ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርግጽ ዝዀነ ተስፋ

ርግጽ ዝዀነ ተስፋ

ርግጽ ዝዀነ ተስፋ

“ካብ ግዜ ትውልዲ ኣትሒዙ ንወድሰብ ሓደ መዓልቲ ክበጽሖ ዝኽእል ናይ ሞት ኣጋጣሚ ኣሎ፣ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኸኣ ውዒሉ ሓዲሩ ዘይተርፍ ነገር ኰይኑ ይፍጸም። ”⁠ብሪጣንያዊ ጸሓፍ ታሪኽ ኣርኖልድ ቶይንቢ።

1. ደቅሰብ ነየናይ ሓቅነት ኢዮም ብርግጽ ክቕበልዎ ዘለዎም: እንታይ ሕቶታትከ የልዕል፧

 ነ ዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ታሪኻዊ ሓቂ ክጻረር ዝኽእል መን ኣሎ፧ ደቅሰብ ምስቲ ኣሸጋሪ ዝዀነ ናይ ሞት ሓቅነት ኵሉ ግዜ ምስ ተጋጠሙ ኢዮም። ሓደ እነፍቅሮ ሰብ ክመውት ከሎ ኣየ ከመይ ዝበለ ተስፋ ናይ ምቝራጽ ስምዒት ኰን ኢዩ ዝስመዓና! እቲ ሞት ዘምጽኦ ምፍልላይ ንዅሉ ግዜ ኢዩ ዝመስል። ምስቶም ዝሞቱ እነፍቅሮም ሰባት እንደገና ምሕባር ይከኣልዶ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ምዉታት እንታይ ተስፋ ኢዩ ሒዙሎም ዘሎ፧ ነዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ርአ።

‘ፈታዊና ሞይቱ ኢዩ’

2-5.(ሀ)የሱስ ፈታዊኡ ኣልኣዛር ምስ ሞተ: ንኸተንስኦ ዘለዎ ድሌትን ክእለትን ብኸመይ ኢዩ ዘርኣየ፧ (ለ) እቲ እተገብረ ናይ ትንሳኤ ተኣምራት: ንኣልኣዛር ካብ ምትንሳእ ንላዕሊ እንታይ ኢዩ ዝዓመመ፧

2 ግዜኡ 32 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ነይሩ። ኣብታ ካብ የሩሳሌም 3 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ቢታንያ: ኣልኣዛር ምስተን ማርታን ማርያምን እተባህላ ክልተ ኣሓቱ ይነብር ነበረ። ንየሱስ ናይ ቀረባ ፈተውቱ ኢዮም ነይሮም። ሓደ መዓልቲ ኣልኣዛር ኣጸቢቑ ሓመመ። እተን ተጨኒቐን ዝነበራ ኣሓቱ ድማ ቀልጢፈን ነቲ ኣብ ስግር ርባ ዮርዳኖስ ዝነበረ የሱስ ለኣኻሉ። የሱስ ንኣልኣዛርን ኣሓቱን ፍቕሪ ነይርዎ ኢዩ: ስለዚ ድማ ናብ ቢታንያ ተበገሰ። የሱስ ኣብ መገዲ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ አሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ: ክኸይድ እየ” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ትርጕም ናይዚ ሓሳባት እዚ ብኡንብኡ ስለ ዘይተረድእዎ ድማ የሱስ ብግልጺ “ኣልኣዛር ሞይቱ” በሎም።​—⁠ዮሃንስ 11:⁠1⁠-​15

3 ማርታ: የሱስ ናብ ቢታንያ ይመጽእ ምህላዉ ምስ ሰምዐት: ክትቅበሎ ወጸት። በቲ ዝነበራ ጓሂ ተተንኪፉ ድማ የሱስ “ሓውኪ ኺትንስእ እዩ” በላ። ማርታ ድማ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ እፈልጥ አሎኹ” ኢላ መለሰትሉ። የሱስ ከኣ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝአመነስ እንተ ሞተ እኳ: ብህይወት ኪነብር እዩ” በላ።​—⁠ዮሃንስ 11:⁠20⁠-​25

