ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

4

ኣቦሓጎታትና ኣበይ እዮም ዘለዉ፧

ኣቦሓጎታትና ኣበይ እዮም ዘለዉ፧

1, 2. ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ምዉታት እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧

ኣብ ኣፍሪቃ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: ሞት መወዳእታ ህይወት ዘይኰነስ: ናብ ካልእ ህይወት መሰጋገሪ ኸም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ። ብዙሓት ሰባት እቶም ዝሞቱ ኣቦሓጎታቶም ካብ ዚርአ ዓለም ናብ ዘይርአ: ካብ ናይ ሰባት ዓለም ናብ ናይ መናፍስቲ ዓለም ከም እተሰጋገሩ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ።

2 እዞም ኣቦሓጎታት ወይ መናፍስቲ ኣቦሓጎታት እዚኣቶም: ህልውናን ብልጽግናን እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ስድራቤቶም ከም ዚቈጻጸሩ እዩ ዚእመን። ብመሰረት እዚ ኣረኣእያ እዚ: መናፍስቲ ኣቦሓጎታት ሓያላት ኣዕሩኽ: ጽቡቕ ምህርቲ ንኺሕፈስ ዚሕግዙ: ድሕንነት ዜረጋግጹ: ከምኡውን ካብ ጕድኣት ዜዕቍቡ እዮም። ነዞም መናፍስቲ እዚኣቶም ዕሽሽ እንተ ኢልካዮም ወይ ኣቘጢዕካዮም ከም ሕማምን ድኽነትን መከራን ዝኣመሰለ ዕንወት የምጽኡ እዮም ይበሃል።

3. ገለ ሰባት ንኣቦሓጎታት ዜምልኹ ብኸመይ እዮም፧

3 እቶም ብህይወት ዘለዉ ንመናፍስቲ ኣቦሓጎታቶም ንኬኽብሩን ምስኦም ጽቡቕ ርክብ ንኺምስርቱን ጽምብላትን ወግዕታትን ይገብሩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት እዚ ልምድታት እዚ ብፍላይ ኣብ ከም ሬሳ ምሕላውን ካልኣይ ቀብርን ዝኣመሰለ ስርዓታት ቀብሪ ይርአ እዩ። ኣምልኾ ኣቦሓጎታት ብኻልእ መገድታት እውን ይርአ እዩ። ንኣብነት: ገለ ሰባት ኣልኮላዊ መስተ ቕድሚ ምስታዮም: ንኣቦሓጎታቶም ኢሎም ቍሩብ ናብ ምድሪ ይኽዕዉ። ምግቢ ምስ ተሰርሐ እውን: ኣቦሓጎታት እንተ መጺኦም ምእንቲ ኺበልዕዎ ኢሎም ኣብ ጻሕሊ የትርፉ።

4. ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ነፍሲ እንታይ ኢሎም እዮም ዚኣምኑ፧

4 ካልኦት ሰባት ድማ: ሰባት ምስ ሞቱ ኻብኦም ተፈልያ ምንባር እትቕጽል ዘይትመውት ነፍሲ ኣላቶም ኢሎም ይኣምኑ። ሓደ ሰብ ቅኑዕ እንተ ደኣ ነይሩ: ነፍሱ ናብ ሰማይ ወይ ገነት ትኸይድ: እኩይ እንተ ደኣ ነይሩ ድማ ነፍሱ ኣብ ዚቃጸል ሲኦል ከም እትሳቐ ይዛረቡ። መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ምስ ባህላዊ እምነታት ይጽንብርዎ። ንኣብነት: ኣብ ቤተ-ክርስትያን ንዚግበር ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዚሕብር ኣብ ጋዜጣታት ዚወጽእ መርድእ: ሓድሓደ ግዜ እቲ ሰብ “ናብ መንፈሳዊ ዓለም ሰጊሩ” ወይ “ናብ ኣቦሓጎታቱ ኸይዱ” ይብል። ኵሉ እዚ እምነታት እዚ: ኣብቲ ነፍሲ ወይ መንፈስ ድሕሪ ሞት ካብ ስጋና ተፈልያ ምንባር ትቕጽል እያ ዚብል ኣተሓሳስባ እተመስረተ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ይብል፧

ነፍስን መንፈስን

5, 6. ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: ነፍሲ እንታይ እያ፧

5 መጽሓፍ ቅዱስ: ነፍሲ ኣብ ውሽጢ ሰብ ዘላ ነገር ዘይኰነትስ: እቲ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ነፍሲ ኸም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ። ንኣብነት: ኣምላኽ ንኣዳም ምስ ፈጠሮ: “እቲ ሰብ ህያው ንፍሲ ዀነ።” (ዘፍጥረት 2:7) ኣዳም ነፍሲ ኣይኰነን ተዋሂብዎ: ንሱ ንባዕሉ ነፍሲ ማለት ምሉእ ሰብ እዩ ዀይኑ።

