ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

3

ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለም ዚነብሩ መን እዮም፧

ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለም ዚነብሩ መን እዮም፧

1. ባህላዊ ሃይማኖት ምስ ሃረም ወይ ፒራሚድ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧

ባህላዊ ሃይማኖታዊ እምነታት ኣፍሪቃ ምስ ሃረም ወይ ፒራሚድ ተመሳሲሉ ኣሎ። ኣብቲ ዝለዓለ ጫፍ: ዝለዓለ መንፈሳዊ ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ኣሎ። ትሕቲኡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ኣማልኽቲ ወይ መናፍስቲ ኣለዉ። ጐድኒ ጐድኖም: ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ስድራቤቶም ዚዝክሩን ንድሕንነቶም ቅልጡፍ ስጕምቲ ዚወስዱን ኣቦሓጎታት ኣለዉ። ኣብ ታሕቲ ድማ ከም እኒ ጠንቈልትን መውደቕቲ ዛዕጐልን ዝኣመሰሉ ትሕት ዝበሉ መንፈሳውያን ሓይልታት ኣለዉ።

2. ሓደ ብሂል ኣፍሪቃ: ባህላዊ እምነታት ንሃይማኖት ከም ዚጸልዎ ዚገልጽ ብኸመይ እዩ፧

2 እዚ ባህላዊ እምነታት እዚ ንገሊአን ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ሃይማኖታት ሓያል ጽልዋ ኺገብረለን ጸኒሑ እዩ። ሓደ ብሂል ኣፍሪቃ: “ንእምነት (ክርስትና ይኹን ምስልምና) ምስዓብ: ንኣማልኽቲ ዓድና ኻብ ምምላኽ ኣይክልክለናን እዩ” ብምባል ነዚ ይገልጾ።

3. ብዛዕባ እቶም ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ዚነብሩ እቲ ሓቂ ኻበይ ክንመሃር ንኽእል፧

3 ባህላዊ እምነታት ኣፍሪቃ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ሓቂ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ዚነብሩ እቲ ሓቂ ይነግረና እዩ።

የሆዋ: እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ

4. ዓበይቲ ሃይማኖታት ኣፍሪቃ ብምንታይ እየን ዚሰማምዓ፧

4 ኣብ ኣፍሪቃ ዚርከባ ሰለስተ ዓበይቲ ሃይማኖታት: ኣምላኽ ከም ዘሎን ልዑል ምዃኑን ይሰማምዓሉ እየን። መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ: “ኣምላኽ ኣማልኽቲ: ጐይታ ጐይተት: እቲ ዓብዪ: እቲ ሓያል: እቲ ዜፍርህ ኣምላኽ” ብምባል ይገልጾ። (ዘዳግም 10:17) ኣመንቲ ምስልምና እውን ኣብ ሓደ ልዑል ኣምላኽ ይኣምኑ እዮም። ፕሮፌሰር ጀፍሪ ፓሪንደር እተባህለ ናይ ሃይማኖት ጸሓፍ ታሪኽ: ብዛዕባ ኣብ ኣፍሪቃ ዚርከብ ባህላዊ ሃይማኖት ኣመልኪቱ: “መብዛሕትኦም ኣፍሪቃውያን ኣብቲ ኣቦ ኣማልኽትን ሰባትን ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረታትን ዝዀነ ልዑል ኣምላኽ ይኣምኑ እዮም” በለ።

5. ሰባት ገለ ኻብቲ ንኣምላኽ ንምጽዋዕ ዚጥቀሙሉ ስማት እንታይ እዩ፧

5 ሰባት ኣብ ኣምላኽ ዚኣምኑ እኳ እንተ ዀኑ: መብዛሕትኦም ግን ኣምላኽ መን ምዃኑ ብንጹር ኣይፈልጡን እዮም። ምስ ሓደ ሰብ ንምልላይ እትወስዶ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ: ስሙ ምፍላጥ እዩ። ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ግን ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ብዙሕ ምድንጋራት እዩ ዘሎ። ኣብ ህዝበ-ክርስትያን: መብዛሕትኡ ግዜ ኣምላኽ ማለት “መላኺ” ኢሎም ይጽውዕዎ። ኣመንቲ ምስልምና ድማ ኣላህ ኢሎም ይጽውዕዎ። ኣብ መንጎ እቶም ባህላዊ እምነት ዚስዕቡ ድማ: ነቲ ልዑል ንምጽዋዕ ዚጥቀምሉ ስም ካብ ቋንቋ ናብ ቋንቋ ይፈላለ እዩ። ጆን ኤስ. ምቢቲ ኣብታ ኮንሰፕት ኦፍ ጎድ ኢን ኣፍሪካ ዘርእስታ መጽሓፉ: ልዕሊ 500 ዚኸውን ኣፍሪቃውያን ንኣምላኽ ዚጥቀሙሉ ስማትን መዓርጋትን ዘርዚሩ ኣሎ። ንኣብነት: ብቛንቋ ዮሩባ (ናይጀርያ) ኣምላኽ ኦሎዱማረ ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ ብኪኩዩ (ኬንያ) ድማ ንጋይ ይበሃል፣ እቶም ቋንቋ ዙሉ (ደቡብ ኣፍሪቃ) ዚዛረቡ ድማ ኡንኩሉንኩሉ ኢሎም ይጽውዕዎ።