4 ድሕርዚ የሱስ ናብቲ መቓብር ከይዱ ነቲ መእተዊ ዓጽይዎ ዝነበረ እምኒ ክለዓል ኣዘዘ። ዓው ኢሉ ድሕሪ ምጽላይ ድማ “ኣልኣዛር ንዓ: ናብ ወጻኢ ውጻእ” ኢሉ ኣዘዞ። ኣዒንቲ ኵላቶም ናብቲ መቓብር ተተኺለን ከለዋ ድማ ኣልኣዛር ብርግጽ ወጸ። የሱስ ንኣልኣዛር​—⁠ነቲ ንኣርባዕተ መዓልቲ ሞይቱ ዝነበረ ሰብ ኣተንስኦ!​—⁠ዮሃንስ 11:⁠38⁠-​44

5 ማርታ ድሮ ኣብቲ መብጽዓ ናይ ትንሳኤ እምነት ነይርዋ ኢዩ። (ዮሃንስ 5:⁠28, 29፣ 11:⁠23, 24) እቲ ንኣልኣዛር ናብ ህይወት ብምምላስ እተገብረ ተኣምራት ነቲ ዝነበራ እምነት ኣበርትዖ: ንኻልኦት ድማ እምነት ከም ዘሕድሩ ገበሮም። (ዮሃንስ 11:⁠45) እንተዀነ ግን: እታ “ትንሳኤ” እትብል ስያመ ብልክዕ እንታይ ማለት ኢያ፧

“ኺትንስእ እዩ”

6. እታ “ትንሳኤ” እትብል ስያመ እንታይ ማለት ኢያ፧

6 እታ “ትንሳኤ” እትብል ቃል ካብታ ቃል ብቓሉ “እንደገና ምትንሳእ” ዝትርጕማ ኣ ·ና ʹስታ ·ሲስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቃል እተተርጐመት ኢያ። እብራውያን ተርጐምቲ ናይ ግሪኽኛ ነታ ኣ ·ና ʹስታ ·ሲስ እትብል ቃል በተን “ናይ ምዉታት እደገና ህያዋን ምዃን” ዘስምዓ ቴኪ ·ያ ት  ʹ ሃም ·መ ·ቲም  ʹ ዝብላ ቃላት ገይሮም ተርጒሞምዋ ኣለዉ። ስለዚ ድማ ትንሳኤ ነቲ ሰብ ካብቲ ህይወት ዘይነበሮ ኵነታት ናይ ሞት ምትንሳእ​—⁠ናይቲ ውልቀ⁠-​ሰብ ናይ ናብራ ኣገባብ እንደገና ከም ዝጅምር ምግባር ዘጠቓልል ኢዩ። ተስፋ ትንሳኤ ኣብ እዮብ 14:⁠3፣ ዳንኤል 12:⁠13፣ ከምኡውን ሆሴእ 13:⁠14 ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ።

7. ንውልቀ⁠-​ሰባት ምትንሳእ ንየሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ግድል ዘይኰኖም ስለምንታይ ኢዩ፧

7 የሆዋ ኣምላኽ ደረት ኣልቦ ዝዀነ ጥበብን ፍጹም ምዝካርን ስለ ዘለዎ: ንሓደ ሰብ ብቐሊሉ ከተንስኦ ይኽእል ኢዩ። ናይቶም ሞይቶም ዘለዉ ኣገባብ ናብራ​—⁠ባህርያቶም: ብሕታዊ ታሪኾም: ከምኡውን ኵሉ ዝርዝር ናይ መንነቶም​—⁠ንምዝካር ንዕኡ ከቢድ ኣይኰነን። (እዮብ 12:⁠13፣ ምስ ኢሳይያስ 40:⁠26 ኣረኣእዮ።) የሆዋ መናጪ ናይ ህይወት እውን ኢዩ። ስለዚ ድማ ንዕኡ ወይ ንዓኣ ኣብ ሓድሽ ኣካላት እቲ ናይ ቀደም ባህርያት ብምሃብ: ነቲ ሰብ እቲ ናብ ህይወት ከምጽኦ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ናይ ኣልኣዛር ተመክሮ ከም ዝሕብሮ: የሱስ ክርስቶስ ንምዉታት ንምትንሳእ ፍቓደኛ ኢዩ: ክእለት ድማ ኣለዎ።​—⁠ምስ ሉቃስ 7:⁠11⁠-​17፣ 8:⁠40⁠-​56 ኣረኣእዮ።

