ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ሽዱሽተ

ምስ ሞትና ናበይ ኢና እንኸይድ፧

ምስ ሞትና ናበይ ኢና እንኸይድ፧

1-3. ሰባት ብዛዕባ ሞት እንታይ ሕቶታት እዮም ዚሓትቱ፧ ገሊአን ሃይማኖታትከ ነዚ ሕቶታት እዚ እንታይ ምላሽ እየን ዚህባሉ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን” ዚብሃለሉ እዋን ከም ዚመጽእ የተስፍወና እዩ። (ራእይ 21:4) ኣብ ምዕራፍ 5፡ እቲ በጃ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ኣጋጣሚ ኸም ዝኸፈተልና ተማሂርና ኢና። ይኹን እምበር፡ ሎሚ እውን ሰባት ይሞቱ እዮም። (መክብብ 9:5) ስለዚ፡ ምስ ሞትና እንታይ ከም እንኸውን ንሓስብ ንኸውን።

2 ብፍላይ ከኣ እነፍቅሮ ሰብ ኪሞተና ኸሎ፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ የገድሰና እዩ። ‘ናበይ ኰን ከይዱ ይኸውን፧ ይርእየና ደዀን ይህሉ፧ ኪሕግዘና ይኽእልዶ፧ ከም ብሓድሽ ክንርእዮ ንኽእልዶ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን።

3 ሃይማኖታት ነዚ ሕቶታት እዚ እተፈላለየ ምላሽ እየን ዚህባሉ። ገሊአን፡ ቅኑዕ ሰብ እንተ ዄንካ፡ ናብ ሰማይ ትኸይድ፡ ክፉእ እንተ ዄንካ ግና ኣብ ገሃነም ትቃጸል ኢለን እየን ዚምህራ። ገሊአን ከኣ፡ ምስ ሞትካ ናብ መንፈስ ተቐይርካ ምስቶም ድሮ ዝሞቱ ኣባላት ስድራ ቤትካ ትነብር ይብላ። ካልኦት ድማ፡ ምስ ሞትካን ምስ ተፈረድካን፡ ዳግም ከም እትውለድ ወይ ከኣ ካልእ ኣካል ለቢስካ፡ ማለት ምናልባት ካልእ ሰብ ወይ እንስሳ ዄንካ መሊስካ ኸም እትውለድ ይገልጻ እየን።

4. ሃይማኖታት ብዛዕባ ሞት እንታይ መሰረታዊ ሓሳብ እየን ዚምህራ፧

4 ሃይማኖታት እተፈላለየ ትምህርትታት ዚምህራ እየን ዚመስላ። ኰይኑ ግና፡ ኵለን ሓደ መሰረታዊ ሓሳብ እየን ዚምህራ። እወ፡ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ፡ ካብኡ ተፈልያ ምንባር እትቕጽል ነገር ከም ዘላ እየን ዚምህራ። እዚ ግና ሓቂ ድዩ፧

ምስ ሞትና ናበይ ኢና እንኸይድ፧

5, 6. ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧

5 የሆዋ ምስ ሞትና እንታይ ከም እንኸውን ይፈልጥ እዩ፣ ሰብ ምስ ሞተ፡ ህይወቱ ኸም ዜቋርጽ ነጊሩና እዩ። ሞት ኣንጻር ህይወት እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ፡ እቲ ዝነበሮ ስምዒታትን ተዘክሮታትን ኣብ ካልእ ቦታ ኣይነብርን እዩ። * ምስ ሞትና፡ ክንርእን ክንሰምዕን ክንሓስብን ኣይንኽእልን ኢና።

6 ንጉስ ሰሎሞን፡ “ምዉታት . . . ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። እወ፡ ምዉታት ኬፍቅሩ ወይ ኪጸልኡ ኣይክእሉን እዮም። “ኣብቲ እትኸዶ መቓብርሲ ዕዮ ዀነ፡ ውጥን ኰነ፡ ፍልጠት ኰነ፡ ወይ ጥበብ የልቦን።” (መክብብ 9:5, 6, 10 ኣንብብ።) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 146:4 ኸም ዚነግረና፡ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ፡ “ሓሳባቱ ይጠፍእ” እዩ።

