ነፍሲ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ
ነፍሲ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ
“እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ።”—ዘፍጥረት 2:7
1. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ነፍሲ እንታይ ኢሉ ከም ዝምህር ንምውሳን እንታይ ክንምርምር የድልየና፧
ከ ምቲ ዝረኣናዮ ብዛዕባ ነፍሲ ዘሎ እምነት ብዙሕን እተፈላለየን ኢዩ። ኣብ መንጎ እቶም ንእምነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምስርትዎ ዝዛረቡ እውን ከይተረፈ ብዛዕባ እንታይነት ነፍስን ኣብ ግዜ ሞት እንታይ ከም እንኸውንን እተፈላለየ ሓሳባት ኢዩ ዘለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብዛዕባ ነፍሲ ብሓቂ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝምህር፧ ነዚ ንምምላስ: ናይተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ነፍሲ” ተባሂለን ተተርጒመን ዘለዋ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት ትርጕም ክንፈልጥ ኣሎና።
“ነፍሲ” ከም ህያው ፍጥረት
2, 3. (ሀ) ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት “ነፍሲ” ተተርጒማ ዘላ ኣየነይቲ ቃል ኢያ: መሰረታዊ ትርጕም ናይዛ ቃል እዚኣኸ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ንሓደ ምሉእ ሰብ እተመልክት ምዃና ዘፍጥረት 2:7 ብኸመይ ተረጋግጽ፧
2 እታ “ነፍሲ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል ነ ʹፈሽ ኢያ: ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት (ብልምዲ ብሉይ ኪዳን ተባሂሉ ዝጽዋዕ) ድማ 754 ግዜ ትርከብ። ነ ʹፈሽ እንታይ ማለት ኢያ፧ ብመሰረት እቲ ዘ ዲክሸነሪ ኦቭ ባይብል ኤንድ ረልጅን እዛ ቃል እዚኣ “መብዛሕትኡ እዋን ንብምልኡ እቲ ህያው ኣካል: ነቲ ውልቀ-ሰብ ብምልኡ እያ እተመልክት።”
3 ንኣብነት ዘፍጥረት 2:7 ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ: ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ።” ኣዳም ነፍሲ ከም ዘይነበረቶ ኣስተብህል፣ ልክዕ ከምቲ ሓደ ሓኪም ዝዀነ ሰብ ሓኪም ኢዩ ዝበሃል ንሱ ባዕሉ ነፍሲ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ እምበኣር እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ንሓደ ሰብ ኵልንትንኡ ክትገልጽ ትኽእል ኢያ።
4, 5. (ሀ) እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ንብምሉእ እቲ ሰብ ከም እተመልክት ዘርኢ ኣብነት ሃብ። (ለ) እቲ ዘ ዲክሸነሪ ኦቭ ባይብል ኤንድ ረሊጅን ነቲ ሰብ ነፍሲ ኢዩ ዝብል ምርዳእ ዝድግፍ ብኸመይ ኢዩ፧
4 እዚ ምርዳእ እዚ ኣብ ብምልኡ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ደገፍ ኣለዎ: ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ሓረጋት ድማ ንረክብ:- ‘ብእኡ [“እታ ነፍሲ:” NW ] ሓጢኣት እንተ ገበረት’ (ዘሌዋውያን 5:1): “ዝዀነ ዕዮ እትዐዪ ዘበለት ነፍሲ” (ዘሌዋውያን 23:30): ‘ሓደ ሰብ [“ነፍሲ:” NW ] ሰሪቑ እንተ ተረኽበ’ (ዘዳግም 24:7): “ነፍሱ ኽሳዕ ሞት ተጨነቐት” (መሳፍንቲ 16:16): “ክሳዕ መኣዝ ንነፍሰይ ተጕህይዋ” (እዮብ 19:2): ከምኡውን “ነፍሰይ ብሓዘን ትነብዕ አላ።”—መዝሙር 119:28
5 ኣብዚ ጥቕስታት እዚ ነፍሲ ዘይትርአ ድሕሪ ሞት ምንባር እትቕጽል ምዃና ዝሕብር ነገር የለን። እቲ ዘ ዲክሸነሪ ኦቭ ባይብል ኤንድ ረሊጅን ከምዚ ይብል:- “ብናትና ኣሰያይማ ‘ነፍሲ’ ናይቶም ካባና እተፈልዩ እነፈቅሮም ሰባት ምስ ጐይታ ምእንቲ ክትከውን ትኸይድ ኢያ ምባል ወይ ‘ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ’ ኢልካ ምዝራብ ኣብቲ ናይ ኦሪት [ብሉይ ኪዳን] ባህሊ ርዱእ ኣይነበረን።”
6, 7. ኣብቲ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣየነይቲ ቃል ኢያ “ነፍሲ” ተተርጒማ ዘላ: ናይዛ ቃል እዚኣ መሰረታዊ ትርጕምከ እንታይ ኢዩ፧
6 እታ ኣብ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት (መብዛሕትኡ ግዜ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዝፍለጥ) ካብ ሚእቲ ግዜ ንላዕሊ “ነፍሲ” ተተርጒማ ዘላ ቃል ሳይ ·ኪ ʹ እትብል ኢያ። ልክዕ ከም ነ ʹፈሽ እዛ ቃል እዚኣ መብዛሕትኡ እዋን ንብምልኡ እቲ ሰብ ኢያ እተመልክት። ንኣብነት: ነዚ ዝስዕብ ምሉእ ሓሳባት ርአ:- “ነፍሰይ ጕህያ አላ።” (ዮሃንስ 12:27) “ኣብ ኵሉ ነፍሲ ፍርሃት ኰነ።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:43) “ነፍሲ ወከፍ ነቲ አብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ።” (ሮሜ 13:1) “ነተን እተጨነቓ ነፍሳት ብዘጸናንዕ ቃላት ተዛረብወን።” (1 ተሰሎንቄ 5:14 NW ) ‘ሒደት: ማለት ሾሞንተ ነፍሲ: [ካብ] ማይ ደሓና።’—1 ጴጥሮስ 3:20
