ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ሸሞንተ

ህይወተይ ንኣምላኽ ወፍየ ኽጥመቕዶ፧

ህይወተይ ንኣምላኽ ወፍየ ኽጥመቕዶ፧

1. ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብጥንቃቐ ምስ ኣጽናዕካያ እንታይ ሓሲብካ ኽትከውን ትኽእል፧

ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸተጽንዕ ከለኻ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት፡ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ኻልእ ብዙሕ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ተማሂርካ ኢኻ። (መክብብ 9:5፣ ሉቃስ 23:43፣ ዮሃንስ 5:28, 29፣ ራእይ 21:3, 4) ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትእከብ ጀሚርካን ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዘላቶም ኣሚንካን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። (ዮሃንስ 13:35) ብዘይካዚ፡ ምስ የሆዋ ድልዱል ዕርክነት መስሪትካን ንዕኡ ኸተገልግሎ ወሲንካን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ ‘ንኣምላኽ ምእንቲ ኸገልግሎ እንታይ እየ ኽገብር ዘሎኒ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

2. እቲ ኢትዮጵያዊ ሰብኣይ ኪጥመቕ ዝደለየ ስለምንታይ እዩ፧

2 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ሓደ ኢትዮጵያዊ ሰብኣይ እውን ከምኡ እዩ ሓሲቡ። የሱስ ምስ ተንስአ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ ፊልጶስ ነቲ ሰብኣይ ሰበኸሉ። የሱስ መሲሕ ምዃኑ ድማ ኣረጋገጸሉ። እቲ ኢትዮጵያዊ ሰብኣይ ከኣ በቲ እተማህሮ ነገር ልቡ ስለ እተተንከፈ፡ “እንሆ ማይ፣ ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧” በለ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:26-36

3. (ሀ) የሱስ ንሰዓብቱ እንታይ ትእዛዝ እዩ ሂብዎም፧ (ለ) ሓደ ሰብ ብኸመይ እዩ ኺጥመቕ ዘለዎ፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ኸተገልግሎ እንተ ደሊኻ፡ ክትጥመቕ ከም ዘሎካ ብንጹር ይምህር እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብ . . . እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” በሎም። (ማቴዎስ 28:19) የሱስ ንባዕሉ ስለ እተጠምቀ እውን ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። ኪጥመቕ ከሎ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ጥሒሉ እምበር፡ ማይ ኣይኰነን ኣብ ርእሱ ፈሲሱሉ ወይ ተነጺጉሉ። (ማቴዎስ 3:16) ሎሚ እውን ሓደ ክርስትያን ኪጥመቕ ከሎ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ኪጥሕል ወይ ኪጠልቕ ኣለዎ።

4. ጥምቀትካ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

4 ክትጥመቕ ከለኻ፡ ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውንን ንዕኡ ኸተገልግሎን ከም እትደሊ ኢኻ ኣብ ቅድሚ ሰባት እተርኢ። (መዝሙር 40:7, 8) እምበኣር፡ ‘ምእንቲ ኽጥመቕ እንታይ እየ ኽገብር ዘሎኒ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

ፍልጠትን እምነትን

5. (ሀ) ቅድሚ ምጥማቕካ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ (ለ) ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5 ቅድሚ ምጥማቕካ፡ ንየሆዋን ንየሱስን ክትፈልጦም ኣሎካ። መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕ ስለ ዘለኻ ድማ ድሮ ኸምኡ ኽትገብር ጀሚርካ ኢኻ። (ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።) እዚ ግና ኣኻሊ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብ“ልክዕ ፍልጠት” ፍቓድ የሆዋ ኽትምላእ ከም ዘሎካ ይገልጽ እዩ። (ቈሎሴ 1:9) ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ርክብ ክትምስርት ኪሕግዘካ እዩ። ስለዚ፡ ኣብቲ ኣኼባታት እቲ ኣዘውቲርካ ኽትእከብ ኣሎካ።—እብራውያን 10:24, 25