6 ስለዚ ኸኣ ኢና: ነፍሲ ኸም እትውለድ እነንብብ። (ዘፍጥረት 46:18) ነፍሲ ኽትበልዕ ወይ ክትጸውም ትኽእል እያ። (ዘሌዋውያን 7:20፣ መዝሙር 35:13) ክትበክን ክተሕለልውን ትኽእል እያ። (ኤርምያስ 13:17፣ ዮናስ 2:8) ከም ታሕዚ ኽትተሓዝ: ክትስጐግ: ከምኡውን ኣብ ሓጺን ክትኣቱ ማለት ብመቝሕ ክትእሰር ትኽእል እያ። (ዘዳግም 24:6፣ መዝሙር 7:5፣ 105:18) ገለ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ: ነታ በዅሪ ቓል “ነፍሲ” ኢሉ ኺትርጕማ ኸሎ: ገሊኡ ትርጕማት ድማ “ፍጥረት” ወይ “ሰብ” ዚብል ቃላት ይጥቀም። ኵሉ ግን ሕደ ትርጕም እዩ ዘለዎ።

7. ኣየናይ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነፍሲ ኸም እትመውት ዜርኢ፧

7 ነፍሲ: እቲ ሰብ ባዕሉ ኻብ ኰነ: እቲ ሰብ ኪመውት ከሎ ነፍሱ እውን ትመውት ማለት እዩ። ህዝቅኤል 18:4 “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ” ትብል። ግብሪ ሃዋርያት 3:23 ድማ “ነቲ ነብዪ እቲ ዘይትሰምዕ ዘበለት ነፍሲ [ወይ ሰብ] ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ” ትብል። ስለዚ እምበኣር: ነፍሲ ድሕሪ ሞት ምንባር እትቕጽል ነገር ኣይኰነትን።

8. ናይ ሰባት መንፈስ እንታይ እዩ፧

8 ነፍስን መንፈስን ሕደ ኣይኰነን። መንፈስ: ሰባት ንጥፈታቶም ከም ዚዓሙ ዚገብር ሓይሊ ህይወት እዩ። መንፈስ ልክዕ ከም ኤለክትሪክ እዩ። ኤለክትሪክ ንሓንቲ ረድዮ ወይ መዝሓሊት ከም እትዓዪ ዚገብር እኳ እንተ ዀነ: ባዕሉ ድምጺ ኼውስእ ወይ ኬዝሕል ግን ኣይክእልን እዩ። መንፈስ እውን ብተመሳሳሊ ኸም እንርኢ: እንሰምዕ: ከምኡውን ከም እንሓስብ ኪገብረና ይኽእል እዩ። ባዕሉ ብዘይ ዓይኒ: እዝኒ: ወይ ሓንጐል ግን ከምዚ ኺገብር ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰብ: “ትንፋሱ [“መንፈሱ:” NW] ይወጽእ: ናብ መሬቱ ይምለስ: በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ” ዚብል።—መዝሙር 146:4

9. ነፍስን መንፈስን እንታይ እዩ ዘይገብር፧

9 ስለዚ እምበኣር: ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ሞትና ናብ መንፈሳዊ ዓለም ከይዱ ብህይወት ምንባር ዚቕጽል ነፍሲ ይኹን መንፈስ የለን።

ኵነታት ምዉታት

10. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት እንታይ እዩ ዚብል፧

10 ምዉታት ደኣ እሞ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ዘለዉ፧ ንሰባት ዝፈጠረ የሆዋ ስለ ዝዀነ: ምስ ሞትና እንታይ ከም እንኸውን እውን ይፈልጥ እዩ። ቃሉ: ምዉታት ህይወት ከም ዘይብሎም: ኪሰምዑ: ኪርእዩ: ኪዛረቡ: ወይ ኪሓስቡ ኸም ዘይክእሉ እዩ ዚምህር። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:-

  • “ምዉታት . . . ገለ እኳ ኣይፈልጡን።”—መክብብ 9:5

  • “ፍቕሮምን ጽልኦምን ቅንኣቶምን ድሮ ጠፊኡ እዩ።”—መክብብ 9:6

  • “ኣብቲ እትኸዶ [መቓብር] ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን።”—መክብብ 9:10

11. ኣዳም ድሕሪ ምሕጣኡ ኣምላኽ እንታይ በሎ፧

11 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ናይ መጀመርታ ኣቦሓጎና ኣዳም እንታይ ከም ዚብል እሞ ሕሰብ። የሆዋ ንኣዳም “ካብ ሓመድ ምድሪ” ገበሮ። (ዘፍጥረት 2:7) ሕጊ ኣምላኽ እንተ ዜኽብር: ኣብ ምድሪ እናተሓጐሰ ንዘለኣለም ምነበረ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ኣዳም ሕጊ የሆዋ ብዘይ ምእዛዙ ንሞት ተፈርደ። ኣዳም ምስ ሞተ ናበይ እዩ ኸይዱ፧ ኣምላኽ “ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ [ኽትምለስ] . . . ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ” በሎ።—ዘፍጥረት 3:19

