ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሰረተ-እምነት ኣጀማምራ

ናይቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሰረተ-እምነት ኣጀማምራ

ናይቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሰረተ ⁠-​እምነት ኣጀማምራ

“ከምቲ ድሕሪ ሞት ዝህሉ ኵነታት ገይሩ ምስ ኣእምሮ [እንግሊዝኛ ሳይኪክ ] ሰብ እተተሓሓዘ ኣርእስቲ የለን። ”​⁠“ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረልጅን ኤንድ ኤቲክስ።” (እንግሊዝኛ)

1-3.ሶቅራጦስን ፕላቶን ነቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሓሳባት ዘማዕበልዎ ብኸመይ ኢዮም፧

 ሓ ደ ወዲ 70 ዓመት ምሁርን መምህርን: ርኹስ ኢዩ ከምኡውን ብትምህርቱ ንኣእምሮ ናይቶም ንኣሽቱ ኣባላሽዩ ተባሂሉ ተኸሰ። ኣብቲ መጋባእያ ውሕሉል መከላኸሊ ነጥቢ እኳ እንተ ኣቕረበ: ኣብ ቅድሚ እቶም ኣቐዲሞም ብሕማቕ ርእዮምዎ ዝጸንሑ ፈራዶ ገበነኛ ኰይኑ ተረኽበ እሞ ንሞት ፈረድዎ። እዚ ብዕድመ ዝደፍአ መምህር እዚ ቀቅድሚ ሙማቱ ገለ ሰዓታት ነቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ተማሃርኡ ነፍሲ ዘይትመውት ምዃና: ሞት ድማ ክፍራህ ዘለዎ ነገር ከም ዘይኰነ ንምርግጋጽ ተኸታታሊ ሓሳባት ኣቕረበሎም።

2 እዚ እተዀነነ ሰብኣይ እዚ እቲ ኣብ መበል ሓሙሻይ ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኣዝዩ ፍሉጥ ዝነበረ ግሪኻዊ ፈላስፋ: ሶቅራጦስ ኢዩ ነይሩ። a እቲ ተማሃራዩ ዝነበረ ፕላቶ ነዚ ኣጋጣሚታት እዚ ኣብተን ኣፖሎጂ ከምኡውን ፊዶ ዝብሃላ ጽሑፋቱ ኣስፊርዎ ኣሎ። ሶቅራጦስን ፕላቶን ነቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሓሳባት ኣብ ምምዕባል እቶም ቀዳሞት ምዃኖም ኢዩ ዝንገረሎም። እንተዀነ ግን: መነጭቲ ናይቲ ትምህርቲ ኣይኰኑን።

3 ከምቲ ጸኒሕና ክንርእዮ ዘሎና: ምንጪ ናይቲ ሰብ ዘይትመውት ነፍሲ ኣላቶ ዝብል ሓሳባት ኣዝዩ ነዊሕ ይገብር ዝጸንሐ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሶቅራጦስን ፕላቶን ነቲ ሓሳባት ኣማሓይሾም: ናብ ፍልስፍናዊ ትምህርቲ ቀየርዎ: በዚ ኸምዚ በቶም ኣብ ግዜኦምን ብድሕሪኡን ዝነበሩ ምሁራት ኣካላት ዝያዳ ተቐባልነት ከም ዝህልዎ ገበሩ።

ካብ ፓይታጎራስ ክሳብ ፒራሚድስ

4.ቅድሚ ሶቅራጦስ: ግሪኻውያን ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዘሎ ኵነታት ዝነበሮም ኣረኣእያ እንታይ ኢዩ፧

