ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ግዜ ሞት ነፍሲ እንታይ ኢያ እትኸውን፧

ኣብ ግዜ ሞት ነፍሲ እንታይ ኢያ እትኸውን፧

ኣብ ግዜ ሞት ነፍሲ እንታይ ኢያ እትኸውን፧

“እቲ ናይ ሰብ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ: ድሕሪ ሰብኣዊ ሞትን እቲ ስጋ ምስ መሽመሸን ድማ ምንባር ትቕጽል ኢያ ዝብል ሰረተ-እምነት ሓደ ካብቲ እምኒ ማእዝን ክርስትያናዊ ፍልስፍናን ትምህርቲ ሃይማኖትን ኢዩ።”—“ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ።”

1. እቲ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ብዛዕባ ብድሕሪ ሞት ምንባር እትቕጽል ነፍሲ እንታይ ኢሉ ኢዩ እተኣመነ፧

 ኹን እምበር: እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መወከሲ መጽሓፍ ባዕሉ “እቲ ነፍሲ ድሕሪ ሞት ትነብር ኢያ ዝብል ሓሳባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣይኰነን” ብምባል ይእመን። እሞ ንነፍሲ ኣብ ግዜ ሞት እንታይ ከም ዘጋጥማ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝምህር፧

ምዉታት ሓሳባት የብሎምን

2, 3. ኵነታት ናይ ምዉታት እንታይ ኢዩ: ነዚ ዝገልጽ ጥቕስታትከ ኣየናይ ኢዩ፧

2 ኵነታት ናይ ምዉታት ኣብ መክብብ 9:5, 10 ንጹር ኰይኑ ኣሎ: ኣብኡ ከምዚ ነንበብ:- “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። . . . ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን።” ስለዚ እምበኣር: ሞት ካብ ህላወ እተቋርጸሉ ኵነታት ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ሓደ ሰብ ምስ ዝመውት “ናብ መሬቱ ይምለስ: በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 146:4

3 ስለዚ እቶም ምዉታት ዋላ ሓንቲ ኣይሓስቡን: ኣይዓዩን ኢዮም። ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኣዳም ፍርዲ ከውርድ ከሎ: “መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ” በለ። (ዘፍጥረት 3:19) ኣምላኽ ካብ ሓመድ ምድሪ ሰሪሑ ህይወት ከይሃቦ ከሎ: ኣዳም ኣብ ህላወ ኣይነበረን። ምስ ሞተ ድማ ናብቲ ኵነታት እቲ ኢዩ ዝምለስ። መቕጻዕቱ ናብ ካልእ ቦታ ምግዓዝ ዘይኰነስ ሞት ኢዩ ነይሩ።

ነፍሲ ክትመውት ትኽእል ኢያ

4, 5. ነፍሲ ክትመውት ከም እትኽእል ዝገልጽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት ሃብ።

4 ኣዳም ምስ ሞተ: ነፍሱ እንታይ ኰነት፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ነቲ ሰብ ከም እተመልክት ዘክር። ስለዚ ድማ ኣዳም ሞይቱ ክንብል ከሎና: እታ ኣዳም እትበሃል ነፍሲ ሞይታ ማለትና ኢዩ። ንሓደ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ኢሉ ዝኣምን ሰብ እዚ ትርጕም ዘይብሉ ኰይኑ ይረኣዮ ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ግን “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ” ኢሉ ይገልጽ። (ህዝቅኤል 18:4) ዘሌዋውያን 21:1 ‘ዝሞተት [“ነፍሲ:” NW]’ (“ዓስከሬን:” ጀሩሳሌም ባይብል) ብምባል ትዛረብ። ናዝራውያን ድማ ጥቓ ዝዀነ ይኹን “ምዉት ሰብ [“ነፍሲ:” NW]” ከይቀርቡ ተነጊሮም ኢዮም።—ዘሁልቍ 6:6