6, 7. ስም ኣምላኽ መን እዩ፧ ብኸመይከ ንፈልጥ፧

6 ኣምላኽከ ብዛዕባ ስሙ እንታይ ይብል፧ ኣምላኽ ንሙሴ: ንእስራኤላውያን መሪሑ ኻብ ግብጺ ኼውጽኦም ኪእዝዞ ኸሎ: ሙሴ “እንሆ: ናብ ደቂ እስራኤል መጺኤ: ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ ምስ በልክዎም: ስሙ መን እዩ እንተ በሉንስ: እንታይ ክብሎም እየ፧” ኢሉ ንኣምላኽ ሓተቶ።—ዘጸኣት 3:13

7 ኣምላኽ ድማ: “ንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም: [“የሆዋ:” NW] ኣምላኽ ኣቦታትኩም: . . . ናባኻትኩም ለአኸኒ። እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ: ንውሉድ ወለዶ ኸኣ እዚ መዘከርታይ እዩ” ብምባል መለሰሉ። (ዘጸኣት 3:15) ገሊኦም ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ መለኮታዊ ስም እዚ “ኣምላኽ” ወይ “ጐይታ” ብዚብል መዓርጋት እኳ እንተ ተክእዎ: ኣብ በዅሪ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ልዕሊ 7,000 ግዜ ተጠቒሱ ይርከብ።

8. ኣምላኽ እንታይ ይመስል፧ ስምረቱ ኽንረክብ እንተ ደሊናኸ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

8 የሆዋ ብልክዕ እንታይ ይመስል፧ የሆዋ መንፈስ: ኵሉ ዚኽእል: ከምኡውን ግርማዊ እዩ። ዚወዳደሮ ዀነ ዚመዓራረዮ ዘይብሉ ልዑል እዩ። (ዘዳግም 6:4፣ ኢሳይያስ 44:6) የሆዋ ንሙሴ “ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ: ቀናእ ኣምላኽ እየ” በሎ። ብኻልእ ኣበሃህላ: ስምረት ኣምላኽ ንኽንረክብ ንዕኡ ጥራይ በይኑ ኸነምልኾ ኣሎና። ንኻልእ ዝዀነ ይኹን ነገር ወይ ኣካል ከነምልኽ ኣይደልየናን እዩ።—ዘጸኣት 20:3-5

የሱስ ክርስቶስ: ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ

9. የሱስ ማዕረ የሆዋ ኣይኰነን ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

9 ሎሚ የሱስ መን ምዃኑ ብዙሕ ምድንጋራት እዩ ዘሎ። ብዙሓት ኣባላት ህዝበ-ክርስትያን የሱስ ክፍሊ “ቕዱስ” ስላሴ ኸም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣምላኽ ኣብ ሓደ እተጠርነፈ ሰለስተ ኣካላት ምዃኑ ኣይምህርን እዩ። ክርስቶስ ማዕረ የሆዋ ምዃኑ እውን ኣይምህርን እዩ። የሱስ ባዕሉ: “ካባይ ኣቦይ ይዐቢ” ኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 14:28

10. የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ኣበይ እዩ ነይሩ፧

10 የሱስ ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ኣብ ሰማይ ይነብር ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ። ልክዕ ከምቲ የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ኣብ ምድሪ ዝፈጠሮም: ኣብ ሰማይ እውን መንፈሳውያን ፍጡራት ፈጢሩ እዩ። የሱስ: ብየሆዋ እተፈጥረ ናይ መጀመርታ መንፈሳዊ ፍጡር እዩ።—ዮሃንስ 17:5፣ ቈሎሴ 1:15

11. የሱስ ሰብ ኰይኑ እተወልደ ብኸመይ እዩ፧

11 ቅድሚ 2,000 ዓመት ኣቢሉ: የሆዋ ንህይወት እዚ መንፈሳዊ ፍጡር እዚ ናብ ማሕጸን ድንግል ማርያም ኣሰጋገሮ። ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም: “ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ: ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ . . . ኪነግስ እዩ: መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን” በላ።—ሉቃስ 1:31, 33 *

12. የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ሓደ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

12 ስለዚ የሱስ ተወሊዱ ዓበየ: ንሰባት ድማ ብዛዕባ ፍቓድን ዕላማን የሆዋ መሃሮም። ንሓደ ሮማዊ ኣመሓዳሪ: “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ” በሎ። (ዮሃንስ 18:37) ነቲ የሱስ ዝመሃሮ ብምምርማር ብዛዕባ ፍቓድን ዕላማን ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። ስምረት ኣምላኽ ብኸመይ ከም እንረክብ እውን ክንምሃር ንኽእል ኢና።

13. የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ኻልኣይ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

13 የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ኻልኣይ ምኽንያት: ሰብኣዊ ህይወቱ ኣብ ክንዲ ደቅሰብ በጃ ንምሃብ እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 20:28) ከምዚ ዝገበረ ኻብቲ ኻብ ኣቦና ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣት ሓራ ንኼውጽኣና ኢሉ እዩ። በዚ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት እንረኽበሉ ኣጋጣሚ ኸፈተልና። ሃዋርያ ዮሃንስ: “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ብምባል ጸሓፈ።—ዮሃንስ 3:16

14. (ሀ) የሱስ ሰብ ኰይኑ ድሕሪ ሙማቱ እንታይ ኰነ፧ (ለ) የሱስ ሕጂ ኣብ ሰማይ እንታይ ቦታ እዩ ዘለዎ፧

14 የሱስ ሰብ ኰይኑ ድሕሪ ሙማቱ: ናብቲ እንደገና ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ህይወት ዝረኸበሉ ሰማይ ተንስአ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:32, 33) ጸኒሑ ድማ: “ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ: ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦ።” (ዳንኤል 7:13, 14) የሱስ ሓያል ንጉስ ሰማያዊት መንግስቲ የሆዋ ዀነ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ስልጣኑ ኣብ መላእ ምድሪ ኼርኢ እዩ።

መላእኽቲ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ

15. መላእኽቲ መዓስን ኣበይን እዮም ተፈጢሮም፧

15 የሆዋን የሱስን ጥራይ ኣይኰኑን ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለም ዚነብሩ። የሆዋ መላእኽቲ ዚበሃሉ ኻልኦት መንፈሳውያን ፍጡራት እውን ፈጢሩ እዩ። እቲ ንማርያም እተዛረባ ገብርኤል: ሓደ ኻብዚኣቶም እዩ። መላእኽቲ ኣብ ምድሪ ኣይኰኑን ዚነብሩ ነይሮም። ሰባት ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምፍጣሮም ቅድሚ ነዊሕ ዘመን እዮም ኣብ ሰማይ ተፈጢሮም። (እዮብ 38:4-7) ብሚልዮናት ዚቝጸሩ መላእኽቲ ድማ እዮም ዘለዉ።—ዳንኤል 7:10

እሙናት መላእኽቲ ኺምለኹ ኣይደልዩን

16. ሰባት ንመላእኽቲ ኼምልኽዎም ዘይብሎም ስለምንታይ እዩ፧

16 እሙናት መላእኽቲ ኸነምልኾም ኣይደልዩናን እዮም። ሃዋርያ ዮሃንስ ክልተ ሳዕ ኪሰግደሎም ምስ ፈተነ: እቶም መላእኽቲ “ኸይትገብሮ ተጠንቀቕ። . . . ንኣምላኽ ደኣ ስገድ” ብምባል ገንሕዎ።—ራእይ 19:10፣ 22:8, 9

17. መላእኽቲ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ኬዕቍቡ ኸም ዚኽእሉ ዜርኢ እንታይ እዩ፧ እዚ ዜጸናንዕ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

17 መላእኽቲ ኸምቲ ነቶም ቀዳሞት ሃዋርያት የሱስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኼውጽእዎም ከለዉ እተራእይዎም: ሎሚ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣይርኣይዎምን እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:18, 19) እንተዀነ ግን: ንኣምላኽ ብመሰረት ቃሉ: ማለት ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ነምልኾ እንተ ደኣ ዄንና: ኣምላኽ በቶም ዘይረኣዩ ሓያላት መላእኽቲ ኣቢሉ ኸም ዜዕቍበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ: “መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ” ይብል። (መዝሙር 34:7፣ 91:11) እዚ ዜጸናንዓና ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ኬጥፍኡና ዚደልዩ ሓደገኛታት ጸላእቲ ኣለዉ።

