ስለምንታይ ኢና እንመውት፧
ስለምንታይ ኢና እንመውት፧
“ኵሉ እቲ ዅድዅዶታት ጸጥ ዝበለ ኢዩ: ኣብ ኵሉ ልዕሊ ኣግራብ ሓሸሽ ዝብል ነገር ዳርጋ ኣይትሰምዕን ኢኻ፣ እተን ኣዕዋፍ ኣብቲ ኣግራብ ደቂሰን ኣለዋ:- ተጸበ፣ ብዙሕ ከይጸናሕካ ንስኻ እውን ከምዚኣቶም ከተዕርፍ ኢኻ።—ጆሃን ዎልፍጋንግ ቮን ጎቴ: ጀርመናዊ ገጣሚ።
1, 2. (ሀ) ሰባት እንታይ ባህጊ ሒዞም ኢዮም ተፈጢሮም፧ (ለ) እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን እንታይ ዓይነት ህይወት የስተማቕሩ ነይሮም፧
ኣ ምላኽ ንሰባት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ባህጊ ዘለዎም ገይሩ ኢዮም ፈጢርዎም። እወ: መጽሓፍ ቅዱስ “ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ” ይብል። (መክብብ 3:11) እንተዀነ ግን ኣምላኽ ንሰባት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ባህጊ ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ኢዩ ገይርሎም። ንዘለኣለም ንኽነብሩ እውን ኣጋጣሚ ሂብዎም ኢዩ።
2 እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና: ኣዳምን ሄዋንን: ኣብ ኣእምርኦም ይኹን ኣብ ኣካሎም ኣበር ዘይብሎም ፍጹማት ኰይኖም ኢዮም ተፈጢሮም። (ዘዳግም 32:4) ሕስብ እሞ ኣብሎ—ነባሪ ዝዀነ ሕማምን ቃንዛን ኣይነበሮምን: ዘርዕድ ፍርሂ ወይ ጭንቀት ኣይነበሮምን! ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብ ሓንቲ ምጭውቲ ገነት ዝዀነት መንበሪ ኢዩ ኣቐሚጥዎም። ኣምላኽ ሰብ ንዘለኣለም ክነብር: ጸኒሑ ድማ ምድሪ በቶም ፍጹማት ዘርኡ ክትመልእ ኢዩ ዕላምኡ ነይሩ። (ዘፍጥረት 1:31፣ 2:15) እሞ ስለምንታይ ድኣ ኢና እንመውት፧
ዘይምእዛዝ ሞት የምጽእ
3. እቲ ናይ ኣዳምን ሄዋንን ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ እንታይ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ፧
3 ኣምላኽ ንኣዳም “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ: ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና: ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ: ካብኣ ኣይትብላዕ” ኢሉ ኣዘዞ። (ዘፍጥረት 2:16, 17) ስለዚ እቲ ናይ ኣዳምን ሄዋንን ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ኵነታት: ኣብቲ ንኣምላኽ ዘርእይዎ ተኣዛዝነት እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ።
4. ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡ: ነቲ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘጥፍኡ ስለምንታይ ኢዮም፧
4 እቲ ዘሕዝን ግን: ኣዳም ሄዋንን ንሕጊ ኣምላኽ ኣይተኣዘዙን። (ዘፍጥረት 3:1-6) ከምዚ ምስ ገበሩ “ሓጢኣት . . . ምፍራስ ሕጊ” ስለ ዝዀነ ሓጢኣተኛታት ኰኑ። (1 ዮሃንስ 3:4) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ኣዳምን ሄዋንን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ዘይብሎም ኰኑ። ስለምንታይ፧ ከመይሲ ‘ዓስቢ ሓጢኣት ሞት ኢዩ።’ (ሮሜ 6:23) ስለዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣዳምን ሄዋንን ፍርዲ ክውስን ከሎ ኣምላኽ “መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ” በለ። ካብኡ እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ካብታ ገነት ዝነበረት ቤቶም ተሰጉ። ኣብታ ዝሓጥኡላ መዓልቲ ኣዳምን ሄዋንን ቀስ እናበለ ዝኸይድ ግን ከኣ ዘይተርፍ መስርሕ ናይ ሞት ጀመሩ።—ዘፍጥረት 3:19, 23, 24
“ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ”
5. ሞት ናብ ብምሉኡ ሰብኣዊ ዓሌት ዝሓለፈ ብኸመይ ኢዩ፧
5 ሕጂ ኣዳምን ሄዋንን ኣብቲ ናይ ውርሻ ዘርኦም ሓጢኣት ኣጸቢቑ ተጠምጠሞም። ስለዚ ድማ ከምቲ ጭፍላቕ መውጽኢ ቅርጺ ጥዑይ ዝዀነ ነገር ከውጽእ ዘይክእል ንሳቶም ድማ ፍጹማት ዘርኢ ከፍርዩ ዘይክእሉ ኰኑ። (እዮብ 14:4) ብሓቂ እምበኣር ነፍሲ ወከፍ እተወልደ ሰብ እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣውያን ወለድና ንዕኦምን ንዘርኦምን ክኸውን ተሓሲቡ ዝነበረ ፍጹም ዝዀነ ጥዕናን ዘለኣለማዊ ህይወትን ከም ዘጥፍኡ ዘረጋግጽ ኢዩ። እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ።”—ሮሜ 5:12፣ ምስ መዝሙር 51:5 ኣረኣእዮ።
6. ስለምንታይ ኢና እንመውት፧
6 ኣብዚ እዋን እዚ ሰባት ስለምንታይ ከም ዝኣርጉን ከም ዝሞቱን ሊቃውንቲ ኣይፈልጡን ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግን: እንመውት ሓጢኣተኛታት ኴንና ስለ እተወለድና: እዚ ድማ ካብቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣውያን ወለድና ዝወረስናዮ ምዃኑ ይገልጽ። እንተዀነ ግን: ምስ ሞትና እንታይ የጋጥመና፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]