የሱስ ብዛዕባ ሞት ዝበሎ ነገራት

የሆዋ ንሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ ፈጢርዎም

7. የሱስ ብዛዕባ ሞት እንታይ እዩ ኢሉ፧

7 የሱስ እቲ ዝፈትዎ ዓርኩ ኣልኣዛር ምስ ሞተ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣልኣዛር ዓርክና ደቂሱ ኣሎ” በሎም። ይኹን እምበር፡ ኣልኣዛር ደቂሱ የዕርፍ ከም ዘሎ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ስለዚ ወሲኹ፡ “ኣልኣዛር ሞይቱ” በለ። (ዮሃንስ 11:11-14) በዚ ኸምዚ፡ የሱስ ንሞት ምስ ድቃስ ኣመሳሰሎ። ኣልኣዛር ኣብ ሰማይ ከም ዘሎ ወይ ከኣ ምስቶም ዚሞቱ ኣባላት ስድራ ቤቱ ኸም ዘሎ ኣይተዛረበን። ኣብ ገሃነም ይሳቐ ኸም ዘሎ ወይ ከኣ ካልእ ሰብ ወይ እንስሳ ዀይኑ ዳግም ከም እተወልደ እውን ኣይተዛረበን። ሞት ኣልኣዛር ምስ ከቢድ ድቃስ ዚመሳሰል እዩ ነይሩ። ካልእ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ንሞት ምስ ከቢድ ድቃስ እዩ ዜመሳስሎ። እስጢፋኖስ ምስ ተቐትለ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ደቀሰ” ይብለና። (ግብሪ ሃዋርያት 7:60፡ እግረ ጽሑፍ) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን፡ ገሊኦም ክርስትያናት “ደቂሶም” ከም ዘለዉ ጽሒፉ ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 15:6፡ እግረ ጽሑፍ።

8. ኣምላኽ ክንመውት ኢሉ ኸም ዘይፈጠረና ብኸመይ ንፈልጥ፧

8 ኣምላኽ ንኣዳምን ንሄዋንን ድሕሪ ግዜ ኸም ዚሞቱ ገይሩ ድዩ ፈጢርዎም፧ ኣይፋሉን! የሆዋ፡ ፍጹም ጥዕና ሃልይዎም ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ኺነብሩ እዩ ፈጢርዎም ነይሩ። የሆዋ ንሰባት ኪፈጥሮም ከሎ፡ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ባህጊ ኣሕዲሩሎም እዩ። (መክብብ 3:11) ውላዱ ኺኣርግን ኪመውትን ከሎ ኺርኢ ዚደሊ ወላዲ ኸም ዘየለ ፍሉጥ እዩ። የሆዋ እውን ክንኣርግን ክንመውትን ኣይደልየናን እዩ። ኣምላኽ ንዘለኣለም ክንነብር እንተ ፈጢሩና ደኣ ስለምንታይ ኢና እንመውት፧

ስለምንታይ ኢና እንመውት፧

9. እቲ የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ዝሃቦም ትእዛዝ ከቢድ ዘይነበረ ስለምንታይ እዩ፧

9 ኣብ ገነት ኤደን፡ የሆዋ ንኣዳም፡ “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ምብላዕካ ብላዕ። ብዛዕባ እታ ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን ግና፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፣ ከመይሲ፡ በታ ኻብኣ እትበልዓላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ” በሎ። (ዘፍጥረት 2:9, 16, 17) እዚ ንጹር ትእዛዝ እዚ፡ ክትእዘዞ ዚኸብድ ኣይነበረን። የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ብዛዕባ ጽቡቕን ክፉእን ኪነግሮም ድማ መሰል ኣለዎ እዩ። ንሳቶም ንየሆዋ እንተ ዚእዘዙ ኸኣ፡ ስልጣኑ ኸም ዜኽብሩ መርኣዩ ነይሮም። ስለቲ ዝሃቦም ኵሉ ነገራት ምስጋናኦም ንምግላጽ እውን ኣጋጣሚ ምረኸቡ ነይሮም።

10, 11. (ሀ) ሰይጣን ንኣዳምን ንሄዋንን ዘስሓቶም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ተግባር ኣዳምን ሄዋንን ዕሽሽ ኢልካ ዚሕለፍ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

10 እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ኣይተኣዘዝዎን። ሰይጣን ንሄዋን፡ “ኣምላኽሲ፡ ‘ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ’ ኢሉዶ ኣዚዙ እዩ፧” በላ። ሄዋን ከኣ፡ “ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኣእዋም ንበልዕ ኢና። ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእከል ገነት ዘላ ኦም ግና፡ ኣምላኽ፡ ‘ከይትሞቱስ፡ ካብኣ ኣይትብልዑ፡ ኣይትተንክይዋ እውን’ ኢሉ” በለቶ።—ዘፍጥረት 3:1-3