ሰይጣን: ጸላኢ ኣምላኽ

18. (ሀ) ሓደ መልኣኽ ካብ ኣምላኽ ዝዓለወ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ነዚ ዓለወኛ መልኣኽ እዚ እንታይ ዚብል ስማት ተዋህቦ፧

18 ንኣምላኽ እሙናት ኰይኖም ዝቐጸሉ ዅሎም መላእኽቲ ኣይኰኑን። ገሊኦም ካብኡ ዓልዮም እዮም። ጸላእቲ ኣምላኽን ጸላእቲ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባትን ድማ ኰኑ። ከምዚ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ኵሎም እቶም የሆዋ ዝፈጠሮም መንፈሳውያን ፍጡራት ቅኑዓትን ጽቡቓትን እዮም ነይሮም። እንተዀነ ግን: ሓደ ኻብዞም ፍጹማት መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ እዚኣቶም: ሰባት ኬምልኽዎ ደለየ፣ ነዚ እኩይ ባህጉ ንምርዋይ ድማ ኪጽዕር ጀመረ። ነዚ መንፈሳዊ ፍጡር እዚ ድማ “ተጻራሪ [ኣምላኽ]” ዝትርጕሙ ሰይጣን ዚብል ስም ተዋህቦ። ኣንጻር ኣምላኽ እኩይ ሓሶታት ስለ ዚዛረብ: ድያብሎስ ወይ “መካፍኢ” ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ።

19. ሰይጣን ንእዮብ ስለምንታይን ብኸመይን ኣሳቐዮ፧

19 ሰይጣን: ሰባት ኣብቲ ኻብ ኣምላኽ ዝገበሮ ዕልወት ምእንቲ ኺሓብርዎ ጸቕጢ ይገብረሎም እዩ። ነቲ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝነበረ እዮብ እንታይ ከም ዝገበሮ ርአ። እዮብ ኣዝዩ ሃብታም ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ኣስታት 7,000 ኣባጊዕ: 3,000 ኣግማል: 1,000 ከብቲ: ኣብ ርእሲኡ ኸኣ 500 ኣንስትዮ ኣእዱግ ይውንን ነበረ። ዓሰርተ ደቅን ብዙሓት ግዙኣትን ነበርዎ። ሰይጣን ፈለማ ንእንስሳታትን ንግዙኣትን እዮብ ቀተሎም። ቀጺሉ: ነታ ደቁ ተኣኪቦምላ ዝነበሩ ቤት ኬዕኑ ዚኽእል “ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ” ኣልዒሉ: ንዅሎም ደቁ ቐተሎም። ብድሕርዚ: ንእዮብ “ካብ ሸዀና እግሩ ሒዙ ኽሳዕ ቅርቅርቱ ብብርቱዕ ቍስለተ ስጋ” ኣሳቐዮ።—እዮብ 1:3-19፣ 2:7

20. (ሀ) እዮብ እሙን ብምዃኑ እንታይ ዓስቢ ረኸበ፧ (ለ) እዮብ ንኣምላኽ እሙን እኳ እንተ ነበረ: ሰይጣን ንብዙሓት ሰባት እንታይ ኣብ ምግባር እዩ እተዓወተ፧

20 ምስዚ ዅሉ መሪር ስቓይ: እዮብ ንኣምላኽ እሙን ኰይኑ ተረኸበ። በዚ ድማ ኣምላኽ ንእዮብ ብምሕዋይ: “ኣብ ልዕሊ እቲ ቐደም ዝነበሮ ዕጽፊ ገይሩ ወሰኾ።” (እዮብ 42:10) ሰይጣን ንጽህና እዮብ ኣብ ምብልሻው እኳ እንተ ዘይተዓወተ: ንብዙሓት ሰባት ካብ ኣምላኽ ኣብ ምርሓቕ ግና ተዓዊቱ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ” ይገልጽ።—1 ዮሃንስ 5:19

21. (ሀ) ሰይጣን ኪምለኽ ከም ዚደሊ ብኸመይ ኣርኣየ፧ (ለ) የሱስ ንሰይጣን ዘይሰገደሉ ስለምንታይ እዩ፧

21 ሰይጣን ከነምልኾ እዩ ዚደልየና። እዚ ኣብቲ ኣስታት 2,000 ዓመት ኣቢሉ ይገብር ንየሱስ ዘቕረበሉ ፈተና ብንጹር ተራእዩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: ድያብሎስ ንየሱስ “ናብ ኣዝዩ ነዊሕ ከረን ወሲዱ: መንግስታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርአዮ እሞ፤ ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ: እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ: በሎ” ኢሉ የዘንትወልና። የሱስ ግን “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ: ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ: ጽሑፍ አሎ እሞ: ኪድ ርሐቕ: ሰይጣን” ኢሉ ብምምላስ ኣበዮ። (ማቴዎስ 4:8-10) የሱስ ንሕጊ ኣምላኽ ብንጹር ይፈልጦ ነበረ: ሰይጣን ዝደልዮ ድማ ኣይገበረን።