7 ልክዕ ከም ነ ʹፈሽ: ሳይ ·ኪ ʹ እውን ብግልጺ ንምሉእ እቲ ሰብ ኢያ እተመልክት። ከም ኣበሃህላ ናይቲ ኒጂል ተርነር እተባህለ ምሁር: እዛ ቃል እዚኣ “ናይ ሰብኣዊ ጠባይ: ስብእና: እቲ ናይ ኣምላኽ ሩ ʹዋሕ [መንፈስ] ኡፍ እተባህለሉ ስጋዊ ኣካል ኢያ እተመልክት። . . . እቲ ዝጐልሕ ምሉእ ስብእና ኢዩ።”
8. እንስሳታት ነፍሳት ድዮም፧ ግለጾ።
8 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ንሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ንእንስሳታት ንምምልካት እውን ትውዕል ኢያ። ንኣብነት: ነቶም ናይ ባሕሪ ፍጥረታት ኣብ ምግላጽ ዘፍጥረት 1:20 ኣምላኽ “ማያት ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል እንስሳ የውጽእ” ኢሉ ከም ዝኣዘዘ ትዛረብ። ኣብታ ቀጺላ ዘላ ናይ ፍጥረት መዓልቲ ድማ ኣምላኽ “ምድሪ ህያው ነፍሲ ዘለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእ” በለ። (ዘፍጥረት 1:24፣ ምስ ዘሁልቍ 31:28 ኣረኣእዮ።) ስለዚ ድማ “ነፍሲ” ሰብ ይኹን እንስሳ ብዘየገደስ ንህያው ፍጡር ኢያ እትውዕል።
“ነፍሲ” ከም ህይወት ናይ ፍጡር
9. (ሀ) ነታ “ነፍሲ” እትብል ቃል እንታይ ሰፊሕ ትርጕም ኢዩ ክወሃባ ዝኽእል፧ (ለ) እዚኸ ምስቲ ነፍሲ እቲ ሰብ ባዕሉ ኢዩ ዝብል ሓሳባት ዝጋጮዶ ኢዩ፧
9 ሓድሓደ እዋን እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ነቲ ሰብ ወይ እንስሳ ዘስተማቕርዎ ህይወት ተመልክት ኢያ። እዚ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነፍሲ ከም ሰብ ወይ ድማ እንስሳ ከም ዝዀነት ገይሩ ዝህቦ መግለጺ ኣይልውጦን ኢዩ። ብኣብነት ንምብራህ:- ሓደ ሰብ ህያው ኢዩ ክንብል ከሎና ህያው ኣካል ኢዩ ማለት ኢዩ። ህይወት ኣለዎ ክንብል እውን ንኽእል ኢና። ብተመሳሳሊ መገዲ ሓደ ህያው ሰብ ነፍሲ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ህያው ከሎ ነታ “ነፍሲ” እትህልዎ ነገር ገይርና ክንዛረበላ ንኽእል ኢና።
10. እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ነቲ ሓደ ሰብ ወይ እንስሳ ዘስተማቕሮ ህይወት ከተመልክት ከም እትኽእል ኣብነታት ሃብ።
10 ንኣብነት: ኣምላኽ ንሙሴ “እቶም ንነፍስኻ ዚደልይዋ ዝነበሩ ሰባት ኵሎም ሞይቶም እዮም” በሎ። (ዘጸኣት 4:19) ጸላእቲ ሙሴ ክቐትልዎ ይደልዩ ምንባሮም ንጹር ኢዩ። ተመሳሳሊ ዝዀነ ኣጠቓቕማ ናይታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ኣብዚ ዝስዕብ ምሉእ ሓሳባት እውን ኣሎ። “ንነፍስና ኣዚና ፈሪህና።” (እያሱ 9:24) “ነፍሶም ኬድሕኑ ሀደሙ።” (2 ነገስት 7:7) “ጻድቕ ንነፍሲ እንስሳኡ ይርሕርሓሉ።” (ምሳሌ 12:10) ‘ወዲ ሰብ ድማ: ኬገልግልን ህይወቱ [“ነፍሱ:” NW ] ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን ኢሉ መጸ።’ (ማቴዎስ 20:28) “ነፍሱ ቐቢጹ . . . ክሳዕ ሞት ቀሪቡ ነይሩ።” (ፊልጲ 2:30) ኣብ ኵለን እዘን ጥቕስታት እዚኣተን እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል “ህይወት” ማለት ኢያ። a
11. ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ዝጥቀመሉ ኣገባብ እንታይ ኢዩ ዝባሃል፧
11 ስለዚ እምበኣር ከም ኣጠቓቕማ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ሰብ ወይ እንስሳ ወይ ድማ ነቲ ሓደ ሰብ ወይ እንስሳ ዘስተማቕሮ ህይወት ኢያ እተመልክት። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ነፍሲ ዝህቦ መግለጺ ቀሊል: ዘይለዋወጥ: ከምኡውን በቲ ናይ ሰባት ፍልስፍናን ሓተታ መናፍስትን ዘይተዓብለለ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ግዜ ሞት ነፍሲ እንታይ የጋጥማ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ መጀመርታ ስለምንታይ ከም እንመውት ክንፈልጥ ኣሎና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ማቴዎስ 10:28 እውን እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል “ህይወት” ዝብል ሓሳባት ንምግላጽ ኢዩ ዝጥቀመላ።
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእልታት]
ኵሎም ነፍሳት ኢዮም