ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

6

ኣምላኽ ንዅለን ሃይማኖታት ይሰምረን ድዩ፧

ኣምላኽ ንዅለን ሃይማኖታት ይሰምረን ድዩ፧

1. ብመሰረት ቃል ኣምላኽ: እተን ክልተ ዓይነት ሃይማኖት እንታይ እየን፧

የሱስ: “እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ: መገዳውን ገፋሕ እያ: እቶም ብእኣ ዚአትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ: መገዳውን ቀጣን እያ: እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ: በታ ጸባብ ደገ እተዉ” በለ። (ማቴዎስ 7:13, 14) ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ክልተ ዓይነት ሃይማኖት ጥራይ እየን ዘለዋ። እታ ሓንቲ ናይ ሓቂ: እታ ሓንቲ ናይ ሓሶት፣ እታ ሓንቲ ቕንዕቲ: እታ ሓንቲ ጌጋ፣ እታ ሓንቲ ናብ ህይወት እትመርሕ: እታ ሓንቲ ድማ ናብ ጥፍኣት እትመርሕ።

2. ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኵለን ሃይማኖታት ንኣምላኽ ከም ዘየሐጕሳኦ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

2 ገለ ሰባት ኵለን ሃይማኖታት ንኣምላኽ ዜሐጕሳኦ እዩ ዚመስሎም። ቀጺሉ ዘሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ: እዚ ሓቂ ኸም ዘይኰነ እዩ ዜርኢ:-

  • “ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ: ንበዓላትን ንኣስታርቴታትን ንኣማልኽቲ ኣራምን ንኣማልኽቲ ሲዶንን ንኣማልኽቲ ሞኣብን ንኣማልኽቲ ደቂ ዓሞንን ንኣማልኽቲ ፍልስጥኤማውያንን ኣገልገሉ: ንእግዚኣብሄር ግና ሐደግዎ እምበር: ኣየገልገልዎን። ሽዑ ዅራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ።” (መሳፍንቲ 10:6, 7) ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ገዲፍና ንጣኦታት ወይ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ነምልኽ እንተ ደኣ ዄንና: ስምረት ኣምላኽ ኣይንረክብን ኢና።

  • “እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ: ልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ግናኸ ምህሮ ስርዓት ሰብ እናመሀሩ: ብኸንቱ እዮም ዜምልኹኒ።” (ማርቆስ 7:6, 7) ንኣምላኽ ነምልኽ ኢና ዚብሉ ሰባት ኣብ ክንዲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ: ናይ ገዛእ ርእሶም ትምህርትታት ዚምህሩ እንተ ደኣ ዀይኖም: ኣምልኾኦም ከንቱ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት የብሉን።

  • “ኣምላኽ መንፈስ እዩ: እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግድሉ ይግብኦም።” (ዮሃንስ 4:24) ኣምልኾና ምስቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ።

ፍረ ናይ ሓሶት ሃይማኖት

3. ንናይ ሓቂ ሃይማኖት ካብ ናይ ሓሶት ክንፈልየሉ እንኽእል ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

3 ሓንቲ ሃይማኖት ንኣምላኽ ተሐጕስን ዘይተሐጕስን ምዃና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ የሱስ: “እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ: እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። . . . እምብኣርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም” በለ። ብኻልእ ኣበሃህላ: እታ ሃይማኖት ካብ ኣምላኽ እንተ ደኣ ዀይና ጽቡቕ ትፈሪ: ካብ ሰይጣን እንተ ደኣ ዀይና ድማ ሕማቕ ትፈሪ።—ማቴዎስ 7:15-20

4. ኣምለኽቲ የሆዋ ዜንጸባርቕዋ ባህርይ እንታይ እያ፧

4 ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኣብ ንሓድሕዶምን ንኻልኦትን ፍቕሪ ዜርእዩ ሰባት እያ ትፈሪ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት: የሆዋ ባዕሉ ፈቃር ኣምላኽ ስለ ዝዀነ እዩ። የሱስ: “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። ሃይማኖታት ነዚ መዓቀኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺሕልዋኦ ዚኽእላ ብኸመይ እየን፧—ዮሃንስ 13:35፣ ሉቃስ 10:27፣ 1 ዮሃንስ 4:8