ኣጋንንቲ: እኩያት መናፍስቲ

22. ኣጋንንቲ ንሰባት እንታይ ይገብርዎም፧

22 ካልኦት መላእኽቲ እውን ኣብቲ ኻብ ኣምላኽ እተገብረ ዕልወት ንሰይጣን ሓቢሮምዎ እዮም። እዞም ኣጋንንቲ እዚኣቶም ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ጸላእቶም እዮም። ጨካናትን እኩያትን እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ንገለ ሰባት ዓባሳትን ዕዉራትን ገይሮምዎም እዮም። (ማቴዎስ 9:32, 33፣ 12:22) ንገሊኦም ድማ ኣሕመምዎም ወይ ኣጸለልዎም። (ማቴዎስ 17:15, 18፣ ማርቆስ 5:2-5) ንቘልዑ እውን ከይተረፈ ኣሳቕዮም እዮም።—ሉቃስ 9:42

23. (ሀ) እኩያት መናፍስቲ ኻብ ሰባት እንታይ እዮም ዚደልዩ፧ (ለ) ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንሰባት እንታይ ንምግባር እዮም ዜስድዕዎም፧

23 ልክዕ ከም ሰይጣን እዞም እኩያት መናፍስቲ እዚኣቶም እውን ኪምለኹ እዮም ዚደልዩ። ኣምልኾ ንየሆዋ ጥራይ ከም ዚግባእ ፈሊጦም: ካብ ሰባት ኣምልኾ ኣብ ክንዲ ዚነጽጉ: ንኺረኽብዎ ሃረር ይብሉ: ይብህጉ: ከምኡውን ንኻልኦት ይደፋፍኡ እዮም። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ምድንጋር: ሓሶት: ከምኡውን ምፍርራህ ተጠቒሞም ሰባት ከም ዜምልኽዎም ገይሮም እዮም። ርግጽ እዩ: ብዙሓት ሰባት ንሰይጣንን ኣጋንንቱን የምልኹ ምህላዎም ኣይፈልጡን እዮም። ብዙሓት ሰባት ሃይማኖቶም ንሰይጣን ከም እተኽብር ምስ ፈለጡ ይስንብዱ እዮም። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ “ኣህዛብ ዚስውእዎ ነጋንንቲ እዩ እምበር: ንኣምላኽ ኣይኰነን” ኢሉ የጠንቅቕ።—1 ቈረንቶስ 10:20

24. ሰይጣን ንሰባት ንምትላል ዚጥቀመሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

24 ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንሰባት ዜስሕትሉ ሓደ መገዲ ብዛዕባ ምዉታት ጌጋ ሓሳባት ብምዝርጋሕ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚምህር እስከ ንርአ።

^ ሕ.ጽ. 11 እቲ ናይ እስላም ቅዱስ መጽሓፍ ዝዀነ ቝርኣን: ብዛዕባ እቲ ተኣምራዊ ምውላድ የሱስ ኣብ ሱራህ 19 (ማርያም) ይዛረብ እዩ። ከምዚ ድማ ይብል:- “ምስሊ ሓደ እኹል ሰብ ዘለዎ መንፈስና ናብኣ [ማርያም] ሰደድና። ንሳ ድማ ምስ ረኣየቶ: ‘እቲ መሓሪ ካባኻ የናግፈኒ! ጐይታ ትፈርህ እንተ ዄንካ: ሕደገኒ: መገድኻ ድማ ኪድ’ በለት። ንሱ ድማ ‘ኣነ ናይ ጐይታኺ ልኡኽ እየ። ቅዱስ ወዲ ኺህበኪ ድማ እየ መጺአ’ በላ። ንሳ ኸኣ ‘ኣነ ሰብኣይ ዘይቀረበኒ ድንግል ክነሰይ: ከመይ ኢለ ቘልዓ ኽወልድ እኽእል፧’ በለቶ። ‘እዚ ፍቓድ ጐይታኺ እዩ። እዚ ንዕኡ ዜጸግም ነገር ኣይኰነን። ጐይታ “እዚ ንደቅሰብ ምልክት ዚኸውን ካባና ዚርከብ በረኸት እዩ። ኣዋጅና እዚ እዩ”’ ኢሉ እዩ በላ።”