ቅድሚ ምጥማቕካ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዖ ኣሎካ

6. ቅድሚ ምጥማቕካ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኽትፈልጥ ዘሎካ፧

6 የሆዋ ቕድሚ ምጥማቕካ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ነገራት ብምሉኡ ኽትፈልጦ ትጽቢት ኣይገብረልካን እዩ። ነቲ ኢትዮጵያዊ ሰብኣይ እውን ቅድሚ ምጥማቑ ኸምኡ ኺገብር ኣይተጸበዮን። (ግብሪ ሃዋርያት 8:30, 31) ገና እውን ብዛዕባ ኣምላኽ ንዘለኣለም ክንምሃር ኢና። (መክብብ 3:11) ክትጥመቕ እንተ ዄንካ ግና፡ እንተ ወሓደ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትፈልጥን ክትኣምነሉን ኣሎካ።—እብራውያን 5:12

7. መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕካ ብኸመይ እዩ ሓጊዙካ፧

7 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ” ይብለና። (እብራውያን 11:6) ስለዚ፡ ቅድሚ ምጥማቕካ እምነት ከተጥሪ የድልየካ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ጥንታዊት ከተማ ቈረንቶስ ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት፡ ሰዓብቲ የሱስ ዝበልዎ ምስ ሰምዑ፡ “ኣመኑን ተጠምቁን” ይብለና። (ግብሪ ሃዋርያት 18:8) ብተመሳሳሊ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕካ ኣብ ተስፋታት ኣምላኽን ኣብቲ ኻብ ሓጢኣትን ሞትን ኬናግፈና ዚኽእል መስዋእቲ የሱስን እምነት ከተሕድር ሓጊዙካ እዩ።—እያሱ 23:14፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:12፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

ንሰባት ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንገሮም

8. ብዛዕባ እቲ እተመሃርካዮ ንሰባት ክትነግር ዚድርኸካ እንታይ እዩ፧

8 ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ብእተመሃርካን ኣብ ህይወትካ ብኸመይ ከም ዝሓገዘካ ብዝረኣኻን መጠን፡ እምነትካ ዝያዳ ኽትድልድል እያ። ብዛዕባ እቲ እትምሃሮ ዘለኻ ንሰባት ክትነግር ድማ ክትድረኽ ኢኻ። (ኤርምያስ 20:9፣ 2 ቈረንቶስ 4:13) ግናኸ፡ ንመን ኢኻ ኽትነግር እትኽእል፧

እምነት ነቲ እትኣምነሉ ነገር ንሰባት ክትነግር ክትድርኸካ ኣለዋ

9, 10. (ሀ) ነቲ እተመሃርካዮ ንመን ኢኻ ኸተካፍሎም እትኽእል፧ (ለ) ምስ ኣባላት ጉባኤ ሓቢርካ ኽትሰብኽ እንተ ደሊኻ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

9 ብዛዕባ እቲ እትምሃሮ ዘለኻ ንስድራ ቤትካ፡ ንፈተውትኻ፡ ንጐረባብትኻ ወይ ንመሳርሕትኻ ኽትነግሮም ትኽእል ኢኻ። እዚ ጽቡቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ብሕያውነትን ብፍቕርን ግና ክትገብሮ ኣሎካ። ጸኒሕካ ድማ ምስ ካልኦት ኣባላት ጉባኤ ሓቢርካ ኽትሰብኽ ኣጋጣሚ ኽትረክብ ኢኻ። ከምኡ ኽትገብር ድሉው ከም ዝዀንካ እንተ ተሰሚዑካ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህረካ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ምስ ኣባላት ጉባኤ ሓቢርካ ኽትሰብኽ ከም እትደሊ ኽትነግሮ ትኽእል ኢኻ። ንሱ ድሉው ከም ዝዀንካ እንተ ተሰሚዕዎ፡ ንስኻ ድማ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዕካ ትነብር እንተ ዄንካ፡ ሽዑ ኽልቴኹም ብሓንሳእ ምስ ክልተ ሽማግለታት ጉባኤ ኽትራኸቡ ኢኹም።

10 ምስ ተራኸብኩም እንታይ ኢኹም ክትገብሩ፧ እቶም ሽማግለታት፡ ብዛዕባ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ትርዳእን ትኣምነሉን እንተ ዄንካ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ነገራት ኣብ መዓልታዊ ናብራኻ ትትግብሮ እንተ ዄንካ፡ ብሓቂ ድማ ናይ የሆዋ ምስክር ክትከውን ትደሊ እንተ ዄንካ ምእንቲ ኺፈልጡ ኼዘራርቡኻ እዮም። ሽማግለታት ንዅሎም ኣባላት ጉባኤ፡ እንተላይ ንዓኻ ኸም ዚሓልዩ ኣይትረስዕ፣ ስለዚ፡ ንዓታቶም ምዝራብ ኣይትፍራህ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28፣ 1 ጴጥሮስ 5:2, 3) ድሕሪ እዚ ምይይጥ እዚ፡ ምስ ኣባላት ጉባኤ ሓቢርካ ኽትሰብኽ ትኽእል እንተ ዄንካ ኺነግሩኻ እዮም።