12. ኣዳም ምስ ሞተ እንታይ ኰነ፧

12 የሆዋ ንኣዳም ካብ ሓመድ ቅድሚ ምፍጣሩ: ኣዳም ኣበይ ነበረ፧ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኣይነበረን። ህላወ ኣይነበሮን። ስለዚ: የሆዋ ንኣዳም “ናብ መሬት ድማ ትምለስ” ኪብሎ ኸሎ: ልክዕ ከም ሓመድ ህይወት ዘይብሉ ይኸውን ማለቱ እዩ ነይሩ። ኣዳም ድሕሪ ሞቱ ናብ ናይ መናፍስቲ ዓለም ኣይከደን። መናፍስቲ ኣቦሓጎታት ናብ ዘለዎ ዓለም ‘ኣይሰገረን።’ ናብ ሰማይ ወይ ብሓዊ ኺሳቐ ናብ ሲኦል ኣይከደን። ናብ ዘይምህላው እዩ ተመሊሱ። ምንባር ከኣ ኣቋረጸ።

13. ሰባትን እንስሳታትን ምስ ሞቱ እንታይ እዮም ዚዀኑ፧

13 ንሰባት ብሓፈሻኸ ኸምኡ ድዩ ዜጋጥሞም፧ እወ: ከምኡ እዩ ዜጋጥሞም። መጽሓፍ ቅዱስ: “[ሰባትን እንስሳታትን] ናብ ሓንቲ ቦታ ይኸዱ: ኵሎም ካብ መሬት ኰኑ: ኵሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ” ብምባል ይገልጽ።—መክብብ 3:19, 20

14. ምዉታት እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧

14 መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ንምዉታት ናብ ገነት ኣብ እተለወጠት ምድሪ ኸም ዜተንስኦም ይመባጻዕ እዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እዚ ግን ኣብ መጻኢ እዩ ዚኸውን። ኣብዚ እዋን እዚ ብሞት ደቂሶም እዮም ዘለዉ። (ዮሃንስ 11:11-14) ኪሕግዙና ይኹን ኪጐድኡና ስለ ዘይክእሉ: ክንፈርሆም ኰነ ኸነምልኾም ኣይግባእን።

15, 16. ሰይጣን ንሰባት: ምዉታት ብሓቂ ኸም ዘይሞቱ ኼእምኖም ዚፍትን ብኸመይ እዩ፧

15 ከቶ ኣይንመውትን ኢና ዚብል ሓሳብ: ብሰይጣን ድያብሎስ እተዘርግሐ ሓሶት እዩ። ነዚ ሓሶት እዚ ሰባት ከም ዚኣምንዎ ንምግባር: ንሱን ኣጋንንቱን ጠንቂ ሕማም ኰነ ኻልእ ጸገማት: መናፍስቲ ምዉታት ምዃኖም ኬእምኑ እዮም ዚጽዕሩ። ሓቂ እዩ ሓድሓደ ሽግራት ብኣጋንንቲ ኺመጽእ ይኽእል እዩ። ገሊኡ ሽግራት ምስ ልዕለ-ባህርያዊ ነገራት ምትእስሳር ከም ዘይብሉ እውን ሓቂ እዩ። ይኹን እምበር: ካብቶም ብሞት ደቂሶም ዘለዉ ዝዀነ ይኹን ጕድኣት ኪመጸና ኣይክእልን እዩ።

16 ኣጋንንቲ ንሰባት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምዉታት ዚብሎ ነገራት ጌጋ ኸም ዝዀነ ንኼእምኑ ኢሎም ዚጥቀመሉ ኻልእ መገዲ እውን ኣሎ። ሰባት ንምዉታት ዝረኣዩ ወይ እተዛረቡ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ብምግባር የታልልዎም። ነዚ ብራእያት: ብሕልሚ: ብሓተታ መናፍስቲ: ወይ ብኻልእ መገድታት ኣቢሎም እዮም ዚገብርዎ። ይኹን እምበር: ሰባት ምስቶም ዝሞቱ ዘይኰነስ: ነቶም ዚሞቱ መሲሎም ምስ ዚቕርቡ ኣጋንንቲ እዮም ዚራኸቡ። ስለዚ ኸኣ እዩ የሆዋ ንመናፍስትን ንምዉታትን ዚጥይቑ ኣበርቲዑ ዚዅንኖም።—ዘዳግም 18:10-12፣ ዘካርያስ 10:2