11 ሰይጣን ድማ፡ “ከቶ ኣይክትሞቱን ኢኹም። ኣምላኽ በታ ኻብኣ እትበልዑላ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽ እውን ከም እትዀኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ” በላ። (ዘፍጥረት 3:4-6) ሰይጣን ንሄዋን፡ ባዕላ ቕኑዕን ጌጋን ክትውስን ከም እትኽእል ኰይኑ ኺስምዓ እዩ ደልዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ንኣምላኽ እንተ ዘይተኣዚዛ ብዛዕባ ዜጋጥማ ነገር ሓሶት ነገራ። ሰይጣን ንሄዋን፡ ከም ዘይትመውት ነገራ፣ ሄዋን ከኣ ካብ ፍረ እታ ኦም በልዐት፡ ንሰብኣያ ድማ ሃበቶ። ኣዳምን ሄዋንን፡ የሆዋ ኻብ ፍረ እታ ኦም ከይበልዑ ኸም ዝነገሮም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ካብኣ ብምብላዖም፡ ነቲ ንጹርን ቀሊልን ትእዛዝ ኪጥሕሱ መሪጾም እዮም። ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኦም ድማ ንዒቖምዎ እዮም። እዚ ተግባሮም እዚ፡ ዕሽሽ ኢልካ ዚሕለፍ ኣይነበረን።

12. ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ዘይምእዛዞም ዜጕሂ ስለምንታይ እዩ፧

12 እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ንፈጣሪኦም ክሳዕ ክንድዚ ምንዓቖምሲ ክንደይ ዜጕሂ ዀን እዩ! እቶም ላዕልን ታሕትን ኢልካ ዘዕበኻዮም ደቅኻ ኻባኻ ዓልዮም፡ ትእዛዛትካ እንተ ዚጥሕሱ ኸመይ ምተሰምዓካ፧ መዓንጣኻዶ ሕርር ኣይምበለን፧

ኣዳም ካብ መሬት ተፈጥረ፡ ናብ መሬት ድማ ተመልሰ

13. የሆዋ፡ “ናብ ሓመድ . . . ክትምለስ ኢኻ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለት እዩ ነይሩ፧

13 ኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ ምስ ጠሓሱ፡ ንዘለኣለም ኪነብሩ ዜኽእሎም ኣጋጣሚ ኣጥፍኡ። የሆዋ ንኣዳም፡ “ሓመድ ኢኻ እሞ፡ ናብ ሓመድ ድማ ክትምለስ ኢኻ” ኢልዎ እዩ። (ዘፍጥረት 3:19 ኣንብብ።) እዚ ኺብሃል ከሎ ኸኣ፡ ከምቲ ኸይተፈጥረ ኸሎ ዝነበሮ ሓመድ ከም ዚኸውን እዩ ዜመልክት። (ዘፍጥረት 2:7) ኣዳም ምስ ሓጥአ፡ ሞይቱ ኻብ ህልውና ኣቋሪጹ እዩ።

14. ስለምንታይ ኢና እንመውት፧

14 ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ እንተ ዚእዘዙ፡ ክሳዕ ሎሚ ብህይወት ምነበሩ ነይሮም። ትእዛዙ ስለ ዝጠሓሱ ግና፡ ሓጢኦም፡ ድሕሪ ግዜ ድማ ሞይቶም እዮም። ሓጢኣት ካብ ወለድና ዝወረስናዮ ኸቢድ ሕማም እዩ። ኵላትና ሓጥኣን ኴንና ስለ እተወለድና ድማ፡ መወትቲ ኢና። (ሮሜ 5:12) ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ዕላማ ግና ከምኡ ኣይነበረን። ደቂ ሰብ ኪሞቱ ፈጺሙ ኣይደልን እዩ ነይሩ፣ እኳ ደኣስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት፡ “ጸላኢ” ኢሉ እዩ ዚጽውዖ።—1 ቈረንቶስ 15:26

ሓቂ ሓራ ተውጽኣና

15. ብዛዕባ ሞት ዚገልጽ ሓቂ ምፍላጥና ሓራ ዜውጽኣና ብኸመይ እዩ፧

15 ብዛዕባ ሞት ዚገልጽ ሓቂ ምፍላጥና ኻብ ብዙሕ ግጉይ ኣረኣእያታት ሓራ ይገብረና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምዉታት ስቓይ ኰነ ሓዘን ከም ዘይስምዖም ይገልጸልና እዩ። ክንዛረቦም ኣይንኽእልን ኢና፣ ንሳቶም እውን ኪዛረቡና ኣይክእሉን እዮም። ምዉታት ሓገዝና ኣየድልዮምን፣ ኪሕግዙና እውን ኣይክእሉን እዮም። ኪጐድኡና ስለ ዘይክእሉ ድማ ክንፈርሆም የብልናን። ብዙሓት ሃይማኖታት ግና፡ ምዉታት ኣብ ካልእ ቦታ ይነብሩ ኸም ዘለዉ፡ ንኣቕሽሽቲ ወይ ነቶም ከም ቅዱሳን ጌርካ ዚርኣዩ ገንዘብ ብምኽፋል ድማ ንምዉታት ክንሕግዞም ከም እንኽእል ይዛረቡ እዮም። ብዛዕባ ሞት ዚገልጽ ሓቂ ምፍላጥና ግና፡ በዚ ሓሶት እዚ ኸይንታለል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

