እቲ ሓሳባት ናብተን ምብራቓውያን ሃይማኖታት ይኣቱ
እቲ ሓሳባት ናብተን ምብራቓውያን ሃይማኖታት ይኣቱ
“እቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሓሳባት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝቕበሎ ኣድማሳዊ ሓቂ ገይረ ኢየ ዝሓስቦ ነይረ። ስለዚ ድማ ገለ ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ዝርከቡ ምሁራት ኣንጻር እዚ እምነት እዚ ኣበርቲዖም ከም ዝካትዑ ምስ ፈለጥኩ ብሓቂ ተገረምኩ። ሕጂ እቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሓሳባት ብኸመይ ኣብ ናይ ሂንዱ ኣተሓሳስባ ከም ዝኣተወ ኢየ ዝግረም።”—ሓደ ሂንዱ ኰይኑ ዝዓበየ ናይ ዩኒቨርሲቲ ተማሃራይ
1.እቲ ሰብ ዘይትመውት ነፍሲ ኣላቶ ዝብል ሰረተ-እምነት ኣብ እተፈላለያ ሃይማኖታት ብኸመይ ከም ዝማዕበለን ዘስፋሕፍሐን ምፍላጥ ዘገድስና ስለምንታይ ኢዩ፧
እ ቲ ሰብ ዘይትመውት ነፍሲ ኣላቶ ዝብል ሓሳባት ኣብ ሂንዱን ካልኦት ምብራቓውያን ሃይማኖታትን ዝኣተወ ብኸመይ ኢዩ፧ እዚ ሕቶ ነቶም ምብራቓዊ ሃይማኖታት ዘይፈልጡ ኣብ ምዕራብ ዘለዉ ሰባት እውን ከይተረፈ ዘገድሶም ኢዩ: ከመይሲ እዚ እምነት እዚ ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዛዕባ መጻኢ ዘለዎ ኣረኣእያ ዝትንክፎ ኢዩ። እቲ ሰብ ዘይትመውት ነፍሲ ኣላቶ ዝብል ትምህርቲ ኣብ መብዛሕትአን ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዋ ሃይማኖታት ዝርከብ ናይ ሓባር ነገር ብምዃኑ: እቲ ሓሳባት ከመይ ኢሉ ከም ዝማዕበለ ምፍላጥ ብሓቂ ዝሓሸ ምርዳእን ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን ክፈጥር ይኽእል ኢዩ።
2. ህንዲ ኣብ እስያ ቀንዲ ምንጪ ሃይማኖታዊ ጽልዋ ዝዀነት ስለምንታይ ኢዩ፧
2 እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ላንካስተር: ብሪጣንያ: ዝርከብ ናይ ሃይማኖታዊ መጽናዕቲ ፕሮፌሰር ኒንያን ስማርት ከምዚ ኢሉ ሓሳባቱ ይገልጽ:- “ኣብ እስያ እታ ናይ ሃይማኖታዊ ጽልዋታት ቀንዲ ማእከል ህንዲ ኢያ ነይራ። ከምዚ ዝዀነትሉ ህንዲ ናይ ብዙሕ እምነታት—ሂንዱዝም: ቡድሂዝም: ጀይኒዝም: ሲኪዝም: ወ.ዘ.ተ.—ምንጪ ብምዃና ዘይኰነስ: ሓደ ካብዚ እምነታት እዚ: ቡድሂዝም: ንባህሊ ናይ ብምልኡ ምብራቕ እስያ ኣጸቢቑ ክጸልዎ ብምኽኣሉ ኢዩ።” ኒኪላናንድ እተባህለ ሓደ ናይ ሂንዱ ምሁር: እቶም በዚ መገዲ እዚ እተጸልወ ብዙሕ ባህልታት ዘለዎም “ገና ንህንዲ ከም መንፈሳዊት ሃገሮም ገይሮም ኢዮም ዝርእይዋ” ይብል። ስለዚ እምበኣር: እዚ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ትምህርቲ ናብ ህንድን ካልእ ክፍሊ እስያን ዝኣተወ ብኸመይ ኢዩ፧
ናይ ሂንዱዝም ትምህርቲ ሪኢንካርነሽን