4 እቶም ቅድሚ ሶቅራጦስን ፕላቶን ዝነበሩ ግሪኻውያን እውን ነፍሲ ድሕሪ ሞት ትነብር ኢያ ኢሎም ይኣምኑ ነይሮም ኢዮም። እቲ ኣብ መበል ሻድሻይ ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነብር ዝነበረ ፓይታጎራስ ዝበሃል ግሪኻዊ ውሩይ ናይ ቁጽሪ ምሁር ነፍሲ ዘይትመውትን ንለውጥታት እተቓልዐትን ኢያ ዝብል እምነት ነበሮ። ቅድሚኡ ድማ ቴለስ: ናይ መጀመርታ ፍሉጥ ግሪኻዊ ፈላስፋ ተባሂሉ ዝሕሰብ: ወዲ ሚለተስ: ዘይትመውት ነፍሲ ኣብ ሰባት: እንስሳታት: ከምኡውን ኣታኽልቲ ጥራይ ዘይኰነትስ: ኣብ ከም በዓል ማግኔት ዝኣመሰለ ነገራት እውን ሓጺን ከንቀሳቕስ ስለ ዝኽእል ነፍሲ ኣላ ዝብል ሓሳባት ነበሮ። እቶም ናይ ጥንቲ ግሪኻውያን: ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ነፍሳት በቲ ፈለግ ስቲክስ ኣቢለን እናተንሳፈፋ ናብቲ ናይ ምዉታት ዓለም ዝበሃል ገፊሕ ትሕቲ ምድሪ ይኸዳ ኢሎም ይሓስቡ ነበሩ። ኣብኡ ድማ እቶም ደያኑ ነተን ነፍሳት ናብቲ ነዊሕ ግምቢ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ክሳቐያ ወይ ድማ ናብቲ ደስታ ዘለዎ ሰማይ ክኣትዋ ይፈርድወን።

5, 6.ፋርሳውያን ንነፍሲ ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዋ ነይሮም፧

5 ብወገን ምብራቕ ናይ ኢራን ወይ ፋርስ: ኣብ መበል ሻብዓይ ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ሓደ ዞሮኣስተር እተባህለ ነብዪ ነበረ። ዳሕራይ ዞሮኣስትሪያኒዝም ተባሂሉ እተፈልጠ ኣገባብ ኣምልኾ ድማ ኣተኣታተወ። እዚ ኣምልኾ እዚ ግሪኽ ቀንዲ ሓይሊ ዓለም ቅድሚ ምዃና ነቲ ናይ ዓለም መድረኽ ዝቈጻጸር ዝነበረ ናይ ፋርስ ሃጸይ ዝስዕቦ ሃይማኖት ኰነ። እቲ ናይ ዞሮኣስትሪያን ጽሑፋት ከምዚ ይብል:⁠- “ነፍሲ እቲ ጻድቕ ከይሞተት ኵሉ ግዜ እትሕጐስ: ነፍሲ እቲ ሓሳዊ ግና ኵሉ ግዜ እትሳቐ ትኹን። እዚ ሕግታት እዚ ድማ በቲ ሉዓላዊ ስልጣን ናይ ኣሁራ ማዝዳ [ማለት “ጥበበኛ ኣምላኽ”] እተሓትመ ኢዩ።”

6 እቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ትምህርቲ እምነት ዞሮኣስትሪያን ቅድሚ ምጅማሩ ክፍሊ ናይቲ ናይ ኢራን ሃይማኖት እውን ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: ኣብ ኢራን ዝነበራ ጥንታዎት ቀቢላታት: ኣብ መቓብር ምስ ወረዳ ይጠቕመን ኢዩ ብምባል ንነፍሳት ናይቶም ዝሞቱ ሰባት መግብን ክዳውንትን ይቕርባለን ነበራ።

7, 8.እቶም ጥንታውያን ግብጻውያን ብዛዕባ ናይ ነፍሲ ካብ ሞት እቲ ኣካል ምድሓን እንታይ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ ዝነበሩ፧