16. ብዙሓት ሃይማኖታት ብዛዕባ ምዉታት እንታይ ሓሶት እየን ዚምህራ፧

16 ሰይጣን ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣቢሉ ይሕስወና፡ ምዉታት ብህይወት ከም ዘለዉ ጌርና ኸም እንሓስብ ከኣ ይገብረና እዩ። ንኣብነት፡ ገሊአን ሃይማኖታት ምስ ሞትና ኻባና ተፈልያ ኣብ ካልእ ቦታ ምንባር እትቕጽል ኣካል ከም ዘላ ይምህራ እየን። ሃይማኖትካ ኸምኡ ድያ እትምህረካ ወይስ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሞት ዚብሎ ነገር እያ እትምህር፧ ሰይጣን ንሰባት ካብ የሆዋ ኼርሕቖም ኢሉ ይሕሱ እዩ።

17. እቲ ሰባት ኣብ ገሃነም ብሓዊ ኸም ዚሳቐዩ ዚገልጽ ትምህርቲ ንየሆዋ ዜዋርድ ብኸመይ እዩ፧

17 ብዙሓት ሃይማኖታት ዚምህራኦ ነገራት ዜሰምብድ እዩ። ንኣብነት፡ ገሊአን፡ ክፉኣት ሰባት ኣብ ገሃነም ብሓዊ ንዘለኣለም ከም ዚሳቐዩ ይምህራ እየን። እዚ ሓሶት እዚ፡ ንየሆዋ ዜዋርድ እዩ። ኣምላኽ፡ ሰባት በዚ ኸምዚ ኺሳቐዩ ፈጺሙ ኣይፈቅድን እዩ! (1 ዮሃንስ 4:8 ኣንብብ።) ሓደ ሰብ ንኢድ ውሉዱ ኣብ ሓዊ ብምእታው እንተ ዚቐጽዕ ከመይ ምተሰምዓካ፧ ኣዝዩ ጨካን ከም ዝዀነ ኢኻ እትሓስብ። ምስዚ ሰብ እዚ ኽትፋለጥ ኣይምደለኻን። ሰይጣን እውን ብዛዕባ የሆዋ ኸምኡ ኺስምዓና እዩ ዚደሊ።

18. ንምዉታት ክንፈርሆም ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

18 ገሊአን ሃይማኖታት፡ ሰባት ምስ ሞቱ መናፍስቲ ኸም ዚዀኑ ይገልጻ እየን። እዞም መናፍስቲ እዚኦም ሓያላት ፈተውቲ ወይ ዜፍርሁ ጸላእቲ ኪዀኑ ስለ ዚኽእሉ፡ ከነኽብሮምን ክንፈርሆምን ከም ዘሎና እውን ይምህራ እየን። ብዙሓት ሰባት ከኣ ነዚ ሓሶት እዚ ይኣምንዎ እዮም። ንምዉታት ስለ ዚፈርሁ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ንየሆዋ ንዓታቶም የምልኽዎም እዮም። ይኹን እምበር፡ ምዉታት ሓንቲ እኳ ስለ ዘይሰምዑ፡ ክንፈርሆም የብልናን። የሆዋ እዩ ፈጣሪና። ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንሱ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ንዕኡ ጥራይ ከነምልኾ ኣሎና።—ራእይ 4:11

19. ብዛዕባ ሞት ዚገልጽ ሓቂ ምፍላጥና ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧

19 ብዛዕባ ሞት ዚገልጽ ሓቂ ብምፍላጥና፡ ሃይማኖታት ካብ ዚምህራኦ ሓሶት ሓራ ወጺእና ኢና። እዚ ሓቂ እዚ ድማ፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ህይወትናን ብዛዕባ መጻኢናን ዘተስፈዎ ዜደንቕ ተስፋታት ክንርዳእ ይሕግዘና እዩ።

20. ኣብታ እትቕጽል ምዕራፍ እንታይ ኢና ኽንምሃር፧

20 ነዊሕ ይገብር፡ እዮብ ዝስሙ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ “ሰብ እንተ ሞይቱ፡ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን ይኽእል እዩ፧” ዚብል ሕቶ ኣበጊሱ ነይሩ እዩ። (እዮብ 14:14) እሞኸ፡ ዝሞተ ሰብ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን ይኽእል እዩ፧ እቲ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህበና መልሲ ዜሐጕስ እዩ። ነዚ ኣብታ እትቕጽል ምዕራፍ ክንርእዮ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 5 ገሊኦም ሰባት፡ ሰብ ሞስ ሞተ፡ ነፍሱ ወይ መንፈሱ ኣብ ካልእ ቦታ ምንባር ከም ዚቕጽል ይኣምኑ እዮም። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ 17ን 18ን ርአ።