3. ብመሰረት ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ዝበሎ: እቲ ነፍሲ እንደገና ትውለድ ኢያ ዝብል ሓሳባት ናብ ህንዲ ዝኣተወ ብመን ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧
3 ኣብ መበል ሻድሻይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ፓይታጎራስን ሰዓብቱን ኣብ ግሪኽ ንናይ ነፍሳት እንደገና ምውላድ ደጊፎም ክጣበቑ ከለዉ: እቶም ኣብ ደንደስ ፈለግ ኣንደስን ጋንገስን ዝነብሩ ዝነበሩ ናይ ሂንዱ ጥበበኛታት ድማ ምስኡ ዝሰማማዕ ሓሳባት የማዕብሉ ነበሩ። ጸሓፍ ታሪኽ ኣርኖልድ ቶይምቢ እዚ እምነት እዚ “ኣብ ግሪኽን ህንድን” ኣብ ሓደ እዋን ምምዕባሉ “ናይ ኣጋጣሚ ነገር” ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ይብል። ቶይምቢ ከምዚ ኢሉ ይሕብር:- “ናይ ሓባር ምንጪ [ጽልዋ] ክኸውን ዝኽእል: እቲ ኣብ መበል 8ይ ከምኡውን 7ይ ክፍለ-ዘበናት ቅ.ኣ.ዘ. ናብ ህንዲ: ናብ ደቡባዊ ምዕራብ እስያ: ናብተን ኣብ ገማግም ሰሜናዊ ጸሊም ባሕሪ ዝነበራ ልሙዕ ሳዕሪ ዝርከበን ሃገራት: ከምኡውን ናብ ወሽመጣት ባልካንን ኣናቶልያንን ዝፈለሰ ዩሬሽያን ዝባሃል ሰበኽ ሳግማዊ ዝዀነ ሕብረተሰብ ኢዩ።” እቶም ዝፈልሱ ዝነበሩ ናይ ዩሬሽያን ቀቢላታት ነቲ ናይ እንደገና ምውላድ ሓሳባት ናብ ህንዲ ሒዞምዎ ከም ዝኣተዉ እምበኣር ርግጽ ኢዩ።
4. እቲ ነፍሲ እንደገና ትውለድ ኢያ ዝብል ሓሳባት በቶም ናይ ሂንዱ ጥበበኛታት ተቐባልነት ዝረኸበ ስለምንታይ ኢዩ፧
4 ኣብ ህንዲ ሂንዱዝም ምስ ምእታው ናይ ኣርያን ዓሌት ብ1500 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቐደም ኣቢሉ ኢዩ ጀሚሩ። ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ: ሂንዱዝም ነፍሲ ካብ ኣካል እተፈልየት ምዃና: ኣብ ግዜ ሞት ድማ ብህይወት ትተርፍ ኢያ ዝብል እምነት ነበሮ። ስለዚ ድማ ሂንዱ ናይ ኣባሓጎታት ኣምልኾ የዘውትሩ: ነተን ነፍሳት ናይቶም ዝሞቱ ዝኸውን መግቢ ድማ የንብሩ ነበሩ። ዘበናት ጸኒሑ እቲ ናይ እንደገና ምውላድ ሓሳባት ናብ ህንዲ ምስ ኣተወ: በቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ሰባት ዝርአ ኣድማሳዊ ዝዀነ ናይ እከይን ስቓይን ግድል ዝቃለሱ ዝነበሩ ናይ ሂንዱ ጥበበኛታት ተቐባልነት ረኺቡ ክኸውን ኣለዎ። እቶም ናይ ሂንዱ ጥበበኛታት ነዚ ምስቲ ሕጊ ካርማ: ሕጊ ጠንቅን ሳዕቤንን: ብምሕዋስ ነቲ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ጠባይ ናይ ሓደ ሰብ ኣብቲ ዝቕጽል ህይወት ዓስቢ ከም ዝረክብ ወይ ከም ዝቕጻዕ ዝገልጽ ናይ ሪኢንካርነሽን ክልሰ-ሓሳብ ኣማዕበሉ።
5. ብመሰረት ሂንዱዝም: እቲ ዝለዓለ ሸቶ ናይ ነፍሲ እንታይ ኢዩ፧