8, 9. (ሀ) ትንሳኤን እቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሓሳባትን ዘይሰማማዕ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ናይ ሞት ፈውሲ እንታይ ኢዩ፧

8 ይኹን እምበር: እዚ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ትንሳኤ ምስቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሰረተ⁠-​እምነት ዝሰማማዕ ኣይኰነን። ሓንቲ ዘይትመውት ነፍሲ ካብ ሞት ትድሕን እንተድኣ ኰይና: ትንሳኤ ወይ ናብ ህይወት እደገና ምምላስ ዘድልዮ ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ብርግጽ: ማርታ ብድሕሪ ሞት ኣብ ካልእ ቦታ እትነብር ዘይትመውት ነፍሲ ከም ዘላ ዋላ ሓንቲ ኣይተዛረበትን። ኣልኣዛር ህላወኡ ንምቕጻል ናብ ካልእ መንፈሳዊ ቦታ ከም ዝኸደ ኣይትኣምንን ኢያ ነይራ። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ: ኣብቲ ኣምላኽ ንሳዕቤን ናይ ሞት ንምልዋጥ ዘለዎ ዕላማ ዝነበራ እምነት ኣርእያ ኢያ። “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ: እፈልጥ አሎኹ” በለት። (ዮሃንስ 11:⁠23, 24) ብተመሳሳሊ: ኣልኣዛር ባዕሉ እውን ብድሕሪ ሞት ዘሎ ናይ ህይወት ተመክሮታት ኣይተዛረበን። ክዛረበሉ ዝኽእል ዋላ ሓንቲ ጸብጻብ ኣይነበረን።

9 ብንጹር እምበኣር: ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ነፍሲ ትመውት ኢያ: ፈውሲ ናይ ሞት ድማ ትንሳኤ ኢዩ። እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ: ኣዳም ኣብ ምድሪ ካብ ዝነበረሉ ግዜ ኣትሒዙ ግን ቢልዮናት ሰባት ሞይቶም ኢዮም። ስለዚ ዝትንስኡ መን ኢዮም: ኣበይከ፧

‘ኣብ ናይ ዝኽሪ መቓብር ዘለዉ ኵላቶም’

10. የሱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ናይ ዝኽሪ መቓብሩ ዘለዉ ሰባት እንታይ መብጽዓ ኢዩ ዝገበረ፧

10 የሱስ ክርስቶስ ‘ኣብ [“ናይ ዝኽሪ:” NW ] መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድመጹ [ናይ የሱስ] ሰሚዖም ዚወጹላ ሰዓት ክትመጽእ ኢያ’ በለ። (ዮሃንስ 5:⁠28, 29) እወ: ኵሎም እቶም ኣብ መዘከርታ የሆዋ ዘለዉ ክትንስኡ ምዃኖም የሱስ ተመባጺዑ ኢዩ። ብህይወት ዝነብሩ ዝነበሩ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ሞይቶም ኢዮም። ካብ መንጎኦም ትንሳኤ ዝጽበዩ: ኣብ መዘከርታ ኣምላኽ ዘለዉ መን ኢዮም፧

11. እቶም ዝትንስኡ መን ኢዮም፧

11 እቶም ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ናይ ጽድቂ መገዲ ዝሰዓቡ ክትንስኡ ኢዮም። ካልኦት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ግን ምስ መለክዒታት ኣምላኽ ይሰማምዑ ድዮም ኣይሰማምዑን ከየርኣዩ ሞይቶም ኢዮም። ነቲ የሆዋ ዝደልዮ ብቕዓታት ኣይፈልጥዎን ኢዮም ነይሮም ወይ እቲ ዘድሊ ለውጢ ንምግባር እኹል ግዜ ኣይረኸቡን። መጽሓፍ ቅዱስ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ኢዩ ብምባል ስለ ዝመባጻዕ: እዚኣቶም እውን ኣብ መዘከርታ ኣምላኽ ኢዮም ዘለዉ: ክትንስኡ ድማ ኢዮም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠15

12. (ሀ) ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ ትንሳኤ እንታይ ራእይ ኢዩ ዝረኣየ፧ (ለ) ናብቲ “ቐላይ ሓዊ” እተደርበየ እንታይ ኢዩ: እዚ ኣገላልጻ እዚኸ እንታይ ማለት ኢዩ፧