5 ኣብ 1 ነገስት 19:4 ብዛዕባ ነፍሲ ተመሳሳሊ ሓሳባት ኣሎ። እቲ ኣጸቢቑ ጕህዩ ዝነበረ ኤልያስ ‘ነፍሱ ክትመውት’ ተመነየ። ዮናስ እውን ብተመሳሳሊ “ካብ ብህይወት ምንባርሲ ሙማት ይሕሸኒ: ኢሉ ንነፍሱ ሞት ለመነላ።” (ዮናስ 4:8) የሱስ እውን ‘ነፍሲ ምቕታል’ ዝብል ሓረግ ተጠቒሙ ኣሎ: ነዚ ድማ እቲ ዘ ባይብል ኢን በይዚክ ኢንግሊሽ “ከም እትመውት ምግባር” ኢሉ ተርጒምዎ ኣሎ። (ማርቆስ 3:4) ስለዚ እምበኣር: እታ ነፍሲ ሞይታ ማለት ብሓጺሩ እቲ ሰብ ሞይቱ ማለት ኢዩ።

‘ምውጻእ’ ከምኡውን ‘ምምላስ’

6. መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ራሄል ‘ነፍሲ ክትወጽእ ከላ’ ክብል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

6 እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እቲ ካልኣይ ወዳ ክትወልድ ከላ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሞት ራሄልከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ኣብ ዘፍጥረት 35:18 ከምዚ ነንብብ:- “ክትመውት: ነፍሳ ኽትወጽእ ከላ ድማ: ስሙ ቤን-ኦኒ ኣውጽኣትሉ። ኣቦኡ ግና ብንያም ኣውጽኣሉ።” እዛ ጥቕሲ እዚኣ ራሄል ኣብ ግዜ ሞታ ተፈልያ ዝወጸት ውሽጣዊት ኣካል ከም ዝነበረታ ዘመልክት ድዩ፧ ፈጺሙ ኣየመልክትን ኢዩ። እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ነቲ ሰብ ዘለዎ ህይወት እውን ከም እተመልክት ዘክር። ስለዚ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ናይ ራሄል “ነፍሲ” ማለት “ህይወታ” ማለት ኢዩ። ስለዚ ድማ ኢዮም ካልኦት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት ነታ “ነፍሳ ኽትወጽእ ከላ” እትብል ሓረግ “ህይወታ ተንቈልቍል ነበረት” (ኖክስ): “ንመወዳእታ ግዜ ኣተንፈሰት” (ጀሩሳሌም ባይብል): ከምኡውን “ህይወታ ካብኣ ወጸት” (ባይብል ኢን በይዚክ ኢንግሊሽ) ኢሎም ዝተርጐምዋ። ሓንቲ ምስጢራዊት ኣካል ናይ ራሄል ካብ ሞት ከም ዝደሓነት ዝሕብር ነገር የለን።

7. እቲ ዝተንስአ ወዲ እታ መበለት ነፍሱ ‘እተመልሰት’ ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢዩ፧

7 ምስቲ ኣብ 1 ነገስት ምዕራፍ 17 ተመዝጊቡ ዘሎ ምትንሳእ ወዲ እታ መበለት ዝመሳሰል ኢዩ። ኣብ ቍጽሪ 22 ኤልያስ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእሽቶ ወዲ ኰይኑ ከም ዝጸለየ ነንብብ: “እግዚኣብሄር ከኣ ደሃይ ኤልያስ ሰምዔ: ነፍሲ እቲ ቘልዓ ድማ ናብ ውሽጡ ተመለሰት እሞ ህያው ኰነ።” ሕጂ እውን ኣብዚ እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል “ህይወት” ማለት ኢያ። ስለዚ ድማ ኣብ ኒው ኣመሪካን ስታንዳርድ ባይብል (እንግሊዝኛ) “ህይወት ናይቲ ቈልዓ ናብኡ ተመልሰት እሞ ህያው ኰነ” ዝብል ነንብብ። እወ: ገለ ዘይረአ ነገር ዘይኰነስ ህይወት ኢያ ናብቲ ወዲ እተመልሰት። እዚ ድማ ምስቲ ኤልያስ ነታ ኣደ እቲ ወዲ “ርአዪ: ወድኺ [እቲ ሰብ ብምልኡ] ሐውዩ” ዝበላ ነገር ዝሰማማዕ ኢዩ።—1 ነገስት 17:23