7 ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎ ኢልካ ምእማን ኣብቲ ናይ ግብጻውያን ኣምልኾ እውን ኣገዳሲ ኢዩ ነይሩ። ግብጻውያን ነፍሲ ናይ ሓደ ዝሞተ ሰብ በቲ ቀንዲ ኣምላኽ መቓብር ዝበሃል ኦስሪስ ከም እትፍረድ ዝገልጽ እምነት ኢዩ ነይርዎም። ንኣብነት: ኣብ መበል 14 ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ከም እተጻሕፈ ዝንገረሉ ሓደ ፓፒረስ እቲ ኣምላኽ ምዉታት ዝዀነ ኣኑባስ ንነፍሲ ናይቲ ምሁር ዝነበረ ሃነፈር መሪሑ ኣብ ቅድሚ ኦስሪስ ከም ዘምጽኣ የርኢ። እታ ንሕልና ናይቲ ምሁር እትውክል ልቢ ምስ ሓንቲ ኣብ ርእሲ ናይታ ኣምላኽ ሓቅን ፍትሕን ዝነበረት ክንቲት ኣብ ሚዛን ከም እትምዘን ተገብረ። ቶዝ እተባህለ ካልእ ኣምላኽ ድማ ነቲ ውጽኢት ይምዝግቦ። ናይ ሃነፈር ልቢ ብገበን ከባድ ስለ ዘይነበረት: ትሕቲ እታ ክንቲት ተመዝነት: ስለዚ ድማ ሃነፈር ናብቲ ናይ ኦስሪስ ግዝኣት ክኣቱ ከምኡውን ዘይትመውት ነፍሲ ክቕበል ተፈቕደሉ። እታ ልቢ ኣብቲ ፈተና ምስ እትወድቕ: ነቲ ዝሞተ ሰብ ንምውሓጥ እተቐረበት ሓንቲ ግናይ ትርኢት ዘለዋ ፍጥረት ኣብ ጐኒ እቲ ሚዛን ደው ኢላ ከም ዝነበረት እውን እቲ ፓፒረስ ይገልጽ። ግብጻውያን ምድሓን ናይታ ነፍሲ ኣብ ምዕቃብ ናይቲ ሬሳ እተመርኰሰ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ ንምዉታቶም ለኽዮም የንቅጽዎም: ንሬሳታት ናይቶም ፈርኦናት ድማ ኣብ ውቁብ ዝዀነ ፒራሚዳት የቐምጥዎ ነበሩ።

8 ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ እተፈላለየ ምዕባለታት: ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሓደ ዓይነት ናይ ሓባር ትምህርቲ ነበሮ። ነዚ ትምህርቲ እዚ ካብ ሓደ ዓይነት ምንጪ ድዮም ረኺቦምዎ፧

እቲ ትምህርቲ ዝመነጨሉ ቦታ

9. ነተን ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበራ ግብጺ: ፋርስ: ከምኡውን ግሪኽ ጽልዋ ዝገበረለን ሃይማኖት ኣየናይ ኢዩ፧

9 እታ ዘ ረሊጅን ኦቭ ባቢሎንያ ኤንድ ኣሲርያ እተባህለት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) “ኣብታ ጥንታዊት ዓለም ኣብ ግብጺ: ፋርስ: ከምኡውን ግሪኽ ጽልዋ ናይቲ ባቢሎናዊ ሃይማኖት ነይሩ ኢዩ” ትብል። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ቀጺላ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:⁠- “ከምቲ ኣብ ናይ ኢል⁠-​ኣማርና ጽላት ተገሊጹ ዘሎ ነቲ ኣብ መጀመርታ ኣብ መንጎ ግብጽን ባቢሎንን ዝነበረ ርክብ ብምርኣይ እቲ ናይ ባቢሎን ኣረኣእያታትን ልምድታትን ናብቲ ናይ ግብጻውያን ኣንቆራታት ልሒኹ ክኣቱ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከም ዝነበሮ ርግጽ ኢዩ። እቲ ናይ ሚትራ ኣንቆራ ከም ዝገልጾ ኣብ ፋርስ ንጹር ዝዀነ ጽልዋ ናይ ባቢሎናዊ ሓሳባት ነይሩ ኢዩ። . . . ኣብቲ ናይ ግሪኽ ጥንታዊ ጽውጽዋይን ናይ ግሪኽ ኣንቆራታትን ጽዑቕ ዝዀነ ሴማዊ ትምህርትታት ከም እተሓወሶ ኣብዚ እዋን እዚ ተወሳኺ ምይይጥ ዘየድልዮ ኰይኑ በቶም ምሁራት ብሰፊሑ ኣፍልጦ ተዋሂብሉ ኢዩ። እዚ ሴማዊ ትምህርትታት እዚ ከኣ ብዓቢኡ ባቢሎናዊ ኢዩ።” b