5 እንተዀነ ግን: ነቲ ብዛዕባ ነፍሲ ዝገልጽ ናይ ሂንዱዝም ትምህርቲ ዝጸለወ ሓደ ኻልእ ሓሳባት ነይሩ ኢዩ። እቲ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን ኤንድ ኤቲክስ ከምዚ ይብል:- “ኣብቲ ብዛዕባ እንደገና ምውላድን ካርማን ዝገልጽ ክልሰ-ሓሳብ ዝጀመረሉ ግዜ ወይ እውን ቅድሚኡ: ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ዝነበሩ ንእሽቶ ጕጅለ ምሁራት . . . ናይ ብራሃማ -ኣትማን [እቲ ዝለዓለን ዘለኣለማውን ብራሃማ: ዝለዓለ ህላወ] ፍልስፍናዊ ሓሳባት ይምዕብል ነበረ።” እዚ ሓሳባት እዚ ምስቲ ናይ ሪኢንካርነሽን ክልሰ-ሓሳብ ተሓዋዊሱ ነቲ ምስቲ ዝለዓለ ህላወ ማዕረ ምእንቲ ክትከውን ካብቲ ናይ እንደገና ምውላድ ዑደት ናጻ ምዃን ዝብል ናይ ሂንዱ ዝለዓለ ሸቶ ንምግላጽ ኣእተውዎ። እዚ ናይ ሂንዱ እምነት እዚ ክብጻሕ ዝከኣል: ኣብቲ ሕብረተሰብ ቅቡል ዝዀነ ባህርይን ፍሉይ ናይ ሂንዱ ፍልጠትን ንምርካብ ብምጽዓር ኢዩ።
6, 7. ኣብዚ እዋን እዚ ሂንዱዝም ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዝህሉ ህይወት እንታይ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ፧
6 ስለዚ ድማ እቶም ናይ ሂንዱ ጥበበኛታት ነቲ ብዛዕባ እንደገና ምውላድ ናይ ነፍሳት ዝገልጽ ሓሳባት ምስ ሕጊ ካርማን ሓሳባት ብራሃማን ብምሕዋስ ሰረተ-እምነት ሪኢንካርነሽን ኣቘሙ። እቲ ናይ ኖቤል ሽልማት ተዓዋትን ቅድም ኣብ ህንዲ ናይ ሜክሲኮ ኣምባሳድር ዝነበረን ኦክታብዮ ፓዝ እተባህለ ገጣሚ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “ሂንዱዝም ከስፋሕፍሕ ከሎ እቲ . . . ኣብ ብራሃማኒዝም: ቡድሂዝም: ከምኡውን ኣብ ካልኦት ናይ እስያ ሃይማኖታት ቀንዲ ዝዀነ ብዛዕባ እንደገና ምውላድ ናይ ነፍሳት ብእተፈላለየ ህላወ ዝገልጽ ሜታምሳይኮሲስ እውን ኣስፋሕፍሐ።”
7 ሰረተ-እምነት ሪኢንካርነሸን ዓንዲ ሕቖ ዘመናዊ ሂንዱዝም ኢዩ። እቲ ኒኪላናንድ እተባህለ ናይ ሂንዱ ፈላስፋ ከምዚ ይብል:- “ኵሎም ውፉያት ዝዀኑ ሂንዱ: እቲ ዘይትመውት ነፍሲ ናይ ምርካብ መሰል ንእተሓርዩ ፍሉያት ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክረኽቦ ዝኽእል ነገር ምዃኑ ኢዮም ኣትሪሮም ዝኣምኑ።”
ኣብ ቡድሂዝም ዘሎ ዑደት ናይ እንደገና ምውላድ
8-10. (ሀ) ቡድሂዝም ንህላወ ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ፧ (ለ) ሓደ ናይ ቡድሂስት ምሁር ንእንደገና ምውላድ ብኸመይ ኢዩ ዝገለጾ፧
8 ቡድሂዝም ብ500 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ኣብ ህንዲ ኢዩ ተመስሪቱ። ብመሰረት እቲ ናይ ሰዓብቲ ቡድሃ ልምዲ: እቲ ዳሕራይ መንፈሳዊ ፍልጠት ምስ ተቐበለ ቡድሃ ተባሂሉ እተጸውዐ ሲድሃርታ ጓተማ ዝበሃል ህንዳዊ መስፍን ኢዩ ንቡድሂዝም መስሪትዎ። ካብ ሂንዱዝም ዝመነጨ ስለ ዝዀነ: ትምህርትታቱ ብገለ መገዲ ምስ ናይ ሂንዱዝም ዝመሳሰል ኢዩ። ብመሰረት ናይ ቡድሂዝም እምነት ህላወ ቀጻሊ ዝዀነ ዑደት ናይ እንደገና ምውላድን ሞትን ዝሓዘ ኢዩ: ከምቲ ኣብ ሂንዱዝም ዘሎ ድማ እቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ህይወት ዘለዎ ቦታ በቲ ኣብ ቀዳማይ ህይወቱ ዝገበሮ ተግባራት ኢዩ ዝውሰን።