11. ምስ ጉባኤ ሓቢርካ ኽትሰብኽ ቅድሚ ምጅማርካ ለውጥታት ክትገብር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

11 እቶም ሽማግለታት፡ ምስ ጉባኤ ሓቢርካ ኽትሰብኽ ቅድሚ ምጅማርካ ተወሳኺ ለውጥታት ክትገብር ከም ዜድልየካ ይነግሩኻ ይዀኑ። እዚ ለውጥታት እዚ ኽትገብር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ምኽንያቱ፡ ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ክንነግሮም ከለና፡ ንየሆዋ ወኪልና ኸምኡ ስለ እንገብር ንዕኡ ዜኽብር ናብራ ኺህልወና ኣለዎ።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ ገላትያ 5:19-21

ተነሳሕን ተመለስን

12. ኵሎም ሰባት ኪንስሑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

12 ቅድሚ ምጥማቕካ ኽትገብሮ ዘሎካ ኻልእ ነገር እውን ኣሎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም፡ . . . ተነስሑን ተመለሱን” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:19) ምንሳሕ እንታይ ማለት እዩ፧ ብዛዕባ እቲ ዝገበርናዮ ጌጋታት ምጥዓስ ማለት እዩ። ንኣብነት፡ ብጾታዊ መዳይ ርኹስ ናብራ ትነብር እንተ ኔርካ፡ ክትንሳሕ ኣሎካ። ዋላ እኳ ኣብ ብምሉኡ ህይወትካ ቕኑዕ ዘበለ ኽትገብር ትጽዕር እንተ ነበርካ፡ ክትንሳሕ ኣሎካ፣ ምኽንያቱ፡ ኵላትና ንሓጥእ ኢና፡ ኣምላኽ ሓጢኣትና ኺሓድገልና ድማ ክንልምኖ የድልየና እዩ።—ሮሜ 3:23፣ 5:12

13. እቲ “ተመለሱ” ዚብል ቃል እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧

13 በቲ ዝገበርካዮ ነገር ምጥዓስ ጥራይ ግና ኣኻሊ ድዩ፧ ኣይፋልን። ጴጥሮስ፡ “ተመለሱ” እውን ኢሉ እዩ። ስለዚ፡ ንዅሉ እቲ ቕድሚ ሕጂ እትገብሮ ዝነበርካ ግጉይ ተግባራት ሓዲግካ፡ ቅኑዕ ዘበለ ጥራይ ክትገብር ኣሎካ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ናብ ዘይትፈልጦ ቦታ ትጐዓዝ ከም ዘለኻ ጌርካ ሕሰብ። ጸኒሕካ ግና ቅኑዕ ብዘይኰነ ኣንፈት ትኸይድ ከም ዘለኻ ፈሊጥካ። እሞኸ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ መጀመርታ ደው ኢልካ ትሓስብ፡ ድሕሪኡ፡ ተመሊስካ በቲ ቕኑዕ ኣንፈት ትኸይድ። ብተመሳሳሊ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከለኻ፡ ንገሊኡ ልማዳትካ ወይ ንገሊኡ መዳይ ህይወትካ ኽትልውጦ ኸም ዘሎካ ትርዳእ ትኸውን። ስለዚ፡ ‘ክትምለስ፡’ ማለት ዜድሊ ለውጢ ኽትገብር፡ ከምኡ ድማ ቅኑዕ ዘበለ ኽትገብር ጽዓር።

ርእስኻ ወፊ

ንየሆዋ ኸም እተገልግሎ ቓል ኣቲኻሉ ዲኻ፧

14. ርእስኻ ንኣምላኽ እትውፊ ብኸመይ ኢኻ፧

14 ቅድሚ ምጥማቕካ ኽትወስዶ ዘሎካ ኻልእ ስጕምቲ ድማ፡ ርእስኻ ንየሆዋ ምውፋይ እዩ። ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ኸለኻ፡ ንዕኡ ጥራይ ከም እተገልግልን ኣብ ህይወትካ ቕድሚ ዅሉ ፍቓዱ ኸም እትገብርን ኢኻ ብጸሎት ኣቢልካ ቓል እትኣቱ።—ዘዳግም 6:15

