ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

1

ኵለን ሃይማኖታት ሓቂ ይምህራ ድየን፧

ኵለን ሃይማኖታት ሓቂ ይምህራ ድየን፧

1. ገለ ኻብተን ኣብ ኣፍሪቃ ዚርከባ ሃይማኖታት ኣየኖት እየን፧

ኣብ ኣፍሪቃ ዳርጋ ዅሉ ሰብ ንኣምላኽ ምምላኽ ኣገዳሲ ምዃኑ ይሰማምዓሉ እዩ። ብኸመይ ኪምለኽ ከም ዘለዎ ግን እተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ዘሎ። ገሊኦም ናብ መስጊድ ይኸዱ: ገሊኦም ብልምዲ ንጸሎት ናብ ዚጥቀሙሉ ቦታ ይኸዱ: ገሊኦም ድማ ናብ ቤተ-ክርስትያን ይኸዱ። ይኹን እምበር: ኣብ ኣፍሪቃ ሰለስተ ሃይማኖታት ጥራይ እየን ዘለዋ ኢልካ ምሕሳብ ጌጋ እዩ። ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ምስልምና እተፈላለየ ሕግታትን እምነታትን ኣሎ። ባህላዊ ሃይማኖት ድማ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣዝዩ እተፈላለየ እዩ። ኣብ መንጎ እቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ እሞ ኸኣ ዓብዪ ምፍልላይ እዩ ዘሎ። ብዘይካ እተን ዓበይቲ ኣብያተ-ክርስትያን: ኣብ ኣፍሪቃ ብኣሽሓት ዚቝጸራ ርእሰን ዝኸኣላ ኣብያተ-ክርስትያናት ኣለዋ።

ሃይማኖትና ኣብ ሓቂ እተመስረተት ክትከውን ኣለዋ

2. (ሀ) ሓደ ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ሃይማኖት ዚሕዝ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ነገራት እዩ ሃይማኖትና ንኣምላኽ ዜሐጕስ ምዃኑ ኼረጋግጸልና ዘይክእል፧

2 ሰባት ንኣምላኽ ብእተፈላለየ መገዲ ዜምልኽዎ ስለምንታይ እዩ፧ መብዛሕትኦም ሰባት ሃይማኖት ወለዶም እዮም ዚኽተሉ። ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዘጋጠመ ፍጻመታት እውን ነዚ ሎሚ ሰባት ሒዞምዎ ዘለዉ ሃይማኖት ጸልይዎ እዩ። እታ ዘ ኣፍሪካንስ—ኤ ትሪፕል ሄሪቴጅ ዘርእስታ መጽሓፍ: “ምስልምና ኻብ ሰሃራ ንሰሜን ብወረራ ኣስፋሕፍሐ: . . . ክርስትና ድማ ካብ ሰሃራ ንደቡብ ብተመሳሳሊ መገዲ ኣስፋሕፍሐ። ምስልምና ኻብ ሰሃራ ንሰሜን ብሴፍ እንተ ኣስፋሕፊሑ: ክርስትና ድማ ካብ ሰሃራ ንደቡብ ብጠበንጃ እዩ ኣስፋሕፊሑ” በለት። እዚ ዀይኑ ኼብቅዕ: መብዛሕትና ሃይማኖትና ንኣምላኽ ተሐጕስ እያ ኢልና ኢና እንኣምን። ይኹን እምበር: ሓንቲ ሃይማኖት ናይ ወለድና ብምዃና ወይ ባዕዳውያን ንኣቦሓጐታትና ኣገዲዶም ስለ ዘመሓላለፉሎም ጥራይ ቅንዕቲ እያ ማለት ኣይኰነን።

3-5. ኵለን ሃይማኖታት ሓቂ ኸም ዘይምህራ ንኺርድኣና እንታይ ምሳሌ ኺሕግዘና ይኽእል፧

3 ኵለን ሃይማኖታት ንኣምላኽ ብኸመይ ከም እተገልግሎ ዚገልጽ ዜተኣማምን መምርሒ ንህብ ኢና እኳ እንተ በላ: ሓሳባተን ግን እተፈላለየ እዩ። ኣምላኽ መን ምዃኑን ካባና እንታይ ከም ዚጽበን ብዙሕ እተፈላለየ ነገራት እየን ዚምህራ። ሕስብ እሞ ኣብል:- ኣብ ሓደ ዓብዪ ኩባንያ ስራሕ ረኺብካ ንበል። ኣብታ ፈለማ ስራሕ ዝጀመርካላ መዓልቲ: እቲ ሓለቓ ዕረፍቲ ኸም ዝወጸ ትፈልጥ። ስለዚ: እንታይ ክትሰርሕ ከም ዘሎካ ንሰለስተ ሰራሕተኛታት ትሓትት። እቲ ቐዳማይ ሰራሕተኛ: እቲ ሓለቓ ነቲ ገዛ ኽትኵስትሮ ኸም ዚደሊ ይነግረካ። እቲ ኻልኣይ ነቲ ህንጻ ኽትልቕልቖ ኸም ዘሎካ ይነግረካ። እቲ ሳልሳይ ድማ መልእኽትታት ከተበጻጽሕ ከም ዘሎካ ይነግረካ።

4 ብድሕሪኡ: ነቶም ሰራሕተኛታት እቲ ሓለቓ እንታይ ከም ዚመስል ትሓቶም። እቲ ቐዳማይ: እቲ ሓለቓ ንውሕ ዝበለ መንእሰይ ኰይኑ ጨካን ምዃኑ ይነግረካ። እቲ ኻልኣይ: ሕጽር ዝበለ ዓብዪ ሰብኣይ ኰይኑ ሕያዋይ ምዃኑ ይነግረካ። እቲ ሳልሳይ ድማ እቲ ሓለቓ ሰብኣይ ዘይኰነስ: ሰበይቲ ምዃና ይነግረካ። እዞም ሰለስተ ሰራሕተኛታት እዚኣቶም: ኵሎም ሓቂ ኸም ዘይነገሩኻ ምደምደምካ። ኣብቲ ስራሕ ክትቅጽል እንተ ደኣ ደሊኻ: እቲ ሓለቓ መን ምዃኑ ኸምኡውን ብሓቂ እንታይ ክትሰርሕ ከም ዚደልየካ ወይ እትደልየካ ኸተረጋግጽ ምጸዓርካ።

5 ኣብ ሃይማኖት እውን ከምኡ እዩ። ኣምላኽ መን ምዃኑን ካባና እንታይ ብቕዓት ከም ዚደልን ብዙሕ እተፈላለየ ሓሳባት ስለ ዘሎ: ንኣምላኽ እነምልኸሉ መገዲ ሓቂ ምዃኑ ኸነረጋግጽ ይግባእ። ብዛዕባ ኣምላኽ ደኣ እሞ እቲ ሓቂ ብኸመይ ክንመሃር ንኽእል፧