9 እንተዀነ ግን: ቡድሂዝም ድሕሪ ሞት ብህይወት ትቕጽል ብሕታዊት ነፍሲ ኣላ ብምባል ኣይኰነን ንህላወ ዝገልጾ። ኣርኖልድ ቶይምቢ ከምዚ ኢሉ ሓሳብ ይህብ:- “[ቡድሃ] ኣብቲ ሰብኣዊ ኣእምሮ (ብእንግሊዝኛ ሳይኪ ) ብባህጊ ጥራይ ብሓባር እተጠምረ: ቀልጢፉ ዝሓልፍ ተኻታታሊ ዘይኰነ ኣእምሮኣዊ ኵነታት ከም ዘሎ ኢዩ ተረዲኡ።” እንተዀነ ግን: ቡድሃ ገለ ነገር—ኣእምሮኣዊ ኵነታት ወይ ሓይሊ—ካብ ሓደ ህይወት ናብ ካልእ ህይወት ከም ዝሓልፍ ኢዩ ዝኣምን ነይሩ። ዶ/ር ዋልፖል ራሁላ እተባህለ ቡድሂስት ምሁር ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:-
10 “ሰብ ናይ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ሓይልታት ሕብረት ማለት ጥራይ ኢዩ። እቲ ሞት ኢልና እንጽውዖ ነገር ናይቲ ዝርአ ኣካልና ዕዮ ምቍራጽ ማለት ኢዩ። እዚ ኵሉ ሓይልን ብርታዐን እቲ ኣካላት ዕዮ ከቋርጽ ከሎ ጨሪሱ የቋርጽ ድዩ፧ ቡድሂዝም ‘ኣየቋርጽን’ ኢሉ ኢዩ ዝምልስ። ድሌት: ምርጫ: ባህጊ: ሃንቀውታ ናይ ምንባርን ምቕጻልን ብተደጋጋሚ ዳግም ምውላድን ንብምልኡ ህይወት: ንብምልኡ ህላወ: ንምልእቲ ዓለም እውን ከይተረፈ ዘንቀሳቕስ ፍሉይ ሓይሊ ኢዩ። እዚ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዝዓበየ ሓይሊ: ዝዓበየ ብርታዐ ኢዩ። ብመሰረት ቡድሂዝም: እዚ ሓይሊ እዚ ኣካላት ኣብ ግዜ ሞት ዕዮኡ ከቋርጽ ከሎ ደው ኣይብልን ኢዩ፣ ኣብ ክንድኡስ እቲ እንደገና ምውላድ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዳግመ ህላወ ብምግባር ብኻልእ መልክዕ ይግለጽ።”
11. ቡድሂስት ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዝህሉ ህይወት እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም፧
11 እቲ ቡድሂስት ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዝህሉ ህይወት ዘለዎም ኣረኣእያ እዚ ዝስዕብ ኢዩ:- ኣብቲ ካብ ናይ እንደገና ምውላድ ዑደት ናጻ ዝገብር ኒርቫና ዝበሃል ናይ መወዳእታ ሸቶ ክሳዕ ዝበጽሕ ህላወ ዘለኣለማዊ ኢዩ። “ኒርቫና ” ዘለኣለማዊ በረኸት እትረኽበሉ ወይ እውን ምስቲ ዝለዓለ ህላወ ሓደ እትዀነሉ ኵነታት ኣይኰነን። ብሓጺሩ ናይ ዘይምህላው ኵነታት—ክንዮ እቲ ናይ ሓደ ሰብ ህላወ ዝዀነ “ሞት ዘይብሉ ቦታ” ኢዩ። ወብስተርስ ናይንዝ ኒው ኮልጄት ዲክሸነሪ “ንኒርቫና ” “ሓልዮት: ስቓይ: ወይ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ክውንነት እትርስዓሉ ቦታ ወይ ኵነታት ኢዩ” ብምባል ይገልጾ። ቡድሂስት ዘይትመውት ነፍሲ ኣብ ክንዲ ምድላይ: ኣብ ኒርቫና ብምብጻሕ ክንዮኡ ክሓልፉ ኢዮም ዝተባብዑ።
12-14. እቲ እተፈላለየ ዓይነት ቡድሂዝም ነቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሓሳባት ብኸመይ የመሓላልፎ፧