15, 16. ሓደ ሰብ ርእሱ ንኣምላኽ ኪውፊ ዜለዓዕሎ እንታይ እዩ፧

15 ንየሆዋ ጥራይ ከተገልግል ቃል ምእታው፡ ምስ ሓደ እተፍቅሮ ሰብ ምሉእ ህይወትካ ንምንባር ቃል ምስ ምእታው ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ወድን ሓንቲ ጓልን ሓዳር ኪገብሩ ደልዮም ይፋለጡ ኸም ዘለዉ ጌርካ እሞ ሕሰብ። እቲ ወዲ ነታ ጓል ዝያዳ ምስ ፈለጣ፡ ዝያዳ የፍቅራን ኪምርዓዋ ይደልን እዩ። እዚ ኸቢድ ውሳነ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ወዲ ነታ ጓል ስለ ዜፍቅራ ነቲ ሓላፍነት እቲ ኺወስድ ፍቓደኛ ይኸውን እዩ።

16 ንየሆዋ ብዝፈለጥካዮ መጠን፡ ዝያዳ ኸተፍቅሮ፡ ምእንቲ ኸተገልግሎ ኸኣ ዝከኣለካ ዘበለ ኽትገብር ኢኻ። እዚ ድማ ንዕኡ ኸም እተገልግል ብጸሎት ኣቢልካ ቓል ክትኣቱ ኼለዓዕለካ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንየሱስ ኪስዕቦ ዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ‘ርእሱ ኪቐብጽ’ ከም ዘለዎ ይገልጽ እዩ። (ማርቆስ 8:34) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብ ህይወትካ ብቐዳምነት ንየሆዋ ኸም እትእዘዝ እዩ ዜመልክት። ነቲ የሆዋ ዝደልዮ ነገራት ካብ ድሌትካን ሸቶታትካን ንላዕሊ ቐዳምነት ትህቦ ኢኻ።1 ጴጥሮስ 4:2 ኣንብብ።

ጕድለት ከይርከበካ ኣይትፍራህ

17. ገሊኦም ሰባት ርእሶም ንየሆዋ ዘይውፍዩ ስለምንታይ እዮም፧

17 ገሊኦም ሰባት ነቲ ንኣምላኽ ዚኣትውዎ ቓል ከየፍርሱ ስለ ዚፈርሁ፡ ርእሶም ንየሆዋ ኣይውፍዩን እዮም። ንየሆዋ ኸየጕህይዎ ስለ ዚፈርሁ፡ ወይ ከኣ ርእሶም እንተ ዘይወፍዮም የሆዋ ብተግባሮም ተሓተትቲ ኸም ዘይገብሮም ስለ ዚስምዖም ርእሶም ኣይውፍዩን እዮም።

18. ንየሆዋ ኸይተጕህዮ ንዚስምዓካ ሻቕሎት ከተሰንፎ ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧

18 እታ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ፡ ንዕኡ ኸይተጕህዮ ንዚስምዓካ ሻቕሎት ከተሰንፎ ኽትሕግዘካ እያ። ንዕኡ ስለ እተፍቅሮ፡ ዝኣቶኻሉ ቓል ክትሕሉ ዝከኣለካ ዘበለ ኽትገብር ኢኻ። (መክብብ 5:4፣ ቈሎሴ 1:10) ፍቓድ የሆዋ ምግባር ኣመና ኣጸጋሚ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኣይክትሓስብን ኢኻ። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ፣ ትእዛዛቱ እውን ከቢድ ኣይኰነን” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ዮሃንስ 5:3

19. ርእስኻ ንየሆዋ ምውፋይ ኬፍርሃካ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

19 ርእስኻ ንየሆዋ ምእንቲ ኽትውፊ፡ ፍጹም ክትከውን ኣየድልየካን እዩ። የሆዋ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንገብር ኣይሓትተናን እዩ። (መዝሙር 103:14) ቅኑዕ ዘበለ ኽትገብር ድማ ኪሕግዘካ እዩ። (ኢሳይያስ 41:10) ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን፡ “ንሱ ኸኣ ንመገድታትካ ኬቕንዖ እዩ።”—ምሳሌ 3:5, 6