ብዛዕባ እቲ “ማእከላይ ኵነታት” ምጥርጣር

8. ብዙሓት ስመ-ክርስትያን ኣብ ግዜ ትንሳኤ እንታይ ክኸውን ኢዩ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ፧

8 ብዙሓት ስመ-ክርስትያን ኣብ መጻኢ እዋን ትንሳኤ: ኣካላት ምስተን ዘይሞታ ነፍሳት ዝሕወሳሉ ግዜ ከም ዝህሉ ይኣምኑ ኢዮም። ድሕርዚ እቶም ዝተንስኡ ሰባት ከከም ጽሕፍቶኦም ክፍረዱ ኢዮም—እቶም ጽቡቕ ህይወት ዝነበሮም ዓስቢ: እቶም እኩያት ድማ ኢዶም ክትረኽቦም ኢያ።

9. እቲ “ማእከላይ ኵነታት” ዝብል ስያመ እንታይ ማለት ኢዩ: ገሊኦም ኣብዚ እዋን እዚ ነታ ነፍሲ እንታይ የጋጥማ ኢዮም ዝብሉ፧

9 እዚ ሓሳባት እዚ ቀሊል ይመስል። እንተዀነ ግን: እቶም ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት: ኣብቲ ኣብ መንጎ ሞትን ግዜ ትንሳኤን ዘሎ እዋን እታ ነፍሲ እንታይ ትኸውን ንዝብል ሕቶ ኣብ ምምላስ ጸገም ኣለዎም። ብርግጽ እዚ ብዙሕ ግዜ “ማእከላይ ኵነታት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ: ንዘበናት ዝኣክል ዘይከውን ግምታት ኣለዓዒሉ ኢዩ። ገሊኣቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን እታ ነፍሲ ናብ መንጽሂ ቦታ ትኸይድ: ንሰማይ ንምኻድ እትበቅዕ ምእንቲ ክትከውን ካብቲ ይቕረ ክበሃሎ ዝኽእል ሓጢኣት ትነጽህ ይብሉ። a

10. ነፍሳት ድሕሪ ሞት ኣብ መንጽሂ ቦታ ይጸንሓ ኢልካ ምእማን ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ: እቲ ናይ ኣልኣዛር ተመክሮ ነዚ ዘረጋግጾ ብኸመይ ኢዩ፧

10 ይኹን እምበር: ከምቲ ዝረኣናዮ ነፍሲ ማለት እቲ ሰብ ኢዩ። እቲ ሰብ ምስ ሞተ: እታ ነፍሲ ኸኣ ትመውት። ስለዚ ድማ ድሕሪ ሞት ክሓስብ ዝኽእል ህላወ የለን። ኣልኣዛር ምስ ሞተ የሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጽሂ ቦታ: ሊምቦ: ወይ ድማ ኣብ ዝዀነ ይኹን ካልእ “ማእላይ ኵነታት” ኣሎ ከም ዘይበለ ርግጽ ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ የሱስ “ኣልኣዛር . . . ደቂሱ አሎ” ኢዩ ዝበለ። (ዮሃንስ 11:11) ብንጹር እምበኣር: እቲ ኣብ ግዜ ሞት ነፍሲ እንታይ ከም እትኸውን ዝፈልጥ የሱስ: ኣልኣዛር ምንም ሓሳብ ከም ዘይነበሮ: ኣብ ህላወ ከም ዘይነበረ ይኣምን ነይሩ ኢዩ።

መንፈስ እንታይ ኢዩ፧

11. እታ “መንፈስ” እትብል ቃል ንሓንቲ ካብ ሞት እትድሕን ካብ ኣካላት ሰብ እትፍለ ነገር ዘይተመልክት ስለምንታይ ኢያ፧

11 መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ “ትንፋሱ [“መንፈሱ:” NW] ይወጽእ: ናብ መሬቱ ይምለስ” ይብል። (መዝሙር 146:4) እዚ ግን ሓንቲ ኣካል ዘይብላ መንፈስ ቃል ብቓሉ ትፍለ: እቲ ሰብ ምስ ሞተ ብድሕሪኡ ትነብር ማለት ድዩ፧ እዚ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ: ከመይሲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ቀጺሉ “በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ” [“ኵሉ ሓሳባቱ ይውዳእ:” ኒው ኢንግሊሽ ባይብል] ኢሉ ኣሎ። እሞ መንፈስ ድኣ እንታይ ኢዩ: ኣብ ግዜ ሞትከ ካብቲ ሰብ ‘ዝወጽእ’ ብኸመይ ኢዩ፧

12. እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “መንፈስ” ተተርጒመን ዘለዋ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት እንታይ ኢየን ዘመልክታ፧

12 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተን “መንፈስ” ተተርጒመን ዘለዋ ቃላት (ብእብራይስጢ: ሩʹዋሕ፣ ብግሪኽ: ኒውʹማ) ብመሰረቱ “ትንፋስ” ማለት ኢየን። ስለዚ ድማ ኣብ ክንዲ “መንፈሱ ይወጽእ” እቲ ኣር. ኤ. ኖክስ ዘዳለዎ ትርጕም “ትንፋሱ ካብ ኣካላቱ ትወጽእ” ዝብል ሓረግ ይጥቀም። (መዝሙር 145:4 ኖክስ) እንተዀነ ግን: እታ “መንፈስ” እትብል ቃል ካብ ምስትንፋስ ንላዕሊ ኢያ እተመልክት። ንኣብነት: ኣብ ግዜ እቲ ዓለምለኻዊ ማይ ኣይሂ ብዛዕባ ምጥፋእ ህይወት ሰብን እንስሳን ኣብ ምግላጽ ዘፍጥረት 7:22 ከምዚ ትብል:- “ኣብ ንቑጽ ምድሪ ዝነበረ ዅሉ: ኣብ ኣፍንጫኡ ትንፋስ ህያው መንፈስ [ብእብራይስጢ ሩʹሕ] ዝነበሮ ሞተ።” ስለዚ “መንፈስ” ነቲ ኣብ ኵሎም ህያዋን ፍጡራት: ሰባትን እንስሳታትን: ዘሎ ብምስትንፋስ ዝቕጽል ናይ ህይወት ሓይሊ ኢዩ ዘመልክት።

13. መንፈስ ምስ ናይ ኤለክትሪክ ኳሬንቲ ክመሳሰል ዝኽእል ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢዩ፧

13 ብኣብነት ንምብራህ:- ናይ ኤለክትሪክ ኳሬንቲ ንሓንቲ ኣቕሓ ሓይሊ ይህባ ኢዩ። እቲ ኳሬንቲ እንተድኣ ኣቋሪጹ: እታ ኣቕሓ ምስራሕ ተቋርጽ። እቲ ኳሬንቲ ንበይኑ ሓደ ኣቕሓ ኣይከውንን ኢዩ። ብተመሳሳሊ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ መንፈሱ ነቲ ናይ ኣካላቱ ዋህዮታት ህይወት ካብ ምሃብ የቋርጽ። ነቲ ኣካላት ገዲፉ ናብ ካልእ ቦታ ኣይግዕዝን ኢዩ።—መዝሙር 104:29

14, 15. ኣብ ግዜ ሞት መንፈስ ናብ ኣምላኽ ዝምለስ ብኸመይ ኢዩ፧

14 ስለምንታይ ድኣ ኢያ መክብብ 12:7 ሓደ ሰብ ምስ ሞተ “መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከይተመልሰ” ብምባል እትገልጽ፧ እዚ ግን እቲ መንፈስ ቃል ብቓሉ ብሃዋሁ ገይሩ ናብ ኣምላኽ ይኸይድ ማለት ድዩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ ኣየመሓላልፍን ኢዩ። መንፈስ እቲ ሓይሊ ህይወት ምዃኑ ኣይትረስዕ። እዚ ሓይሊ ህይወት እዚ ሓንሳብ ምስ ከደ: ንኽመልሶ ክእለት ዘለዎ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ‘መንፈስ ናብ ኣምላኽ ይምለስ’ ማለት እቲ ሰብ ዘለዎ ዝዀነ ይኹን መጻኢ ተስፋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣምላኽ እተመርኰሰ ምዃኑ ንምርኣይ ኢዩ።