12 ቡድሂዝም ኣብ እተፈላለየ ቦታታት እስያ ከስፋሕፍሕ ከሎ: ናይቲ ከባቢ እምነት ንምሓዝ ነቲ ትምህርትታቱ ምትዕርራያት ገበረ። ንኣብነት: እቲ ኣብ ቻይናን ጃፓንን ዓብላሊ ዝዀነ ማሃያና ቡድሂዝም ኣብ ሰማያዊ ቦድሂሳትቫስ ወይ ኣብ መጻኢ ኣብ ዝህልዉ ቡድሃታት ይኣምን። እቶም ቦድሂሳትቫስ ንኻልኦት ኒርቫና ንኽረኽቡ ክሕግዝዎም ምእንቲ ነቲ ናይ ኒርቫና ግዜኦም የናውሕዎ። ስለዚ ድማ ሓደ ሰብ ኒርቫና ድሕሪ ምርካብ እውን ከይተረፈ ነቲ ናይ እንደገና ምውላድ ዑደት ንኽቕጽሎ ክመርጽ ይኽእል ኢዩ።
13 ኣብ ቻይናን ጃፓንን ፍሉይ ጽልዋ ዝገበረ ካልእ ምትዕርራይ እቲ ብቡድሃ ኣሚታብ ወይ ኣሚዳ እተመስረተ ኣብ ምዕራብ ዘላ ዝጸረየት ሃገር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰረተ-እምነት ኢዩ። እቶም ብእምነት ስም ቡድሃ ዝጽውዑ ኣብታ ናይ መወዳእታ መንፈሳዊ ብርሃን ንኽትረክብ ምቹእ ኵነታት ዘለዋ ዝጸረየት ሃገር ወይ ገነት እንደገና ይውለዱ። ካብዚ ትምህርቲ እዚ ዝማዕበለ ነገር እንታይ ኢዩ፧ እቲ ኣቐድም ኣቢሉ እተጠቕሰ ፕሮፌሰር ስማርት ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “እቲ ኣብ ገለ ናይ ማሃያና ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ገነት ግርማ: ነቲ ሰባት ንኒርቫና ከም ዝለዓለ ሸቶ ገይርካ ናይ ምርኣይ ዝነበሮም ሓሳባት ክትክኦ ከኣለ።”
14 ናይ ቲበት ቡድሂዝም ካልእ ናይቲ ከባቢ እምነት ይውስኽ ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ብዛዕባ ምዉታት ዝገልጽ ናይ ቲበት መጽሓፍ: ሓደ ሰብ እንደገና ከይተወልደ ከሎ ዝህልዎ ጽሕፍቶ እንታይ ምዃኑ ይገልጽ። እቶም ምዉታት ናብቲ ድሙቕ ዝዀነ ብርሃን ናይቲ ዝለዓለ ህላወ እተቓልዑ ኢዮም: እቶም ነቲ ብርሃን ክጻወርዎ ዘይከኣሉ ድማ ናጽነት ኣይረኽቡን: ኣብ ክንድኡ ግን እንደገና ይውለዱ። ብንጹር እምበኣር: ቡድሂዝም ምስቲ እተፈላለየ መልክዓቱ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሓሳባት ኢዩ ዘመሓላልፍ።
ኣብ ናይ ጃፓን ሺንቶ ዘሎ ናይ ኣባሓጎታት ኣምልኾ
15-17. (ሀ) ነቶም ናይ ኣባሓጎታት መናፍስቲ ምምላኽ ኣብ ሺንቶ ብኸመይ ኢዩ ዝማዕበለ፧ (ለ) ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል እምነት ኣብ ሺንቶ መሰረታዊ ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧
15 ቡድሂዝም ኣብ መበል ሻድሻይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ጃፓን ሃይማኖት ነይሩ ኢዩ። ስም ዘይብሉ ሃይማኖት ኢዩ ነይሩ: ምስ ስነ-ምግባርን ልምድን ናይቶም ሰባት እተተሓሓዘ እምነት ኢዩ ነይሩ። ምስ ምትእትታው ቡድሂዝም ግን ነቲ ናይ ጃፓን ሃይማኖት ካብቲ ናይ ወጻኢ ሃይማኖት ምፍላዩ ኣድለየ። ስለዚ ድማ እቲ “መገዲ ኣማልኽቲ” ዝትርጕሙ “ሺንቶ” ዝብል ስም ጀመረ።