5. ሓንቲ ኢንሳይክሎፔድያ ንንግዲ ባርያ ኣፍሪቃ ብኸመይ ገለጸቶ፧

5 ብዛዕባ ንግዲ ባርያ ኣፍሪቃ እስከ ንርአ። ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ካብ 650 ክሳዕ 1905 ኣብ ዘሎ ግዜ: ኣስታት 18,000,000 ዝዀኑ ኣፍሪቃውያን ናብተን ኣብ ስግር ሰሃራ ዚርከባ ሃገራት እስላምን ስግር ህንዳዊ ውቅያኖስን ግዒዞም እዮም። ኣብ ካልኣይ መፋርቕ መበል 15 ዘመን: ኣውሮጳውያን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣፍሪቃ ኺነግዱ ጀመሩ። ክሳዕ 1867 ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ ካብ 7,000,000 ክሳዕ 10,000,000 ንዝዀኑ ኣፍሪቃውያን ባሮት ብምግባር ናብታ ሓዳስ ዓለም [ኣመሪካ] ብመራኽብ ወሲዶሞም እዮም።”

6. ሃይማኖታት ኣብ ንግዲ ባርያ ኢደን ዘእተዋ ብኸመይ እየን፧

6 ኣቦታትን ኣዴታትን ቈልዑን ካብ መረበቶምን ስድራቤቶምን ተመንዚዖም ኪውሰዱ: ኪምቍሑ: ብዝረሰነ ሓጺን ዕላመት ኪግበረሎም: ከምኡውን ከም ከብቲ ኺዕደጉን ኪሽየጡን ከለዉ ኣብ ዝነበረ ዕግርግር: ሃይማኖታት እንታይ ኣቕዋም ነበረን፧ በዝወል ኦጎት ኣብታ ደይሊ ኔሽን እትበሃል ኣብ ናይሮቢ: ኬንያ እትሕተም ጋዜጣ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ክልቲአን ማለት ክርስትናን ምስልምናን: ሰባት ሓድነት ኪህልዎም ዚምህራ እኳ እንተ ዀና: ኣብ ክልቲአን ከቢድ ዓሌታዊ ጽልኢ ዝሓደሮ ባሮት ዚውንን ሕብረተሰብ ኣስፋሕፊሑ እዩ። . . . ነቲ ሓባራዊ በደል ምስልምናን ክርስትናን: ሃገራት ምዕራብን ማእከላይ ምብራቕን: ከምኡውን ነቲ ንኣፍሪቃውያን ናብ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ዘመናት ስቓይ ዝመርሖም ስነ-ምግባራዊ ዑረት ኣፍልጦ ኽንህበሉ ኣሎና።”

ሃይማኖትን ውግእን

7. መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ውግእ እንታይ ተራ እዩ ነይርዎም፧

7 ናይ ሓሶት ሃይማኖት እቲ ሕማቕ ፍሪኣ ብኻልእ መገድታት እውን ኣርእያ እያ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” እኳ እንተ በለ: ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት ግን ንውግእ ብምሉእ ሓይሎም ደጊፎምን ኣተባቢዖምን እዮም።—ማቴዎስ 22:39

ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ ውግእን ኣብ ንግዲ ባርያን ኢዳ ኣእትያ እያ

8. (ሀ) መራሕቲ ሃይማኖት: ኣብቲ ኣብ ኣፍሪቃ እተኻየደ ግጭታት: ሰባት ንኺቃተሉ ዘተባብዑ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ሓደ ቐሺ ብዛዕባ እቲ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ውግእ ሓድሕድ ናይጀርያ ዝነበሮም ግደ ብዚምልከት እንታይ በለ፧

8 ገለ ኣቕሽሽትን ደናግልን ኣብቲ ብ1994 ኣብ ሩዋንዳ እተገብረ ዜስካሕክሕ ህልቂት ከም እተሳተፉ ዅሉ ዚፈልጦ ሓቂ እዩ። ሃይማኖት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ እተገብረ ኻልእ ግጭታት እውን ቀንዲ ተራ ነይርዎ እዩ። ንኣብነት: ኣብቲ ኣብ ናይጀርያ እተኻየደ ደማዊ ውግእ ሓድሕድ ብኽልቲኡ ወገን ዝነበራ ሃይማኖታት: ሰባት ንኺዋግኡ ኣተባቢዐናኦም እየን። እቲ ውግእ እናቐጸለ ኸሎ: ሓደ ቀሺ: መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያናት “ነቲ ብኣምላኽ እተዋህቦም ዕዮ ንጎድኒ ገዲፎምዎ እዮም” በለ። ወሲኹ እውን: “እቶም ንገዛእ ርእስና ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኢልና እንጽውዓ: ኣገልገልቲ ሰይጣን ኢና ዄንና” በለ።

9. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣገልገልቲ ሰይጣን እንታይ ይብል፧

9 መጽሓፍ ቅዱስ እውን ምስዚ ብዚመሳሰል: “ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ: . . . ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልገልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉ: ዓብዪ ነገር ኣይኰነን” ይብል። (2 ቈረንቶስ 11:14, 15) ልክዕ ከምቲ እኩያት ሰባት ቅኑዓት ዜምስሉ: ሰይጣን እውን ንሰባት በቶም ቅኑዓት ዚመስሉ ግን ከኣ ግብሮም ክፉእ: ፍሪኦም እውን ሕማቕ ዝዀነ ኣገልገልቲ ኣቢሉ የስድዖም ኣሎ።

10. መራሕቲ ሃይማኖት ንኣምላኽ ዚኽሕድዎ በየናይ መገዲ እዮም፧

10 ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖት ፍቕርን ሰላምን ሕያውነትን እኳ እንተ ሰበኹ: ጽልእን ውግእን ንኣምላኽ ዘየሐጕስ ተግባራትን እዮም ዚገብሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚኣቶም ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዚገልጾም። “ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ: . . . በቲ ግብሮም [ግን] ይኽሕድዎ አለዉ” ይብል።—ቲቶስ 1:16

ካብ “ዓባይ ባቢሎን” ውጹ

11. መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ብኸመይ እዩ ዚገልጻ፧

11 ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ራእይ ብምንባብ: የሆዋ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ብኸመይ ከም ዚርእያ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። ኣብኡ ናይ ሓሶት ሃይማኖት “ዓባይ ባቢሎን” ተባሂላ ብሰበይቲ እያ ተመሲላ ዘላ። (ራእይ 17:5) ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ኸም ዚገልጻ ኣስተብህል:-

  • “ዓባይ ኣመንዝራ . . . ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም።” (ራእይ 17:1, 2) ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንኣምላኽ እምንቲ ኣብ ክንዲ እትኸውን: መብዛሕትኡ ግዜ መንግስትታት እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ብምሕባር ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ኣትያ እያ።

  • “ደም ነብያትን ቅዱሳትን ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሐርዱ ዘበሉን ኣብኣ ተረኺቡ።” (ራእይ 18:24) ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንእሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሰጒጓን ቀቲላን እያ። ብደም እቶም ኣብ ውግእ ዝሞቱ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ከኣ ተሓታቲት እያ።

  • “ንርእሳ ዘኽበረትን ዝሐንቀቐትን።” (ራእይ 18:7) ናይ ሓሶት ሃይማኖት መራሕታ ዚሕንቅቕሉ ወይ ምሾት ዘለዎ ናብራ ዜሕልፉሉ ብዙሕ ሃብቲ ኣለዋ።

  • “ኵሎም ኣህዛብ ብጥንቍልና[ኣ] ስሒቶም እዮም።” (ራእይ 18:23) ናይ ሓሶት ሃይማኖት በቲ ነፍሲ ኣይትመውትን እያ ዚብል ናይ ሓሶት ትምህርታ: ብዙሓት ሰባት ኣብ ብዙሕ ዓይነት ሓተታ መናፍስትን ኣስማትን ንኺጽመዱ መገዲ ጸሪጋ እያ። ብተወሳኺ: ምዉታት ንኺፍርሁን ኣቦሓጎታት ንኺምለኹን ኣተባቢዓ እያ።

12. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዚህብ፧

12 መጽሓፍ ቅዱስ: ሰባት ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንኺፍለዩ ሓያል መጠንቀቕታ ኺህብ ከሎ: “ኣቱም ህዝበይ: . . . ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽምበሩ: ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ: ካብኣ ውጹ” ይብል።—ራእይ 18:4, 5

13. ንናይ ሓሶት ሃይማኖትን ነቶም ኣብ ተግባራታ ዚሳተፉ ሰባትን እንታይ ኬጋጥሞም እዩ፧

13 ድሕሪ ሓጺር ግዜ እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ምሉእ ብምሉእ ክትጠፍእ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ: “እቲ ፈሪድዋ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብርቱዕ እዩ እሞ: እቲ መዓታ: ሞትን ሓዘንን ጥሜትን: ብሓንቲ መዓልቲ ኺመጻ እዩ: ብሓዊውን ክትነድድ እያ” ይብል። (ራእይ 18:8) ካብቲ መዓታ ምእንቲ ኸይንካፈል: ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘሎና ዅሉ ርክብ ክንበትኽ: ካብቲ ንኣምላኽ ዘየሐጕስ ልምድታትን በዓላትን እምነታትን ድማ ክንርሕቕ ኣሎና። እቲ ጕዳይ ህጹጽ እዩ። ከመይሲ: ህይወትና ኣብ ሓደጋ እያ ዘላ!—2 ቈረንቶስ 6:14-18