15 ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ነቲ መንፈስ: ወይ ሓይሊ ህይወት እንደገና ክመልሶ: ነቲ ሰብ ናብ ህይወት ከም ዝመጽእ ክገብሮ ዝኽእል። (መዝሙር 104:30) እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ከምዚ ክገብር መዲቡ ኣሎዶ ኢዩ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብመሰረት ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) “እቶም [ናይ ቤተ-ክርስትያን] ኣቦታት ብሓፈሻ: መንጽሂ ቦታ ምህላዉ ግልጺ ዝዀነ ሓበሬታ ኢዩ ዘለዎም።” እንተዀነ ግን: እዚ ናይ መወከሲ መጽሓፍ እዚ “እቲ ካቶሊክ ብዛዕባ መንጽሂ ቦታ ዘለዋ ሰረተ-እምነት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይኰነስ ኣብ ባህሊ እተመስረተ” ምዃኑ ኣፍልጦ ይህበሉ ኢዩ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን]

ተዘክሮታት ናይ ዝሓለፈ ህይወት

እቲ ኣካላት ክመውት ከሎ ዝድሕን ነገር እንተድአ ዘየለ: ብዛዕባ እቲ ገለ ሰባት ከም ዘለዎም ዝዛረብዎ ተዘክሮታት ናይቲ ዝሓለፈ ህይወትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧

እቲ ኒኪላናንድ እተባህለ ናይ ሂንዱ ምሁር ‘ብድሕሪ ሞት ዘሎ ተመክሮታት ምኽንያታዊ ብዝዀነ መገዲ ክረጋገጽ ኣይክእልን ኢዩ’ ይብል። “ኣብ ሃይማኖታት ዘሎ ናይ ዘለኣለምነት እምነት ዝኸውን መርኣያ” ኣብ ዘርእስቱ ኣስተምህሮ: እቲ ሃንስ ኩንግ እተባህለ ናይ ሃይማኖት ምሁር ከምዚ ብምባል ይሕብር:- “ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ህይወት ጸብጻባት—ዝበዝሕ ካብኡ ካብ ቈልዑ ወይ ድማ ካብቲ እምነት ሪኢንካርነሽን ዘለዎ ሃገራት ዝመጸ—ዝዀነ ይኹን ክረጋገጽ ዝኽእል የለን።” ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “መብዛሕትኦም [ካብቶም ኣብርቲዖምን ብስነ-ፍልጠታዊ መገድን ብዛዕብኡ ዘጽንዑ ተመራመርቲ] እቲ በቶም ናይ ዝሓለፈ ህይወት ተመክሮታት ከም ዘለዎም ዝዛረቡ ሰባት እተነግረ ተመክሮታት ምድራዊ ህይወት ይድገም ምህላዉ ናይ ሓቂ ዘረጋግጽ መሰረት ከም ዘይህብ ይእመኑ ኢዮም።”

ብዛዕባ ናይ ዝሓለፈ ህይወት ብሕታዊ ተዘክሮታት ከም ዘሎካ ኰይኑ ምስ ዝስመዓካኸ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ብሰንኪ እተፈላለየ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዝበዝሕ ካብቲ እንቕበሎ ሓበሬታ ብቐጥታ ወይ ድማ ሽዑ ንሽዑ ስለ ዘይንጥቀመሉ ኣብ ሓደ ሕቡእ ዝዀነ ፍርቂ ፍርቂ ዝሰርሕ ናይ ኣእምሮና ክፍሊ ኢዩ ዝቕመጥ። እተረሰዐ ተዘክሮታት ክቕልቀል ከሎ: ገለ ሰባት ከም መርትዖ ናይ ዝሓለፈ ህይወት ገይሮም ይርድእዎ። ይኹን እምበር: ካብቲ ሕጂ እንነብሮ ዘሎና ሓሊፉ ክረጋገጽ ዝኽእል ካልእ ተመክሮታት ናይ ህይወት የብልናን። መብዛሕትኦም ካብዞም ኣብ ምድሪ ብህይወት ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት ቅድሚ ሕጂ ይነብሩ ምንባሮም ዘርኢ ተዘክሮታት የብሎምን፣ ቅድሚ ሕጂ ንነብር ነይርና ንኸውን ኢና ኢሎም እውን ኣይሓስቡን ኢዮም።