16 እቲ ናይ መጀመርታ ሺንቶ ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዝህሉ ህይወት እንታይ ዝብል እምነት ኢዩ ነይርዎ፧ ኣብቲ ጠሊ ዘለዎ ቦታ ሩዝ ምእካብ ምስ ተጀመረ: “እቲ ዝነበረ ሕርሻ ብግቡእ እተመሓደሩን ኣብ ሓደ ዝቘሙን ማሕበረሰባት ክህሉ ኣድላዪ ኰነ: እቲ ዳሕራይ ኣብ ሺንቶ ኣገዳሲ ቦታ እተዋህቦ ናይ ሕርሻ ጽንብላት ድማ ማዕበለ” ብምባል እቲ ኮዳንሻ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ጃፓን (እንግሊዝኛ) ይገልጽ። እዞም ጥንታዎት ሰባት እዚኣቶም ፍርሂ ናይተን እተፈልያ ነፍሳት ስለ ዝነበሮም ንዕአን ከህድእ ዝኽእል ጽምብላት መሃዙ። እዚ ድማ ናይ ኣባሓጎታት መናፍስቲ ናብ ምምላኽ ማዕበለ።
17 ብመሰረት እምነት ሺንቶ: እታ “እተፈልየት” ነፍሲ ገና ባህርያታ ኣሎ: ብምኽንያት ሞት ግን ረኺሱ ኢዩ። እቲ ሓዘንተኛ ናይ ዝኽሪ ጽምብላት ክገብር ከሎ ግን እታ ነፍሲ ካብ ኵሉ ርኽሰት ክሳዕ እትነጽህ: ሰላማውን ሰናይን ዝዀነ ባህርይ ድማ ትሕዝ። ጸኒሑ እቲ ናይ ኣባሓጎታት መናፍስቲ ናይ ኣባሓጎታት ኣምላኽ ወይ ሓላዊ ክሳዕ ዝኸውን ይዓቢ። ከምቲ ኣብ ቡድሂዝም ዘሎ ኣብ ሺንቶ እውን ነቲ ናይ ገነት ሰረተ-እምነት ሓዊስካ ናይ ቡድሂስት ትምህርቲ ኣለዎ። ስለዚ ድማ እቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል እምነት ኣብ እምነት ሺንቶ መሰረታዊ ነገር ኢዩ።
ዘይሙማት—ኣብ ትምህርቲ ታኦይዝም ናይ ኮንፉሺንዝም ኣምልኾ ኣቦሓጎታትት
18. ኣመንቲ ታኦይዝም ብዛዕባ ዘይሙማት እንታይ ኣተሓሳስባ ኣለዎም፧
18 ታኦይዝም በቲ ኣብ መበል ሻድሻይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ቻይና ይነብር ከም ዝነበረ ዝንገረሉ ላኦ-ዙ ኢዩ ተመስሪቱ። ብመሰረት ታኦይዝም: እቲ ናይ ህይወት ሸቶ ሰብኣዊ ንጥፈታት ምስ ታኦ—መገዲ ተፈጥሮ—ንምውህሃድ ኢዩ። ኣመንቲ ታኦይዝም ብዛዕባ ዘለኣለማውነት ዘለዎም ኣተሓሳስባ ከምዚ ዝስዕብ መገዲ ገይርካ ክጠቓለል ይከኣል ኢዩ:- ታኦ ንኣድማስ ዘማሓድር ስርዓት ኢዩ። ታኦ መጀመርታን መወዳእታን የብሉን። ሓደ ውልቀ-ሰብ ምስ ታኦ ተሰማሚዑ ብምንባር ኣብኡ ይካፈል: ዘለኣለማዊ ድማ ይኸውን።
19-21. እቲ ናይ ኣመንቲ ታኦይዝም ግምታት እንታይ ጻዕሪ ናብ ምግባር ኢዩ ዘምርሐ፧
19 እቶም ኣመንቲ ታኦይዝም ምስ ተፈጥሮ ንምሕባር ኣብ ዝገብርዎ ፈተነታት: ጸኒሖም ኣብቲ ደረት ዘይብሉ ዕድሜኡን ነቲ ክፉእ ናብ ጽቡቕ ናይ ምልውዋጥ ክእለቱን ዝያዳ ዝግደሱ ኰኑ። ሓደ ሰብ ምስ ታኦ ወይ ምስ መገዲ ተፈጥሮ ተወሃሂዱ ብምንባር: ነቲ ኣብ ተፈጥሮ ዘሎ ምስጢራት ክረክብን ኣካላዊ ጕድኣት: ሕማም: ወይ እውን ሞት ዘይትንክፎ ክኸውን ከም ዝኽእል ተስፋ ይገብሩ።