12 ሃዋርያ ዮሃንስ ካብ ምዉታት ተንሲኦም ኣብ ቅድሚ ዝፋን ኣምላኽ ደው ዝበሉ ሰባት ዝገልጽ ደስ ዘብል ራእይ ርእዩ ኢዩ። ክገልጾ ከሎ ከምዚ ኢሉ ጸሐፈ:⁠- “ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት: ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ: ማለት ቀላይ ሓዊ።” (ራእይ 20:⁠12⁠-​14) እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ኵሎም እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ምዉታት ካብቲ ተራ መቓብር ናይ ደቅሰብ: ሃደስ ወይ ሲኦል ናጻ ክወጹ ኢዮም። (መዝሙር 16:⁠10፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠31) ድሕርዚ ‘ሞትን ሲኦልን’ ናብቲ ምሉእ ጥፍኣት ዘመልክት “ቐላይ ሓዊ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ክድርበዩ ኢዮም። እቲ ተራ መቓብር ናይ ሰባት ካብ ህላወ ከቋርጽ ኢዩ።

ናበይ ኢዮም ዝትንስኡ፧

13. ኣምላኽ ገሊኣቶም ናብ ሰማይ ከም ዝትንስኡ ዝገበረ ስለምንታይ ኢዩ: የሆዋ እንታይ ዓይነት ኣካል ኢዩ ክህቦም፧

13 ውሑድ ዝቝጽሮም ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ሰማይ ህይወት ንኽረኽቡ ክትንስኡ ኢዮም። እዚኣቶም ምስ ክርስቶስ ከም ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ክገዝኡ: ነቲ ሰባት ካብቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣዳም ዝወረስዎ ኵሉ ናይ ሞት ሳዕቤናት ኣብ ምዕራይ ድማ ክካፈሉ ኢዮም። (ሮሜ 5:⁠12፣ ራእይ 5:⁠9, 10) ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ቍጽሮም 144,000 ጥራይ ኢዩ: ካብቶም እሙናት ዝነበሩ ሃዋርያት ኣትሒዙ ካብ ዝነበሩ እሙናት ሰዓብቲ ክርስቶስ እተሓርዩ ድማ ኢዮም። (ሉቃስ 22:⁠28⁠-​30፣ ዮሃንስ 14:⁠2, 3፣ ራእይ 7:⁠4፣ 14:⁠1, 3) የሆዋ ነቶም ዝተንስኡ ኣብ ሰማይ ምእንቲ ክነብሩ ንነፍሲ ወከፎም መንፈሳዊ ኣካል ክህቦም ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠35, 38, 42⁠-​45፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠18

14, 15. (ሀ) መብዛሕትኦም ካብቶም ሞይቶም ዘለዉ እንታይ ዓይነት ህይወት ንምርካብ ኢዮም ዝትንስኡ፧ (ለ) እቶም እዙዛት ደቅሰብ እንታይ ዓይነት በረኸት ኢዮም ከስተማቕሩ፧

14 ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ካብቶም ዝሞቱ ኣብ ምድሪ ንኽነብሩ ኢዮም ዝትንስኡ። (መዝሙር 37:⁠29፣ ማቴዎስ 6:⁠10) እንታይ ዓይነት ምድሪ፧ እዛ ኣብዚ እዋን እዚ ዘላ ምድሪ ብናዕቢ: ምፍሳስ ደም: ብከላ: ከምኡውን ዓመጽ ዝመልአት ኢያ። እቶም ምዉታት ኣብ ከምዚኣ ዘኣመሰለት ምድሪ ዝትንስኡ እንተድኣ ኰይኖም ግን: ዝዀነ ይኹን ዝረኽብዎ ሓጐስ ንሓጺር እዋን ጥራይ ከም ዝጸንሕ ርግጽ ኢዩ። ፈጣሪ ግን ነዚ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰይጣን ዘሎ ናይ ዓለም ሕብረተሰብ ቀልጢፉ ከም ዘጥፍኦ ተመባጺዑ ኣሎ። (ምሳሌ 2:⁠21, 22፣ ዳንኤል 2:⁠44) ጽድቂ ዘለዎ ሓድሽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ​—⁠‘ሓድሽ ምድሪ’​—⁠ጋህዲ ክኸውን ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠13) ኣብቲ እዋን እቲ “ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ: ሕማቕ [“ሕሙም:” NW ] እየ: ኣይብልን።” (ኢሳይያስ 33:⁠24) ኣምላኽ ‘ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪድርዝ ኢየ: እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ ኢዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን ኢዩ’ ስለ ዝበለ: ብሰንኪ ሞት ዝመጽእ ቃንዛ እውን ከይተረፈ ኣይክህሉን ኢዩ።​—⁠ራእይ 21:⁠4