10, 11. እቲ ባቢሎናውያን ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ዝነበሮም ኣረኣእያ እንታይ ኢዩ፧

10 እንተዀነ ግን: እቲ ባቢሎናውያን ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዘጋጥም ነገር ዘለዎም ኣረኣእያ ካብቲ ናይ ግብጻውያን: ፋርሳውያን: ከምኡውን ግሪኻውያን እተፈልየዶ ከይኰነ፧ ንኣብነት: ነቲ ኤፒክ ኦቭ ጊልጋመሽ ዝበሃል ናይ ባቢሎናውያን ጽሑፍ ርአ። እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ጊልጋመሽ እተባህለ ጐብለል: ሞት ዘይተርፍ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ስለ እተሸገረ ከይሞተ ዝነብረሉ መገዲ ንምድላይ ወጸ: ክረክብ ግን ኣይከኣለን። ኣብ ግዜ ጕዕዝኡ ወይኒ እትሸይጥ ድንግል ረኸበ: ነቲ ዝደልዮ ዘሎ ዘይውዳእ ህይወት ክረኽቦ ስለ ዘይክእል ነቲ ዘለዎ ህይወት ብዝበለጸ ክጥቀመሉ ኣተባብዓቶ። መልእኽቲ ናይ ብምልኡ እቲ ዛንታ ሞት ዘይተርፍ: ተስፋ ናይ ዘይሙማት ድማ ሕልሚ ምዃኑ ዝገልጽ ኢዩ። እዝስ ባቢሎናውያን ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎ ኢሎም ኣይኣምኑን ኢዮም ነይሮም ማለት ድዩ፧

11 እቲ ናይ ፐንሲልቫንያ ዩኒቨርሲቲ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ጁንየር ፕሮፌሰር ሞሪስ ያስትሮ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “እቶም [ናይ ባቢሎን] ሰባት ኰነ መራሕቲ ናይቲ ሃይማኖታዊ ሓሳባት እቲ ሓደ እዋን ህያው ዝነበረ ፈጺሙ ክጠፍእ ከም ዝኽእል ሓሲቦም ኣይፈልጡን ኢዮም። [ብኣረኣእይኦም] ሞት ናብ ካልእ ዓይነት ህይወት መሰጋገሪ ኢዩ: ነቲ ዘይሙማት ዝብል ሓሳባት ምኽሓድ ድማ ነቲ ብሞት ዝመጽእ ናይ ህላወ ለውጢ ከተልግሶ ዘይትኽእል ነገር ምዃኑ ዘጕልሕ ጥራይ ኢዩ።” እወ: ባቢሎናውያን እውን ድሕሪ ሞት ገለ ዓይነት ህይወት: ብገለ ዓይነት መልክዕ ይቕጽል ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ ነይሮም ኢዮም። እዚ ኣብቲ ድሕሪ ሞት ዝህልዎ ህይወት ክጠቕሞ ኢሎም ምስቲ ዝሞተ ሰብ ገለ ኣቕሑ ብምቕባር ይገልጽዎ ነበሩ።

12-14. (ሀ) ብድሕሪ ማይ ኣይሂ ምንጪ ናይቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ትምህርቲ ኣበይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ሰረተ⁠-​እምነት ኣብ መላእ ምድሪ ዘስፋሕፍሐ ብኸመይ ኢዩ፧