20 ኣመንቲ ታኦይዝም ነዚ ኣካላት ከይደኸመን ከይሞተን ከጽንሕ ዝኽእል ምስትንታን: ናይ ምስትንፋስ ልምምዳት ምግባር: ከምኡውን ኣመጋግባ ገይሮም ኢዮም ፈቲኖምዎ። ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ብዛዕባ እተን ኣብ ደበናታት ክነፍራ: ከም ምርጭአን ድማ ክረኣያ ክሕብኣ ዝኽእላ: ንኽቝጸር ዘይከኣል ዓመታት ኣብ ቅዱስ ኣኽራናት ወይ ርሑቕ ደሴታት ዝነብራ: ብጠሊ ወይ ናይ ሽሕር ፍሩታታት ዝናበራ ዘይሞታ ነፍሳት ዝገልጽ ኣፈ-ታሪኽ ክዝርጋሕ ጀመረ። ሃጸይ ቺን ሺር ሁዋን ዲ ነታ ብኣፈ-ታሪኽ ተገሊጻ ዘላ መንበሪ እተን ዘይሞታ ነፍሳት እትበሃል ደሴት ፐንሊ ንኽረኽብዋ: ነቲ ንዘይሙማት ዝጠቅም መድሃኒት ድማ ከምጽኡ: ብ219 ቅ.ኣ.ዘ. መራኽብ ገይሩ 3,000 ዝዀኑ ኣወዳትን ኣዋልድን ከም ዝሰደደ እቲ ናይ ቻይና ታሪኽ ጸብጻብ ይህብ። ነቲ ንዘለኣለም ከም እትነብር ዝገብር ፈውሲ ሒዞም ግን ኣይተመልሱን።
21 እቶም ኣመንቲ ታኦይዝም ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽረኽቡ ኣብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ምድላይ ብናይ ኣልኬሚ ስነ-ቐመም ገይሮም ናይ ዘይሙማት ከኒናታት ክሰርሑ ፈተኑ። ብኣረኣእያ ኣመንቲ ታኦይዝም እቲ ተጻራሪ ዝዀነ ይን ከምኡውን ያንግ (ኣንስተይትን ተባዕታይን) ሓይልታት ምስ ዝተሓዋወስ ኢዩ ህይወት ዝጅምር። ስለዚ ድማ እቶም ናይ ኣልኬሚ ምሁራት ሊድ (ጸሊም ዝሕብሩ ወይ ይን ) ከምኡውን ሜርኩሪ (ብሩህ ዝሕብሩ ወይ ያንግ ) ብምሕዋስ ነቲ ናይ ተፈጥሮ መስርሕ ይቐድሕዎ ነበሩ: እቲ ውጽኢት ድማ ንኸይትመውት ዝጠቅም ከኒና ይኸውን ኢዩ ይብሉ ነበሩ።
22. ቡድሂስት ኣብ ናይ ቻይና ሃይማኖታዊ ጕዳይ ጽልዋ ምግባሩ እንታይ ኣፍረየ፧
22 ኣብ መበል ሻብዓይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ቡድሂዝም ናብቲ ናይ ቻይና ሃይማኖታዊ ጕዳያት ክኣቱ ጀመረ። እቲ ውጽኢት ድማ ናይ ቡድሂዝም: ሓተታ መናፍስቲ: ከምኡውን ኣምልኾ ኣቦታት ሕውስዋስ ኰነ። ፕሮፌሰር ስማርት ከምዚ ይብል:- “ነቲ ኣብ ጥንታዊት ቻይና ኣብ ናይ ኣባሓጎታት ኣምልኾ ብዙሕ ፍሉጥ ዘይነበረ ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ዝገልጽ እምነት ቅርጺ ዘትሓዞን ዓንዲ ማእከል ዝዀኖን ቡድሂዝምን ታኦይዝምን ኢዩ።”
23. ኮንፊሸስ ብዛዕባ ኣምልኾ ኣባሓጎታት እንታይ መርገጽ ነበሮ፧
23 እቲ ፍልስፍንኡ መሰረት ናይ ኮንፊሽኒዝም ዝዀነ ኣብ መበል ሻድሻይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ኮንፊሸስ: ካልእ ናይ ቻይና ፍሉጥ ጥበበኛ: ድማ ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ሰፊሕ ሓሳባት ኣይሃበን። ኣብ ክንድኡስ ብስነ-ምግባር ሰናይ: ብሕብረተሰብ ድማ ቅቡል ጠባይ ምርኣይ ዘለዎ ኣድላይነት የጕልሕ ነበረ። እንተዀነ ግን: ንኣምልኾ ኣባሓጎታት ዝድግፍ ኣመለኻኽታ ነበሮ: ምእንቲ ነተን እተፈልያ ነፍሳት ናይ ኣባሓጎታት ኢልካ ዝግበር ጽንብላትን በዓላትን ምኽባር ዝብል ሓሳባት ከኣ የጕልሕ ነበረ።
ካልኦት ምብራቓውያን ሃይማኖታት
24. ጀይኒዝም ብዛዕባ ነፍሲ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝምህር፧