ኣብ ቅድሚ ሰባት ተኣሚንካ ድሓን

20. ብብሕትኻ ንየሆዋ ርእስኻ ምስ ወፈኻ እትወስዶ ስጕምቲ እንታይ እዩ፧

20 ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ድሉው ከም ዝዀንካ ይስምዓካ ድዩ፧ ርእስኻ ንየሆዋ ምስ ወፈኻ፡ ቀጺልካ ኻልእ ስጕምቲ እውን ክትወስድ ኣሎካ። እወ፡ ክትጥመቕ ኣሎካ።

21, 22. ኣብ ቅድሚ ሰባት ‘ብኣፍካ ኽትእመን’ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

21 ነቲ ናይ ጉባኤኻ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት፡ ርእስኻ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኻን ክትጥመቕ ከም እትደልን ንገሮ። ንሱ ድማ እተወሰኑ ሽማግለታት ንመሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሽፍን ሓያሎ ሕቶታት ኪሓትቱኻ ምድላው ኪገብር እዩ። እዞም ሽማግለታት እዚኦም ብቑዕ ከም ዝዀንካ እንተ ተሰማሚዖምሉ፡ ኣብ ዚቕጽል ዓብዪ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትጥመቕ ከም እትኽእል ኪነግሩኻ እዮም። ኣብቲ ዓብዪ ኣኼባ፡ ትርጉም ጥምቀት ዚገልጽ ዝርርብ ኪቐርብ እዩ። እቲ ዝርርብ ዜቕርብ ተዛራባይ፡ ነቶም ኪጥመቑ እተዳለዉ ሰባት ክልተ ቐለልቲ ሕቶታት ኪሓትቶም እዩ። ነዘን ሕቶታት እዚአን ብምምላስ፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ‘ብኣፍካ ኽትእመን’ ኢኻ።—ሮሜ 10:10

22 ድሕሪኡ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ብምጥሓል ክትጥመቕ ኢኻ። እቲ ጥምቀት ከኣ፡ ርእስኻ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኻን ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀንካን ዜርኢ እዩ።

ትርጉም ጥምቀትካ

23. “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ምጥማቕ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

23 የሱስ እቶም ሰዓብቱ ዘበሉ፡ “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ከም ዚጥመቑ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 28:19 ኣንብብ።) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ንስልጣን የሆዋ፡ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ንዘለዎ ግደ፡ ከምኡ ድማ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ፍቓዱ ንዚፍጽመሉ መገዲ ኸም እተገንዘብካ ዜርኢ እዩ።—መዝሙር 83:18፣ ማቴዎስ 28:18፣ ገላትያ 5:22, 23፣ 2 ጴጥሮስ 1:21

ክትጥመቕ ከለኻ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ክትገብር ከም እትደሊ ኢኻ እተርኢ

24, 25. (ሀ) ጥምቀት ንምንታይ የመልክት፧ (ለ) ኣብታ እትቕጽል ምዕራፍ እንታይ ክንመያየጥ ኢና፧

24 ጥምቀት ካልእ ኣገዳሲ ትርጉም እውን ኣለዎ። ኣብ ማይ ክትጥሕል ከለኻ፡ በቲ ናይ ቀደም ኣነባብራኻ ኸም ዝሞትካ ወይ ነቲ ናብራ እቲ ኸም ዝሓደግካዮ የመልክት። ካብ ማይ ክትወጽእ ከለኻ ድማ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ሓድሽ ህይወት ከም ዝጀመርካ የመልክት። ካብ ሽዑ ኣትሒዝካ ንየሆዋ ኸተገልግሎ ምዃንካ ይሕብር። ስለዚ፡ ህይወትካ ንሓደ ሰብ፡ ንሓደ ውድብ፡ ወይ ንሓደ ዕዮ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኻ ኣይትረስዕ።

25 ርእስኻ ምውፋይካ፡ ምስ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ርክብ ክትምስርት ኪሕግዘካ እዩ። (መዝሙር 25:14) ሓደ ሰብ ስለ እተጠምቀ ጥራይ ይድሕን ማለት ግና ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብፍርሃትን ብምንቅጥቃጥን ድሕነትኩም ፈጽሙ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ፊልጲ 2:12) ጥምቀት ናብ ድሕነት ዚመርሕ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ጥራይ እዩ። ምስ የሆዋ ተቐራሪብካ ኽትነብር እትኽእል ደኣ እሞ ብኸመይ ኢኻ፧ እታ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽትምልሰልካ እያ።