15 ኣብታ መብጽዓ እተገብረላ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም እቶም ትሑታት “ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።” (መዝሙር 37:⁠11) እቲ ሰማያዊ ምምሕዳር ናይ የሱስ ክርስቶስ ከምኡውን 144,000 ተሓባበርቱ ቀስ ብቐስ ነቶም እዙዛት ደቅሰብ ናብቲ እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ኣዳምን ሄዋንን ዘጥፍእዎ ፍጽምና ከም ዝበጽሑ ክገብሮም ኢዩ። ኣብ መንጎ እቶም ተቓማጦ ምድሪ ተባሂሎም ዘለዉ እቶም ዝተንስኡ እውን ኣለዉ።​—⁠ሉቃስ 23:⁠42, 43

16-18. ትንሳኤ ንስድራቤታት እንታይ ሓጐስ ኢዩ ከምጽኣለን፧

16 መጽሓፍ ቅዱስ ትንሳኤ ኣብ ስድራቤታት ዘምጽኦ ሓጐስ ከመይ ከም ዝኸውን ብንእሱ ይነግረና ኢዩ። እታ ኣብ ናይን ዝነበረት መበለት የሱስ ነቲ ናይ ቀብሪ ስነ⁠-​ስርዓት ደው ኣቢሉ ነቲ ሓደ ወዳ ምስ ኣተንስኣላ እተሰምዓ ስምዒት እሞ ሕሰቦ! (ሉቃስ 7:⁠11⁠-​17) ጸኒሑ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ የሱስ ነታ 12 ዝዕድሚኣ ጓል ምስ ኣተንስኣ እቶም ወለዳ “ዓብዪ ምግራም ተገረሙ።”​—⁠ማርቆስ 5:​21⁠-​24, 35⁠-​42፣ ከምኡውን 1 ነገስት 17:17⁠-​24፣ 2 ነገስት 4:​32⁠-​37 ርአ።

17 ንብዙሓት ሕጂ ብሞት ደቂሶም ዘለዉ ሰባት: ትንሳኤ ማለት ኣብ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም ህይወት ምርካብ ማለት ክኸውን ኢዩ። እዚ ነቶም ኣብ መእተዊ ክፍሊ ናይዛ ብሮሽር እዚኣ ተጠቒሶም ዘለዉ ቶምን እቲ ነጋዳይን ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ ተስፋ ከም ዝኸፍተሎም እሞ ሕሰቦ! ቶሚ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ህይወት ክረክብ ምስ ተንስአ: እቲ ኣዲኡ እተፈልጦ: ግን ከኣ ጕድለት ዘይብሉ ቶሚ ኢዩ ክኸውን። ክትንክፎ: ክትሓቝፎ: ከምኡውን ፍቕራ ክትገልጸሉ ክትክእል ኢያ። ብተመሳሳሊ: እቲ ወዲ ህንዲ ነጋዳይ ኣብ ሓደ ዘይውዳእ ናይ እንደገና ምውላድ ዑደት ኣብ ክንዲ ዝኣቱ: ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ብምትንሳእ ንደቁ ናይ ምርኣይ ድንቂ ዝዀነ ተስፋ ኣለዎ።

18 ብዛዕባ ነፍሲ: ክንመውት ከሎና እንታይ ከም እንኸውን: ከምኡውን ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ዘሎ ሓቂ ምፍላጥ ኣብቶም ሕጂ ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት ዓሚቝ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ከመይ ኢሉ ምዃኑ ንርአ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ትንሳኤ ነባሪ ሓጐስ ከምጽእ ኢዩ