24 ጀይኒዝም ኣብ መበል ሻድሻይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ኣብ ህንዲ ተመስሪቱ። እቲ መስራቲኡ ማሃቬራ: ኵሉ ህይወት ዘለዎ ነገር ንዘለኣለም እትነብር ነፍሲ ኣላቶ: ስለዚ ድማ ነፍሲ ካብ ባርነት ካርማ ክትወጽእ እትኽእል ካብ መጠን ንላዕሊ ዝዀነ ርእስኻ ብምሕሳምን ብምቕጻዕን ከምኡውን ንዅሎም ፍጥረታት ብዘይምህሳይ ኢዩ ክግበር ዝከኣል ብምባል ይምህር ነበረ። እቶም ኣመንቲ ጀይን ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ እምነታት ሒዞም ኣለዉ።
25, 26. እንታይ ናይ ሂንዱ እምነታት ኢዩ ኣብ ሲኪዝም እውን ዝርከብ፧
25 ህንዲ እቲ 19 ሚልዮን ዝዀኑ ኣመንቲ ዘለውዎ እምነት ሲኪዝም እተጀመረላ ቦታ እውን ኢያ። እዚ ሃይማኖት እዚ ጉሩ ናናክ: ሕብረት ዘለዎ ሃይማኖት ንምቛም ኢሉ እቲ ዘዝበለጸ ናይ ሂንዱዝም ምስቲ ናይ ምስልምና ምስ ሓወሶ ኣብ መበል 16 ክፍለ-ዘበን ኢዩ ጀሚሩ። ሲኪዝም ነቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ: ሪኢንካርነሽን: ከምኡውን ካርማ ዝብል እምነታት ወረሰ።
26 ብንጹር እምበኣር ኣካላት ምስ ሞተ ህይወት ይቕጽል ኢዩ ዝብል እምነት ቀንዲ ክፍሊ ናይ መብዛሕትአን ምብራቓውያን ሃይማኖታት ኢዩ። ይኹን እምበር: ብዛዕባ ህዝበ-ክርስትያን: ኣይሁድነት: ከምኡውን ምስልምናኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃል፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ካርታ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ።)
ማእከላይ እስያ
ካሽሚር
ቲበት
ቻይና
ኮርያ
ጃፓን
ባናራስ
ህንዲ
ቡድሃ ጋያ
ምያንማር
ታይላንድ
ስሪ ላንካ
ካምቦድያ
ጃቫ
3 ይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ.
1 ይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ.
1 ይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ.
4 ይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ.
6 ይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ.
7 ይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ.
ቡድሂዝም ንዅሉ ምብራቕ እስያ ጸለዎ
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ሪኢንካርነሽን ዓንዲ ሕቖ ሂንዱዝም ኢዩ
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
ሓደ ኣማኒ ታኦይዝም ምስ ባህሪ ተወሃሂዱ ብምንባር ዘለኣለማዊ ክኸውን ይጽዕር
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ኮንፊሸስ ነቲ ናይ ኣባሓጎታት ኣምልኾ ዝድግፍ ኣመለኻኽታ ነበሮ