12 ብንጹር እምበኣር: እቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ትምህርቲ ካብ ጥንታዊት ባቢሎን ዝጀመረ ኢዩ። ብመሰረት እቲ ልክዕ ዝዀነ ታሪኽ ሒዙ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ: ከተማ ባቤል ወይ ባቢሎን በቲ ንኖህ ወዲ ወዱ ዝዀነ ኒምሮድ ኢያ ተሃኒጻ። c ብድሕሪ እቲ ኣብ ግዜ ኖህ ዘጋጠመ ዓለምለኻዊ ማይ ኣይሂ: ሓደ ቋንቋን ሓንቲ ሃይማኖትን ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ኒምሮድ ነታ ከተማ ብምምስራትን ኣብኣ ድማ ግምቢ ብምስራሕን: ካልእ ሃይማኖት ጀመረ። ብድሕሪ እቲ ኣብ ባቤል ዘጋጠመ ናይ ቋንቋታት ሕንፍሽፍሽ: እቶም ፍሽለት ዘጋጠሞም ሃነጽቲ እቲ ግምቢ ከም እተበታተኑ: ሃይማኖቶም ሒዞም ብምኻድ ድማ ሓድሽ ህይወት ከም ዝጀመሩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ የርኢ ኢዩ። (ዘፍጥረት 10:⁠6⁠-​10፣ 11:⁠4⁠-​9) በዚ ኸምዚ እቲ ናይ ባቢሎን ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኣስፋሕፍሐ።

13 ኣፈ⁠-​ታሪኽ ከም ዝገልጾ ኒምሮድ ሕማቕ ኣማውታ ሞተ። ብድሕሪ ሞቱ መስራቲ: ሃናጺ: ከምኡውን ቀዳማይ ንጉስ ናይ ከተማኦም ከም ምዃኑ መጠን ባቢሎናውያን ኣኽቢሮም ክርእይዎ ምኽንያታዊ ኢዩ። እቲ ማርዱክ እተባህለ ኣምላኽ ከም መስራቲ ባቢሎን ኰይኑ ስለ ዝሕሰብ: ገለ ምሁራት ማርዱክ ነቲ ከም ኣምላኽ እተቘጽረ ኒምሮድ ዘመልክት ክኸውን ከም ዝኽእል ሓሳባት የቕርቡ። እዚ ሓቂ እንተድኣ ኰይኑ: እቲ ሰብ ዘይትመወት ነፍሲ ኣላቶ ዝብል ሓሳባት እንተ ወሓደ ኣብ ግዜ ሞት ኒምሮድ ዝጀመረ ክኸውን ኣለዎ ማለት ኢዩ። እዚ ይኹን እቲ: ድሕሪ ማይ ኣይሂ ምንጪ ናይቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ትምህርቲ ባቤል ወይ ባቢሎን ምዃኑ ናይ ታሪኽ መዝገብ ይገልጽ ኢዩ።

14 ይኹን እምበር: እዚ ሰረተ⁠-​እምነት እዚ ናይዘን ኣብ ግዜና ዘለዋ መብዛሕትአን ሃይማኖታት ሕመረት ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧ እዛ እትቕጽል ክፍሊ: እቲ ትምህርቲ ናብተን ምብራቓውያን ሃይማኖታት ከመይ ኢሉ ከም ዝኣተወ ክትምርምር ኢያ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ቅ.ኣ.ዘ. “ቅድሚ ኣቈጻጽራ ዘመንና” ማለት ኢዩ: ከ.ኣ.ዘ. ኸኣ “ከም ኣቈ​ጻጽራ ዘመንና” ወይ ከምቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዝጽውዓሉ ዓ.ም. “ዓመተ⁠-​ምሕረት” ዝትርጕሙ ኣኖ ዶሚኒ ማለት ኢዩ።

b ኢል⁠-​ኣማርና ፍርስራስ ናይታ ኣብ መበል 14 ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ከም እተሃንጸት ዝንገረላ ኣክቴተን እትበሃል ናይ ግብጺ ከተማ ዝርከበሉ ቦታ ኢዩ።

c ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ​—⁠ቃል ኣምላኽዶ ወይስ ቃል ሰብ፧ ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 37⁠-​54 ርአ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእልታት]

ግብጻውያን ብዛዕባ እተን ኣብ መቓብር ዘለዋ ነፍሳት ዝነበሮም ኣረኣእያ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ሶቅራጦስ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ኢሉ ተኻትዐ