። ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ነቲ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ኪርድኡ ይሕግዝዎም እዮም። ምሳኻ ዀይኖም ብዘይ ክፍሊት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትገብር ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ሕቶታትካ ኺምልሱልካን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ፍልጠት ብኸመይ ኣብ ናብራኻ ኸም እተውዕሎ ኼርእዩኻን እዮም።—ዮሃንስ 17:3

11. ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

11 ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታቶም ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ዝያዳ ኽትመሃር ኢኻ። ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ንምስዓብ ዘሎካ ባህጊ ኺዓቢ እዩ። ካልኦት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቅታት ንኺመሃሩ ብኸመይ ክትሕግዞም ከም እትኽእል እውን ስልጠና ኽትረክብ ኢኻ።—እብራውያን 10:24, 25

12. ጸሎት ንኣምላኽ ንኸተገልግሎ ኺሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

12 ብዛዕባ ፍቓድን ዕላማን የሆዋ ዝያዳ እናተመሃርካ ምስ ከድካ: ነቲ ፍቕራዊ መገድታቱ ዘሎካ ሞሳን ምርዳእን እናዓበየ ኪኸይድ እዩ። ንየሆዋ ዜሐጕሶ ነገራት ንምግባርን ዜጕህዮ ነገራት ንምውጋድን ዘሎካ ድሌት እውን ኪዓቢ ኣለዎ። ቅኑዕ ዘበለ ንምግባርን እከይ ዘበለ ንምውጋድን የሆዋ ኺሕግዘካ ብጸሎት ክትቀርቦ ኸም እትኽእል ኣይትረስዕ።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ ፊልጲ 4:6

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽትስዕብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

13. ንልቢ የሆዋ ኸተሐጕስ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

13 ድሕሪ ግዜ ብመንፈስ እናዓበኻ ምስ ከድካ: ምስክር የሆዋ ንምዃን ርእስኻ ምውፋይን ምጥማቕን ዘለዎ ኣገዳስነት እናተረድኣካ ኸም ዚመጽእ ኣየጠራጥርን እዩ። ምስ ህዝቢ የሆዋ ብምሕባር ንልቢ የሆዋ ኸተሐጕሶ ኢኻ። (ምሳሌ 27:11) ኣብ መንጎ እቶም ኣምላኽ: “ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ: ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ: ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም” ዝበሎም ሕጉሳት ህዝቢ ኽትከውን ኢኻ።—2 ቈረንቶስ 6:16